ናሳ ኣብ ወርሒ ዝሃንጾ ኒዩክለሳዊ ሓይሊ፡ እንተ ተፈንጂሩ እንታይ ክፍጠር ይኽእል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ናሳ ኣብ ወርሒ ኒዩክለሳዊ መልሰ-ገባሪ (ሪኣክተር) ንምህናጽ መደብ ከምዘለዎ ኣፍሊጡ ኣሎ።
እዚ መደብ ኣብ መጻኢ ኣብ ወርሒ ንዝትከሉ መደበራትን ከምኡ'ውን ነዊሕ እዋን ዝወስዱ ተልእኾታትን፡ ሓይሊ ክረኽቡ ዘኽእል ዓቢ ምዕራፍ እዩ።
ምስዚ መደብ ብዝተኣሳሰር ግን ገለ ዓበይቲ ሕቶታት ይለዓሉ።
ክንደይ ወጻኢ እዩ ኽጠልብ?
ኣብኡ ኣብ ወርሒ ተቐሚጡ ዘንቀሳቕሶ ወይ ንጥፈታቱ ዝከታተል ሰብ ከድልዮ ድዩ?
ብተወሳኺ፡ እቶም ኣብ መንጎና ዘለዉ ተንበይቲ ጥፍኣት ከም ዝብልዎ፡ እቲ መደብ እንተፈሺሉ እንታይ ከስዕብ ይኽእል?
ነዊሕ ታሪኽ ኒዩክለሳዊ ሓይሊ ኣብ ጠፈር
ወዲ ሰብ ኒዩክለሳዊ ንዋይ ናብ ጠፈር ክሰድድ እዚ ናይ መጀመርታ ኣይክኸውንን።
ካብ 1950ታት ጀሚሩ፡ ናሳ ንህዋ ዝውዕሉ ብዩራንየም ዝሰርሑ 'ስናፕ' ወይ SNAP' (System for Nuclear Auxiliary Power) ሪኣክተራት እናማዕበለን እናፈተነን ጸኒሑ እዩ።
ኣብ 1965፡ ኒል ኣርምስትሮንግ ኣብ ወርሒ ቅድሚ ምርጋጹ ኣርባዕተ ዓመት ኣቐዲሙ፡ ስናፕ-10ኤ ናይ መጀመርታን እንኮን ብኒዩክለሳዊ ሓይሊ እትሰርሕ ሳተላይት ኣመሪካ ኰይና፡ ን43 መዓልታት ድማ ኣብ ቅናት-ዙረት ምድሪ ንጥፈታት ኣካይዳ እያ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ፡ ኒዩክለሳዊ መሳርሒታት ንከም ቮያጀር ዝኣመሰሉ ተልእኾታት ዓሚቝ ጠፈርን ዋላ'ውን ንኪዩርዮሲቲ ብዝብል እትጽዋዕ ተሽከርካሪት ማርስ ሮቨር ሓይሊ ክህቡ ጸኒሖም።
ገሊኦም ብራድዮኣይሶቶፕ ተርሞኤሌክትሪክ ጀነሬተራት (RTGs) ዝፍለጡ ትሑት ሓይሊ ኣብ ዘለዎም ስርዓታት ዝተመርኮሱ እዮም። እዚ ድማ ከምቲ ኣብ 2015 ኣብ ዝተሰርሐት 'ዘ ማርሽያን' ዘርእስታ ፊልም፡ 'ባትሪ ህዋ' ጠፈርተኛ ማርክ ዋትኒ፡ ካብ ራድዮኣክቲቭ ምሽማሸ ዝርከብ ሙቐት ናብ ኤሌክትሪክ ዝቐየረሉ ኣገባብ ይመሳሰል።
ኣብ ክልተ ኣብ ወርሒ ዝተገደፋ ተሽከርከርቲ ሩስያ እውን ራድዮኣክቲቭ መሞቒታት ኣለዉ።
ናሳ ንመደብራት ወርሒ ዝያዳ ሓይሊ ንምፍራይ፡ ናብ ንኣቶም ዝፍንጭሉ ንኣሽቱ ስርዓታት ምፍንጫል ገጹ የተኵር ኣሎ።
ኣብ 2018፡ ኣርባዕተ ካብዞም መሳርሒታት ኣብ ወርሒ መደብራት ከንቀሳቕሱ ከም ዝኽእሉ ብምግላጽ፡ ዕዉት ፈተነታት ናይቲ 'ኪሎፓወር' ብዝብል ዝጽዋዕ ብዩራንየም ዝሰርሕ ሪኣክተር ዛዚሙ።
'ኒዩክለሳዊ ሪኣክተር ኣብ ወርሒ' ሓደገኛ ክመስል ይኽእል'ዩ። እዞም ዲዛይናት እዚኣቶም ንውሕስነት ቀዳምነት ዝህቡ እዮም፣ ዘይንጡፍ መዝሓሊን ትሑት ዝተመስርሐ ዩራንየምን ይጥቀሙ። ስለዚ ኣዕናዊ ውድቀት ክበጽሕ ዘሎ ተኽእሎ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ።
እንተዀነ ግን እቲ ዕንወት መሳጢ ጽንሰ-ሓሳብ ክኸውን ይኽእል።
እንተ ተፈንጀረ'ኸ?
ብሓቂ ኣብ ወርሒ ዝፍጠር ኒዩክለሳዊ ረመቝታ ወይ ረዅመሽታ እንታይ ክመስል ከምዝኽእል ንጹር ኣይኰነን።
ብተወሳኺ ምስዚ ሕጂ ዘለዉ መደባት ድማ፡ ዋላ'ውን ከም ረመቝታ ክቝጸር ዝኽእል ዓቢ ፍጻመ ክኸውን ከም ዝኽእል ዘመልክት ነገር የለን።
(ሓደ ኪሎፓወር ሪኣክተር፡ ንሓያሎ ኣባይቲ ንኣስታት 10 ዓመት እኹል ዝኸውን ሓይሊ የመንጩ።)
ግን ምግማት ይከኣል እዩ፤ እንተተፈንጂሩ፡ እንታይ ከም ዝኸውን ዝውስን ዓቐን ናይቲ ሪኣክተር ጥራይ ኣይኰነን – ኣብ ክንድኡ እቲ ከባቢ'ዩ።
ኣብ ወርሒ ዘጋጥም ሓደጋ ሪኣክተር ካብቲ ኣብ ምድሪ ዘጋጥም ሓደጋ ኣዝዩ ዝተፈልየ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Atomics International/Contractor to US Atomic Energy Commission
ወርሒ ሃዋህውን ኵነታት ኣየርን ስለዘይብላን ሓደ ሻድሻይ ስሕበት መሬት ስለዘለዋን፡ ኣብ ክንዲ እቲ ፍንጀራ፡ ደበናን ድሕረ-ውጽኢትን (ኣፍተርሾክ) ብመጠኑ ውሑድ ድራማዊ ነገር ክንጽበ ንኽእል።
ኣብ ክንድኡ፡ እቲ ሪኣክተር ካብ መጠን ንላዕሊ ጥራይ ኪውዒይ ይኽእል፣ ምናልባት እውን ፈላማይ ብልጭታ ከስዕብን፡ ድሕሪኡ ድማ ብስቕታ ዝዝሕልን ዝተርርን ብሩህ ቀላይ ዝመኸኸ ብረት ከስዕብ ይኽእል እዩ።
እዚ ማለት ግን ከምዚ ዓይነት ፍጻመ ንዝዀነ ነታ መደበር ዝሰርሕ ሰብ ሓደገኛ ኣይክኸውንን ንምባል ኣይኰነን። እቲ ሰብ ንሓያል ማዕበል ጨረርታ ክቃላዕ ተኽእሎ ኣሎ።
እንተኾነ ራድዮኣክቲቭ ሓመድ ዝስከም ኣየር ወይ ንፋስ ስለዘየለ፡ እቲ ጽልዋ ኣብቲ ከባቢ ተገዲቡ ክተርፍ ይኽእል።
ንስክላ ዝተረፈ ሓደገኛ ውጥን
ከም ዕድል ኰይኒ ካብዚ ዝሓሸ መልሲ የለን። ኣመሪካውያን ሳይንቲስት ኣብ 1950ታት ተዓዊቶም እንተዝዀኑ ነይሮም ግን ዝሓሸ መልሲ ምሃለወ።
ፕሮጀክት ኤ119፡ ከም ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ኣመሪካን ሕብረት ሶቭየትን ዝካየድ ዝነበረ 'ውድድር ህዋ'፡ ኣብ ወርሒ ሃይድሮጅን ቦምብ ንምድርባይ ዝተዳለወ ምስጢራዊ ውጥን'ዩ ነይሩ። ብዛዕባዚ ተወሻኪ ንባብ ኣብዚ ክትረኽቡ ትኽእሉ።
ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ብሓቂ ካብ ውጥን ሓሊፉ ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


