ትራምፕ፡ ጕዳይ ግድብ ህዳሰ 'ቀዳምነት' ከም ዝህቦ ኣፍሊጡ

ፕረዚደንት ግብጺ ኣ'ሲሲን ፕረዚደንት ኣመሪካ ትራምፕን ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጕጅለ 7 ተራኺቦም

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ግብጺ ኣ'ሲሲን ፕረዚደንት ኣመሪካ ትራምፕን ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጕጅለ 7 ተራኺቦም
Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ "ግብጺ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ጉዳይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዘጋጠማ ምስሕሓብ ቀዳምነት ሂቡ ከም ዝርእዮን፡" ፍትሓዊ ይዀነ ፍታሕ ክወሃቦ ከም ዝደልን ተዛሪቡ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ጕጅለ-7 ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣ'ሲሲ ድሕሪ ምርኻቡ እዩ ነዚ ርእይቶ ሂቡ።

መራሕቲ ግብጽን ኬንያን ኣብቲ ንኣመሪካ፡ ፈረንሳይ፤ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ጀርመን፡ ጃፓን፡ ኢጣልያን ካናዳን፡ ከምኡ'ውን ሕብረት ኤውሮጳ ዝሓቘፈ ጕጅለ ምዕቡላት ሃገራት ጉጅለ 7 ተሳቲፈን።

ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነጽ ዘሎ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ "ንግብጺ ጸገም የስዕብ ኣሎ፡" ኢሉ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሩባ ኣባይ ህንጸት ካብ እትጅምር ኣትሒዛ ምስ ሱዳንን ግብጽን ኣብ ዘይምርድዳእ ተሸሚማ ኣላ።

ግብጺ፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ንዓሰርተ ኣርባዕተ ዓመታት ክዘራረባ እኳ እንተጸንሓ፡ ንሰለስቲአን ሃገራት ዘዕግብ ኵለመዳያዊ ስምምዕ ግን ኣይተበጽሐን።

ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእታ ዓመት 2017 ዓ.ም (ኣ.ግ) ህንጸት እቲ ግድብ ብምዝዛም ዘመረቐቶ ኰይና፡ ልዕሊ 5000 ሜጋ ዋት ጸዓት ከም ዘመንጩ ይግመት።

ትራምፕ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ግድብ ህዳሰ ዘለዋ መርገጺ ዝጻረር መርገጺ ክገልጽን ንግብጺ ዝድግፍ ርእይቶታት ክህብን ተሰሚዑ'ዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ጥሪ፡ እቲ ፕረዚደንት ናብ ግብጻዊ መዘናኡ ዓብደልፋታሕ ኣ'ሲሲ ኣብ ዝጽሓፎ ደብዳብ፡ ብዛዕባ ዓቢ ግድብ ህዳሰ ዝርርብ ክጅምር ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ ነይሩ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ደብዳበኡ "ኣብ መንጐ ግብጽን ኢትዮጵያን ዘሎ ጉዳይ 'ምክፍፋል ማያት ኣባይ' ንሓንሳብን ንሓዋሩን ብሓላፍነታዊ ኣገባብ ክፈትሖ ድሉው እየ፡" ኢሉ።

ኢትዮጵያ ኣብቲ ብቐጥታ ናብ ግብጺ ዝተጻሕፈት ደብዳበ፡ ቅዳሕ ንምቕባል ጥራይ እዩ ሽማ ተጠቒሱ።

ሕጂ ፕረዚደንት ኣ'ሲሲን ዶናልድ ትራምፕን ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ ካብ ዝተዘራረቡሎም ጉዳያት ሓደ ዓቢ ግድብ ህዳሰ እዩ።

ፕረዚደንት ግብጺ ኣገዳስነት ጉዳይ ሩባ ኣባይ ንሃገሩ ኣስሚሩሉ፤ ትራምፕ'ውን ነቲ ጉዳይ ንምፍታሕ ንዝገበሮ ተገዳስነት ኣመስጊኑ።

ትራምፕ፡ ንኣ'ሲሲ ብምንኣድ "ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ብምርኻበይ ክብሪ ይስመዓኒ፡" ብምባል "ኣብ መላእ ዓለም ዝኽበር ሰብ እዩ። ዝምድናና ድልዱል እዩ። ውልቃዊ ዝምድናና ካብ ነዊሕ እዋን ድልዱል እዩ፡" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።

ትራምፕ ወሲኹ "ኣብ ፕሮጀክት ግድብ ይሕግዝ ኣለኹ፤ ብሓባር ንሰርሓሉ ኣለና፡" ብምባል ብሓባር ይሰርሑ ከም ዘለዉ ኣረጋጊጹ።

ትራምፕ፡ "ኢትዮጵያ ንግብጽን ጉዳይ ግድብን ብዘይፍትሓዊ ኣገባብ እያ ተአንግዶም ዘላ፡" ዝበለ ትራምፕ፡ ክንዮ ሩባ ኣባይ ምስ ግብጺ ኣብ ንግዳዊ ጉዳያት ክሰርሑ ምዃኖም ኣመልኪቱ።

"ዓቐን ማይ ኣባይ ካብቲ ክኸውን ዝግበኦ እናወረደ ይኸይድ ኣሎ . . . ኣብ ኢትዮጵያ ግድብ ሰሪሖም። ኣብ ግብጺ ብዙሕ ጸገም የስዕብ ከም ዘሎ እፈልጥ እየ፡" ኢሉ።

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ፡ ጉዳይ እቲ ግድብ ከም ዝፈትሖ'ኳ እንተገለጸ፡ "ብዝተታለለ መረጻ" ምስ ተሳዕረ ግን ነገራት ከም ዝተበላሸዉ ይዛረብ።

ብድሕሪኡ፡ "እስከ ተመሊስና ንዘትየሉ እሞ እቲ ጸገም ክፍታሕ'ዩ፡" ክብል ንኣ'ሲሲ መብጽዓ ኣትይሉ።

ኣብ ቀዳማይ እብረ ስልጣን ትራምፕ፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ብሓልዮት ኣመሪካን ባንክ ዓለምን ተኸታታሊ ዝርርባት ተኻይዱ'ዩ።

እንተዀነ ኣብ መወዳእታ ስምምዕ ክብጻሕ ኣብ ትጽቢት ኣብ ዝግበረሉ እዋን፡ ኢትዮጵያ ንረብሓኣ ዝጐድእ'ዩ ብምባል ነቲ ስምምዕ ምፍራም ኣብያ።

ከም ውጽኢቱ ድማ፡ በዚ ዝተቘጥዐ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ኣብቲ እዋን'ቲ ኣመሪካ ንኢትዮጵያ እትህቦ ዝነበረት ሓገዛት ገሊኡ ኣቋሪጹ።

ኣብቲ ኣብ ፈረንሳ ዝተኻየደ ዝርርብ ኣ'ሲሲን ትራምፕን፡ ፕረዚደንት ግብጺ ንትራምፕ ዓቢ ኣኽብሮት ከም ዘለዎን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ኣምጺኡ'ዩ ክብልን ንኢዱ።

"ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ንዓኻ ዘለኒ ኣኽብሮትን ኣድናቖትን ዝገልጸሉ ቃላት የብለይን። እዚ ግድብ ኣብ ግብጺ ዘውርዶ ዘሎ ጉድኣት ብዛዕባ ዘለካ ርድኢት ዓቢ ኣኽብሮት ኣለኒ።"

ግብጽን ሱዳንን፡ ኢትዮጵያ ሩባ ኣባይ ዝሃነጸቶ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ፡ ኣብ ልዕሊ ሃገራት ምብራቓዊ ተፋሰስ ኣባይ ነባሪ ሓደጋ ዘምጽእ እዩ ክብላ ብተደጋጋሚ ከሲሰን ኣለዋ።

ኢትዮጵያ ሕጋዊ መሰላ ፍትሓዊ ኣጠቓቕማ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ትጥቀም ከም ዘላ ብተደጋጋሚ ገሊጻ እያ፣ እቲ ግድብ ኣብ ትሕቲ ሩባ ንዝርከባ ሃገራት ከም ዘይጎድእ እያ ትምጕት።

ግብጺ ግና ኢትዮጵያ ብዛዕባ ትሕዝቶ ማይ እቲ ግድብን ኵነታት ምፍናው ማይን ብሕጊ ቀያዲ ስምምዕ ክትፍርም ትደሊ።

ፕረዚደንት ትራምፕ ዳግማይ ናብ ስልጣን ምስ መጽአ፡ ሃገሩ ንህንጸት እቲ ግድብ ከም ዝመወለት እኳ እንተገለጸ፡ ኢትዮጵያ ግን ብዘይካ ዜጋታታ ካልእ ሰብ ነቲ ግድብ ገንዘብ ከም ዘየወፈየ ትገልጽ።

እቲ ፕረዚደንት'ውን እቲ ግድብ ንግብጺ ክጐድኣ'ዩ ክብል ብተደጋጋሚ መርገጺ ግብጺ ክድግፍ ጸኒሑ'ዩ፣ ሩባ ኣባይ መበገሲኡ ካብ ግብጺ'ዩ ዝመስለኒ ክብል እውን ተዛሪቡ ነይሩ።

እዚ ንህንጸቱ ልዕሊ 5 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ዝተገብረሉ ግድብ ህዳሰ፡ 1.78 ኪሎ ሜትር ንውሓት ዘለዎን 145 ሜትሮ ቍመት ዘለዎን እዩ።

ኣብ ዓለም እቲ ዝነውሐ ሩባ ኣባይ ተባሂሉ ዝፍለጥ ፈለግ ኣባይ ልዕሊ 85 ሚእታዊት ማይ ካብ ኢትዮጵያ እዩ ዝቕበል።

ዝበዝሕ ማይ'ቲ ሩባ እትጥቀም ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ዲጋታት ብምህናጹ ናብታ ሃገር ዝውሕዝ ደረጃ ማይ ጐዲሉ ክትብል ብተደጋጋሚ ክትከስስ ጸኒሓ'ያ፤ እዚ ክሲ'ዚ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ነጺጋቶ'ያ።

ግብጺ ኣብ ማያት እቲ ሩባ ዝበዝሐ ብጽሒት ዝህባ ኣብ 1959 ዝተኸተመ መግዛእታዊ ስምምዕ ብምጥቃስ፡ እዚ ኵነታት ክቕየር የብሉን ኢላ ክትማጎት ጸኒሓ።

ኢትዮጵያ ድማ እዚ ክቕየር ክትሓትት ጸኒሓ።

ኢትዮጵያ ብጽሒት እቲ ሩባ ብዘረጋግጽ መገዲ ፍትሓውን ርትዓውን ኣጠቓቕማ ሩባ ኣባይ ብዝምልከት ስምምዕ ክግበር ከም እትደሊን ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ንውሕስነት ማይ ግብጺ ኣብ ሓደጋ ዘየእቱ ምዃኑን ትምጕት።