ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ፡ ኣብ ዝኽሪ መዓልቲ ዲ-ደይ፡ 'ኣውሮጳ ብስደተኛታት ተወሪራ' ክብል ነቚፉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሚኒስተር ምክልኻል ኣመሪካ ፒት ሄግሰት፡ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝኽሪ መዓልቲ ዲ-ደይ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብስደተኛታት ተወሪረን ንዝበለን ሃገራት ኤውሮጳ ነቒፉ።
ሄግሰት፡ ሓይልታት ኪዳን ኣብ 1944 ነታ ብናዚ ዝተጎበጠት ኤውሮጳ ሓራ ንምውጻእ ንገማግም ባሕሪ ፈረንሳ ዝተቘፃፀርሉ ዝኽሪ፡ ድሕሪ 82 ዓመታት ኣብ ኖርማንዲ እዩ ተዛሪቡ።
"እቲ ዘሕዝን ግን ሎሚ ዝተፈላለዩ ገማግም ባሕሪ ኤውሮጳ ብዝተፈላለየ ሓደገኛ ስነ-ሓሳባት ይውረር ኣሎ" ይብል ሄግሰት።
"ኣብ ገማግም ባሕሪ ስጳኛ፣ ኢጣልያ፣ ግሪኽን ቡልጋርያን፡ ጀላቡን ሰባትን ይጥሕሉ ኣለዉ። ርእሰ ከተማታት ኤውሮጳ መዓስ እየን ብዛዕባ እዚ ወራር ገለ ክገብራ?"።
ስደት ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዓቢ ፖለቲካዊ ሕማም ርእሲ ኮይኑ ኣብ ዘለወሉ፡ ተሪር ፖሊሲታት ስደት ዘሰጉሙ ፖለቲካዊ ውድባትን መራሕትን ይበዝሑ ኣለዉ።
ምምሕዳር ትራምፕ፡ ስደት ከም ቀንዲ ኣካል ናይቲ ውሽጣዊ ፖሊሲ ኣጀንዳኡ ገይሩ ዝርእዮ ዀይኑ፡ ንኣኽበርቲ ኣካላት ዝኸውን ተወሳኺ ቢልዮናት ዶላርት ክስላዕ ይሓትት ኣሎ።
እዚ ርእይቶ ሄግሰት፡ ላዕለዎት ኣባላት ምምሕዳር ትራምፕ፡ ኣብ ልዕሊ ፖሊሲ ስደት ኤውሮጳ ዘስምዕዎ ሰፊሕ ነቐፌታ መቐፀልታ ጥራይ እዩ።
ብዓርቢ፡ ምክትል ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጄዲ ቫንስ፡ ንሞት እቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሳውዝሃምፕተን ብቪክሩም ዲግዋ ብኻራ ዝተቐትለ ወዲ 18 ዓመት ብሪጣንያዊ ተማሃራይ ሄንሪ ኖዋክ፡ "ጃምላዊ ወራር ስደተኛታት" ዘንቀሎ ምዃኑ ገሊጹ።
ዳውኒንግ ስትሪት [መንግስቲ ዓዲ እንግሊዝ] መልሲ ሂቡሉ እዩ።
"ኣብ ዲሞክራሲና ኢዶም ከእትዉ ዝፍትኑ ሰባት" ኢሉ ብምንቃፍ፡ ስድራቤት ኖዋክ "ሞት ውላዶም ካልእ ተወሳኺ ምምቕቓል ንምፍጣር ክውዕል ኣይደልዩን" ኢሉ።
ሄግሰት ኣብቲ ፈረንሳ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ድሕሪ ዲ-ደይ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ገለ ርእሰ ከተማታት ኤውሮጳ፡ "ናጽነት ብነጻ ዝርከብ ከምዘይኮነ" ብምርሳዕ፡ ነቲ ብኸቢድ መስዋእቲ ዝተረኽበ ናጽነተን ዕሽሽ ከምዝበለኦ ወሲኹ ሓቢሩ።
"እቶም ነዚ ዝተቓለሱን ዝሞቱን ሰባት፡ ንኤውሮጳ ናጽነት ኣምፂኦሙላ" ይብል ሄግሰት።
"እቲ ዝተረኽበ ናጽነት በዚ ወለዶ መራሕትን ተቓለስትን ክዕቀብ ኣለዎ ወይ ድማ እቲ ዝተቓለሱሉ ዓላማ ግዝያዊ ጥራይ እዩ ነይሩ" ኢሉ።
ዲ-ደይ እቲ ዝዓበየ ብባሕሪ ዝተፈተነ ወተሃደራዊ ስርሒት ኮይኑ፡ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ኣመሪካን ካናዳን ዝመጹ ዓሰርተታት ኣሽሓት ወተሃደራት ብሓንሳብ ኣብ ሰሜናዊ ፈረንሳ ኣብ ዝርከብ ኖርማንዲ- ገማግም ባሕሪ ዝተኻየደ ወፍሪ እዩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ'ውን ንፖሊሲ ኢሚግሬሽን ኤውሮጳ ብምንቃፍ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ብሰንኪ "ቀይዲ-በተኽ ስደት፡ ናብ ሲኦል ይኸዳ" ከምዘለዋ ዝሓለፈ ዓመት ንውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ነይሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ኬር ስታርመር፡ ከም መልሲ ናይዚ፡ እቲ ፕረዚደንት ዝስመዖ ዘረባ "ቅኑዕ ኣይኮነን" ክብል እንከሎ፡ ዘይሕጋዊ ስደት ብፍላይ ድማ ብንኣሽቱ ጀላቡ ንመትረብ ዓዲ እንግሊዝ ዘቋርፁ ግን ከም ብድሆ ጠቒሱ።
ናብ መሬት ኤውሮጳ ብባሕሪ ዝኣተዉ ስደተኛታት ኣብ 2015 ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ ነይሩ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት ብማእከላይ ባሕሪ ከም ዝሰገሩ ገሊጹ።
ኣብ መንጎ ሚያዝያ 2025ን መጋቢት 2026ን ብድምር 169,341 ስደተኛታት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ግሪኽ፣ ኢጣልያ፣ ስጳኛን ቆጵሮስን ከምዝኣተዉ ተገሊጹ።
ካብቶም ባሕሪ ተሳጊሮም ናብ ኣውሮጳ ዝሰገሩ ሰባት፡ እቶም ኣስታት 23 ሚኢታዊት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝሰግሩ እዮም።
ምምሕዳር ትራምፕ ንፖሊሲ ጸረ-ስተኛታት ቁልፊ መርገጺ ኣጀንዳኡ ብምግባር፡ ካብ ጥሪ 2025 ጀሚሮም ወከልቲ ትካል ኣኽበርቲ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን (ICE) ኣሽሓት ኣሲሮም ኣለዉ።






![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

