እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዶ/ር ኣይዳ ሃብተጽዮን ኣብ ትካል ባዮ-ኡሳዋ ሓድሽ መዝነት ተዋሂቡዋ
ኤርትራዊት-ካናዳዊት ዶክተር ኣይዳ ሃብተጽዮን ኣብቲ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ብሉጽ ጽሬት ንዘለዎ ስነ-ህይወታዊ መድሃኒታት ዝሰርሕ ትካል ባዮ-ቴክኖሎጂ ዝዀነ ባዮ ኡሳዋ (Bio Usawa)፡ ኣባል ቦርድ ዳይረክተራት ብምዃን ብወግዒ ከም ዝተሸመት እቲ ትካል ኣፍሊጡ።
ትካል ባዮ ኡሳዋ ኣብ ኣፍሪቃ ቀጻልነት ዘለዎ ምህርቲ ባዮ-ቴክኖሎጂ ንምፍራይ ዘኽእል ዓቕሚ ንምህናጽን ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ንዝርከቡ ሕሙማት ህይወት ዝቕይር ሕክምና ንኽረኽቡን ጻዕርታቱ ኣብ ዘቀላጥፈሉ ዘሎ እዋን፡ እዚ ሽመት ዶ/ር ኣይዳ ኣዝዩ ወሳኒ ስጕምቲ ምዃኑ ይግለጽ።
ኣይዳ፡ ብዓለም ደረጃ ዝተፈልጠት ሓኪምን ተመራማሪትን፡ ክንክን ጥዕናን ኣካዳምያዊት መራሒትን እያ። እቲ ፍሉይ ሞያዊ ጕዕዞኣ ድማ ኣካዳምያዊ ሕክምና፡ መሰጋገሪ ምርምር፡ ክሊኒካዊ ምህዞን ምምዕባል ለውጢ ዘምጽእ መድሃኒታትን ዘጠቓልል ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ፋይዘር (Pfizer) ዋና ሓኪምን ሓላፊት ዓለማዊ ሕክምናን ድሕነትን ኰይና፡ ሕሙማት፡ ሓካይምን ተቘጻጸርቲ ትካላትን ብዛዕባ ውሑስን ግቡእን ኣጠቓቕማ መድሃኒታት ፋይዘር ሓበሬታ ንኽህብ ሓላፍነት ዘለዎ ክፍሊ ሕክምናን ድሕነትን ፋይዘር ትመርሕ።
ኣብኡ፡ ህይወት ሚልዮናት ሰባት ኣብ መላእ ዓለም ዘመሓየሸ መድሃኒታት ኣብ ምዕባይ ብምሕጋዝ፡ ንዝተፈላለየ ጕጅለታት ሓደስቲ ኣፋውስን ክታበታትን፡ ዓለማዊ ንጥፈታት ሕክምናን ድሕነት ሕሙማትን መሪሓ።
ኣብ ኣስመራ ተወሊዳ ዝዓበየት ዶ/ር ኣይዳ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ኣልበርታ ብኬሚስትሪ ቀዳማይ ዲግሪ፡ ካብ ዩኒቨርሲቲ ጉሌፍ ድማ ብስነ-መግቢ ማስተርስ ዲግሪ ረኺባ።
ካብ ማክማስተር ዩኒቨርሲቲ ከኣ ናይ ሕክምና ዲግሪኣ ወዲኣ። ዶክተር ኣይዳ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምዕራባዊ ኦንታርዮ ሕክምና ውሽጣዊ ሕማማት ከምኡ'ውን ካብ ዩኒቨርሲቲ ቶሮንቶ ካናዳ፡ ብጋስትሮኢንተሮሎጂን ሄፓቶሎጂን ክሊኒካዊ ፈሎውሺፕ ገይራ።
ዶ/ር ኣይዳ ሃብተጽዮን፡ ንስርሓታን ምርምራዊ መጽናዕታን ኣመልኪታ ቅድሚ ሕጂ ምስ ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ ብዛዕባ ትካል 'ፋይዘር'፡ ንስነቅመማ-መድሃኒትን ባዮተክኖሎጅያዊ ስርሓቱትን፡ ከምኡ'ውን ተራኣ ኣብቲ ትካልን መብርሂ ነይራ።
ፋይዘር፡ በቲ ዝመሃዞን ዓለም ዘድሓነን ጸረ-ኮቪድ ክታበትን ልዑል ስም ከም ዝረኸበ፡ ዶ/ር ኣይዳ ድማ ኣብቲ ዝተኻየደ ልዑል ስርሓትን ወፈራታትን ብምስታፍ ዓቢይ ስም ክትረክብ ከም ዝኸኣለትን ይፍለጥ።
ኣይዳ፡ ስታንፎርድ ኣብ ዝተባህለ ፍሉጥ ዩኒቨርሲቲ ኣመሪካ ከም መምህር ሕክምና ዝሰርሐት ኰይና፡ ብፋይዘር ኮርፖረይሽን ኣብቲ መሪሕነታውን ዓለምለኻውን ስርሓቶም ንኽትዋሳእ ብጠለብ'ያ ተቘጺራ ትሰርሕ ዘላ።
መዝነታ ፕሮፈሰር ኰይኑ፡ ኣብ ኣካደምያዊ ስርሓታን ምሕደራዊ ኣበርክቶኣን፡ ሓያለ ክብርን መዓርግን ሽልማትን ረኺባ።
ምርምራታ ኣብ ነድሪ፡ ጽሕጋርን (fibrotic) ሕማማት መንሽሮን ዘሎ ኣሰራርሓታት ጸረ-ሕማም (immune mechanisms) ንምርዳእ ኣሰጕሙ እዩ። ብስነ-ፍልጠታዊ ኣበርክቶኣ፡ ክሊኒካዊ መሪሕነታን ንመጻኢ ወለዶ ሓካይምን ተመራመርትን ንምምሃር ብዘለዋ ተወፋይነትን ድማ ሰፊሕ ተፈላጥነት ክትረክብ ክኢላ እያ።
ዋና ፈጻሚ ስራሕን ፕረዚደንትን ባዮ ኡሳዋ ዶክተር መንግስ ባይሩ፡ ብዛዕባ ሓድሽ ሽመት ዶክተር ኣይዳ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ "ዶክተር ኣይዳ፡ ሞያኣ ስነ-ፍልጠት ሕክምና ኣብ ምዕባይ፡ ውጽኢት ሕሙማት ኣብ ምምሕያሽን፡ ምህዞታት ናብ ትርጉም ዘለዎ ጽልዋ ንሕሙማት ዓለምና ኣብ ምቕያርን ዘወፈየት እያ፡" ክብል ገሊጹ።
ዶ/ር መንግስ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ስነ-ህይወታዊ መድሃኒታት ንምርካብ ዝኽእል ትካል ባዮ-ቴክኖሎጂ ህንጸት ኣብ ዝቕጽልሉ እዋን፡ እቲ ኣብ ዝለዓለ ደረጃታት ሕክምና፡ ምርምርን ዓለማዊ መሪሕነት ባዮ-ፋርማሲን ዘለዋ ሰፊሕ ተመኵሮ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ዶክተር ኣይዳ ብወገና፡ "ባዮ ኡሳዋ ራእይ ዘለዎን ብህጹጽ ዘድልን ተልእኾ እዩ ዝኽተል ዘሎ፡" ክትብል ደገፋ ኣነጺራ።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ቀጻልነት ዘለዎ ዓቕምታት ባዮ-ቴክኖሎጂ እናሃነጽካ፡ ንምዕቡል ስነ-ህይወታዊ ሕክምናታት ዝረኸበሉ ዕድል ምስፋሕ፡ ዝበለጸ ኵለ-ዓለማዊ ማዕርነት ጥዕና ንምርግጋጽ ሓያል ኣብነት ምዃኑ ብምግላጽ፡ ኣባል እዚ ቦርድ ብምዃና ንዕቤት፡ ምህዞን ነዊሕ ጽልዋን እቲ ትካል ንምድጋፍ ብህንጡይነት ከም እትጽበዮን ሓቢራ፡ ክብል መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል ኣቃሊሑ።
እዚ ሽመት ዶክተር ኣይዳ፡ ባዮ ኡሳዋ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ዝኽበሩን ነቲ ትካል ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ሕሙማት ዘመናዊ ስነ-ህይወታዊ መድሃኒታት ብዝበለጸ ተበጻሕን ተመጣጣኒ ዋጋ ዘለዎን ንምግባር ዝብል ራእይ ዘለዎም ክኢላታት ኣቢሉ፡ ኣመራርሓኡን ስትራተጅያዊ መሪሕነቱን ንምድልዳል ዘለዎ ድልውነት ዘንጸባርቕ እዩ።
ባዮ ኡሳዋ፡ ብውሽጣዊ ምህርቲ፡ ስነ-ፍልጠታዊ ብልጫን ስትራተጅያዊ ሽርክነታትን ኣቢሉ፡ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ብሉጽ ጽሬት ዘለዎ ስነ-ህይወታዊ መድሃኒታት ንምዝርጋሕ ዘተኰረ ትካል ባዮ-ቴክኖሎጂ እዩ።
እዚ ትካል ኣብ ኣፍሪቃ ቀጻልነት ዘለዎ ዓቕምታት ባዮ-ቴክኖሎጂ ብምምዕባል፡ ስርዓታት ክንክን ጥዕና ንምድልዳል፡ ውጽኢት ሕሙማት ንምምሕያሽ፡ ውሕስነት ጥዕና ንምዕባይን ኣብ ዝያዳ ማዕርነት ዘለዎን ተጻዋርን ዓለማዊ ጥዕናዊ ንኽመጽእ ኣበርክቶ ንምግባርን ጻዕርታቱ ይቕጽል ኣሎ፡ ወግዓዊ መርበብ ሓበሬታኡ የነጽር።