ካብ ጆን ፎስተር ዳላስ ክሳዕ ማሳድ ቡሎስ፡ ዝተሓላለኸ ምዕራፋት ዝምድና ኣስመራን ዋሽንግተንን

ንባብ: 6 ደቓይቕ

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን ንዓሰርተታት ዓመታት ብጥርጣረን ዞባዊ ምስሕሓብን ተጸልዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ናብ ሓድሽ ስትራተጅያዊ ምዕራፍ ይሳገር ከም ዘሎ ምልክታት ይረኣዩ ኣለዉ።

ማዕከን ሓበሬታ ዎል-ስትሪት-ጆርናል ከም ዝጸብጸቦ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ንዝጸንሐ እገዳ ብምልዓል፡ ነቲ ዝሕቱል ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዳግም ንምብርባር ይንቀሳቐስ ኣሎ።

እቲ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ — 'እታ ኣብ ተነጽሎ ዘላ ግን ከኣ ዓሚቝ ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዘለዋ ሃገር' — ዝምድናኣ ንምሕዳስ እትገብሮ ዘላ ጻዕሪ፡ ካብቲ ኣብ መንጎ ኢራን፡ ኣመሪካን እስራኤልን ተፈጢሩ ዘሎ ዞባዊ ኲናት ዝነቐለ እዩ።

ደገፍቲ ኢራን ዝዀኑ ሑቲ የመን መጻብቦ ባብ-ኤል-መንደብ ንምዕጻው ኣብ ዘፈራርሕሉ ዘለዉ እዋን፡ ምስታ ልዕሊ 1,200 ኪሎሜትር ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ኤርትራ ምሕዝነት ምፍጣር፡ ከም "እዋናዊ ስትራተጅያዊ ስጕምቲ" ይውሰድ ኣሎ።

ኣብዚ ጽሑፍ'ዚ፡ ታሪኻዊ ዝምድና ኣስመራን ዋሽንግተንን ካብ 1940ታት ክሳዕ 2026 ንዓበይቲ ታሪኻውያን ፍጻመታት ዘርዚርና ክንርእዮ ኢና።

ካብ መግዛእቲ ኢጣልያ ክሳዕ መዓስከር ቃኘው (1940ታት - 1950ታት)

ታሪኻዊ ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን፡ ገና ኣብ ግዜ ካልኣይ ውግእ ዓለም እዩ ጀሚሩ።

ኣብ 1941፡ ሓይልታት ኪዳን ንኢጣልያ ካብ ኤርትራ ምስ ኣውጽኡዋ፡ ኣመሪካ ነቲ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ኤርትራ ብኣጋኡ እያ ተረዲኣቶ።

ኣብ 1942 ድማ ኣብ ኤርትራ ቈንስላዊ ቤትጽሕፈት ከፈተት።

ኣመሪካ፡ ኤርትራ ብሰራዊት እንግሊዝ ተታሒዛ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን፡ ኣብቲ እዋን ስትራተጅያዊ ኣገዳስነት ዝነበሮ ራድዮን መራኸቢታትን ንምጥቃም ኣብ ኣስመራ ተገዳስነት ኣርኣየት።

እቲ ቆንስላዊ ቤትጽሕፈት፡ ነቲ ጸኒሑ "መዓስከር ቃኘው " (ቃኘው ስተሽን) ዝተባህለ ወተሃደራዊ መዓስከር ንምምስራት መሰረት ክኸውን ከኣለ።

ኣብ ኣስመራ ዝተመስረተ "መዓስከር ቃኘው " ድማ ንዋሽንግተን ኣብ ዞባ ማእከላይ ምብራቕን ቀይሕ ባሕርን ወሳኒ ናይ ስለያን ርክባትን ማእከል ኰይኑ ኣገልገለ።

እዋን ዝሑል ኲናት፣ ጆን ፎስተር ዳላስን ምጅማር ብረታዊ ቃልስን

ኣመሪካ ነቲ ኣብ ኣስመራ ዝነበራ ወተሃደራዊ ረብሓ ንምሕላው፡ ንመሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ ብምጽራር ምስ ስርዓት ሃይለስላሰ ከም ዝወገነት እዩ ዝግለጽ።

እቲ ኣብ 1952 ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝነበረ ጆን ፎስተር ዳላስ ብ30 መስከረም 1952 ኣብ ቅድሚ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ "ብዓይኒ ፍትሒ ክርአ ከሎ፡ ርእይቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ግምት ክኣቱ ይግባእ ነይሩ። እንተዀነ፡ ንስትራተጅያዊ ረብሓ ኣመሪካ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕርን ንስለ ኣህጉራዊ ጸጥታን ሰላምን፡ ኤርትራ ምስታ መሓዛና ዝዀነት ኢትዮጵያ ክትቊረን ኣገዳሲ ይኸውን፡" ኢሉ ንግደ ኣመሪካ ገሊጹ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ 1961 ናብ ብረታዊ ቃልሲ ምስ ኣተወ፡ ኣመሪካ ንስርዓት ሃይለስላሰ፡ ሕብረት ሶቭየት ድማ ንስርዓት ደርግ ብምድጋፍ "ቃልሲ ናጽነት ንምጭፍላቕ ዓቢ ተራ ተጻዊተን፡" ብምባል ኤርትራውያን ይገልጹ።

እዚ ተኸታታሊ 'ኣድሉዎ' ዓበይቲ ሓይልታት፡ ኤርትራውያን "ንበይንና ኢና ዘለና" (ርእሰ-ምርኰሳ) ዝብል መትከል ክሕዙን ኣብ ልዕሊ ዓለምለኻዊ ዲፕሎማሲ ዓቢ ጥርጣረ ክህሉዎምን ቀንዲ ምኽንያት ኰይኑ እዩ።

ካብ 1989 ክሳዕ 1993 ምክትል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ኰይኑ ዘገልገለ ፍሉጥ ፖለቲከኛ ሄርማን ኮሀን ኣብ 2011 ምስ ቢቢሲ (ፎኳስ ኦን ኣፍሪካ) ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ዋሽንግተን ኣብ መመወዳእታ 1980ታትን መጀመርታ 1990ታትን ዝነበራ ፖሊሲ፡ ኣብ ኤርትራውያን ካብ ዘለዋ ፍትሓዊ ኣጠማምታ ንላዕሊ "ዝሑል ኲናት ንምብቃዕን ጽልዋ ሕብረት ሶቭየት ካብቲ ጾባ ንምውጻእን ጥራይ ዘተኰረ ምንባሩ ገሊጹ።

"ኣብቲ እዋን፡ ቀንዲ ዕላማና ንሶቭየት ካብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምውጻእ እዩ ነይሩ። ስለዚ፡ ንኤርትራን መራሕታን ብዓይኒ ስትራተጅያዊ ረብሓታት ዋሽንግተን ጥራይ ኢና ንርእዮም ነይርና፡" ኢሉ።

'ወርቃዊ ዘመን'ን ስነሓሳባዊ ፍልልይን

ኤርትራ ናጽነት ምስ ረኸበት፡ ዝምድና ክልተአን ሃገራት ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ተሰጋገረ - ንሓጺር እዋን ዝጸንሐ "ወርቃዊ ዘመን" ዲፕሎማሲ ድማ ነበረ።

ፕረዚደንት ቢል ክሊንተን ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ሓደ ካብቶም "ሓደስቲ ወለዶ መራሕቲ ኣፍሪቃ" ገይሩ ይጥምቶ ነበረ።

ክሊንተን ኣብ 25 መጋቢት 1998 ኣብ ዝገበሮ ታሪኻዊ ዑደት፡ "ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር'ዚ [ምምሕዳር ፕረዚደንት ኢሳይያስ]፡ ኣብቲ ዞባ ሞዴል ርእሰ-ምርኰሳን ብቕዓትን ኰይና ትርአ ኣላ፡" ክብል ኣብ ኢንተበ - ኡጓንዳ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ መራሕቲ ኣፍሪቃ ተዛረበ።

ኣብቲ ግዜ'ቲ ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝነበረት ሱዛን ራይስ ኣብ ለካቲት 1998 ናብ ኣስመራ ኣብ ዝገበረቶ ዑደት፡ "ኤርትራ ናይ ሰላምን ምርግጋእን ተስፋ እያ። እቲ ምስ መራሕታ ዝግበር ዘሎ ዘተ ድማ ንመጻኢ እቲ ዞባ ወሳኒ እዩ፡" ብምባል ገሊጻ ነይራ።

እዚ ድማ ዋሽንግተን ኣብ ዳግመ-ህንጸትን ቍጠባዊ ዕብየትን ኤርትራ ንምስታፍ ዝነበራ ድሌት ዘርኢ እዩ።

እንተዀነ፡ እቲ ዝምድና ብዙሕ ከይጸንሐ፡ ኣብ መንጎ ረብሓታት ዋሽንግተንን ፖሊሲታት ኣስመራን ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ ክሽሕክር ጀመረ።

ኣመሪካ፡ "ደሞክራስያዊ መስርሕ፡ ናጽነት ፕረስን ሰብኣዊ መሰላትን" ከም መሰረት ዝምድናኣ ከተቐምጥ ክትጽዕር ከላ፡ መንግስቲ ኤርትራ ድማ ንልዑላውነት ሃገር ዝትንክፍ "ግዳማዊ ምትእትታው" ምዃኑ ብምግላጽ ይነጽጎ።

እቲ ኣብ 2001 ዝተኸስተ ፖለቲካዊ ኵነታትን ምእጋድ ጋዜጣታት ብሕትን፡ (ምእሳር ፖለቲከኛታትን ጋዜጠኛታትን) ንዋሽንግተን ተወሳኺ ዝምድናኣ ዳግመ-ግምት ክትገብረሉ ደፊኡዋ እዩ።

ኤርትራ፡ ኣመሪካ ንጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት ከም "ፖለቲካዊ ጸቕጢ ወይ መሳርሒ ትጥቀመሉ ኣላ" ብምባል፡ ዝዀነ ምስ ኣመሪካ ዝግበር ዝምድና ኣብ "ምክብባር ንሓድሕዳዊ ልዑላውነት" ክምርኰስ ከም ዘለዎ ትከራኸር።

ድሕሪ መጥቃዕቲ 11 መስከረም 2001፡ ኤርትራ ኣብቲ ኣንጻር ግብረ-ሽበራ ዝግበር ዝነበረ ቃልሲ ከም መሻርኽቲ ክትሳተፍ ድሌት ኣርእያ ነበረት።

ብዛዕባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰፊሕ ምርምር ዘካይድ ኣሌክስ ዲ-ዋል፡ "ኣብ መጀመርታ 2000ታት፡ ኤርትራ ኣካል 'ኪዳን ወለንተኛታት' ክትከውን ጻዕሪ እኳ እንተ ገበረት፡ ምስ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዝነበራ ዘይተፈትሐ ምስሕሓብን ዲፕሎማስያዊ ጸቕጥታትን ነቲ ተኽእሎ ዓንቂጹዎ እዩ፡" ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ ነይሩ።

ሱዛን ራይስን ታሪኽ እገዳን (2009 - 2021)

እዚ ናይ ስነሓሳብ ፍልልይ፡ ምስቲ ኣብ 1998 ዝተወልዐ ዶባዊ ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ተደሚሩ፡ ንዝምድና ክልተአን ሃገራት ናብ ጸድፊ ደፍኦ።

ሱዛን ራይስ ኣብ 2009 ኤርትራ ንኣል-ሸባብ ትድግፍ ኣላ ብዝብል ክሲ (ደሓር መርትዖ ዘይተረኽበሉ)፡ ቤትምኽሪ ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ሓያል እገዳ ንኸንብር ቀንዲ መሃንድስ ከም ዝነበረት ይግለጽ።

እቲ ካብ 2009 ክሳብ 2018 ዝተነብረ 'እገዳ ኣጽዋር' ዝፈጠሮ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ፡ ኤርትራ ንልዕሊ ትሽዓተ ዓመታት ክትግለል ገይሩዋ።

ተንታኒ ፖለቲካ ኣፍሪቃ ዳን ኮነል ኣብ 2011 ኣብ 'ፎረይን ፖሊሲ ኢን ፎካስ' ኣብ ዝጸሓፎ፡ "ኣመሪካ ነቲ እገዳ ከም መሳርሒ ጸቕጢ ብምጥቃም፡ ንኤርትራ ካብቲ ዞባ ንምግላል ጻዕሪ ገይራ እያ፡" ክብል ነቒፉ።

ንኣሶሸትድ ፕረስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ'ውን፡ "ዋሽንግተን ንኢትዮጵያ ከም ቀንዲ መሻርኽታ ኣብ ጸጥታ ክትመርጽ ከላ፡ ኤርትራ ድማ ዝተገለለት ኰይኑ ተሰሚዑዋ። እዚ ድማ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ዲፕሎማስያዊ ዝሕታለ መበገሲ ኰይኑ እዩ፡" ኢሉ።

እቲ 'ኣይሰላም ኣይኲናት' ፖሊሲ ሒዙ ዝኸይድ ዝነበረ ገዛኢ ሰልፊ ኢህወደግ ብውሽጣዊ ናዕቢ ተነቓኒቑ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ እቲ እገዳ ተላዕለ።

እንተዀነ፡ ኣብ 2021 ኣብ ትግራይ ምስ ዝነበረ ግጭት ተኣሳሲሩ፡ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣንን ትካላት ቍጠባ ኤርትራን (ንኣብነት ሕድሪ) ሓያል ማዕቀብ ኣንበረ።

ምምሕዳር ትራምፕን 'ሓድሽ ጽምዶ'ን (2018 - 2026)

ኣብ 2018፡ ብተበግሶ ምክትል ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዶናልድ ያማሞቶ፡ ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ተቛሪጹ ዝነበረ ላዕለዋይ ዲፕሎማስያዊ ርክባት ዳግም ተጀመረ።

ያማሞቶ ኣብ ምያዝያ 2018 ናብ ኣስመራ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምዝታይ፡ ንዓመታት ዝጸንሐ እገዳታት ክለዓልን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሰላም ክወርድን ዝለዓለ እጃም ኣበርኪቱ እዩ።

በቲ ንሱ ዘካየዶ ዲፕሎማስያዊ ጻዕሪ ድማ ኣብ ሕዳር 2018 ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ንዝነበረ ናይ ትሽዓተ ዓመታት እገዳ ብምሉእ ድምጺ ክልዓል መንገዲ ጸሪጉ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ ዛዚሙ፡ ኣባል ሰልፊ ደሞክራስያውያን ጆ ባይደን ፕረዚደንት ምስ ኰነ፡ ዝምድና ኣስመራን ዋሽንግተንን ኣንፈቱ ናብቲ ናይ ቅድም ታሪኹ ክቕንዕ ተራእዩ።

ኣብዚ ግዜ'ዚ ግን ብተበግሶ ላዕለዋይ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ትራምፕ ማሳድ ፋረስ ቡሎስን መሓዙት ሃገራትን፡ ሓድሽ ምዕራፍ ዲፕሎማሲ ይኽፈት ኣሎ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብሓምለ 2025 ምስ ማዕከናት ዜና ሃገሩ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ "ኣብ ምምሕዳር ባይደን ሸውዓተ ዓመታት ተኸሲሩ እዩ። ሕጂ ግን ምስዚ ኣብ ዋሽንግቶን ዝርአ ዘሎ ምሕቋን፡ ከይተሃወኽና ጽምዶና ኣሐዲስና ክንቅጽሎ ኢና፡" ኢሉ ነይሩ።

ህሉው ጂኦ-ፖለቲካዊ ኵነታትን መጻኢ ኣንፈትን

ታሪኻዊ ጕዕዞ ዝምድና ኤርትራን ኣመሪካን፡ ካብ ግዜ መግዛእቲ ኢጣልያን ብኤርትራውያን ከም 'ከቢድ ኣሉታዊ ጽልዋ' ንዝርአ ግዜ ጆን ፎስተር ዳላስን ሓሊፉ፡ ሕጂ ናብ ሓድሽ ስትራተጅያዊ ጽምዶ የምርሕ ኣሎ።

ኣመሪካ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ጽልዋ ንምሕላውን ምንቅስቓስ ሑቲ ንምግታእን፡ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ብምሕዳስን እገዳታት ብምልዓልን፡ ንኤርትራ ከም ቀንዲ መሻርኽቲ ጸጥታ ክትወስዳ ትኽእል እያ።

ኤርትራ ብወገና፡ ነቲ ምስ ዋሽንግተን ዝህሉ ዝምድና እናኣሐደሰት፡ ምስ ሩስያን ቻይናን ዘለዋ ስትራተጅያዊ ርክባት'ውን እትቕጽሎ ትመስል።

እዚ፡ ኤርትራ ኣብ መንጎ ሓያላት ሃገራት ዘሎ ውድድር ንረብሓኣ ብምጥቃም፡ ኣብቲ ዞባ ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ሚዛን ንምሕላው ከም እትጽዕር የመልክት።

እቲ ውጽኢት፡ ኣብ መንጎ ኣመሪካ ንጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ እትህቦ ቀዳምነትን ኤርትራ ንልዑላውነትን ናጻ ፖሊሲን እትህቦ ቀዳምነትን ኣብ ዝግበር ሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ሚዛን ክምርኰስ እዩ።

እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሐ ናይ ሰብኣዊ መሰላትን ደሞክራስያዊ መስርሕን ምስሕሓብ፡ ኣብዚ ሓድሽ ምዕራፍ ብኸመይ ክተኣናገድ እዩ ዝብል ሕቶ ድማ ንጽባሕ ዝተሓድገ ናይ ዲፕሎማሲ ብድሆ ክኸውን እዩ።