ሌተና ጀነራል ታደሰ ወረደ ካብ መንበሪ ገዛኡ ከም ዝተወስደ ቤተሰቡ ኣረጋጊጾም

ሓለውቱ ተቐዪሮም፡ መንበሪ ገዝኡ ካብ ረቡዕ 23 መስከረም ምሸት ኣትሒዙ ኣብ ትሕቲ ጽኑዕ ሓለዋ ውዒሉ ዝነበረ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ነበር ሌተና ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ብሓይልታት ትግራይ ካብ ገዛኡ ከም ዝተወስደ ቤተሰቡ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
ቢቢሲ ኣብ ገዛ እቲ ጀነራል ካብ ዝነብሩ ምንጭታትን መቕርቡን ከም ዘረጋገጾ፡ ሌተና ጀነራል ታደሰ ሓሙስ ድሕሪ-ቐትሪ ብዕጡቓት ካብ ገዛኡ ተወሲዱ።
እቲ ሌተና ጀነራል፡ ነቲ ስምምዕ ፕሪቶሪያ ስዒቡ ዝቘመን ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ካብ ጌታቸው ረዳ ተረኪቡ ንሓደ ዓመት ድሕሪ ምምራሑ፡ ስልጣኑ ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ብበይናዊ ስጕምቲ ፈደራላዊ መንግሲ ድሕሪ ምንዋሑ፡ ብመራሕቲ ህወሓት ምምሕዳሩ ከም ዝፈርስ ምግባሩ ይዝከር።
ካብ ረቡዕ 23 መስከረም ለይቲ ኣትሒዞም ኣብ ዙርያ መንበሪ ገዛ እቲ ጀነራል ዝነበሩ ሓይልታት ጸጥታ ሓሙስ ድሕሪ-ቐትሪ፡ "ሒዝናዮ ክንከይድ ኣለና፣ ተኣዚዝና ኢና፡" ከም ዝበሉ ቢቢሲ ካብ ቀረባ ምንጪ ዝሰምዐ ክኸውን ከሎ፡ ሌተና ጀነራል ታደሰ ካብ ገዛኡ ክውሰድ ከሎ ዝዀነ ዓይነት ናይ ሓይሊ ስጕምቲ ኰነ ምንግልታዕ ከም ዘይነበረ እቲ ምንጪ ገሊጹ።
እቶም ምንጭታት ወሲኾም፡ ሌተና ጀነራል ታደሰ ብናይ ገዛእ ርእሱ መራሒ መኪና "ክጸንሓሉ እዩ" ናብ ዝተባህለ ሆቴል ከም ዝተወስደ ተዛሪቦም።
ኣባል ስድራቤት ሌተና ጀነራል ታደሰ ንቢቢሲ ከም ዝተዛረቦ፡ ኣብቲ ሆቴል ካልኦት ሰለስተ ሰበ-ስልጣን ነበር ናይቲ ክልል ግዝያዊ ምምሕዳር ብተመሳሳሊ ካብ ገዛኦም ተወሲዶም ሓለዋ ይግበረሎም ከም ዘሎ ገሊጹ።
ቤተሰብ፡ ንሌተና ጀነራል ታደሰ ክረኽቦ ዝኽእል እንተዀይኑ ንዝተሓተተ ምንጭና፡ እቶም ሒዞሞ ዝኸዱ ሓይልታት፡ "ናትና ግቡእ ሒዝና ናብ ሆቴል ምውሳድ ጥራይ እዩ፣ ካብዚ ንደሓር ዘሎ ጉዳይ ንፖሊስ ትግራይ እዩ ዝምልከት፡" ዝብል ምላሽ ከም ዝሃብዎም ኣረዲኡ።
ኣስዒቡ ድማ ቤተሰብ ነቲ ሌተና ጀነራል ሓዊሱ ነቶም ብሓይልታት ጸጥታ ካብ ገዛኦም ዝተወስዱ ሰባት ምሕታት ዝኽእል እንተዀይኑ ዝፍለጥ፡ ካብ ዓርቢ 25 መስከረም ጀሚሩ ምዃኑ ገሊጹ።
ካብ ረቡዕ ለይቲ ኣትሒዙ ኣብ ዙርያ ገዛ ሌተና ጀነራል ታደሰ ዝነበረ ጽኑዕ ሓለዋ፡ ሓሙስ ድሕሪ-ቐትሪ ምስ ወሰድዎ'ውን ብሓደስቲ ሓይልታት ጸጥታ ይሕሎ ከም ዘሎን ሕጂ'ውን ዝዀነ ናይ ግዳም ሰብ ናብ መንበሪ ገዛኡ ክኣቱ ከም ዘይክእልን እቲ ኣባል ስድራቤት ኣረዲኡ።
ብዘይካ ሌተና ጀነራል ታደሰ፡ ካልኦት ሰበ-ስልጣን ነበር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ወተሃደራውያን መኮንናትን እውን ካብ ገዛኦም ተወሲዶም ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ትግራይ ከም ዝርከቡ ምንጭታት ቢቢሲ ተዛሪቦም።
እዚ ነቲ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ነበር ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ናይ ምውዓል ምንቅስቓስ ዝተጀመረ፡ ንኣዋርሕ ኣብ ወጥሪ ዝነበረ ርክብ ፈደራላዊ መንግስትን ህወሓትን ናብ ግሁድ ወተሃደራዊ ግጭት ድሕሪ ምስግጋሩ ድሕሪ ውሑዳት ሰዓታት እዩ።
ንረቡዕ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ 23 መስከረም 2026 (13 መስከረም 2019 ግእዝ)፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ግጭታት ድሕሪ ምውላዑ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብቲ ክልል ዝርከባ ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽሮም ከም ዘእተውወን ዝተሰምዐ ክኸውን ከሎ፡ ነዚ ስዒቡ እውን ኲናት ከም ዝጀመረ ተፈሊጡ እዩ።
ህወሓት፡ ነቲ ንኽልተ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ሓደ ምኽንያት ዝዀነን ብስምምዕ ፕሪቶሪያ ተቐባልነት ዘይረኸበን ብበይናዊ ምርጫ ዝቘመ ባይቶ፡ ኣብ መወዳእታ ምያዝያ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ስልጣን ብምምላስ ነቲ ምምሕዳር ክልል ምቍጽጻሩ ይዝከር።
ሌተና ጀነራል ታደሰ በዚ መስርሕ'ዚ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ካብ ሓፈሻዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ተገሊሉ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ገዛኡ ተወሲኑ ከም ዝነበረ ቢቢሲ ዝረኸቦ መረዳእታ የመልክት።
እቲ ብኣቦ መንበር ህወሓት ደብረጽዮን ዝምራሕ ካቢነ፡ ቀዳማይ ኣኼባኡ ኣብ ዘካየደሉ ዕለት፡ ሌተና ጀነራል ታደሰ ስልጣን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር "ብሓይሊ ይተሓዝ" ከም ዘሎ ምዝራቡ'ውን ይዝከር።
ቅድሚ ኣዋርሕ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣባላት ስድራቤት ናይቲ ሌተና ጀነራል፡ "ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከም ዘሎ ኰይኑ" ከም ዝስምዖም ገሊጾም ነይሮም።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ኣምባሳደር ኣመሪካ አርቪን ማሲንጋ ናብ መቐለ ተጓዒዙ ምስ ሌተና ጀነራል ታደሰ ክዘራረብ ቈጸራ ሒዙ እኳ እንተ ነበረ፡ "ካብ ላዕለዋይ ኣካል ተመሓላሊፉ" ብዝተባህለ ትእዛዝ ከይተራኸቡ ምትራፎም ተገሊጹ እዩ።























![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
