ካብ ዶብ ኢትዮጵያ ክሳብ ዳርፉር፡ ግንባራት ኲናት ሱዳን ዘስፋሕፍሓሎም ዘለዉ ከባቢታት

ኣብ ወተሃደራዊት ፒክኣፕ ዝተሰቕሉ ሰራዊት ሱዳን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

እቲ ካብ ምያዝያ 2023 ጀሚሩ ንሱዳን ዘዕኑዋ ዘሎ ኲናት፡ ሎሚ ምስ ዶብ ኢትዮጵያ ካብ ዝዳወብ ክፍለ-ግዝኣት ብሉ ናይል ጀሚሩ፡ ብሰለስተ ክፍለ-ግዝኣታት ኮርዶፋን ኣቢሉ፡ ክሳብ እቲ ኣብ ምዕራብ ዝርከብ ሰፊሕ ዞባ ዳርፉር ዝተዘርግሐ ናይ ውግኣት መስመር ኰይኑ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ዳዕመ-ሰሪዕን ዝካየድ ዘሎ ናይ መን ተቘጻጸረ ቅድድም፡ ንመላእ እታ ሃገር ናብ ሓደ ካብቶም ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ዓለም ኣውዲቑዋ ይርከብ።

እቲ ኲናት ካብ ልሙድ ናይ መሬት ውግእ ወጺኡ፡ ብድሮን ዝፍጸም መጥቃዕቲ ዝዓብለሎ ምዃኑ ድማ ነቲ ስግኣት ካብ ግንባራት ኲናት ርሒቑ ናብ መንበሪ ኣባይቲ ሰላማውያን ሰባት ከም ዝሰፍሕ ገይሩዎ ኣሎ።

ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገለጾ፡ ካብ ጥሪ ክሳዕ ሰነ 2024 ጥራይ ብሰንኪ መጥቃዕቲ ድሮን 1,100 ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ። ሓያሎ ተንተንቲ፡ እዚ ኲናት ብሰንኪ እቲ ሓይልታት ወጻኢ ዝግበር ቀጻሊ ናይ ኣጽዋር ቀረብ (ብፍላይ ድሮናት) ይናዋሕ ከም ዘሎ ይገልጹ።

ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ዳርፉር ብፍላይ ድማ ኣብ ከተማ ኤል ፋሸር ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ ግህሰታት ከም ዘቃልዑ ሱዳን ትሪቡን ጸብጺቡ።

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ቅትለትን ስልታዊ ጾታዊ ዓመጽን ክፍጸም ቀጥታዊ መምርሒ ሂቦም ንዝብል ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት ሱዳን ትሪቡን ከም ዝተመልከቶ ሓቢሩ።

ኣብቲ ናይ ትእዛዝ ሰንሰለት፡ ምክትል ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ ዓብደል ራሒም ሓምዳን ዳጋሎን ካልኦት ኣዘዝቲ መዓስከራትን ብቐጥታ ተሓተቲ ምዀኖም'ውን ጠቒሱ።

ኣብዚ ዞባ እዚ፡ ኡም ባሩን ከርኖይን ምስ ዶብ ጫድ ዘለወን ቅርበት ንመተሓላለፊ ዕጥቅን ስንቅን ስትራተጅያዊ ማእከላት ክዀና ከለዋ፡ ሰራዊት ሱዳን ድማ ኣብ ሰርባ ዝርከብ ከባቢ ኣቡ ሱሩጅ ንምቍጽጻር ጽዑቕ ውግእ የካይድ ኣሎ።

እቲ ዕጡቕ ሓይሊ ንሰላማውያን ሰባት ብምጭዋይ፡ ካብ 300 ክሳብ 10,000 ዶላር ዝበጽሕ ናይ በጃ ገንዘብ ክሓትት ከም ዝጸንሐን እዚ መጥቃዕትታት'ዚ ድማ ዓረብ ንዘይኰኑ ጕጅለታት ዝዓለመ ዓሌታዊ መልክዕ ከም ዝነበሮን እቲ ጸብጻብ ወሲኹ ይገልጽ።

ኣብ ምዕራብ ዳርፉር እውን፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ከባቢታት ኩልቡስ፡ ቢር ሳሊባን ጀበል ሙንን ንዘለዎ ተሳትፎ ንምስፋሕ ምንቅስቓሳት የካይድ ኣሎ።

እዚ ኲናት'ዚ ወተሃደራዊ ጥራይ ዘይኰነ፡ ንጥሜት ከም መሳርሒ ኲናት ብምጥቃም ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘውርዶ ዘሎ ቍጠባዊ ዕንወት ዓቢ እዩ።

ኣብ ሰሜን ዳርፉር ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ዘምዘም፡ ብወግዒ "ናይ ጥሜት ሓደጋ" ዝተኣወጀሉ ቦታ ኰይኑ፡ ሰራዊት ሱዳን ንሰብኣዊ ሓገዛት ከም መሳርሒ ብምጥቃም ናብቶም ብተጻራሪ ዝተታሕዙ ከባቢታት ስንቂ ከይኣቱ ይዓግት ኣሎ ዝብል ክሲ ይቐርበሉ ኣሎ።

ብኣንጻሩ'ውን፡ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ናብቲ ዞባ ዝኣቱ ስንቅን ኣፋውስን ብምዝራፍ ነቲ ቅልውላው የጋድድዎ ኣለዉ። እዚ ድማ ሚልዮናት ሱዳናውያን ኣብ መንጎ ሞትን ህይወትን ክርከቡ ገይሩ ኣሎ።

ንኮርዶፋንን ብሉ ናይልን ዘርኢ ካርታ ሱዳንን ጐረባብቲ ሃገራትን
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ እታ ሃገር፡ እቲ ምስ ዶብ ኢትዮጵያ ዘራኽብ ዞባ ብሉ ናይል፡ ሓደ ካብቶም ዝተሓላለኹ ግንባራት ኲናት ኰይኑ ይርከብ።

ኣብዚ ዞባ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳን፡ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕን መሻርኽቶምን ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ንጸጥታ ዶባትን ምንቅስቓስ ስደተኛታትን ዓቢ ጽልዋ ኣለዎ።

ኣብዚ ክፍለ-ግዝኣት ኣብ ጫፍ ከተማ ኩርሙክ እትርከብ ኣል-ባረካ፡ ሓንቲ ካብ ሓድሽ ግንባራት ኰይና ክትጥቀስ ከላ፡ ሰራዊት ሱዳን ኣብዚ ከባቢ ንዝተፈነወ መጥቃዕቲ ከም ዝመከቶ ይግለጽ።

ኣብ ገይሳን ዝርከብን መዓስከር ሓደ ክፍለ-ሰራዊት ዝዀነን ባኮሪ እውን ካልእ ጽዑቕ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ብዓብደልዓዚዝ ኣል-ሒሉ ዝምራሕ ምንቅስቓስ ሓርነት ህዝቢ ሱዳን-ሰሜን ካብ 2011 ጀሚሩ ንያቡስ ተቘጻጺሩ ይርከብ።

ብዛዕባ ጸጥታ ዶባት ብዝተኣሳሰር፡ ቢቢሲ እኳ ብናጻ ኣካል እንተ ዘይኣረጋገጾ፡ ኣባላት ሰራዊት ሱዳን ካብ ኢትዮጵያ ዝመጽኡ ድሮናት ሃሪሞም ከም ዘውደቑ ብቪድዮ ከርእዩ ቀንዮም ኣለዉ።

በቲ ካልእ ወገን ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሱዳን ልዑላውነት ኢትዮጵያ ጥሒሳ "ትገብሮ ንዘላ ምንቅስቓስ" ብምጥቃስ ከሲሱ ነይሩ።

ኣብ ሰሜን ኮርዶፋን፡ ሰራዊት ሱዳን ንኸተማ ባራ ዳግም ብምቍጽጻር፡ ነታ ምስ ኦምዱርማን እተራኽብ ኣውራ መንገዲ ንምውሓስ ይረባረብ ኣሎ።

በቲ ካልእ ወገን፡ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ንኸባቢታት ሓምራት ኣል-ሸኽ፡ ኣል-ማዝሩብን ሶዳሪን ብምቍጽጻር ከም መተሓላለፊ ስንቂ ይጥቀሙለን ምህላዎም ማዕከናት ዜና ሱዳን ገሊጸን።

ሰራዊት ሱዳን ነዚ መስመር ንምክልኻልን ናይ ሓይሊ ሚዛን ንምቕያርን ተደጋጋሚ ስጕምታት ክወስድ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ ደቡብ ኮርዶፋን ሰራዊት ሱዳን ንኸተማታት ካዱግሊን ዲሊንግን ካብ ከበባ ከውጽአን እኳ እንተ ከኣለ፡ ብድሮን ዝካየድ መጥቃዕትታት ግን ገና ይቕጽል ኣሎ።

ኣብ ኣል-ዓባስያ ብሰንኪ ዝተባርዐ ኲናት ልዕሊ 6,000 ሰባት ክመዛበሉ ከለዉ፡ ኣብ ካውዳ ድማ ካብቲ ሓፈሻዊ ኲናት ብተወሳኺ ኣብ መንጎ ዓሌታት ሾዋያን ኦቶሮን ብሰንኪ ምስሕሓብ መሬት ዝተላዓለ ግጭት ተወሳኺ ምምዝባል ከም ዘስዓበ መራኸቢ ብዙሓን ሱዳን ይገልጻ ኣለዋ።

ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ፔካ ሃቪስቶ፡ ነቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ኲናት ንምህዳእን ሰላማውያን ሰባትን ንምክልኻልን፡ ኣብ ካርቱም ምስ ሰበ-ስልጣን ሱዳን ናይ ዘተ ጻዕርታት ይገብር ኣሎ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዳርፉር ሚኒ ኣርኮ ሚናዊ፡ ዘተ እንኮ መፍትሒ ምዀኑ ብምግላጽ፡ እቲ ሰላማዊ መስርሕ ብኽልተኦም ጀነራላት ጥራይ ዘይኰነ፡ ኵሉ ሱዳናዊ ዝሳተፎ ክኸውን ከም ዝግባእ ኣስሚርሉ ኣሎ።

ይዅን'ምበር፡ ዛጊት ኣብቲ ካርታ ወተሃደራዊ ቍጽጽር ቀጻሊ ለውጥታት ይርአ ስለ ዘሎን ግጭታት ካብ ብሉ ናይል ክሳብ ዳርፉር እናኣስፋሕፍሐ ይኸይድ ብምህላዉን፡ እቲ ኲናት ብሰላማዊ መንገዲ ዝፍታሓሉ ኣንፈት ገና የሎን።