እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
50 ሽሕ ፓውንድ ዶ ሓደ ሚልዮን ፓውንድ ዘዐውት ዕጫ ምመረፅኩም?
ክልተ ኣማራፅታት ተዋሂብኩም፤ እቲ ሓደ ብቐጥታ 50 ሽሕ ፓውንድ ትረኽብሉ፡ እቲ ካልኣይ ድማ፡ ሳንቲም ብምድርባይ ሓደ ሚልዮን ፓውንድ እትዕወትሉ 50/50 ዕጫ - ኣየናይ ምመረፅኩም?
እቲ ኣብ ር'እይቶ ህዝብን ዕዳጋን መፅናዕቲ ዝገብር ዘይሻራዊ ትካል ዩጎቭ፡ ኣብ ኣሽሓት ሰባት መፅናዕቲ ኣካይዱ።
ዝበዝሑ ሰባት ነቲ ውሑስ ዝዀነ 50 ሽሕ ፓውንድ ንምውሳድ መሪፆም። ኣብዚ መፅናዕቲ ካብ ዝተሳተፋ 82 ሚእታዊት ደቀንስትዮ፡ ነቲ ውሑስ ዝዀነ 50 ሽሕ ፓውንድ መሪፀን።
እዚ ዳህሳስ፡ ስለምንታይ ብሪጣንያውያን ካብ ኣመሪካውያን ብዝያዳ ሓደጋ ምውሳድ ዘይደልዩ ኰይኖም ከም ዝረኣዩ ሓድሽ ክትዕ ፈጢሩ ይርከብ።
እሞ ስለምንታይ እዩ እዚ ውጽኢት ክሳብ ክንድዚ ንጹር ዝዀነ? እቶም ኣብዚ ጕዳይ እዚ ተራ ዝጻወቱ ፋይናንስያውያንን ስነኣእምሮኣውያንን ረቛሒታትከ እንታይ እዮም?
ርግጽ እዩ፡ ኣብ ሓቀኛ ህይወት ከምዚ ዓይነት ምርጫ ናይ ምርካብ ዕድል ዳርጋ የለን ክበሃል ይከኣል እዩ፤ ይዅን እምበር፡ ካብዚ ጕዳይ ንገንዘብና ብኸመይ ከም እንሕዞን ከም እነመሓድሮን እንረኽቦም ኣገደስትን መሃርትን ትምህርትታት ኣለዉ።
ዝበዝሑ ምስ ዝመረፅዎ ዶ ትሰማምዑ?
ኣብዚ መፅናዕቲ ካብ ዝተሳተፉ 4600 ኣባፅሕ፡ እቶም 73 ሚእታዊት ማለት - ሰለስተ ካብ ኣርባዕተ ሰባት፡ ነቲ ውሑስ ዝኾነ 50 ሽሕ ፓውንድ ብቐጥታ ምውሳድ መሪፆም።
እቶም 21 ሚእታዊት ድማ፡ ነቲ ሓደ ሚልዮን ፓውንድ ከርክብ ዝኽእል ዕድል መሪፆም፤ እቶም ሽድሽተ ሚእታዊት ግን፡ ነየናይ ከም ዝመርፁ ክውስኑ ኣይከኣሉን።
እቲ ኣብዚ ውጽኢት ምርጫ ዝተራእየ ጾታዊ ፍልልይ ኣዝዩ ጕልሕ ዝበለን ዘገርምን እዩ። ምስቶም 63 ሚእታዊት ዝዀኑ ደቀ-ተባዕትዮ ክነጻጸር ከሎ፡ ኣስታት 82 ሚእታዊት ዝዀና ደቀ-ኣንስትዮ ነታ ውሕስቲ 50,000 ፓውንድ ክወስዳ መሪጸን።
እዚ ድማ ምስ ውጽኢት ካልኦት መጽናዕትታት ዝሰማማዕ እዩ። እቲ መጽናዕትታት ከም ዝሕብሮ፡ ደቂተባዕትዮ ካብ ደቀንስትዮ ብዕጽፊ ኣብ ኣክስዮናትን ብርኪታት ወፍሪ ንምግባር ዝለዓለ ተኽእሎ ኣለዎም፤ ብኣንጻሩ ደቀንስትዮ ድማ ካብ ደቂተባዕትዮ ብዝያዳ ኣብ ውሑስ ናይ ጥረ-ገንዘብ ሕሳባት ከዋህልላ ከም ዝመርፃ ዘመልክቱ እዮም።
ምርጫታትኩም ብመጠን ትረኽብዎ ኣታዊ ዝተፀለዉ ድዮም?
ብዙሓት ሰባት ህይወት ዝቕይር መጠን ገንዘብ እዩ ኢሎም ስለ ዝኣምኑ፡ ነቲ ውሑስ ዝኾነ 50 ሽሕ ፓውንድ ክመርፁ ይኽእሉ እዮም።
እዚ ምርጫኦም ዝገርም ኣይኰነን። ምኽንያቱ እቲ 50 ሽሕ ፓውንድ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምሉእ ግዜ ዝሰርሑ ማእከላይ እቶት ዘለዎም ሰባት ኣብ ዓመት ካብ ዝረኽብዎ መሃይኦም፡ ብ10 ሽሕ ፓውንድ ዝዛየደ ስለዝዀነ።
ይዅን እምበር፡ መንእሰያት ብሓፈሻ ዝውሕድ ኣታዊ'ኳ እንተለዎም፡ ብመሰረት እዚ መጽናዕቲ ግን፡ ዕድመኦም ካብ 18 ክሳብ 24 ዝዀኑ መንእሰያት ካብ ዝዀነ ካልእ ጕጅለ ዕድመ ብዝያዳ ነቲ ናይ 1 ሚልዮን ፓውንድ ዕድሎም ክፍትኑ ድሉዋት ምዃኖም ተረኺቡ።
ኣስታት 28 ሚእታዊት ካብዞም መንእሰያት ነቲ ሳንቲም ብምድርባይ ዕድሎም ምፍታን ክመርጹ ኸለዉ፡ እዚ ምስቶም ነዚ ዕድል ዝመረጹ 11 ሚእታዊት ጥራይ ዝዀኑ ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድመኦም - ማለት ወለዶ ኣቦሓጎታቶም - ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ልዑል እዩ።
ነፍሲ ወከፍ ሰብ ሓደጋ ዝወስደሉ ወይ ውሑስ መንገዲ ዝመርፀሉ ናይ ባዕሉ ነጥቢ ኣለዎ። ብዙሓት ሰባት ናብ ክንዲ'ቲ ውሑስ ዝኾነ ሓሙሸተ ፓውንድ፡ ነቲ ሓደገኛ ዝዀነን 100 ፓውንድ ከዕውት ዝኽእልን ናይ 50/50 ጠላዕ ይመርፁ።
ምኽንያቱ ብዙሓት ሰባት ሃገራዊ ሎተሪ ክዕወቱ ብምትስፋው፡ ብውሑዱ ኣብ ሰሙን 2 ፓውንድ ይጣልዑ'ዮም። መጠን እቲ ገንዘብ ኣብ ዝዓብየሉ ድማ፡ ብውሑስ መንገዲ ዶ ንሓደጋ ተቐቢለ ክፍትን ዝብል ኣነፂርኩም እንትውስኑሉ መጠን ዝያዳ ንፁር ይኸውን።
ንምንታይ ነቲ ውሑስ 50 ሽሕ ፓውንድ ወሲድኩም ዘይተውፍሩ?
እቲ ሓደ ኣማራፂ ነቲ ውሑስ ዝዀነ 50 ሽሕ ፓውንድ ብምውሳድ ኣብ ግዜ ንኽትዓቢ ምውፋር ወይ ምዕቛር እዩ።
እቲ ገንዘብ እንተዓቚርኩሞ፡ ወለድ ኣብ ልዕሊ ወለድ እናተወሰኸ ስለ ዝኸይድ መጠን እቲ ገንዘብ ክዓቢ ይኽእል እዩ።
እቲ ካልእ ኣማራፂ ድማ፡ ነቲ ገንዘብ ምውፋር እዩ። እዚ ልዕሊ ምዕቛር ሓደጋ ዘለዎ'ኳ እንተኾነ ልዑል ትርፊ ናይ ምእካብ ዕድል ይህብ እዩ።
ብዛዕባ ወፍሪ ኣብ ዝለዓለሉ እዋን ግን፡ እቲ ኣብ ሕሉፍ ዝተራእየ - መኽሰብ ወይ ክሳራ - ኣብ መጻኢ እውን ግድን ክድገም እዩ ማለት ኣይኰነን።
ኣብ ትካል ወፍሪ ኤጄይ ትሰርሕ ሳራ ኮልስ፡ ቅድሚ 38 ዓመታት ብውሑስ መንገዲ ዝረኸብክሞ 50 ሽሕ ፓውንድ ኣብ ልሙድ ዓለማዊ ማዕከን ወፍሪ ኣውዒልኩምዎ እንተትኾኑ ነይርኩም፡ ሎሚ ሓደ ሚልዮን ፓውንድ ኰይኑ ምሃለወ ትብል።
እዚ ዅሉ ብኣእምሮናን ብኣተሓሳስባናን ዝወሰን ድዩ?
ኣእምሮና ብባህሪኡ ደመ ነፍሳዊ ዝንባለ ስለዘለዎ፡ ነቲ ውሑስ ዝኾነ 50 ሽሕ ፓውንድ ክንመርፅ ከም ዝደፍኣና፡ ሳራ ኮልስ ትገልፅ።
"እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት፡ ካብ መኽሰብ ንላዕሊ ክሳራ ባኣሚቝ ስለ ዝስምዓና እዩ" ትብል።
ብተወሳኺ፡ "እቲ 1 ሚልዮን ፓውንድ ናይ ምዕዋት ተኽእሎ ዝፈጥሮ ሓጐስ፡ ካብቲ ነታ ውሕስቲ 50 ሽሕ ፓውንድ ሓዲግካ ብጥራይ ኢድካ ምትራፍ ዝፈጥሮ ፍርሒ ዝተሓተ እዩ" ትብል።
ብኻልእ ኣገላልፃ፡ 50 ሽሕ ፓውንድ ሒዝካ ኸለኻ፡ 1 ሚልዮን ፓውንድ ክትዕወት ትኽእል ከም ዝነበርካ ምፍላጥ ኣብ ኣእምሮኻ እናተመላለሰ ክርብሸካ ይኽእል እዩ።
ይዅን'ምበር፡ ሓደ ሚልዮን ንምዕዋት ጠላዕ ፈቲንኩም እንተዘይተዓዊትኩም፡ እሞ ድማ ነቲ ኣብ ዌስት ማሊንዲ ገዛ ንምዕዳግ ብማእከላይ ቅድመ ክፍሊት ክኸውን ዝኽእል ውሑስ 50 ሽሕ ፓውንድ ከም ዝኸሰርኩም ምስ ትሓስቡ፡ ጣዕሳኡ ኣይወፀልኩምን።