እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዛዕባ ምሕዳስ ዝምድና ኤርትራ-ኣመሪካ እንታይ ይበሃል ኣሎ?
ኣብዚ ቅንያት፡ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ብምልዓል፡ ዝምድናኣ ናብ ንቡር ክትመልሶ መደብ ሒዛ ብዕቱብ ትንቀሳቐስ ከምዘላ ክግለጽ ቀንዩ ኣሎ።
መስርሕ ምሕዳስ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት፡ ናይቲ ክብ ለጠቕ እናበለ ክኸይድ ዝጸንሐ ምዃኑ ዝግለጽ ዲፕሎማስያዊ ምንቅስቓስ መቐጸልታ እዩ።
እዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ምንቅስቓስ፡ እቲ ኣመና ተሃዋሲ ኲናት ኢራን ዝፈጠሮ ጸጥታዊ፡ ፖለቲካውን ቍጠባውን ቅልውላው ዝደረኾ ምዃኑ፡ ነቲ ዜና ፈለማ ዝዘርግሐ ስሙይ ኣመሪካዊ መጽሔት ዎልስትሪት ጆርናል ኣመልኪቱ እዩ።
ብሰንኪ ዕጽዋ መጻብቦ ሆርሙዝ ብኢራን፣ ደሓር'ውን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን ጸቕጢ ንኽትፈጥር ክትብል ኣብቲ መጻብቦ ዘዋፈረቶ ሓይሊ ባሕራ፡ ነቲ ኵነታት መሊሱ እዩ ኣጋዲድዎ።
እዚ ኣብ ወሽመጥ ፋርስ ዝተፈጥረ ኵነታት ኣብ ከባቢ ወሽመጥ ዓደን፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ መጻብቦ ባብ ኤል መንደብ ከይድገም ዝሰግአት ኣመሪካ፡ ነቲ ምስ ኤርትራ ወጢናቶ ዝጸንሐት ምምሕያሽ ዝምድና ከተቀላጥፎ ከም ዝተገደደት እዩ ዝንገር ዘሎ።
እዚ፡ ቀዳማይ ዘመነ ስልጣን ትራምፕ እውን ተፈቲኑ ዝነበረ ምምሕያሽ ዝምድና ኤርትራ-ኣመሪካ፡ ኣብዚ ካልኣይ ምልሶት ትራምፕ ናብ ዋይትሃውስ ደጊምካ ንምሕዳሱ፡ ብኽልቲኦም ወገናት ድሌትን ተበግሶታትን ከም ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ'ውን ኣሚቱ ነይሩ እዩ።
ኣብዚ እዋን፡ ብፍሉይ ልኡኽ ትራምፕ መስዓድ ቡሎስን መንጐኝነት ግብጺን ዝድፋእ ዘሎ ምምሕያሽ ዝምድና ዝተፈላለየ ርእይቶታት ይወሃቦ ኣሎ።
ገለ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ ነበር፡ ንመዝገብ ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራን ኵነታት መንግስቲ ኤርትራን ብምልዓል፡ ነቲ ውሳነ ተቓውሞኦም የስምዑ ኣለዉ። ገሊኦም ድማ እቲ ውሳነ ቅኑዕ ምዃኑ፡ እቲ ኻልእ ብዛዕባ ኤርትራ ዝለዓል ዘሎ ጉዳያት ካልኣዊ ወይ ከም ውሽጣዊ ጉዳይ ሸለል ዝብሉ ኣለዉ።
ኣብቲ ዓንቀጽ መጽሔት ዎል ስትሪት ተጠቒሱ ዘሎ ካሜሩን ሃድሰን፡ ውሳነ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ቅኑዕ ኣይኰነን ኢሉ ብምግላጽ፡ ብ23 ምያዝያ ኣብ መጽሔት ፎረይን ፖሊሲ ኣመሪካ "Washington's One-Dimensional Chess in the Horn of Africa" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘስፈሮ ጽሑፍ እውን ነዚ ሓሳቡ ብዝርዝር ኣቕሪቡዎ'ሎ።
ሃድሰን በዓል ስልጣን ስለያን ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ዝነበረ ኰይኑ፡ "መብዛሕትኡ ግዜ እገዳ ዝለዓል፡ ሓንቲ ሃገር ንዕኡ ዝበቅዕ ንጹር ስጕምቲ ምስ እትወስድ ጥራይ እዩ፡" ብምባል ኤርትራ ግን ካብ 1993 ጀሚራ ዝሓዘቶ ወተሃደራውን ምልካውን ሒዛ እያ ትቕጽል ዘላ ኢሉ ይምጕት።
እዚ ከምዚ ዓይነት ኣካይዳ ንምልካዊ ስርዓት ምሽላም እዩ ብምባል ድማ ኣመሪካ ነዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝተጻዕነ እገዳ ብምቅላል እንታይ እያ ክትረብሕ? ኢሉ እዩ ዝከራኸር።
እዚ ዝካየድ ዘሎ ምስጢራዊ ዝርርብ ድማ፡ ነቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ፖለቲካዊ ደውታ ምምሕዳር ትራምፕ ዕሽሽ ኢልዎ እዩ፡ ይብል።
እገዳታት ድማ፡ ሃገራት ሰብኣዊ መሰላት ንከኽብራ ከም ናይ ጸቕጢ መሳርሒ ኰይኑ ከምዘገልግል ብምምልካት፡ ስቕ ኢሉ ክለዓል ግቡእ ዘይምዃኑ እዩ ዝመክር።
ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ጉዳያት ኣፍሪቃ ነበር ቲቦር ናዥ እውን፡ ብቐዳም 25 ኣብ ሓደ ግሎባል ፓወር ሺፍት ዝብል ቻነል ቀሪቡ ኣብ ዝሃቦ ትነተና፡ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራት ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ዘሎ ዝምድና ናብ ንቡር ንምምላስ ተደጋጋሚ ፈተነታት እኳ እንተገበሩ፡ ብወገን ኣስመራ ግን እወታዊ ምላሽ ኣይተዋህበን - ብምባል እዩ ንተመኵሮኡ ኣብ ኤርትራ ዝገልጽ።
ቲቦር ናዥ፡ ኣብ ታሕሳስ 2018፡ ናብ ኤርትራ ብምብጻሕ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ሰፊሕ ዘተ ኣካይዱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ካብቲ ናይ ሽዑ ተመኵሮኡ ብምብጋስ ድማ፡ ዕላማ ኣመሪካ ከምቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝነበረ ተመሳሳሊ ዝምድና ንምምስራት እኳ እንተነበረ፡ ኤርትራውያን ግን ውጽኢታዊ ዘተ ኣይገበሩን ብምባል፡ ምስ ካሜሩን ሃድሰን ይሰማማዕ።
"እታ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝመርሓ ኤርትራ፡ ብዅሉ መዳያት ክትክፈት እንተኽኢላ፡ እቲ ኣብ ልዕሊኣ ዝግበር ጸቕጢ ክፋዀስ ምኸኣለ። መንግስቲ ኤርትራ ግን፡ ምስ ዓለማዊ ቁጠባን ዲፕሎማስያዊ ጽምዶን ዝተኣሳሰር ዝምድናታት ከም ሓደጋ ስለዝርእዮ እዩ ተነጽሎ መሪጹ፡" ክብል ይነቅፍ።
ኤርትራ፡ እዞም ምስ ምድንፋዕ ደሞክራሲ፡ ስቪላዊ ማሕበራት፡ ናጻ ፕረስ፡ ትግባረ ቅዋምን ምርጫን ዝኣመሰሉ ብምምሕዳራት ኣመሪካ ብቐጻሊ ዝለዓሉ ዓበይቲ ሕቶታት ግን ብወገን ኤርትራ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢድ ከም ምእታውን ከም ሓደጋ ልኡላውነትን'ዩ ዝረአ።
ክንዮኡ'ውን ከም ስነሓሳባዊ ተጻብኦ ኰይኑ ድማ ኤርትራ ነቲ ኣበሃህላታትን ክሲታትን ክትነጽጐ ጸኒሓ እያ።
ኣመሪካ ኣብ ዘመነ ትራምፕ ኸኣ ብፍላይ፡ እዚ ሊበራላዊ ክብሪታት ዕሽሽ እናበለት፡ ኣብ ናይ እንካን ሃባን ዓይነት ዝተመስረተ ዝምድና ትኽተል ምህላዋ እዩ ብሰፊሑ ዝግለጽ።
ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ዘዘራረቦ ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ኣሰይድ ዓብዱራሕማን ኣቡሃሽም፡ ኣመሪካውያን ብቐዳምነት ንረብሓታቶም እዮም ዝሰርዑ፡ ይብል።
"ብዙሓት መሓዙት ኣመሪካ ዝዀና ሃገራት፡ ንኣብነት ግብጺ፡ ስዑዲ ዓረብን ካልኦት ሃገራትን፡ ብዙሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፍጸመለን ሃገራት እየን፡" ኢሉ ከም ኣብነት ብምጥቃስ፡ እዚ ጉዳይ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ንኣመሪካ ደራኺ ጉዳይ ኣይኰነን፡ ክብል የረድእ።
ብዘይካ'ዚ ካሜሩን ሃድሰን፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንቀይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ዝምልከት ውሁድ ስትራተጂ የብሉን ብምባል፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ክለዓል ዝኽእል እገዳ ዞባዊ ሳዕቤን ከም ዘለዎ ዘቕርቦ ምጕት እውን ኣለዎ።
'ኤርትራ ንሰራዊት ሱዳን ኣንጻር እቶም ብኢማራት ዝድገፉ ዳዕመ-ሰሪዕ ትሕግዝ እያ። ስለዚ ምስ ኤርትራ ዝግበር ርክብ ናብ ንቡር ምምላስ ማለት ንሓድነት ሱዳንን ንሰራዊት ሱዳንን ከም ምድጋፍ ዘመልክት እዩ፡' ክብል ኣመልኪቱ'ሎ።
ኣብዚ መዳይ ግን ኣመሪካ፡ ኣንጻር ሓድነት ሱዳን [ብውሑዱ ብቕሉዕ]መርገጺ ኣይጸንሓን። ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ከም ዝግለጽ ኣመሪካ ነቲ ብፍላይ ብኢማራት ዝግበር ነታ ሃገር ዝበታትን ምትእትታውን ከም ዘይትድግፎ እዩ። እዚ ግን በቲ ኢማራትን እስራኤልን ዘለወን ኪዳን ተጐልቢቡ ዝሕለፍ ጉዳይ ምዃኑ ዞባውያን ተንተንቲ ክወቕስዎ ዝጸንሐ ሓደ ካብ ድርብ መለክዒታት ኣመሪካ እዩ።
ብመሰረት ኣተናትና ካሜሩን፡ እታ ነዚ ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን ተቀላጥፍ ዘላ ግብጺ፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ምስ ኤርትራ ዝደጋገፋ ምዃነን ዝእምት ኰይኑ፡ ግብጺ ንባዕላ እውን ኣብ ጉዳይ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ምግባር ሓዊሱ ንናይ ገዛእ ርእሳ ኣጀንዳ ከገልግላ እዩ፡ ብምባል ነቲ ዝተኣሳሰረ ኵነታት ናይቲ ጉዳይ ኣልዒሉ እዩ ዝከራኸር።
ግብጺ፡ ኣብ ጸጥታ ባብ-ኤልመንደብ ረብሓታት ስለዘለዋ፡ ምምሕያሽ ዝምድና ኣመሪካን ኤርትራን ብኡ ኣቢልካ ምውሓስ ጸጥታ እቲ ዞባ ዓቢይ ቍጠባዊ ረብሓ ስለዝህባ ምዃኑ እዩ ግን ኣቡ ሃሽም ዝምጕት።
ግብጺ ኣብ ቀይሕባሕሪ ናይ ገዛእ ርእሳ ስትራተጂያዊ ቍጠባዊ ረብሓ ኣለዋ። ምኽንያቱ እቲ ብ መትረብ ስወጽ ናይ ዝሓልፋ መራኽብ እትረኽቦ ኣታዊ ኣብ ቍጠባኣ ዓቢይ እታወት ስለዘለዎ፡ እዚ ክህሰ ኣይትደልን እያ። ስለዚ ባብ ኤልመንደብ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ማለት እታ ሃገር ኣብ ቍጠባዊ ሓደጋ ወዲቓ ኣላ ማለት እዩ።
ስለዚ፡ ይብል ኣቡሃሽም፡ "ግብጺ፡ ነዚ ስትራተጅያዊ ረብሓታታት እተውሕሰሉ መንገዲ ምስ ኤርትራን ጅቡቲን ብምትሕብባር እዩ፤ ምኽንያቱ የመን ኣብዚ እዋን ወይ ምስ ኢራን ወይ መንግስቲ ኣልቦ እያ ኰይና ዘላ፡" ብምባል እቲ ጉዳይ ናይ ግብጺ ናይ ገዛእ ርእሳ ረብሓታት ስለዘለዎ'ውን እዩ ይብል።
ብኻልእ መዳይ ድማ፡ ግብጺ ምስ ኤርትራ ድልዱል ዝምድናን ኪዳንን ጸኒሑዋ እዩ፤ "ኣብቲ ዝጸንሐ ኪዳን ቅሩብ ዘልሓጥሓጥ ዝበለ መንግስቲ ሶማልያ እዩ፤ ግብጺ ግን ኣብቲ ዝመስረትኦ ኪዳን ጸኒዓ እያ ትቕጽል ዘላ፡" ኢሉ፤ እዚ ከም ሓደ ዲፕሎማስያዊ ደገፍን ምሕያል ኤርትራን ድማ የገድሳ ምዃኑ ኣስሚሩሉ።
ኣብ ርእሲ'ዚ ድማ ግብጺ ኣብ ከምዚ ዝመሰለ ናይ ምቅርራብ ተራ ክትጻወት እንከላ፡ "ብዲፕሎማስያዊ ዓይኒ ሓደ ስትራተጅያዊ ሓለፋ ይህባ እዩ፡" ክብል ይገልጽ።
እቲ ምስ ኤርትራ ዝግበር ዝምድና ነታ መሻርኽቲ ኣመሪካ ዝዀነት ኢትዮጵያ ከቐይም እዩ ዝብል ዝቐርብ ምጕት ግን ኣቡሃሽም፡ "ኢትዮጵያ ተቐዪማ ኣይተቐዪማ ተምጽኦ ለውጢ ዘሎ ኣይመስለንን፤ ምኽንያቱ እዚ ዓለማዊ ጉዳይ እዩ፡" ክብል ይገልጽ።
ምስቲ፡ "ብኣንጻሩ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ እትገብሮ ዘላ ምትዅታዅን ኲናትን ገታኢ ሳዕቤን ክፈጥር ይኽእል እዩ፡" ዝብል ሓሳባት ብዝሳነ መልክዕ፡ "ካብኡ ሓሊፉ እውን ነተን ሃገራት እንተላይ ሶማልያን ጅቡትን ሓዊስካ ናብ ጽቡቕ ምሕዝነትን ምቅርራብን ክመጻ ክደፍእ ይኽእል እዩ፡" ክብል ገማግሙ የቕርብ።
"ብድፍኢት ኣመሪካን ካልኦት ዓበይቲ ሃገራትን ሓድሽ ኪዳናት ንምፍጣር ይከኣል፣ እዚ ከባቢ - ብፍላይ ምስዚ ኲናት ኢራን - ድሕሪ ሕጂ ዝዀነ ናይ ኲናት ሸውሃት ዘለዎ ኣይመስልን፡" ኢሉ ይውስኽ።
ካልኦት ኣመሪካውያን እውን፡ ነቲ ኢትዮጵያ ናብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ንምብጻሕ ብዘንቀለቶ ሕቶታት ዝተፈጥረ ዞባዊ ወጥሪ ብምጥቃስ፡ ኣመሪካ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ዝምድና ዳግመ-ምትዕርራይ እንተገይራ፡ ኣብ መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዘሎ ግጭታትን ምትፍንናን ንምዕጋስ ሰፊሕ ጽልዋን ኣገዳስነትን ከም ዘለዎ ሓሳባቶም ብምቕራብ፡ ህላወ ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ብፍላይ ከኣ ምስ ኤርትራ እትገብሮ ምምሕያሽ ዝምድና ኣገዳሲ ምዃኑ ይምጕቱ።
እዚ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኣመሪካን ዝፍጠር ዝምድና ሰፊሕ ዞባዊ ጽልዋታት ክፈጥር ምዃኑ ዘመልክት ካሜሩን ሃድሰን፡ ነቲ ጉዳይ ናብ ወሽመጥ ዓረብ እውን ይወስዶ። በዚ መሰረት፡ ግብረ-መልሲ ወሽመጥ ዓረብ ዝተፈላለየ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምምልካት፡ እዚ ማለት ስዑዲ ዓረብ ነቲ ምርግጋእ ክትቅበሎ ትኽእል እያ ይብል። እታ ኣብቲ ዞባ ዓብላሊ ወፍሪ ዘለዋ ኢማራት ዓረብ ግን፡ እዚ ስጕምቲ ኣመሪካ ንረብሓታታ ኣብ ክልቲኡ - ማለት ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን -ቀጥታዊ ሓደጋ ጌራ ክትወስዶ ትኽእል እያ፤ ኢሉ ንኢማራት ምኽሳር ከስዕብ ከም ዝኽእል ድማ የተንብህ።
ምስዚ ብዝተኣሳሰር ኣሰይድ ዓብዱራሕማን፡ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ኵሉ ተመጢጡ ኣብ ብዙሕ ጉዳያት ስለዝሳተፍ፡ ኣብ መጻኢ እውን ኣብ ባሕሪ ደቡብ ቻይና ጸገማት ዝፍጠረሉ ኵነታት ክመጽእ ስለዝኽእል፡ ኣብዚ ዞባ ውሕስነት ዘረጋግጸሉ ስትራተጅያዊ ሽርክነት ክፈጥር ከምዘድሊ ይገልጽ።
በዚ መሰረት ድማ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ገዛእ ርእሱ ዞባዊ ጸጥታ ዘውሕስ ሓይሊ ክፍጠርን ተራ ክህልዎን ኣመሪካውያን ዝደልይዎ ዝድግፍዎን እዩ ብምባል፡ ኣብዚ ኸኣ ኤርትራ ምስቲ ዘለዋ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ብዘየወላውል ተመራጺት ምዃና የረድእ።
"ኤርትራ ስዑድያን ግብጺን ዝነውሐ ገማግም ባሕሪ ስለዘለወን፡ ንሳተን ዘለዋኦ - ንዓኣተን ኣብ ግምት ዘእተወ ናይ ምክልኻል/ጸጥታ ስትራተጂ ንኽህሉ ኣመሪካ ክትሕግዝ ትኽእል እያ፡" ብምባል፡ "ኣብ ርእሲኡ እዘን ሃገራት ነቲ ኣብ የመን ዘሎ ንዞባዊ ጸጥታ ዘሰክፍ ኵነታት ዝያዳ ክርድኣን ክፈልጣን ይኽእላ እየን..." ዝብል ኣመሪካውያን ስትራተጅያውያን ዝቐመርዎ ስትራተጅያዊ ውሳነታት ብድሕሪት ከምዘሎ ብስፍሓት የረድእ።
በዚ መንጽር፡ እገዳ ኣልዒልካ ምስ ኤርትራ ዳግማይ ዘተ ንምጅማርን ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ነባሪ ረብሓታት ኣመሪካ ንምውሓስን መሰረታዊ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እቲ ኤርትራ ዘላቶ ከባቢ ብስትራተጂያዊ መዳይ ኣዝዩ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ዝዀነ ይዅን ኣመሪካ ፈጺማ ሸለል ክትብሎ ዘይግባእ ምዃኑ ዝምጕቱ ስበስልጣን ኣመሪካ ኣለዉ።
ብኣንጻር'ዚ፡ ኣምባሳደር ቲቦር ናዥ፡ ንስትራተጂ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብምንቃፍ፡ ንኣመሪካ ዝሓሸ፡ ዋይት ሃውስ ምስ ሶማሊላንድ ወግዓዊ ዝምድናታት ብምክያድ፡ ነቲ እስራኤል ዝገበረቶ "ስነ-መጎት" ኣፍልጦ ምሃብ ክትክተል ከም ዝምረጽ እዩ ዝማጐት።
"ኤርትራ ክትቅየር ኣይትኽእልን እያ፡" ኢሉ ዝዛረብ ናዥ፡ ኢትዮጵያ እውን ኣብ ውሽጣዊ ምትፍናን ተሸሚማ ምህላዋ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንኣመሪካ ዝሓሸትን ዝረግአትን ንሽርክነት ተኽእሎ ዘለዋን ሶማሊ ላንድ እያ ኢሉ እዩ ዝጣበቕ ዘሎ።
እስራኤል ብ26 ታሕሳስ 2025፡ ንሶማሊላንድ ብወግዒ ከም ናጻ ሃገር ኣፍልጦ ዝሃበታ ናይ መጀመርታ ሃገር ምዃና ዝፍለጥ እዩ።