እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሜላት ኪሮስ ንዓመታት ስልጣን ሒዛ ንዝጸንሐት ኣባል ኮንግረስ ብምስዓር ታሪኻዊ ዓወት መዝጊባ
ጓል 29 ዓመት ትውልደ-ኢትዮጵያዊት ኣመሪካዊት ፖለቲከኛ ሜላት ኪሮስ፡ ኣብ ኮሎራዶ ንኮንግረስ ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ መባእታዊ ውድድር ደሞክራት፡ ንልዕሊ 30 ዓመታት (15 እዋናት) ስልጣን ዝሓዘት ዲያና ደጌት ብምስዓር ታሪኻዊ ዓወት መዝጊባ።
እዚ ብደሞክራስያውያን ሶሻሊስት ኣመሪካ (DSA) ዝድገፍ ጕዕዞ ሜላት ኪሮስ፡ ኣብ መላእ ፖለቲካዊ ጕዕዞ ኣመሪካ ዓቢ ምንቅስቓስ ዝፈጠረ ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ደሞክራት ዝርአ ዘሎ ናይ ወለዶን መዋቕራዊ ፖለቲካን ለውጢ ዘርኢ ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
እቲ ኣብ መወዳእታ ውድድር ዝተገብረሉ ዞባ ደንቨር ብብዝሒ ደሞክራት ዝርከብሉ ብምዃኑ፡ ሜላት ኣብ ሕዳር ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ መረጻ ክትዕወት ዘለዋ ዕድል ውሑስ ምዃኑ ማዕከናት ዜና ይገልጻ ኣለዋ።
ብመሰረት ማዕከናት ዜና ሮይቶርስ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣስታት 78% ድምጺ እቲ ውድድር ኣብ ዝተቘጽረሉ እዋን፡ ሜላት ነታ ጓል 68 ዓመት ዲያና ደጌት ብኣስታት 7,000 ድምጺ መሪሓታ ኣላ። እታ ሳልሳይ ደረጃ ዝሓዘት ዋንዳ ጀምስ ድማ ብሰፊሕ ፍልልይ ማሕዲጋ ተረፋ።
ሜላት ኪሮስ ኣብዚ እዋን'ዚ ጕዕዞ መባእታዊ መረጻ ኮሎራዶ ሓሊፋ፡ ንኮሎራዶ ኣብ ኮንግረስ ክትውክል እትኽእል ቀዳመይቲ ጸላም ጓለንስተይቲ ንምዃን ተዳሊያ ትርከብ።
ሜላት፡ ህጻን ከላ እያ ምስ ስድራቤታ ካብ ትግራይ - ኢትዮጵያ ናብ ኣመሪካ ተጓዒዛ። ትምህርታ ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ሕጊ ድሕሪ ምዝዛማ፡ ከም ጠበቓ ኰይና ከተገልግል ጸኒሓ። እንተዀነ፡ እቲ ናይ ጠበቓነት ዕዮኣ ንነዊሕ እዋን ክቕጽል ኣይከኣለን።
ካብ ጠበቓነት ናብ ፖለቲካዊ መድረኽ
ኣብ 2023፡ ሜላት ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከብ ዓቢ ትካል ሕጊ እናሓገዘት ከላ፡ ነቲ ትካላት ሕጊ ንመጥቃዕቲ ሓማስን ተግባራት እስራኤልን ዝነበረን መርገጺ ዝነቅፍ መግለጺ ምጽሓፋ ስዒቡ ካብ ስርሓ ተባሪራ እያ።
ንሳ ንተግባራት እስራኤል ኣብ ቓዛ "ምጽናት ዓሌት" ክትብል ብምዅናን፡ ኣብ ቓዛ ዘየማትእ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ክግበር ጻውዒት ከተቕርብ ጸኒሓ።
ድሕሪ ካብ ስራሕ ምብራራ፡ ናብ ደንቨር ብምምላስ ናይ ዶክትረይት ትምህርታ ክትቅጽል ጸኒሓ። ካብቶም ቀንዲ ፖለቲካዊ መርገጺታታ ድማ ወጽዓታት ዓበይቲ ኮርፖረይሽናትን ቍጠባዊ ዘይማዕርነትን ምውጋድ፡ ከምኡ'ውን ናጻ ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ምቕራብ ዝብሉ ይርከቡዎም።
ውሽጣዊ ፍሕፍሕ ሰልፊ ደሞክራት
እቲ ብሜላት ዝተመዝገበ ዓወት፡ ምስቲ ኣብ ኒውዮርክ ኣብ መበል 13 ዲስትሪክት ዝተመዝገበ ታሪኻዊ ዓወት ዳሪያሊዛ ኣቪላ ሸቫሊየር ዝመሳሰል እዩ።
ንሳ'ውን ነቲ ንነዊሕ እዋን ስልጣን ሒዙ ዝጸንሐ ሓያል ኣባል ኮንግረስ ኣድሪያኖ ኤስፓይላት ብምስዓር እያ ተዓዊታ።
እዚ ኣብዚ መረጻ'ዚ ዝተራእየ ለውጢ፡ ደገፍቲ ሰልፊ ደሞክራት ካብቶም ንነዊሕ ዓመታት ስልጣን ሒዞም ዝጸንሑን ምስ ወሃብቲ ገንዘብ ትካላት ዝተኣሳሰሩን ፖለቲከኛታት ተፈልዮም፡ ናብ ሓደስትን ዝያዳ ተሪር መስመር ዘለዎምን መንእሰያት መራሕቲ ገጾም ይኸዱ ከም ዘለዉ ዘነጽር እዩ።
ኣብዚ መረጻ'ዚ ሜላት ኪሮስ፡ ምስቲ ንእስራኤል ዝድግፉ ደሞክራት ብምንቃፉን ምስቲ ነቐፍቲ ዘረብኡ "ኣጸያፍን ድኹምን" ብምባል ዝወቕሱዎን ሶሻሊስት ፖለቲካዊ ወሃቢ ርእይቶ ሓሰን ፒከር ብዝነበራ ምሕዝነት ርሱን ነቐፌታታት ይበጽሓ ነይሩ እዩ።
እንተዀነ፡ እዚ ኵሉ ነቲ ካብ ህዝቢ ዝተረኽበ ደገፍ ክዓግቶ ኣይከኣለን።
ዲያና ደጌት፡ ንሜላት ብድሆ ክትገብረላ ከላ፡ "ኣብ ኮንግረስ ተመኵሮ ዘይብሉ ሰብ ምምራጽ ጌጋ መረጻ እዩ፡" ክትብል እኳ እንተ ተኸራኸረት፡ ድምጺ ህዝቢ ደንቨር ግን ናብ ካልእ ጐደና ገጹ ዝጓዓዝ ዘሎ ይመስል።
ኣብ ከተማ ኒውዮርክ ምስ ደሞክራስያውያን ሶሻሊስት ኣመሪካ ርክብ ዘለዎምን ብኸንቲባ ዞህራን ማምዳኒ ዝድገፉን ሰለስተ ሕጹያት ኣብ መባእታዊ መረጻኦም ምዕዋቶም፡ እዚ ሓድሽ ፖለቲካዊ ማዕበል ንመጻኢ ሃገራዊ ቍጠባን ዝምድናታት ወጻኢ ኣመሪካን ዝያዳ ክጸልዎ ምዃኑ ምልክት ዘርኢ እዩ።