ፈደራላዊ ዳኛ ንፖሊሲ ኢምግረይሽን ምምሕዳር ትራምፕ ውዱቕ ገይሩዎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓደ ፈደራላዊ ዳኛ፡ ድሕሪ ቅትለት ክልተ ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋ ዝተተግበረን ኤርትራውያን ንዝርከቡዎም ስደተኛታት 39 ሃገራት ኣብ ኣመሪካ ንምጽናሕን ንምእታውን ዘጸግም ዝነበረን ፖሊሲ ምምሕዳር ትራምፕ ብዓርቢ ውዱቕ ከም ዝገበሮ ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።
ሓደ ዳኛ ዞባዊ ቤትፍርዲ ኣመሪካ ጆን ማክኮነል ጁንየር፡ ነቲ ምምሕዳር ብትሪ ኣብ ዝነቐፈሉ ውሳነኡ፡ እዚ ፖሊሲ'ዚ፡ "ንድሕነት ህይወት ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ ሓያሎ ስደተኛታት ናብ ዘይተፈልጠ ሓደገኛን ዘይርጉእን ሕጋዊ ኵነታት ደርብዩዎ ኣሎ፡" ብምባል ንትካል ኣገልግሎት ዜግነትን ኢምግረይሽንን ኣመሪካ ሕጊ ብምጥሓስ ከሲሱዎ።
ነቲ ምምሕዳር ብትሪ ዝነቅፍ ውሳነ ብጽሑፍ ዘስፈረ ዳኛ ጆን ማክኮነል ጁንየር፡ "እዚ ትካል፡ ነዞም ናይ መወዳእታ ናይ ኢምግረይሽን ፖሊሲታት ኣብ ዘተግብረሉ እዋን፡ ንሱ ዘይውንኖ ሕጋውን ደንባውን ስልጣን ከም ዘለዎ ይከራኸር፣ ምኽንያታዊ መግለጺ ከይሃበ ኣገደስቲ ውሳነታት የተሓላልፍ፣ ከምኡ'ውን ረብሓ ናይቶም ኣመልከትቲ ኣብ ግምት ከየእተወ ይሰርሕ፡" ይብል።
ብተወሳኺ፡ "ጸረ-ስደተኛታት ዝዀነ ስምዒታቱ ንምሸፋን ንጉዳይ 'ሃገራዊ ድሕነት' ከም መመኽነይታ ይጥቀመሉ፣ እዚ ድማ ኣብ መስርሕ ውሳነኡ ጽልዋ ንኸይፈጥር ዝተኸልከለ እዩ፡" ክብል የብርህ።
ወሃቢ-ቓል ክፍሊ ውሽጣዊ ድሕነት ብዛዕባ'ዚ ዝተዋህበ ውሳነ ብቕጽበት ምላሽ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ ኣሎ።
ዳይረክተር ጕጅለ መራኸቢ ብዙሓን ኣመሪካ ቪቭ ዳላል-ዲኒ ንማሕበር ጠበቓታት ኢምግረይሽን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እቲ ቤትፍርዲ ዘመሓላለፎ ውሳነ፡ ነቶም ኣብቲ ክሲ ዝተጠቕሱ ሰባት ጥራሕ ዝተደረተ ዘይኰነ፡ ንዅሎም እቶም ካብተን እገዳ ጕዕዞ ዝተነብረለን ሃገራት ዝመጹን ጉዳዮም ኣብ ክፍሊ ኢምግረይሽን ተንጠልጢሉ ዘሎን ሰባት ዝጸሉ እዩ፡" ክትብል ሓቢራ።
"ሕጋዊ መንገድታት ኢምግረይሽን ክፉታት ኰይኖም ንክቕጽሉን ትካል ኣገልግሎት ዜግነትን ኢምግረይሽንን ብባይቶ ዝተዋህቦ ውሳነ ናይ ምሃብ ሓላፍነቱ ተሓታቲ ንምግባርን፡ እዚ ኣገዳሲ ናይ ሕጊ ዓወት እዩ፡" ኢላ።
እዚ ስጕምቲ እዚ፡ ኣካል ናይቲ ብምምሕዳር ትራምፕ ሰባት ናብ ኣመሪካ ዝጓዓዝሉን ዝኣትውሉን ተኽእሎታት ንምጽባብ ክካየዱ ዝጸንሑ ጻዕርታት ሓደ እዩ።
ነቐፍቲ፡ እዚ መስርሕ'ዚ ውልቀሰባት ካብ ብዙሓት ሃገራት ናብ ኣመሪካ ከይጓዓዙ ብዘይፍትሓዊ መንገዲ ዝዓግት እዩ ክብሉ ይማጐቱ።
እቲ ምምሕዳር፡ ኣብ በዓል ምሃብ ምስጋና ኣብ ልዕሊ ክልተ ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋ ብምትኳስ ዝተጠርጠረ ኣፍጋናዊ ዜጋ ምስ ተታሕዘ፡ ነቲ እገዳታት ከም ዘስፍሖ ኣዊጁ ነይሩ።
መንግስቲ ነቲ ቤትፍርዲ ዝነጸጎ ክሲ ውዱቕ ንምግባር ኣብ ዘቕረቦ እማመ፡ ባይቶ ንፈጻሚ ኣካል ኣብ ልዕሊ ፖሊሲ ኢምግረይሽን ሰፊሕ ስልጣን ከም ዝሃቦ ተማጒቱ።
እዚ ድማ "ዜጋታት ወጻኢ ናብ ኣመሪካ ምእታው፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጢ ሕጋዊ መደብ ክወሃቡ ዝጸንሑ ጥቕሚታት፡" ዘጠቓልል እዩ።
"እዚ ጉዳይ'ዚ ኣብ ፍሉይ ምኽንያት ተመርኰሰ እዩ። ፈደራላዊ ቤትፍርዲ ንሓደ ትካል ምስ ፈደራላዊ ሕጊ ዝሰማማዕ፡ ዘይሻራውይን ውልቃዊ ውሳነታትን ንምርግጋጽ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ዘድልዩ ከለላታት ዝህብ መምርሒ ፖሊሲ ካብ ምውጻእ ክኽልክሎ የብሉን፡" ክብል መንግስቲ ኣብ ጽሑፉ ኣስፊሩ።
ተጣበቕቲ ማሕበራት ኢምግረይሽን ነዚ ውሳነ ቤትፍርዲ ብሓጐስ ተቐቢሎሞ ኣለዉ።
ፕረዚደንት ሃገራዊ ቆንስል ኢራናውያን ኣመሪካውያን ጃማል ዓብዲ፡ "እዚ ውሳነ'ዚ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ብባይቶ ዝተደንገጉ ሕግታት ክጥሕስ ከም ዘይኽእልን ብመምርሒ ሰነድ ተመርኲሱ ጥራይ ዜግነት መሰረት ብምግባር ናይ ኢምግረይሽን ረብሓታት ብዓመጻዊ መንገዲ ክነፍግ ከም ዘይፍቀደሉን ሓያል ቅድመ-ኵነት ዘንብር እዩ፡" ክብል ንኣሶሸይትድ ፕረስ ገሊጹ።
"ከም ዕድል ኰይኑ፡ እዛ ሃገር ሕጂ'ውን ናይ ሕጊ ሃገር ኰይና ትቕጽል ኣላ፤ ነቶም ክብርታት ኣመሪካ ዘኽብሩ ሰባት ድማ ነዞም ከፋፈልትን ዘይርትዓውያንን ፖሊሲታት ንምብዳህ ሕጋዊ መንገድታት ኣለዎም።"
ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝርከብዎ ዜጋታት 12 ሃገራት ዘንበሮ ናይ መገሻ እገዳ ካብ መጀመርታ ሰነ 2025 ጀሚሩ ተግባራዊ ከም ዝገበሮ ይፍለጥ።
እተን ካልኦት ዜጋታተን ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ተኸልኪለን ዘለዋ ሃገራት ኣፍጋኒስታን፡ ምያንማር፡ ጫድ፡ ኮንጎ ብራዛቪል፡ ኢኳተርያል ጊኒ፡ ሃይቲ፡ ኢራን፡ ሊብያ፡ ሶማልያ፡ ሱዳንን የመንን እየን።
ኣብ ጥሪ 2026'ውን ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝርከበአን 75 ሃገራት ዜጋታተን ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ እግዳ ኣንቢሩ ነይሩ እዩ።




![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)

