እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኲናት ኢራን ንዞባዊ ፖሊሲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብኸመይ ቀዪሩዎ?
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ኢራን፡ ኣብ ዞባዊ ስትራተጅያዊ ፖሊሲኣ ግዙፍ ለውጢ ከም ዝገበረት ዘርእዩ ምልክታት ተራእዮም ኣለዉ።
ኢማራት፡ ኣብቲ ዞባ ብንግዲ፡ ፋይናንስን ወፍርን ከም ቀንዲ ማእከል እያ እትውሰድ። ምስ ኲናት ኢራን ተኣሳሲሮም ዝመጽኡ ለውጥታት ግን ብቐንዱ ኣብ ጉዳይ ጸጥታን ድሕነትን ዝተኰሩ እዮም።
እታ ሃገር ካብ ግጭት ንምርሓቕ እኳ እንተ ፈተነት፡ ብሰንኪ ኲናት ኢራን ግን ኣብ ጸቕጢ ወዲቓ እያ። ኢራን ኣብ ልዕሊ ግዝኣት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ እታ ሃገር ንመጥቃዕቲ ክሳብ ክንደይ ተቓላዒት ምዃና ዘርኣየ ኰይኑ ኣሎ።
እቲ "ብንግዲ ኣቢልካ ሰላም ምምጻእ" ዝብል ናይ ነዊሕ እዋን ኣካይዳ ኢማራት፡ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ኢራን ሓያል ፈተና ገጢሙዎ ኣሎ።
እዚ ኣካይዳ'ዚ ብዘይ ድልዱል ናይ ጸጥታ ጽላል ርሑቕ ምጓዓዝ ከም ዘይከኣል ዝተረድአት ኢማራት፡ ምስቶም ኣውራ መሻርኽታ ኣመሪካን እስራኤልን ዘለዋ ወተሃደራዊ ምሕዝነት ንምሕያል መሪጻ ኣላ።
ኲናት ኢራን፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ምትእስሳር ጥራይ ርሑቕ ከም ዘየብጽሕ ዘርኣየ ክስተት ኰይኑ ኣሎ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ድማ ኣብቲ ብቝልጡፍ ዝልወጥ ዘሎ ማእከላይ ምብራቕ፡ ስትራተጅያዊ ቦታ ንምሓዝ እትገብሮ ጻዕሪ ኣሐይላቶ ኣላ።
ሓደ ካብቲ መንገድታት፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራት እቲ ዞባ ዘለዋ ምትእምማን ምቕናስ እዩ። ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ናይ ጸዓት ድሌታታን ንምምላእ ድማ ብዝበለጸ ናጽነት ካብቲ ዞባ ወጻኢ ንምጥማት ሓርያ ኣላ።
ነዚ ከም መርትዖ ዝጥቀስ ድማ ምስ ህንዲ፡ ዩክረይን፡ ግሪኽ፡ ቆጵሮስን ኢትዮጵያን ዘለዋ ምትእስሳር ምሕያላ እዩ።
ድሕሪ ኲናት ኢራን፡ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኣ ከተስፍሕ ጸኒሓ እያ። እዚ ድማ ነቶም ሓደስቲ ዝፍጠሩ ዘለዉ ዞባዊ ጂኦ-ፖለቲካዊ ምሕዝነታት (ስዑዲ ዓረብ፡ ቱርኪ፡ ግብጽን ፓኪስታንን) እትዳረገሉ እትኽእል መንገዲ ኰይኑ ኣሎ።
እታ ሃገር ቅድሚ ኲናት ኢራን ካብ ዝነበራ ፖሊሲ ለውጥታት ከም ዝገበረት ካብ ዘርእዩ መርትዖታት ሓደ፡ እቲ ኣብዚ ግዜ'ዚ እትጻወቶ ዘላ ፍልይ ዝበለ ዞባዊ ግደ እዩ።
ምስ ኣመሪካን እስራኤልን ምቕራብ
ኢራን ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ፡ ኣቡዳቢ ካብቲ ልሙድ ናይ ወጻኢ ፖሊሲኣ ወጻኢ ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ክትንቀሳቐስ ገይሩዋ ኣሎ።
እቲ ኣቐዲሙ ዝጸንሐ ናይ ጉዳያት ወጻኢ ፖሊሲኣ፡ ንዲፕሎማሲ ምስ ቍጠባዊ ረብሓታታ ንምስምማዕ ዝዓለመ ነይሩ።
ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ምያዝያ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክገብራ ከለዋ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ግን መጥቃዕትታት ከም ዝወረዳ ክትሕብር ጸኒሓ እያ።
ብመሰረት ምኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ኣብ ፈለማ ግንቦት ዘውጽኦ ሓበሬታ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ንነጀው 551 ባሊስቲክ ሚሳይላት፡ 29 ክሩዝ ሚሳይላትን 2,265 ድሮናትን ናብ ግዝኣታ ተተኲሶም እዮም።
ኣብ ፈላማይ መድረኽ ናይቲ ኲናት፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኵነታት ክዝሕል ጻውዒት ከተቕርብ ጸኒሓ እያ። እቲ ግጭት እናተባርዐ ምስ ከደ ግን ሓያል መርገጺ ከተንጸባርቕ ጀሚራ።
እቲ ኲናት ድሕሪ ምጅማሩ ንፈለማ እዋን ፕረዚደንት መሓመድ ቢን ዛይድ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ኢማራት "ቀሊል ዒላማ ኣይኰነትን፡" ኢሎ። "ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ሓያላት ኴንና ክንወጽእ ኢና፡" ክብል ተዛሪቡ።
ኢራን ኣብ ልዕሊ ኢማራት መጥቃዕቲ ዝፈነወትሉ ምኽንያት፡ ኣብታ ሃገር ናይ ኣመሪካ ወተሃደራዊ መዓስከር ስለ ዘሎን ምስ እስራኤል ስለ እትተሓባበርን ምዃኑ ገሊጻ እያ። እዚ ድማ ኣቡዳቢ ንጉዳይ ጸጥታን ድሕነትን ብጽኑዕ ክትጥምቶ ገይሩዋ ኣሎ።
ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣንዋር ጋራጊሽ ከም ዝገለጾ፡ ካብ ኢራን ዝተፈነወ መጥቃዕቲ፡ ኢማራት ምስ ኣመሪካ ዘለዋ ናይ ጸጥታ ምትእስሳር ዝያዳ ዘሐይል እዩ።
ምስ ኣመሪካ ብምትሕብባር ጸጥታ መጻብቦ ሆርሙዝ ንምሕላው ሓይልታት ከተዋፍር ዝሓሰበትሉ ምኽንያት'ውን እዚ እዩ።
ኣቡ ዳቢ ምስ እስራኤል'ውን ጥብቕ ወተሃደራዊ ርክብ ከም ዘለዋ ማዕከናት ዜና ዓረብን እስራኤልን ጸብጺበን ኣለዋ።
እቲ የማናዊ መርገጺ ዘለዎ ማዕከን ዜና እስራኤል 'አይ24 ኒውስ'፡ ንፋይናንሻል ታይምስ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ እስራኤል ንሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዘመናዊ ናይ ኣየር ምክልኻል ኣጽዋር ከም ዝሃበታ ሓቢሩ ኣሎ።
ካብዞም ኣጽዋራት እዚኣቶም 'ኣይረን ቢም'ን 'ኣይረን ዶም'ን ዝተባህሉ ናይ ኣየር ምክልኻል ስርዓታትን 'ስፔክትሮ' ዝተባህለ ናይ ስለላ መሳርሕን ይርከቡዎም።
ኣቡ ዳቢ ነዞም ጸብጻባት እዚኣቶም ብወግዒ ዝሃበቶ ምላሽ የሎን። ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ቢን ዛይድ ብዛዕባ ኲናት ኢራን ከም ዝተዘራረቡ እኳ እንተ ገለጹ፡ እታ ሃገር ግን ነቲ ሓበሬታ ነጺጋቶ እያ።
ስትራተጅያዊ ለውጢ
ኣብ ርእሲ እቲ ወተሃደራዊ ርክባታ ተሓይሎ ዘላ፡ ሃገራዊ ረብሓታታን ድሕነታን ንምሕላው በይናዊ ስጕምቲ ንምውሳድ ድልውቲ ምዃና'ውን ተርኢ ኣላ።
ኢማራታዊ ምሁር ዓብዱል ኻሊቕ ዓብደላ ነዚ ኣካይዳ እዚ "እታ ሓዳስ ኢማራት" ክብል ይገልጾ።
እዚ ድማ እታ ሃገር ረብሓታታ ንምውሓስ "ቈራጽ ስጕምቲ" ትወስድ ከም ዘላ ዘርኢ ምዃኑ የረድእ።
ኣቡ ዳቢ በይናዊ ስትራተጅያዊ ውሳነታት ምውሳዳ ምስቶም ቀንዲ መሻርኽታ ዘርሕቓ ኣይኰነን። እኳ ደኣ ርክባታ እተሐይለሉ መንገዲ ኰይኑ እዩ ዝውሰድ።
ዞባዊ ረብሓታት
ኲናት ኢራን ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን፡ ኢማራት ኣብ ከም ማሕበር ሃገራት ዓረብን ባይቶ ምትሕብባር ሃገራት ወሽመጥን ኣብ ዝበሉ ዞባዊ መድረኻት ጐሊሑ ዝስማዕ ድምጺ ከተስምዕ ጸኒሓ እያ።
ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣንዋር ጋራጊሽ ከም ዝገለጾ፡ ባይቶ ምትሕብባር ሃገራት ወሽመጥ ብዛዕባ እቲ ኲናት ዘርኣዮ መርገጺ "ኣብ ታሪክ እቲ ዝደኸመ" እዩ ነይሩ።
ሃገራት ወሽመጥ ንዞባዊ ጸጥታዊ ስግኣታት ዝህብኦ ምላሽ ዳግም ክግምግምኦ ከም ዘለወን ኣተሓሳሲቡ።
እተን ሃገራት ወሽመጥ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝኽተልኦ ፖሊሲ ከም ዝፈሸለ ብምጥቃስ፡ "ርእሰን ክኢለን ክንቀሳቐሳ" ከምኡ'ውን "ቅመራታተን ዳግም ክግምግማ" ከም ዝግባእ ገሊጹ።
ካብ ማሕበር ሃገራት ኣፍረይቲ ነዳዲ ምውጻእ
ኢማራት ካብቲ ኪዳን ሃገራት ኣፍረይቲ ነዳዲ (ኦፔክ) ምውጻኣ ኣብ ግንቦት ወግዓዊ ገይራቶ እያ።
ካብቲ ኪዳን ንምውጻእ ዝተወሰነ ብ"ፖለቲካዊ" ድፍኢት ከም ዘይኰነ ሰበስልጣን እታ ሃገር እኳ እንተ ገለጹ፡ ካብቶም ካልኦት ዞባዊ መድረኻት (ማሕበር ሃገራት ዓረብን ባይቶ ምትሕብባር ሃገራት ወሽመጥን) እውን ንምውጻእ ድሌት ከም ዘለዋ ግን ሕቶታት ከም ዝልዓሉ ገይሩ ኣሎ።
ኣቡ ዳቢ ካብቶም ዞባዊ መድረኻት ምውጻእ የድልያ እንተዀይኑ ትሓስበሉ ከም ዘላ ሓደ ብዓልመዚ ንሮይተርስ ገሊጹ ኣሎ።
ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ እቶም ጕጅለታት ሃገራት ዓረብን ምስልምናን ነቲ ግጭት ብዝሃብዎ ምላሽ ሕጕስቲ ከም ዘይኰነት ኣይሓብአትን።
ኣማኻሪ ፕረዚደንት'ውን እቶም ማሕበራት፡ ሃገራት ወሽመጥ መጥቃዕቲ ክወርደን ከሎ ሓገዝ ከም ዘይገበሩለን ጠቒሱ።
ተንተንቲ ከም ዝብሉዎ፡ ኣቡ ዳቢ ካብ ኦፔክ ዝወጽኣትሉ ምኽንያት ብሰንኪ ጉዳይ ጸዓት ዘይኰነስ፡ ዞባዊ ጂኦ-ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ንምቕያር እዩ።
ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘሎ ፍልልይ
እቲ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ዘሎ ፍልልይ፡ ኣብ እዋን ኲናት ኢራን እውን ቀጺሉ ኣሎ።
ክልተአን ተወዳደርቲ ሃገራት ወሽመጥ፡ ኣብ ሓያሎ ጉዳያት ዝጋጮ ኣካይዳ ኣለወን።
ስዑዲ ዓረብ ንኢራን እኳ እንተ ነቐፈት፡ ገጽ ንገጽ ናይ ምግጫው ኣንፈት ግን ዳርጋ ኣየርኣየትን። እኳ ደኣ ዲፕሎማስያዊ መንገዲ ክትክተል እያ እትመርጽ።
ክልተአን ሃገራት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘለወን መርገጺ ዝተፈላለየ እዩ። ስዑዲ ዓረብ፡ ሕቶ ልዑላውነት ሃገረ ፍልስጤም ከይተመለሰ፡ ምስ እስራኤል ዝግበር ንቡር ዝምድናታት (ምምሕያሽ ዝምድናታት) ኣይትድግፍን።
ስዑዲ ዓረብ ኣብ ውሽጢ ኦፔክ ጸላዊት ሃገር ኣብ ዝዀነትሉ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ ጕጅለ ገዲፋ ክትወጽእ ምውሳና ድማ ካልእ ዓቢ ነጥቢ እዩ።
ተንተንቲ ከም ዝብሉዎ፡ እቲ ናይ ኣፍረይቲ ነዳዲ ኪዳን ንረብሓታት ኣቡ ዳቢ "ዝቕይድ" ኰይኑ ከም ዝረኸበቶ ይገልጹ።
ክልተአን ሃገራት ኣብ ጉዳያት የመንን ሶርያን'ውን ግሉሕ ፍልልይ ኣለወን። ኣቡ ዳቢ ነቶም ናይ የመን ተገንጸልቲ ጕጅለታት ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ደገፍ ከም እትህብን ኣብ ልዕለኦም ዘለዋ ጽልዋ ሓያል ከም ዝዀነን ይንገር።
ስዑዲ ዓረብ ነዚ ጽልዋ እዚ ክትመልሶ ትደሊ። ኣቡ ዳቢ ብኣንጻሩ ብቢልዮናት ዝቝጸር ዶላር ኣብ ኣባይቲ (ሪል ስቴት)፡ ቱሪዝምን ቴክኖሎጅን ምፍሳስ ቀጺላቶ ኣላ።
መሻርኽቲ ሃገራት ምብዛሕ
ኣብዚ ግዜ'ዚ ዘሎ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ሓደስቲ መሻርኽቲ ምፍጣር ዘጠቓልል እዩ።
ተንተንቲ ከም ዝገልጹዎ፡ ስትራተጅያዊ ረብሓታት ንምውሓስ፡ መሻርኽቲ ምብዛሕን ምስፋሕን ብዝተፈላለየ መንገድታት ዓቕሚ ናይ ምሕያል ስጕምቲ እዩ።
እቲ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብ፡ ግብጺ፡ ፓኪስታንን ቱርክን ዘሎ ምቅርራብ፡ ኣቡ ዳቢ'ውን ናይ ባዕላ መሻርኽቲ ክትገብር ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።
ምስ ዩክረይን፡ ህንዲ፡ ኢትዮጵያ፡ ግሪኽን ቆጵሮስን ዝመስረተቶ ዕርክነት ናይዚ መርትዖ እዩ።
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ላዕለዋይነት ንምሓዝ፡ ዞባውያንን ዓለምለኻውያንን ሓይልታት እውን ኣብ ውድድር ይርከቡ።
ኣቡ ዳቢ ብእተዘውትሮ ዘላ ፖሊሲ፡ ምስ ፓኪስታን ዘይምስምማዕ ተፈጢሩ ኣሎ። ኢስላማባድ ንኢማራት ክትከፍሎ ዝግባእ ዕዳ ኣብ ውሱን እዋን ክትከፍል ከም እትደሊ ምግላጻ፡ ምስ ስዑዲ ዓረብ ዘለዋ ምቅርራብ ዘርኢ ኰይኑ ተወሲዱ ኣሎ።
ብመሰረት ስዑዲ ዓረብን ፓኪስታንን ዘለወን ወተሃደራዊ ስምምዕ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደአን መጥቃዕቲ እንተ ተፈጺሙ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ክልተአን ከም ዝተፈጸመ ገይረን ይወስድኦ።