ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ስለምንታይ ኣብ ቅድሚ ህዝባ ዘይትጻወት?

Published
ንባብ: 7 ደቓይቕ

ሃገራዊት ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ (ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ)፡ ድሕሪ ናይ 18 ዓመታት ብኩራት ናብ መጻረዪ ዋንጫ ኣፍሪቃ 2027 ብምምላስ ሓድሽ ጕዕዞ ጀሚራ ኣላ።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ምስ ኢስዋቲንን ኬንያን ኣብ ዝገጠመቶ ተስፋ ዝህብ ጅማሮ እኳ እንተ ኣረኣየት፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝርከብ ደጋፊኣ ግን ጸወታታት ሃገራዊት ጋንታኡ ብኣካል ክከታተል ዕድል ኣይረኸበን።

ንሃገራዊት ጋንታኡ ክድግፍ ኣብ ናይሮቢ ዝረኸብናዮ ኣማን [ስም ጥራይ ክንጥቀም ዝተማሕጸነና] ንጋንታ ቀይሕ ባሕሪ ብጽልዋ ኣቦኡ ካብ ግዜ ቍልዕነቱ ይድግፍ ከም ዝነበረ ብምግላጽ፡ እቲ ኣብ ስታድዮም ኒያዮ [ኬንያ] ዝነበረ ሃዋሁ ንመወዳእታ 1980ታትን መጀመርታ 1990ታትን ዝነበረ ኵነታት ከም ዘዘኻኸሮ ገሊጹ።

"እዚ ስታድዮም [ኒያዮ] ብኣቃውማኡ ንስታድዮም ኣስመራ እዩ ዝመስል፣ ብኣጋጣሚ ኰይኑ ድማ ንምዕራብ ወገን በታ ደገፍቲ ኤልፓ [ቀይሕ ባሕሪ] ንእከበላ ዝነበርና ቦታ እየ ኮፍ ኢለ - ንድሕሪት መሊሱኒ። ብዙሕ ሰብ ሆ ክብል እንከሎ ንምሉእ ጸወታ ብዝኽሪ ተዋሒጠ እየ ወዲአዮ፡" ኢሉ።

እታ ጋንታ ነቶም ኣብ ሜዳኣ ከተአንግዶም ዝግብኣ ጸወታታት፡ ኣብ ከም ሞሮኮን ግብጽን ዝኣመሰላ ሃገራት ከተካይድ ትግደድ ኣላ። እቲ ሎሚ 30 መስከረም ኣንጻር ደቡብ ኣፍሪቃ እትገጥሞ ጸወታ'ውን ኣብ ካይሮ እዩ ክካየድ።

እዛ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ነዊሕ ታሪኽ ዘለዋ ሃገርን ኣብ 1968 ኣብ ሜዳኣ ዋንጫ ኣፍሪቃ ዝተኣንገደላ ኣስመራን ድሕሪ ልዕሊ 30 ዓመት ናጽነታ ብኸመይ ኣህጉራዊ ግጥማት ንምእንጋድ ዓቕሚ ስኢና?

ቢቢሲ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ሜዳኣ ከተካይዶ ዝግባእ ጸወታ ንምንታይ ኣብ ወጻኢ ተካይዶ ኣላ ንሃገራዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ሕቶ ኣቕሪቡ መልሲ ኣብ ምጽባይ ይርከብ።

ታሪኻዊ ድሕረ-ባይታን ውድቀት ትሕተ-ቕርጽን

ኩዕሶ እግሪ ናብ ኤርትራ ምስ ምምጻእ መግዛእቲ ኢጣልያ ኣብ 1900ታት ከም ዝተኣታተወ ይፍለጥ። ኣብቲ እዋን ጸወታታት ኣብ ሜዳታት ፎርቪያ፡ ደቀምሓረ፡ ዙኮን ማሪኒ (ምጽዋዕ)ን ካልእን ይካየድ ነይሩ።

ከም ጸብጻብ ናይቲ ብተኽሊት ልጃም ዝተጻሕፈ መጽሓፍ ታሪኽ ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ (1935 – 1975)፡ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ሓደ ካብ ዝጠንተዉ ፈደረሽናት ኣፍሪቃ ኰይኑ፡ ካብ ታሕሳስ 1936 ኣትሒዘን ጋንታታት ብስሩዕ ንሓድሕደን ክጻወታ ጀሚረን። ካብተን ቀዳሞት ብደቀባት ዝቘማ ጋንታታት ድማ ከም ሳቮያ፡ ኣርዲታ፡ ሓማሴንን ቀይሕ ባሕርን ይርከባአን።

ኣብ ርእሰ-ከተማ ኣስመራ ክልተ ስታድዮማት ይርከቡ። እቲ ሓደ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ቀዳሞት ዝዀነ ስታድዮም ካምፖ ቺቸሮ (ንእሽቶ ቺቸሮ) እዩ።

እዚ ሜዳ ኣብ 40 መዓልታት ጥራሕ ተሃኒጹ ብ28 ጥቅምቲ 1938 ዝተመረቐ ኰይኑ፡ ኣብቲ መመረቕታኡ ጋንታ ቺቸሮ ንጉራዕ 9 ብ0 ከም ዝሰዓረታ ይንገር።

ይዅን'ምበር፡ እዚ ታሪኻዊ ሜዳ ንነዊሕ ዓመታት እናዓነወ ብምምጻኡ፡ ገለ ጋንታታት ዞባ ማእከል ከም መለማመዲ ጥራሕ ክጥቀማሉ ጸኒሐን።

ኣብ 2004 ኩባንያ ጀዴክ ንድፊ ኣውጺኡ፡ እቲ ብህዝባዊ ግንባር ደሞክራስን ፍትሕን ዝውነን ኩባንያ ህንጻ ሰገን ናይ ምሕዳስ ስርሑ ጀሚሩ ነይሩ።

ኣብ ጥሪ 2006 ሓላፊ ህዝባዊ ርክባት ፈደረሽን ዝነበረ ኰለነል ኣማኑኤል ልጃም ንመጽሔት ስፖርት ኤርትራ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት፡ እቲ ዕማም ብመንግስቲ ከም ዝተመወለ ብምሕባር፡ ፊፋ'ውን ንእሽቶ ቺቸሮ ብሰብ-ሰርሖ ሳዕሪ ንኽሽፈን 400,000 ዶላር ሓገዝ ከም ዝገበረ ገሊጹ ነይሩ።

ቀጺሉ፡ "ግጥማት ሴካፋ ትሕቲ 20 ዓመት ኣብ ኣስመራ ክካየድ እኳ እንተ ነበሮ፡ ብቑዕ መጻወቲ ሜዳ ስለ ዘይነበረ እቲ ዕድል ከም ዝተሰግረ፡ ንእሽቶ ቺቸሮ ፊፋ ብዘውጽኦ መልክዒ ብብቕዓት ክትህነጽ፡" ምዃኑ ሓቢሩ።

እዚ፡ እቲ ብሰንኪ ብቕዓት መጻወቲ ሜዳ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ጸወታታት ዘይምክያድ ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ ሕዱር ጸገም ምዃኑ ዘመልክት እዩ።

ሜዳ ካምፖ ቺቸሮ ብዙሕ ግዜ ተቛሪጹ ከም ዝቐጸለን ክሳዕ ሕጂ ብኸምቲ ዝተነድፎ ከም ዘይተወድአን እዩ ዝፍለጥ።

እቲ ካልኣይ ከኣ ብ2 ጥሪ 1968 ብምምሕዳር ከተማ ኣስመራ ዝተሃንጸ ስታድዮም ኣስመራ (ቺቸሮ ዓቢ) እዩ። እዚ ሜዳ ንነዊሕ እዋን ኣህጉራዊ ውድድራት ከአንግድ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ 2000 ስታድዮም ኣስመራ ይጽገን ስለ ዝነበረ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ንኸም ብዓል ሳንዴ ኦሊቸ፡ ካኑ፡ ባባየሮን ልዋልዋን ዝኣመሰሉ ከዋኽብቲ ሒዛ ዝመጽአት ሓያል ጋንታ ናይጀርያ ኣብ ሜዳ ቤት ትምህርቲ ደንደን እያ ገጢማታ ነይራ።

ካብ 2003 ክሳዕ 2006 ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ሰብ-ሰርሖ ሳዕሪ ተነጺፍሉ፡ ማይ ዘፍስስ ዝነበረ ዚንጎኡ ተዓራርዩን መዐሸጊ መካይንን ተወሲኹዎን።

እቲ ኣብቲ ስታድዩም ዝተነጸፈ ሰብ-ሰርሖ ሳዕሪ ምስ ግዜ ኣሪጉ ኣብ ኣሰካፊ ኵነታት ወዲቑ ይርከብ። ብፍላይ ዓመታዊ ጽንብል ናጽነት ኣብዚ ስታድዮም ዝካየድ ብምዃኑ፡ ንምንቍልቋል ብቕዓት ናይቲ ሳዕሪ ሓደ ካብ ምኽንያታት ምዃኑ ይግለጽ እዩ።

ሓደ ሜዳ ኣህጉራዊ ጸወታታት ከአንግድ እንተዀይኑ፡ ብፊፋ ዝተፈቕደ ደረጃኡ ዝሓለወ ሰብ-ሰርሖ ወይ ባህርያዊ ሳዕሪ፡ ነፍሲ ወከፍ ተዓዛቢ ዝቕመጠሉ ናይ ፕላስቲክ መንበር፡ ንፈነወ ኤችዲ ተለቪዥን ዝኸውን ሓያል ናይ ምሸት መብራህቲ፡ ዘመናዊ መቐየሪ ክፍልታት ጋንታታትን ደያኑን፡ ማእከል ጋዜጠኛታትን ብቑዕ ናይ ጸጥታን ሕክምናን መሳለጥያታትን ከማልእ ይግደድ።

ፊፋ ንዅለን ሃገራት እኹል ሓገዝ እናሃበ ክነሱ ስለምንታይ ስታድዮም ዘይስራሕ ዝብል ክርክር'ውን ብሰፊሑ ይልዓል እዩ። ብመሰረት ጸብጻብ ዓለምለኻዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ (Inside FIFA)፡ ፊፋ ብመንገዲ 'ፊፋ ፎርዋርድ' ፕሮግራሙ ንዅለን ኣባላት ሃገራት ሚልዮናት ዶላራት ይምድብ እዩ።

ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ነዚ ብፊፋ ዝተዋህበን ሓገዝ ብግቡእ ተጠቒመን ስታድዮማተን ኣሐዲሰንን ሃኒጸንን እየን። ንኣብነት ኣብ 2011 ሃገር ዝዀነት ደቡብ ሱዳን፡ ካብ ፊፋ ዝረኸበቶ ኣስታት 7 ሚልዮን ዶላር ብምጥቃም ነቲ ፈራሪሱ ዝነበረ ሃገራዊ ስታድዮም ጁባ ብምሉእ ሃኒጻቶ እያ።

ከምኡ'ውን ከም ሞሪታንያ (ስታድ ሸይኻ ኡልድ ቦይድያ)፡ ኬፕ ቨርደን ሲሸልስን ዝኣመሰላ ሃገራት፡ ነዚ ናይ ፊፋ ሓገዝ ናብ ዘመናዊ ትሕተ-ቕርጺ ብምልዋጥ መዐቀኒታት ካፍ ኣማሊአን ኣብ ቅድሚ ህዝበን ጸወታታተን የካይዳ ኣለዋ።

ኮንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ (ካፍ)፡ ካብ 2021 ኣትሒዙ ኣብዚ መዐቀኒታት ኣዝዩ ጽኑዕ ኰይኑ ኣሎ። እቲ ዝህቦ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ድሕነት ተጻወትቲ ንምውሓስ፡ ጸወታታት ብብቕዓት ብቐጥታ ፈነወ ተለቪዥን ንምምሕልላፍን ሓፈሻዊ ደረጃ ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ናብ ዓለምለኻዊ መዐቀኒ ብምስግጋር ምስሊ እቲ ኣህጉር ንምምሕያሽን ምዃኑ የመልክት።

ስታድዮም ኣስመራ ንመወዳእታ ግዜ ኣህጉራዊ ግጥም ዘአንገደሉ ብ4 መስከረም 2019 ኰይኑ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ብናምብያ 2 ብ 1 ተሳዒራ። ፕፎፌሽናል ተጻዋታይ ዝነበረ ሄኖክ ጐይትኦም ነታ እንኮ ሸቶ ከም ዘመዝገባ ይዝከር።

ብድሕሪ'ዚ፡ እቲ ስታድዮም ንመዐቀኒታት ካፍ ስለ ዘየማልእ፡ ጸወታታት ካብ ምእንጋድ ብወግዒ ተኣጊዱ ይርከብ።

ኣማን ስታድዮም ኣስመራ ከምቲ ስታድዮም ኒያዮ ሰብ መሊኡ ንመወዳእታ ግዜኡ ዝርኣየሉ ኣብ 1999 ምዃኑ ብምዝካር፡ "ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብ ከምዚ ወዲቑ ክርእዮ ከለኹ ኣዝየ እየ ዝሓዝን። ተመሃራይ ካብ ዝነበርክሉ ኣትሒዘ እየ ምዝጉብ ደጋፊ ጋንታና ነይረ፡ ወርሓዊ ድማ ገንዘብ የዋጽእ ነይረ፡" ኢሉ።

"ብሃገር ደረጃ ዘይኰነ ብደረጃ ክለባት ከምዚ ሜዳ ክህልወና እዩ ነይሩ ባህግና። ይዝከረኒ ንቀይሕ ባሕሪ ሒዙዋ ዝነበረ ተወልደ ተስፋማርያም (ወዲ ቫካሮ) ንድፊ ናይቲ ክስራሕ ዝተወጠነ ስታድዮም ምስ ኣርኣየና ብሓጐስ ኢና ዘሊልና፡" ይዝክር - ቀይሕ ባሕሪ ሓንቲ ካብ ገዳይምን ታሪኻውያንን ክለባት ኤርትራ እያ።

እቲ ቀንዲ ሕጽረታት ናይ ስታድዮም ኣስመራ፡ እቲ ተነጺፉዎ ዘሎ ሳዕሪ ኣሪጉ ደረጃኡ ዝተሓተ ምዃኑ፡ ደገፍቲ ኮፍ ዝብልሉ ዘመናዊ ናይ ፕላስቲክ መንበር ብምልጋሱ፡ ተዓዘብቲ ኣብ ኮንክሪት ኮፍ ዝብሉ ምዃኖም፡ ጸወታ ምሸት ንምክያድ ዘኽእል ሓያል መብራህቲ ዘይምህላዉ፡ ከምኡ'ውን ምስ ግዜ ዝኸይድ ዘመናዊ መቐየሪ ክፍልታትን ማእከል ፕረስን ዝጐደሎ ምዃኑ እዩ።

መርበብ ሓበሬታ ምኒስትሪ ዜና ሻባይት ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ስታድዮም ብመንግስቲ ቐጠር ዝተመወለ መአንገዲ ክቡራት ኣጋይሽ (VIP Lounge) ኣብ 2011 ተሰሪሕሉ። እቲ ልዕሊኡ ዝርከብ ናይ ፈነወ ክፍሊ ግን ንበዓላት እንተ ዘይኰይኑ፡ እቲ ዓንድታት ስለ ዝኽውሎ ንኩዕሶ እግሪ ኣጸጋሚ እዩ።

ካብዚ ብዝበኣሰ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ዞባታት ዘሎ መጻወቲ ሜዳታት፡ ተዓዛቢ ኮፍ ኢሉ ዝዕዘበሉ መድረኽ'ውን የብሉን።

ንኣብነት፡ እቲ ንኸም ብዓል ነፍስሄር ሱሌማን ማሕሙድ (ሱኸይ)፡ መዓውያ ዑመር፡ ሓሚዳይ ዓብደልቃድር፡ ስምኦን ግደን ካልኦትን ዘፍረየ ስታድዮም ጆኮ ከረን፡ ምስቲ እታ ዞባ ዘለዋ ፍቕሪ ኩዕሶ እግሪ ዝመጣጠን ምምሕያሽ ኣይተገብረሉን።

ንሃገራዊት ጋንታ ዝወከሉ ከም ብዓል ብንያም ፍስሃየ፡ ተስፋልደት ጎይትኦም፡ ብርሃነ ኣረጋይን ሮቤል ኪዳነን ዘፍረየት ርእሰ-ከተማ ዞባ ደቡብ ዝዀነት መንደፈራ፡ ብመንደቕ ዝተኸበበ ናይ ሓመድ ሜዳ ጥራሕ እዩ ዘለዋ። ኣብ ዓዲቐይሕ ዝርከብ'ውን ብተመሳሳሊ።

እቶም ካብ ገዳይም ስታድዮማት ኤርትራ ዝዀኑ ሜዳታት ደቀምሓረን ባጽዕን'ውን እቲ ናይ ቀደም ምስሎም ጥራሕ ሒዞም ኣሪጎም ይርከቡ።

ፋይናንሳውን ፖለቲካውን ብድሆታት

እዚ ጸገም'ዚ ብፋይናንሳዊ ደገፍ ክፈታሕ ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ብወገን ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ግን ዛጊት ኣድማዒ ስጕምቲ ኣይተወስደን።

ብመሰረት እቲ ኣብ ታሕሳስ 2023 ብዓለምለኻዊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ (ፊፋ) ብወግዒ ዝወጽአ ኦዲት ዝተገብረሉ ጸብጻብ፡ ፊፋ ኣብ መንጎ 2016ን 2022ን ንፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ 3.88 ሚልዮን ዶላር ኣጽዲቑ ነይሩ እዩ።

ይዅን'ምበር፡ እቲ ፈደረሽን ነዚ ብፊፋ ዝተዋህቦ ገንዘብ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም ዘውዓሎ ኣብ ዝቐረበ ኣሃዛት ክረአ ከሎ፡ ልዕሊ 95 ሚእታዊት ናይቲ ገንዘብ ንህንጻ ቤት ጽሕፈት ፈደረሽንን ንገለ ናይ ታሕተዎት ጋንታታት መሳለጥያታትን ከም ዝወዓለ እዩ ዘርኢ።

እቲ ንምሕዳስ ስታድዮም ወይ ሜዳታት ክውዕል ዝግብኦ ዝነበረ ትሕተ-ቕርጻዊ ባጀት ዝተዋህቦ ቈላሕታ ኣዝዩ ውሑድ ኰይኑ ተረኺቡ። በዚ ድማ እታ ጋንታ ጸወታታ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ንምክያድ ኣማኢት ኣሽሓት ዶላራት ክትከፍል ትግደድ ኣላ።

ልዕሊ'ዚ ትሕተ-ቕርጻውን ፋይናንሳውን ብድሆ፡ እቲ ዝዓበየ ዕንቅፋት ፖለቲካዊ ስግኣት ምዃኑ እዩ ዝንገር። ኣብ ውድድራት ሴካፋ ኣብ ኡጋንዳ (2012፡ 2019)፡ ኣብ ኬንያ (2013) ከምኡ'ውን ኣብ 2015 ኣብ ቦትስዋና ብርክት ዝበሉ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ብጕጅለ ፖለቲካዊ ዕቝባ ዝሓተቱሎም ታሪኻውያን ፍጻመታት ተመዝጊቦም እዮም።

እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ኣስመራ እንተ ተጻዊታ፡ ብመሰረት ሕጊ ውድድራት ነቲ ዝቕጽል ጸወታ ናብ ወጻኢ ሃገራት ክትገይሽ ግድን እዩ። መንግስቲ ኤርትራ እዞም ተጻወትቲ ብኡ ኣቢሎም ከይከዱ ካብ ዘለዎ ስግኣት፡ ንሃገራዊት ጋንታ ካብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ውድድራት ክስሕባ ጸኒሑ እዩ።

ነዚ ፖለቲካዊ ስግኣት ንምፍታሕ ድማ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኤርትራ ኣብዚ መጻረዪ ውድድር ሓድሽ ኣካይዳ ዝሓንጸጸ ይመስል። ካብዞም ብ26 መስከረም ኣንጻር ሃገራዊት ኬንያ ንምግጣም ዝተኣከበት ጋንታ፡ ሰለስተ ተጻወትቲ ጥራሕ እዮም ካብ ውሽጢ ሃገር መጺኦም።

ኣብ ኤውሮጳን ካልኦት ሃገራትን ብዝነብሩ ተጻወትቲ ድያስፖራ ዝተሃንጸት ሃገራዊት ጋንታ እያ ኰይና ቀሪባ። እዞም መንእሰያት ናይ ወጻኢ ፓስፖርት ስለ ዘለዎም፡ ናይ ምጥፋእ ስግኣት የሎን።

ብኣንጻሩ ግን፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝጻወቱ መንእሰያት እታ ጋንታ ብተጻወትቲ ድያስፖራ ጥራይ ትውከል እንተዀይና ተስፋ-ምቝራጽ ከም ዝሓድሮምን ኣብ ፍኖተ-ዕብየት ውሽጣዊ ሊግ ኤርትራ ድማ ሃጓፍ ክፍጠር ከም ዝኽእልን ስፖርታውያንን ተንተንቲን የስምርሉ።

ኣግማል ቀይሕ ባሕሪ ናብ ኣህጉራዊ መድረኽ ምምላሳን ንባዕሉ ዓቢ ስፖርታዊ ዓወት እዩ።

እንተዀነ፡ እቲ ሃገራዊ ስታድዮም ኣስመራ ነቲ ካፍን ፊፋን ዘውጽኡዎ ዘመናዊ ኣህጉራዊ መዐቀኒታት ክሳብ ዘየማልአ፡ ከምኡ'ውን ነቲ ዘሎ ፋይናንሳውን ፖለቲካውን ኵነታት መፍትሒ ክሳብ ዘይተረኽበ፡ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ጸወታታታ ኣብ ስደትን ብናይ ስደት ተጻወትትን ምክያድ ክትቅጽል እያ።