ኣምነስቲ፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ሱዳን ኣብ ኤል-ፋሸር ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሞም

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

እቶም ኣብ ሱዳን ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ፡ ዝሓለፈ ዓመት ንኸተማ ኤል-ፋሸር ንምቍጽጻር ኣብ ዘካየዱዎ ወፍሪ፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ምጽናት ዓሌትን ከም ዝፈጸሙ ሓደ ጸብጻብ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሓቢሩ።

ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ንእትርከብ ከተማ ኣብ ከበባ ንምእታውን ንምቍጽጻር፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ዝኸፍአ ደማዊ መድረኽ ኰይና ኣላ።

"ገበናት ዳዕመ-ሰሪዕ ቅትለት፡ ብሓይሊ ምምዝባል፡ ማእሰርቲ፡ ስቓይ፡ ዓመጽ፡ ጾታዊ ግህሰት፡ ካልኦት ዓይነታት ጾታዊ ዓመጻት፡ ግልያነት፡ ህዝቢ ምጽናት ከምኡ'ውን ምስጓግ ዘጠቓለለ እዩ፡" ክብል ብረቡዕ ዝተዘርግሐ ብኣምነስቲ ዝተኻየደ መርመራ ገሊጹ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ብዛዕባ ጸብጻብ ኣምነስቲ ዝሃቦ ርእይቶ የሎን፤ እንተዀነ፡ ኣቐዲሙ ንተመሳሰልቲ ክስታት ክነጽግ ጸኒሑ እዩ።

ሱዳን ኣብ መንጎ ስሩዕ ሰራዊትን ዳዕመ-ሰሪዕን ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ሓድሕዳዊ ግጭት ተሸሚማ ትርከብ።

እዚ ቀጻሊ ውሽጣዊ ኲናት'ዚ ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቍጸሩ ሰባት ቀቲሉ፡ ንልዕሊ 14 ሚልዮን ሰባት ድማ ካብ መረበቶም ኣመዛቢሉ ኣሎ።

ኣብ ልዕሊ ሰብኡት፡ ኣንስትን ቈልዑን ዝፍጸም ሰፊሕ ጾታዊ ዓመጽ ከም ኣጽዋር ኲናት የገልግል ከም ዘሎ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።

ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ብገበናት ኲናት ዝተኸሱ ኰይኖም፡ ክልተኦም ወገናት ግን ነዚ ክስታት ይነጽጉዎ።

ዳዕመ-ሰሪዕ ካብ ዋና ከተማ ካርቱም ተደፊኦም ድሕሪ ምውጽኦም፡ ነቲ ኣብ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ዘለዎም ቍጽጽር ንምጽናዕ፡ ከተማ ኤል-ፋሸር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ንምእታው ዝከኣሎም ዘበለ ኵሉ ገይሮም እዮም።

ዕላማኦም ድማ ጽልዋኦም ናብ ደቡባዊ ኽፋል እታ ሃገር ኣብ ዝርከባ ግዝኣታት ኮርዶፋን ንምስፋሕ እዩ።

ኣምነስቲ ከም ዝኣምኖ፡ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብቲ ን18 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ጕዕዞ ከበባ እታ ከተማ፡ ኣብ ውሽጥን ከባቢን ኤል-ፋሸር ከቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ፈጺሞም እዮም።

"ቈልዑ ግዳያት ጐድናዊ ሳዕቤን ናይዚ ኲናት ጥራይ ኣይነበሩን፤ መብዛሕትኡ እዋን ብዕላማ ዝተጠቕዑን ከቢድ ስቓይ ዘሕለፉን እዮም። ብሰንኪ እዚ ድማ ብሰፊሕ ደረጃ ተቐቲሎም፡ ቈሲሎም፡ ተዓሚጾም፡ ተጨውዮም፡ ከምኡ'ውን ብሓይሊ ናብ ውትህድርና ተዓስኪሮም እዮም፡" ክትብል ዋና ጸሓፊ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣግነስ ካላማርድ ገሊጻ።

ኣምነስቲ፡ ንጸብጻብ ዓሰርተታት መሰኻኽርን ልዕሊ 200 ዝዀኑ ካብዚ ሓደጋ ዝደሓኑ ሰባትን መሰረት ብምግባር ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ እቲ ዝተኣከበ መርትዖታት፡ "ምስ ገበን ምጽናት ዓሌት ርክብ ክህሉዎ ከም ዝኽእል፡" ሓቢሩ።

"ኣሲሮም ብዕንጨይትን ብሰደፍ ከላሽንን ገይሮም ቀጥቂጦሙኒ። ድሕሪኡ ሓደ ካብኣቶም ብግመል ቀሪቡ... ብቐጥታ ኣብ እግረይ ተዅሲ ከፊቱለይ፡" ክብል ሓደ ኣብ ኣቡ ዘረጋ (ደቡባዊ ከተማ ኤል-ፋሸር) መጥቃዕቲ ዝበጽሖ ወዲ 17 ዓመት መንእሰይ ይገልጽ።

ንሱ ኣብዚ ግዜ'ዚ ንኽንቀሳቐስ ምርኵስ ዝጥቀም ዘሎ ኰይኑ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ሸሞንተ ደቂ ኣሞታቱ (ካብ 11 ክሳዕ 17 ዝዕድመኦም) ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ።

ተመራመርቲ ኣምነስቲ፡ 89 ቪድዮታት ብምርኣይን ኣብ ልዕሊ ናይ ሳተላይት ምስሊ ሰሜን ዳርፉር ሰፊሕ ትንተና ብምክያድን፡ ብዙሓት ግዳያት ብሰንኪ ብሄራዊ መንነቶም ተፈልዮም ከም ዝተቐትሉ ገሊጾም።

ብመሰረት እቲ ትካል ሰብኣዊ መሰላት፡ ዓረብ ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ነቶም ዓረብ ዘይኰኑ ነበርቲ ናይቲ ከባቢ ይሃድኑዎም ከም ዝነበሩን መብዛሕትኡ እዋን "ግልያ" ወይ "ኣገልጋሊ" ዝብሉ ጸርፍታት ይጥቀሙ ከም ዝነበሩን ይሕብር።

ምስ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝተኣሳሰሩ ዕጡቓት ሓይልታት ዓረብ፡ ኣብ ዳርፉር ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ጕጅለታት ዓመጽ ብምፍጻም ነዊሕ ታሪኽ ኣለዎም።

ኣብቲ ናይ ኤል-ፋሸር ኵነት፡ እቶም ነታ ከተማ ዝከላኸሉ ዝነበሩ ዕጡቓት ሓይልታት መብዛሕትኦም ካብ ብሄረሰብ ዛጋዋ ዝመጽኡ እዮም።

ዕጡቓት ዳዕመ-ሰሪዕ ድማ ብተመሳሳሊ ነቶም ተዋጋእቲ ጥራይ ዘይኰነስ ነቶም በርገስ ብሄረሰብ ዛጋዋ እውን ዒላማ ገይሮሞም ነይሮም ይብል ኣምነስቲ።

መሰኻኽር ዓይኒ ብተወሳኺ፡ ኣብ ጐደናታት እታ ከተማ ብዛዕባ ዝተፈጸመ ጃምላዊ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ንቘልዑ ብዕላማ ምጥቃዕን መስኪሮም እዮም።

ዋና ጸሓፊ ኣምነስቲ ካላማርድ ከም ዝገለጸቶ፡ "ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ነታ ከተማ ኣብ ዝኸበብሉ እዋን፡ ኣብ ኤል-ፋሸር ዘጋጠመ መሪር ሓደጋ ንዓለም ኣጠንቂቑ ነይሩ እዩ።"

"እዚ ኣብ ሕልና ወዲ ሰብ ዓቢ ርስሓት እዩ፡" ክትብል ዝወሰኸት ካላማርድ፡ ኣብ ሱዳን ህጹጽ ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር፡ ንሰላማውያን ሰባት ንምክልኻል ዓለምለኻዊ ሓይሊ ብቕጽበት ክዋፈርን ህጹጽ ስጕምትታት ክውሰድን ጸዊዓ።

ኣምነስቲ ንጥሕሰት ዓለምለኻዊ ሕጊ ተሓተቲ ዝዀኑ ኣዘዝቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ከም ዝፈለዮምን ተሓታትነት ክህሉ ከም ዘለዎን የነጽር።

መሪሕነት ዳዕመ-ሰሪዕ ገለ ጥሕሰታት ከም ዝተፈጸሙ እኳ እንተ ተኣመነን ነዚ ንምጽራይ መርመራ ከም ዝገበረ እንተ ገለጸን፡ እቲ ጽዕነት ግፍዕታት ግን መጠኑ ዝሓለፈ ጌጋ እዩ ክብል ይከራኸር።

እዚ ጸብጻብ'ዚ፡ ነቲ ኣብ ኤል-ፋሸር ዝተፈጸመ ግፍዕታት ዘርኢ መርትዖታት ዝውስኽ ኰይኑ፡ ሕቡራት ሃገራት'ውን ካብ መጀመርታ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ "ምልክታት ምጽናት ዓሌት" ዘለዎ ምዃኑ ገሊጹ ነይሩ እዩ።

ኣብ ኤል-ፋሸር ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልታት ጥራይ ልዕሊ 6,000 ሰባት ከም ዝተቐትሉ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጸብጻቡ ገሊጹ እዩ።

እዚ ግጭት'ዚ ንምቍራጽ ዝግበር ዘሎ ዓለምለኻዊ ጸቕጢ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብዚ ኲናት፡ ልዕሊ 14 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ከመዛበሉ ከለዉ፡ 28 ሚልዮን ሰባት ድማ ንኸቢድ ጥሜት ተቐሊዖም።