ብድሕሪ ምንዳድ ቦጣት ነዳዲ ምዕራብ ወለጋ መን ኣሎ? መርመራ ቢቢሲን ስቕታ መንግስትን

ምንጪ ስእሊ, TikTok
ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ነዳዲ ዝጸዓና ዓበይቲ መካይን (ቦጣት) ብሓዊ ከም እተቓጸላ፡ ቢቢሲ ካብ ዝተዘርግሑ ቅዳሓት ቪድዮ ኣረጋጊጹ።
ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ እተን ነዳዲ ዝጸዓና መካይን ብሃልሃልታ ሓዊ እናተለብለባ ዘርእዩ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክዘዋወሩ ጸኒሖም እዮም።
ቢቢሲ ነቶም ቪድዮታት ብምግምጋም፡ እቲ ፍጻመ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ጥቓ ከተማ ጊምቢ ከም ዘጋጠመ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
እቲ ሓደጋ ዝተኸስተ ሰንበት 6 መስከረም 2026 (1 ጳጉሜን 2018 ግእዝ) ምዃኑ ድማ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም፤ ብዛዕባ እዚ ፍጻመ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክልተ ነባሮ ከተማ ጊምቢ'ውን ነቲ መጥቃዕቲ ዝምልከት ወረ ከም ዝሰምዑ ኣረጋጊጾም እዮም።
ይዅን'ምበር፡ ክሳዕ ሕጂ ዝዀነ ወግዓዊ መግለጺ ዝሃበ ብዓል ስልጣን መንግስቲ የሎን።
ኣመሓዳሪ ናይቲ ዞባ፡ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ፡ ኣመሓደርቲ ወረዳታት ላሎ ኣሳቢን ቦጂ ድርመጂን፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ዝተፈላለዩ ሓለፍቲ ናይቲ ዞባ፡ ቢቢሲ ንዘቕረበሎም ሕቶታት ምላሽ ካብ ምሃብ ተቘጢቦም ኣለዉ። ብተመሳሳሊ፡ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ኮነ ፈደራላዊ መንግስቲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ዝበልዎ ነገር የሎን።
ድሒሩ ብዝወጽአ ሓበሬታ ድማ እተን ቦጣት ጥራይ ዘይኰና ዝተቓጸላ፡ እቶም መራሕቲ መካይን'ውን ተጨውዮም ከም ዝተወስዱ ተፈሊጡ ኣሎ። በዚ ዝተፈጸመ ዕንወት ከኣ ዕጡቓት ተኸሲሶም ኣለዉ።
ኣብቲ ቪድዮ እንታይ ይርአ?
ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ መርመራ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ቪድዮታት ተዓዚቡ እዩ።
ኣብዞም ቪድዮታት፡ ነዳዲ ዝጸዓና መካይን ተሰሪዐን ብሓዊ ክነዳ ይርኣያ፤ ቍጽረን ድማ ኣስታት ዓሰርተ ይኸውን። ካብቶም ቪድዮታት እቶም ክልተ ብሰሉስ ዝተዘርግሑ ኰይኖም፡ ካብተን ነዲደን ዝተሃሞኻ መካይን ትኪ ክወጽእ ይርአ።
ገሊአን እቲ ናይ ቅድሚት ክፍለን (ጋቢና) ዝተቓጸለ ኰይኑ እቲ ድሕሪተን ደሓን እዩ፤ ሓንቲ ካልእ መኪና ድማ ካብቲ ጐደና ወጺኣ ተገምጢላ ትርአ።
እዚ ቪድዮ ብሓደ ኣብ ውሽጢ መኪና ኰይኑ ዝጓዓዝ ዝነበረ ሰብ ዝተቐርጸ ይመስል፤ እቶም ካልኦት ቪድዮታት ድማ ብኣንጻር ካብ እትጓዓዝ ዝነበረት፡ ማለት ናብ ቢላ ገጻ ካብ እተምርሕ ዝነበረት መኪና ብዝነበረ ተጓዓዛይ ዝተቐርጹ እዮም።
ቢቢሲ፡ እቲ ቪድዮ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ኣብ ጥቓ ከተማ ጊምቢ፡ ፈላይ ኡዋ ተሳጊርካ ካብ ቢላ ናብ ዶንጎሮ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ዝተቐርጸ ምዃኑ ኣረጋጊጹ ኣሎ። ነዚ መረጋገጺ ዝረኸበሉ ድማ ነቲ ጐደና፡ ኣቀማምጣ መሬት፡ ኣብቲ ቪድዮ ዝርኣዩ ኣትክልቲ ከምኡ'ውን ኣብ ወሰን እቲ ጐደና ዝርከብ ገዛ ብምንጽጻር እዩ።
ብኻልእ ሸነኽ፡ ትካል ምርምር ህዋ ኣመሪካ (ናሳ) ዘለዎ 'ፋየር ኢንፎርሜሽን ፎር ሪሶርስ ማኔጅመንት ሲስተም' (NASA FIRMS) ዝተባህለ ክፍሊ፡ ብሰኑይ ብሸነኽ ምዕራብ ከተማ ዶንጎሮ ኣብ 3 ኪሎሜተር ርሕቀት ዝርከብ ቦታ ዋዒ ከም ዝነበረ ኣመልኪቱ ኣሎ፤ እዚ ድማ ሓዊ ኣመና ክቃጸል እንከሎ ዘጋጥም ተርእዮ እዩ።

መን ፈጺምዎ?
ነዚ ሓደጋ ዘርኢ ቪድዮ ካብ ዝዘርግሑ ሓደ፡ 'የሾፌሮች ኣንደበት' ዝተባህለ ናይ ፈይስቡክ ገጽ እዩ።
እዚ ጕጅለ፡ ጉዳይ መራሕቲ መካይን፡ ተሓጋገዝቶምን ተጓዓዝትን ዝምልከቱ ሓበሬታታት ብምክፋል ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ገሊኦም ቪድዮታት ድማ ኣብ ቲክቶክን ካልኦት መድረኻትን እኳ እንተ ተራእዩ፡ ብብዝሒ ግን ኣይተዘርግሑን።
እቲ 'የሾፌሮች ኣንደበት' ዝተባህለ ጕጅለ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ ሞንጎ ጊምቢን ቢላን ኣብ ዝርከብ ቦታ፡ ብዙሓት መካይን ብዕጡቓት ሸፋቱ ከም እተቓጸላን መራሕቲ መካይን ድማ ተጨውዮም ከም እተወስዱን መልእኽቲ በጺሑና ኣሎ፡" ኢሉ።
ብተወሳኺ፡ መካይን ካብ ምንዳድ ሓሊፉ ሰባት ምጭዋይ፡ "ብጭካነን ብድንቍርናን ዝተመልአ ተግባር እዩ፡" ብምባል እቲ ጕጅለ ነቲ ተግባር እኳ እንተዀነነ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም ተባሂሎም ብዛዕባ ዝኽሰሱ ወገናት "ዕጡቓት" ካብ ምባል ሓሊፉ ዝጠቐሶ ንጹር ስም የሎን።
ኣካያዲ ስራሕ ማሕበር መራሕቲ መካይን ጽዕነት ኢትዮጵያ ሰሎሞን ዘውዱ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ እዚ ሓደጋ ሰንበት 6 መስከረም 2026 (1 ጳጉሜን 2018 ግእዝ) ኣብ ዞባ ምዕራብ ወለጋ ዘጋጠመ ኰይኑ፡ እተን ዝተቓጸላ መካይን ከኣ ካብ ደምቢ ዶሎ ነዳዲ ጽዒነን ናብ ኣሶሳ ኣብ ጕዕዞ ዝነበራ እየን።
ሰሎሞን ነቲ ፍጻመ ከረድእ እንከሎ፡ "ኣብ መንጎ ከተማታት ዳንጋር [ዶንጎሮ]ን ቢላን ኣብ ዝርከብ ጭዉ ዝበለ ጣሻ፡ ዕጡቓት ነዘን መካይን ደው ኣቢሎም ወሲዶመን። ተዅሲ ከፊቶም እዮም ካብኡ ወሲዶሞም፤ ልዕሊ ኣርባዕተ መካይን ነዲደን እየን። ገሊአን ምሉእ ብምሉእ ክነዳ እንከለዋ፡ ገሊአን ድማ እቲ ጋቢና ጥራይ እዩ ነዲዱ፡" ኢሉ ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ቦታ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ኣእትዮሞ ከም ዘለዉ'ውን ተዛሪቡ።
ቀጺሉ'ውን፡ "ሓደ መራሒ መኪና ጥራይ እዩ ኣምሊጡ፣ ብቝልጡፍ ድማ ደዊሉልና። ድሕሪኡ ግና ካብ ስግኣት ዝተላዕለ ተለፎኑ ከልዕለልና ኣይከኣለን፡" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, TikTok
እዚ ፍጻመ ምስ ተሰምዐ ንእለቱ ነቶም ነቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ኣካላት ጸጥታ ከም ዘፍለጠ ብምግላጽ፡ "ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ኵነታት ይከታተልዎ ኣለዉ፤ ክሳዕ ሕጂ ዝሞተ ኮነ ዝተሃስየ እንተ'ልዩ ግን ኣይፈለጥኩን፡" ብምባል፡ ፖሊስ ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ይከታተሎ ከም ዘሎ ኣረዲኡ።
ሰሎሞን'ውን እንተዀነ ንነዞም ዕጡቓት ብንጹር ስም ኣይጠቐሶምን።
ምዕራብ ወለጋ፡ ሓደ ካብቶም ዕጡቓት ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ብብዝሒ ዝንቀሳቐስሉ ከባቢታት ኰይኑ፡ እዞም ዕጡቓት ቅድሚ ሕጂ መካይን ብምንዳድን ሰባት ብምጭዋይን ብተደጋጋሚ ይኽሰሱ እዮም።
ይዅን'ምበር፡ ኣብዚ ናይ ቀረባ መጥቃዕቲ ኢድ እንተ'ልይዎም ቢቢሲ ብናጻ ኣካል ክሳዕ ሕጂ ኣየረጋገጸን፤ ንሓበሬታ ተባሂሉ ዝተገብረ ርክብ'ውን ክሳዕ ሕጂ ምላሽ ኣይተረኽበሉን።
ብድሕሪ እዚ ፍጻመ እንታይ ኣሎ?
እቲ ናብ ኣሶሳ ዘምርሕ ኣውራ-መንገዲ፡ ናብቲ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ናብ ዝርከቡ ፋብሪካታት ማዕድንን ካልኦት ትካላትን ዝወስድ ስትራተጅያዊ መስመር እዩ።
እዚ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመሉ ቀጥታዊ ምኽንያት ይዅን ብድሕሪኡ ዘሎ ድራኸ ግን ቢቢሲ ክሳዕ ሕጂ ኣየነጸረን።
ይዅን'ምበር፡ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ዓመታት ኣብ ዝተፈላለዩ ኵርናዓት ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ምዝራግ ጸጥታ፡ መራሕቲ መካይን ብቐጻሊ ግዳያት ክዀኑ ከም ዝጸንሑ ይፍለጥ።
ሰሎሞን፡ "ምኽንያቱ ንሳቶም ዕጡቓት እዮም። እዚ ነገር ልሙድዶ ኣይኰነን እዩ? እዚ ደኣ ካልእ እንታይ ምኽንያት ይህልዎ?" ብምባል፡ መራሕቲ መካይን ጨውዮም ገንዘብ ምሕታት እቲ ቀንዲ ሃቐናኦም ክኸውን ከም ዝኽእል የመልክት።
ኣብቲ ቪድዮ ክንደይ ዝኣኽላ መካይን ከም ዝነደዳ ብልክዕ ንምውሳን ኣጸጋሚ እዩ። ሰሎሞን ብዘለዎ መረዳእታ መሰረት፡ "ብሓፈሻ ልዕሊ ትሽዓተ ቦጣት እየን፤ መሳርሒታት ህንጻ ዝጸዓና ካልኦት መካይን ከም ዝነበራ'ውን ሰሚዐ ኣለኹ፡" ይብል።
ቀጺሉ ድማ፡ "እቶም ዝተጨውዩ፡ በቲ ክሳዕ ሕጂ ዝበጽሓና ሓበሬታ ሸሞንተ መራሕቲ መካይን እዮም። ሕጂ ዝወጽኡ ዘለዉ ሓበሬታታት ግና 13 ከም ዝበጽሑ እዩ ዝሕብር፤ ነዚ ግን ኣየረጋገጽናዮን፡" ኢሉ።
እቲ 'የሾፌሮች አንደበት' ዝተባህለ ጕጅለ ብወገኑ፡ መጥቃዕቲ ከም ዘጋጠመ ሓበሬታ ከም ዝበጽሖ ብምግላጽ፡ ቍጽሪ ናይቶም ዝተጨውዩ ሰባት 14 ምዃኑ ኣመልኪቱ ኣሎ።
እተን ነዳዲ ዝጸዓና ቦጣት ናይ መን ትካል ምዃነን ክሳዕ ሕጂ ኣይተፈልጠን። ሰሎሞን ከም ዝገለጾ፡ እተን መካይን - ኣብ ኣሶሳ ንጥፈታት ዕደና ስለ ዘሎ ብጕጅለ ናብኡ ዝጓዓዛ ዝነበራ እየን፤ እንተዀነ፡ ዘሰነየን ኣካል ጸጥታ ኣይነበረን።
መራሕቲ መካይን ኣብዚ እዋን ብሰንኪ ጸገም ጸጥታ ብለይቲ ምጓዓዝ ደው ከም ዘበሉን ብቐትሪ ጥራይ ከም ዝጓዓዙን ዝሓበረ ሰሎሞን፡ "ብቐትሪ ተጓዒዞም፡ ዝተጨውዩ እውን ኣብ ፍርቂ መዓልቲ እዩ፡" ኢሉ።

እቶም መራሕቲ መካይን ድሕሪ ምጭዋዮም ድማ እቲ ጉዳይ ብፖሊስ ተታሒዙ ከም ዘሎ እኳ እንተ ገለጸ፡ "ክሳዕ ሕጂ ግን ዝበጽሓና ሓበሬታ የሎን፡" ክብል ኣፍሊጡ።
ማሕበር መራሕቲ መካይን ጽዕነት ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ናይቶም መራሕቲ መካይን ዕጫ ብርግጽነት ዝፈልጦ ነገር የሎን። ዕጡቓት ገንዘብ ሓቲቶም ዝለቁ ከም ዘለዉ፡ ገንዘብ ተቐቢሎም ዝቐትሉ'ውን ከም ዘለዉ ሰሎሞን የረድእ።
ኣብቶም ጸገም ጸጥታ ዘለዎም ከባቢታት፡ መካይን ብሓይልታት ጸጥታ ተሰንየን ይንቀሳቐሳ ከም ዝነበራ ድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ግን ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ሒደት ምምሕያሻት ይርአ ምንባሩ ይዛረብ።
እዚ 'የሾፌሮች ኣንደበት' ዝተባህለ ጕጅለ ከም ዝሕብሮ፡ ኣብ 2024/2025 (2017 ግእዝ) ጥራይ 116 መራሕቲ መካይን፡ ተሓጋገዝቶምን ተጓዓዝትን ከም እተቐትሉን ልዕሊ 600 ድማ ከም እተጨውዩን ይሕብር።
ቢቢሲ ነዚ ቍጽሪ'ዚ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ እኳ እንተ ዘይከኣለ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ኵርናዓት ኢትዮጵያ ሰባት ናይ ምቕታልን ምጭዋይን ጸብጻባት ብተደጋጋሚ ክስማዕ ጸኒሑ እዩ።
















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


