ህወሓት፡ ጀነራል ታደሰ ወረደ 'ስልጣን ከረክብ ከም ዝግባእ' ኣፍሊጡ

ንባብ: 4 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌተናንት ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ "ሰላማውን ዲሞክራስያውን ርኽክብ" ዘይፍፅም እንተ ዀይኑ "ስሕተት" ከም ዝኸውን ወሃቢቃል ህወሓት ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ወሃቢቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣይተ ሚኪኤል ኣስገዶም፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ "ይፈርስ ብምህላዉ" ምስ መንግስቲ ፈደራል ዘራኽብ "ገመድ ከም ዝተበትከ" ገሊፁ።

እቲ ወሃቢቃል ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ቅድሚ ኣስታት ክልተ ሰሙን ዘሕለፎ ውሳነ ዝምልከት፡ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት "ዘተ" ይካየድ ከምዘሎ ተዛሪቡ።

ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት 11 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም.ግ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ቅድሚ ሽድሽተ ዓመት ኣብ ትግራይ ብዝተኻየደ መረፃ "ዝተመረፀ ቤት-ምኽሪ መንግስቲ ትግራይ ናብ ስራሕ ክምለስ" ከም ዝተወሰነ ኣፍሊጡ ነይሩ።

መንግስቲ ፈደራል ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንዝተመስረተ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ይመርሕ ንዘሎ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ስልጣኑ ብሓደ ዓመት ድሕሪ ምንውሑ'ዩ፡ ህወሓት ድሕሪ ኣስታት ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ነዚ ውሳነኡ ኣፍሊጡ።

ኣይተ ሚኪኤል፡ መንግስቲ ፈደራል ንህወሓት "እንከየፍቀደ፣ እንከየማኸረ፣ ንበይኑ'ዩ" ነዚ ውሳነ ኣሕሊፉ ኢሉ።

"ጀነራል ታደሰ ኣብ ፈላማይ ዓመት ዝተሸመ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝወፅአ ደንቢ'ዩ። ሕዚ ግና ንሱ ተጣሒሱ ኣብ 2013 ዓ.ም.ግ ኢትዮጵያ ብዝወፅአ ደንቢ'ዩ" ኢሉ።

ቤት-ፅሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ዘበን ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ንሓደ ዓመት ከም ዝተናውሐ ብመገዲ ፌስቡክ ዕላዊ ኣብ ዝገበረሉ ሓበሬታ፡ ኲናት ትግራይ ምስ ተወልዐ ድሕሪ ኣዋርሕ ንዝወፅአ ደምቢ መጣየሺ ግዝያዊ ምምሕዳር ጠቒሱ ነይሩ።

እዚ ደምቢ (መምርሒ) ድሕሪ ስምምዕ ፕሪቶርያ ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ስራሕ ንዘሎ ምምሕዳር ንምጥያሽ ብዝወፅአ ደምቢ ተተኪኡ'ዩ።

ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሕቶ ዘቕረበላ ሴክሬታሪያት ፕረስ ቤት-ፅሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ቢልለኔ ስዩም፡ እቲ ዝተሰረዘ ደምቢ "ብጌጋ" ከም ዝተጠቐሰን ከም ዝተኣረመን ኣፍሊጣ።

ድሕሪ ሰዓታት፡ ቤት-ፅሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ብመገዲ ፌስቡክ ዝዘርግሖ ፅሑፍ መስተኻኸሊ ተገይሩሉ፡ ኣብ 2015 ዓ.ም.ግ ኢትዮጵያ ዝወፅአ ደምቢ ተጠቒሱ።

ግዘ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ዝተናውሐ "ቅድሚ ሓደ ዓመት ሽመት" ብዝተወሃበሉ "ደምቢ 2015 መሰረት" ከም ዝዀነ ንቢቢሲ ዝገለፀት እታ ሴክሬታሪያት ፕረስ፡ ካብዚ ብዝብገስ ድማ እቲ ውሳነ ሕጋዊ ምዃኑ ተዛሪባ።

ወሃቢቃል ህወሓት ብወገኑ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብዝወፅአ ሽመት ብምሃቡ፡ "ስምምዕ ፕሪቶርያ ስለ ዝፈረሰ፣ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር'ውን ፈሪሱ'ዩ" ይብል።

"እቲ ስምምዕ መንግስቲ ፈደራል'ዩ ኣፍሪስዎ። (ንጀነራል ታደሰ ወረደ) ንበይኑ ሸይሙ ዝለኣኸልና መንግስቲ ፈደራል'ዩ። ህወሓት 'ነዚ ኣይንቕበልን' ኢሉ ዕላዊ ገይሩ'ዩ። እዚ ግልፂ'ዩ፤ ዘሻምይ ነገር የብሉን" ብምባል፡ በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ነባር ቤት-ምኽሪ ንኽምለስ ከም ዝተወሰነ ገሊፁ።

እቲ ወሃቢቃል፡ "ምስ መንግስቲ ፈደራል ዝህሉ ርክብ ከመይ'ዩ ክኸውን ዝብል ኣብ ቀፃሊ ንርእዮ ይኸውን። ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ርክብ ግዝያዊ ምምሕዳር ይፈርስ ስለዘሎ ዝነበረና ገመድ ተበጢሱ'ዩ ዝብል ሓሳብ ኢና ንወስድ" ኢሉ።

እዚ ቤት-ምኽሪ ዝተመስረተሉ መረፃ ትግራይ ( 04 ጳጉሜን 2012 ዓ.ም ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ በይናዊ መረፃ) ብስምምዕ ፕሪቶርያ ውዱቕ ከም ዝዀነ ሕቶ ዝቐረበሉ እቲ ወሃቢቃል፡ በዚ ሓሳብ ከም ዘይሰማማዕ ተዛሪቡ።

ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ እቲ መረፃ "ከም ዘይፀንዕ (void)" ከም ዘይተገበረን የግዳስ "ተኣጊዱ" ከም ዝፀንሐን ገሊፁ። ኣብቲ እዋን ዝተመስረተ መንግስቲ እቲ ክልል'ውን "ኣይፈረሰን፤ ብድርድር'ዩ ግዝያዊ ምምሕዳር ተመስሪቱ" ኢሉ።

"ብድርድር ንዝተመረፀ ቤት-ምኽሪ ሰስፔንድድ ገይርና (ኣጊድና)፤ ከይፈረሰ ንኽፀንሕ ገይርና ንሰላም ክንብል (ኢና ፀኒሕና)… (እቲ መረፃ) ኣይተሰረዘን፤ እቲ ቤት-ምኽሪ'ውን ኣይፈረሰን። ሆልድ ገይርና ኢና ኣፅኒሕናዮ" ኢሉ።

ነቲ ንልዕሊ ክልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኵናት ትግራይ ዝገትአ ስምምዕ ፕሪቶርያ፡ ንክልል ትግራይ መረፃ ቤት-ምኽርን መረፃ ቤት-ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብን ክሳብ ዝካየድ፡ ኣብቲ ክልል "ሓቛፋይ ግዝያዊ ምምሕዳር" ከም ዝጣየሽ ይድንግግ።

ባይቶ ፈደሬሽን፡ እቲ ኣብ 2012 ዓ.ም.ግ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ መረፃ፡ "ከም ዘይተኻየደ ዝቝፀር፣ ዘይፀንዕን ተፈፃምነት ዘይብሉን" ከም ዝዀነ፡ ድምፂ መረፃ ቅድሚ ምሃቡ'ዩ ውሳነ ኣሕሊፉ ነይሩ።

ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት እቲ ነባር ቤት-ምኽሪ ንኽምለስ ኣብ ዝወሰነሉ፡ እቲ መረፃ ካብ ዝካየድ ሓሙሽተ ዓመት ከም ዝሓለፈ ዘመልክት ሕቶ ሕጋውነት ተላዒሉ። ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ሕቶ ዝቐረበሉ ወሃቢቃል ኣይተ ሚኪኤለ፡ "ሕጋዊ'ዩ" ብምባል መጕቱ።

"ፈለማ ዝተጣየሸ መንግስቲ ብትንኰያ፣ ብኲናት ንኽፈርስ ተገይሩ። ናብ ስራሕ'ውን ክኣቱ ኣይተገበረን ነይሩ። ሕዚ ድማ ናብኡ ክንምለስ ኢና ኢልና እንትንሓስብ፤ ሕዚ መረፃ ክነካይድ ኣይንኽእልን፤ ብውሳነና ኣረጋጊፅና ኢና" ኢሉ።

እቲ ወሃቢቃል ከም ዝብሎ፡ ሕዚ መረፃ ክካየድ ዘይከኣል፡ "40 ሚእታዊትን ልዕሊኡን መሬት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ተበታቲኑ" ስለዘሎ እዩ።

ንሱ ወሲኹ፡ ብኸምዚ ኵነታት "ከም ብሓድሽ መሪፅና መንግስቲ ከነጣይሽ ስለ ዘይንኽእል፡ ሕዚ ዘሎ ኣብ 2012 ብዝተመረፀ ምስ ኣሰጋገርና፣ ሕጋዊ መንግስቲ ድሕሪ ምምስራትና ክመፅእ ዝኽእል ነገር እንታይ'ዩ ክኸውን ዝብል ኣብ ቀፃሊ ንርእዮ" ብምባል ተዛሪቡ።

ብመሰረት ውሳነ ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት፡ እቲ ነባር ቤት-ምኽሪ ናብ "ስራሕ ንክምለስ" ምስ ተገበረ "ሓድሽ ፈፃሚ ካቢኔ" ከም ዝጣየሽ እቲ ወሃቢቃል ገሊፁ። ብተወሳኺ፡ እቲ ቤት-ምኽሪ ፕረዚደንት ከም ዝመርፅ ተዛሪቡ።

ነቲ ውሳነ ዝምልከት ዝካየድ "ዘተ" ምስ ተዛዘመ እዚ ተግባራዊ ከም ዝኸውን፡ ክሳብ ሕዚ ግና መዓልቲ "ከም ዘይተወሰነ" ተዛሪቡ።

ህወሓት እቲ ነባር ቤት-ምኽሪ ንክምለስ ምውሳኑ ስዒቡ፡ መግለፂ ዝሃበ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ታደሰ ወረደ፡ ነቲ ውሳነ ተቓዊምዎ። እቲ ውሳነ፡ "ንስምምዕ ፕሪቶርያ ውድቂ ዝገብር'ዩ" ዝበለ እቲ ፕረዚደንት፡ ነዚ ስጕምቲ ስዒቡ "ክመፅእ ዝኽእል ኲናት ከም ዝኸውን" ገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ ድማ ሌተናንት ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ከምቲ ቅድሚኡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝነበረ ጌታቸው ረዳ መሓውር እቲ ክልል ብሓይሊ ክምንጠል ይኽእል'ዩ ዝብል ስግኣት ተፈጢሩ ይርከብ።

ሌተናንት ጀነራል ታደሰ ወረደ ነቲ ዝምረፅ ቤት-ምኽሪ ስልጣኑ ንምርካብ ተሰማሚዑ እንተኾይኑ ካብ ቢቢሲ ሕቶ ዝቐረበሉ ኣይተ ሚኪኤል፡ "ንሱ ኣብ ቀፃሊ ንርእዮ ይኸውን" ዝብል ምላሽ ሂቡ።

ህወሓት እቲ ፕረዚደንት ኣብ መግለፂኡ ዝተዛረቦ "ከም ዝኣምነሉ" ዝተዛረበ ሚኪኤል፡ "ዕልዋ መንግስቲ ኣይኰነን፣ ክግበር ዘለዎ ምርኽኻብ'ዩ" ብምባል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ሰላማዊ፣ ዲሞክራስያዊ ርኽክብ ከም ዝገብር ንኣምን። ካብዚ ወፃኢ ዝኸይድ ሰብ እንተሃልዩ ወይ ካብዚ ወፃኢ እንተኸይዱ ግና ስሕተት'ዩ ዝኸውን፡ ትኽክል ኣይከውንን" ኢሉ።

ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ ስልጣን ንምርካብ ፍቓደኛ እንተድኣ ዘይኰይኑ፡ ቀፃሊ ስጕምቲ ህወሓት እንታይ ከም ዝኸውን እቲ ወሃቢቃል ተሓቲቱ።

"ቀፃሊ ፕረዚደንት መን ከም ዝኸውን ሕዚ ክንዛረብ ኣይንኽእልን። ስልጣን ዘለዎ ኣካል ቤት-ምኽሪ ስለዝዀነ፡ ንመን'ዩ ፕረዚደንት ክገብር ዝብል ነገር፡ ኣብ ቀፃሊ ንርእዮ ነገር'ዩ ክኸውን" ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ፡ ፕረዚደንት ታደሰ " ብሰላማዊ ስልጣን ከረክብ'ዩ ኣየረክብን ዝብል ሕዚ ኣካታዓይ ነጥቢ ክኸውን ኣይኽእልን። ሻቡ ምስ በፃሕና ንርእዮ ነገር'ዩ ክኸውን" ብምባል ተዛሪቡ።

"ሕዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ፈሪሱ'ዩ፤ እቲ ቤት-ምኽሪ ናብ ስልጣን ክመፅእ እዩ" ዝበለ እቲ ወሃቢቃል ህወሓት፡ ፕረዚደንት ናይ ምሻምን ካቢነ ናይ ምቕያርን ስልጣን ዘለዎ እቲ ቤት-ምኽሪ ምዃኑ ገሊፁ። ስለዝኾነ ድማ ኣብቲ ክልል ክልተ መንግስቲ ክህልው'ዩ ክበሃል ከም ዘይክእል ጠቒሱ።

ኣብ ውሳነ ህወሓት ዝምልከት ዛጊድ ካብ መንግስቲ ፈደራል ዝተውሃበ ወግዓዊ ርእይቶ የለን።

ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ብወገኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፡ ዝመርሖ ካቢነ ስርሑ ከም ዝቕፅልን ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ እቲ ክልል ስሩዕ ተግባረን ምፍፃም ከም ዝቕፅላን ገሊፁ።