እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህወሓት፡ 'ሰፊሕ መጥቃዕቲ' ከምዘካየደ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኮኒኑ
ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ፡ መራሕቲ ህወሓት፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ "ሰፊሕ መጥቃዕቲ ፈንዮም" ብምባል ክሲሱ።
እቲ ኣምባሳደር፡ ረቡዕ 23 መስከረም 2026፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ክልል ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝቶቖጻጸረ ድሕሪ ምግላጹ እዩ ወቐሳኡ ኣስሚዑ።
ኣምባሳደር ማሲንጋ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ኤምባሲን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እቶም ዝሓለፈ ዓመት ብመንግስቲ ኣመሪካ እገዳ ዝተገብረሎም መራሕቲ ህወሓት፡ "ሰፊሕ መጥቃዕቲ ንምክያድ ዝወሰድዎ ድኹም ውሳነ ከምዝሓዘነ" ገሊጹ።
እቲ ኣምባሳደር፡ መራሕቲ ህወሓት ነቲ ብናይጀርያ ፕረዚደንት ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ዝምራሕ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ብምንጻጎም'ውን ነቒፉ።
"ክዕወቱ ኣብ ዘይክእሉ ኲናት ምእታው ንህዝቢ ኣይጠቅምን'ዩ" ክብል ድማ ነቒፉ።
እቲ ኣምባሳደር ብተወሳኺ "ካልኦት ዕጡቓት ጉጅለታት ናብዚ ኲናት ከይኣትዉ ለባማት ክኾኑ" ብምምዓድ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ንኢትዮጵያ ናብ ዝተጋገየ መንገዲ ክመርሑ ዝፍትኑ ካልኦት መራሕቲ እገዳ ናይ ምግባር ኣማራጺ ከምዘለዋ'ውን አመልኪቱ።
ኤርቪን ማሲንጋ ኣብ መልእኽቱ፡ ነቲ ጸገማት ንምፍታሕ "ምኽንያታዊ ፖለቲካዊ ዘተ ቅኑዕ መንገዲ እዩ" ዝብል እምነት ከምዘለዎ እውን ሓቢሩ።
ኣብ መንጎ መራሕቲ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ግጭት ኣብ ዝተጋደደሉ እዋን፡ ኣምባሳደር ኣመሪካ ብተደጋጋሚ ናብ መቐለ ብምኻድ ምስ ሓለፍቲ ህወሓት ክዛተ ከምዝፈተነ ኣይርሳዕን።
እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብመራሕቲ ህወሓት ከምዝተጀመረ ብምጥቃሳ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዘለዋ መርገጺ ዘመልክት እዩ።
ፌደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ነቲ ግጭት ብዝምልከት ዛጊት ወግዓዊ መግለጺ እኳ እንተዘይሃበ፡ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነበርን ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ከባቢ ሰፊሕ ኲናት ከምዝጀመሩ ገሊጹ እዩ።
ክልል ዓፋር እውን፡ ህወሓት መጥቃዕቲ ፈጺሙ ብምባል ነብሱ ከምዝከላኸል ኣፍሊጡ ኣሎ።
ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ህወሓት ዝርከብ ምምሕዳር ትግራይ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ብፌደራል ሓይልታት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ እቶም ዕጡቓት ናይ ምክልኻል ስጉምትታት ክወስዱ ትእዛዝ ከምዝሃበን ኲናት ከምዝተለዓለን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብሪሁ ኣሎ።
ድሕሪ መግለጺ ኣምባሳደር ኣመሪካ፡ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ህወሓትን ምክትል ፕረዚደንት እቲ ክልልን ኣማኑኤል ኣሰፋ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርግሕዎ መልሲ፡ እቲ ኣምባሳደር ብዝገለጾ ነቐፌታ ከምዝሓዘነ እዩ ኣመልኪቱ።
ኣቶ ኣማኑኤል፡ ኣምባሳደር ኣመሪካን ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ትግራይ ንሰላማውያን ሰባት ዝጎድእ መጥቃዕቲ ነፈርቲ ስቕ ኢሎም ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሕጂ ዘቕረብዎ ዘለዉ ነቐፌታ "ዘይፍትሓዊ" ክብል ገሊጽዎ።
እቲ ምክትል ፕረዚደንት ወሲኹ፡ "ብዛዕባ ዘይሻራዊነት ዲፕሎማሰኛታት ኣዝዩ ዘሰክፍ ካልእ ስክፍታታት ኣሎ" ኢሉ።
ሰበስልጣን ህወሓት ብዛዕባ ኣሸማጋሊ ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ቕረታ ከምዘለዎም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ቅድሚ ሓደ ወርሒ፡ ኩነታት ትግራይ ኣብ ወሳኒ ደረጃ ምስ በጽሐ፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ክሽምግል ዝፍትን ዝነበረ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ'ውን ተመሳሳሊ ምትእምማን ከምዘይነበሮም ጥርዓን ኣቕሪቦም ነይሮም።
ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሰጉን ኦባሳንጆ ምስ ሰበስልጣን ህወሓት ንምዝርራብ ብተደጋጋሚ ናብ መቐለ ምብጻሕ እኳ እንተገበረ፡ ዝኾነ ርኡይ ውጽኢእ ከመዝግብ ግን ኣይከኣለን።
ቅድሚ ሰሙናት፡ ኦባሳንጆ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብ ፌደራል መንግስቲ ትእዛዝ ኣይቅበልን፤ መራሕቲ ህወሓት "ብዘይጥንቃቐ፡ ቆላሕታ ንምርካብ ብዘይሓላፍነታዊ መንገዲ ምስጢራዊ ሓበሬታ ንህዝቢ ይዝርግሑ" ኣለዉ ክብል ምኽሳሱ ይዝከር።