ኣመሪካ፡ ናብ ሱዳን ኣጽዋር ተሰጋግር እያ ዝተባህለት ኢራናዊት ኣብ ቀይዲ ኣትያ
ሰብመዚ ጸጥታ ኣመሪካ፡ ናብ ሱዳን ኣጽዋር ተሰጋግር'ያ ንዝበልዋ ሓንቲ ኢራናዊት ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም።
ጓል 44 ዓመት ሻሚም ማፊ፡ ናይ ኣመሪካ ቀዋሚ መንበሪ (ግሪን ካርድ) ዘለዋ ኮይና፡ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም'ያ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ከተማ ሎስ ኣንጀለስ ተታሒዛ።
"ድሮናት፡ ቦምባታት፡ ቀለቤት ቦምባታት፡ ከምኡ'ውን ብሚልዮናት ዝቑጸር ኣብ ኢራን ዝተሰርሐ ጠያይቲ ናብ ሱዳን ኣብ ምሻጥ ከም ደላሊት" ከምዝተዋስአት'ዮም ኣኽበርቲ ሕጊ ኣመሪካ ከሲሶም ዘለዉ።
ብመሰረት እቲ ክሲ፡ መሸጣ ናይቲ ወተሃደራዊ ኣጽዋር ምስ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሱዳን ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ናይ 70 ሚልዮን ዶላር ውዕል ሰብ-ኣልቦ ነፈርቲ (ድሮናት) ዘጠቓለለ እዩ።
እታ ኢራናዊት ነቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝወሰነቶ እገዳ መሸጣ ንብረት ኢራን ጥሒሳ ተባሂላ'ያ ኣብ ቀይዲ ኣትያ ዘላ። ማፊ፡ ብዛዕባ ዝቐረበላ ክሲ ዛጊት ዝሃበቶ ግብረመልሲ የለን።
ካብ ካሊፎርኒያ ናብ ቱርኪ ክትበርር ኣብ ዝፈተነትሉ እዋን'ያ ተታሒዛ።
ተሓላቒ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ከምዝብሎ፡ ስርሓት ሰርቢያ፡ ሩስያ፡ ቻይና፡ ቱርኪን የመንን ዝኾነ ብረታት ኣብቲ ደማዊ ኲናት ሱዳን ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ እዩ።
ንሓይልታት ኣልሰሪዕ ወተሃደራዊ ደገፍ ትህብ'ያ ተባሂላ ዘይትኣደነ መርትዖታት ዝቐርበላ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ንዝቐርበላ ክስታት ክትነጽጎ ምጽንሓ ይፍለጥ።