ኤርትራ፡ ንጠለብ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ 'ተዅታዅን ዘይሕጋውን' ክትብል ነጺጋቶ

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ዘቕርብዎ ዘለዉ ተደጋጋሚ ምጕት "ዘይሕጋውን ተዅታዅን" ክብል ተቓውሞኡ ገሊጹ።

እቲ ምኒስትሪ ትማሊ 29 ምያዝያ 2026 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ እዚ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝስማዕ ዘሎ ትረኻ፡ ሓንቲ ዓባይ ሃገር ኣብ ልዕሊ ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ጐረባብቲ ሃገራት ምስፍሕፋሕ መሬት ከም ቅቡል ክትወስዶ ትኽእል እያ ካብ ዝብል ግጉይ መበገሲ ሓሳብ ዝተላዕለ ምዀኑ ኣመልኪቱ።

እዚ መገልጺ ዝወሃብ ዘሎ፡ ቀዳማይ ምኒስትሪ ኢትዮጵያ ዓቢይ ኣሕመድ፡ ልዑላዊ ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ጉዳይ "ህልውናው"ን "ዘይቅልበስ ሃገራዊ ዕላማ"ን ከም ዝዀነ ደጊሙ ድሕሪ ምግላጹ እዩ።

ምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ኣቐዲሙ፡ እቲ "ፖተምኪን" ክብል ዝገልጾ ሰልፊ ብልጽግና፡ ካብ ውሽጣዊ ጸገማቱ ንምህዳም ዘልዕሎ ዘሎ እዩ ክብል ኣብ ኤክስ ምላሽ ሂብሉ ነይሩ።

"መራሒ ናይቲ ሰልፊ፡ ከምኡ'ውን ከም ብዓል ጀነራል ጻድቃን ዝበሉ ሓንጨመንጪ፡ ነቲ ተደጋጋሚ ተዅታዅን ዝበለየን ምጕት 'ልኡላዊ ኣፍደገ-ባሕሪ' ትንፋስ ክዘርእሉ [ይፍትኑ] ኣለዉ፡" ኢሉ።

ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ፡ እዚ ሕቶታት ዝለዓለሉ ዘሎ እዋን ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ህሉው ኵነታት ብምትእስሳር፡ "እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ስርዓት፡ ንህዝቢ ካብቲ ዘጋጥሞ ዘሎ ሕማቕ ምሕደራን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ውሽጣዊ ቅልውላዋት ንምጥምዛዝ፡ 'ህልውናዊ ኣገዳስነት'ን 'ጸጥታ'ን ዝብሉ ናይ ፈጠራ ዛዕባታት ከም ናይ 'ሃገራዊ ስኒት' ስልቲ ይጥቀመሉ ኣሎ፡" ኢሉ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ እዚ ጻዕሪ እዚ ነቲ ተገማሚዑ ዘሎ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ባይታ ንምጥማርን ንውሽጣዊ ምስሕሓባት ኢትዮጵያ ናብ ዞባዊ ቅልውላው ንምስጋርን ዝዓለመ ምዀኑ ይሕብር።

ብተወሳኺ፡ እቲ ምኒስትሪ ንስጕምቲ ዓቢይ ኣሕመድ ምስ ታሪኻዊ ሜላ ቀደሞት ስርዓታት ኢትዮጵያ ብምትእስሳር፡ "እዚ ሜላ'ዚ፡ ንናይ ውሽጢ ምሕደራዊ ውድቀታት ንምሽፋን 'ግዳማዊ ተዋሳእትን ናይ ጻዕዳ ሓርማዝ ፕሮጀክትታትን' ይጥቀሙ ምስ ዝነበሩ ቀዳሞት ስርዓታት ኢትዮጵያ ዝመሳሰል እዩ፡" ክብል ወቒሱ።

ቀዳማይ ምኒስትሪ ዓቢይ ኣሕመድ ምስ ሃገራዊ መደበር ተለቪዥን ኢቲቪ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ "ንኣሽቱ ሃገራት" ወሰንቲ መስመራት ባሕሪ "ንምሕላው" ስለ ዘይክእላ፡ ከም ኢትዮጵያ ዝኣመሰላ ዓቕሚ ዘለወን ዓበይቲ ሃገራት ካብቲ ጉዳይ ርሒቐን እንተ ከይደን ንገዛእ ርእሰን ይዅን ንዓለም ሓደጋ ከስዕብ እዩ ክብል ተዛሪቡ ነይሩ።

ይዅን እምበር፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ነዚ ምጕት'ዚ ብትሪ ብምንጻግ፡ "ቀዳማይ ነገር፡ ገዛእ ርእሱ መሬታዊ ዶባቱ ከተዓርቕ ዘይከኣለ መንግስቲ፡ ንርእሱ ከም ቀንዲ ውሕስነት ኣገዳሲ ዓለማዊ መስመር መጓዓዝያ ባሕሪ ገይሩ ከቕርብ፡ ጂኦ-ፖለቲካዊ ላግጺ እዩ፡" ኢሉ።

እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ኢትዮጵያ "ንኣሽቱ ሃገራት ጸጥታ ናይ ምርግጋጽ ዓቕሚ የብለንን" ክትብል እተቕርቦ ጥርዓን ካብ ታሪኻውን ግብራውን ሓቂ ዝረሓቐ ምዀኑ ይገልጽ።

ኤርትራ "ኣንጻር ኵሉ ዕንቅፋታት" ዘካየደቶ ናይ ናጽነት ቃልሲ፡ ዓቕሚ ምክልኻል ብብዝሒ ህዝቢ ወይ ብግዝፊ ሃገር ከም ዘይውሰን ዘርኢ ምዀኑ እቲ ምኒስትሪ የዘኻኽር።

ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መግለጺኡ፡ ኢትዮጵያ ብዘይኣፍደገ ባሕሪ ምትራፋ ኣብ ልዕሊ ጽላት ማኑፋክቸሪን ቍጠባዊ ብልጽግናን ዓቢ ጸቕጢ ከም ዘሕደረ ገሊጹ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይምህላዉ ወጻኢታት ሎጂስቲክስ ክብ ክብል ከም ዝገበረን ድሕነት "ምስጢር ሃገራት" ምርግጋጽ ኣብ ሓደጋ ከም ዘውደቖን ኣመልኪቱ።

ኤርትራ ግን ነዚ ምጕታት'ዚ "ግዜኡ ዝሓለፎ ህርፋን ወራር፡" ክትብል ትገልጾ።

ኤርትራ ካብ 1993 ጀሚራ ወደባታ ንንግዳዊ ኣገልግሎት ንምኽፋት ዘይተሓለለ ድላይ ከተርኢ ከም ዝጸንሐትን ኢትዮጵያ ድማ ብምዕሩይ ውዕላት ክትጥቀመሉ ፈቒዳ ከም ዝነበረትን እቲ መግለጺ የዘኻኽር።

ልኡላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ኤርትራ ናብ ዘተ ዘይቀርብን ቅዱስን ምዀኑ ብምግላጽ፡ መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝቃላሕ ዘሎ ጠለባት "ኣዋጅ ኲናት" ብምባል ክነቕፎ ጸኒሑ እዩ።

ነባሪ ሰላም ንኽሰፍን ድማ መሪሕነት ኢትዮጵያ ንስትራተጂታቶም ዳግመ-ገምጋም ክገብሩሉን ነቲ ንድሕሪት ዘይምለስ ልዑላውነት ኤርትራ ክቕበሉን ከም ዘለዎም እቲ ምኒስትሪ የዘኻኽር።