ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጥሩ ሓሙሽተ ፍሉጣት ፖለቲካዊ ጥምረታት መዕለቢኦም እንታይ ኮነ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዝተፈላለየ ድሌትን ኣረኣእያን ዘለዎም ዕጡቓት ጕጅለታት፡ ነቲ ብቐዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ብምውዳቕ "ንዅሉ ዝሓቘፈ መሰጋገሪ መንግስቲ" ንምምስራት ብዝብል ዕላማ፡ "ምሕዝነት ንህልውና" ዝተባህለ ጥምረት ምምስራቶም ዕላዊ ገይሮም።
እቲ ጥምረት፡ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ (ኣፋብን)፡ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ (ኦላ)፡ ብሄራዊ ግንባር ናጽነት ኦጋዴን (ኦብነግ)፡ ሰውራዊ ግንባር ብሄራዊ ሓድነት ዓፋር (ኡጉጉሞ)፡ ምንቅስቓስ ናጽነት ህዝብታት ቤኒሻንጉልን ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ጉሙዝን ብኣባልነት ዝሓቘፈ ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ።
እዞም ዕጡቓት ጕጅለታት ቅድሚ ሕጂ ዘንጸባርቕዎ ዝነበሩ መርገጺታት፡ ንሓድሕዶም ዘፈላሊ ሓሳባት ከም ዘለዎም ብንጹር ዘርኢ እኳ እንተዀነ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ግና ብሓባር ክሰርሑ ምውሳኖም ኣፍሊጦም ኣለዉ።
ርግጽ እዩ፡ እዞም ጕጅለታት ዘመሳስሎም ናይ ሓባር መርገጺታትን ኣካይዳታትን እውን ኣለዎም።
ነቲ ጥምረት ብዝምልከት ክሳብ ሕጂ ካብ ፈደራላዊ መንግስቲ ብዕሊ ዝተባህለ ነገር እኳ እንተ ዘይሃለወ፡ መንግስቲ ኣቐዲሙ ንገለ ካብ ኣባላት እቲ ጥምረት ዝዀኑ ህወሓት፡ ኦላን ኣፋብንን፡ "ምስ ኤርትራን ግብጽን" ብምዃን ሰላምን ሓድነትን እታ ሃገር ንምዝራግ ይሰርሑ ኣለዉ ክብል ምውቃሱ ዝዝከር እዩ።
'ኣብ ፖለቲካ ቀዋሚ ፈታዊ ይዅን ቀዋሚ ጸላኢ የሎን' ከም ዝበሃል፡ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ተጻራሪ መርገጺ ዝነበሮም ጕጅለታት ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ጥምረት ወይ ልፍንቲ ብምምስራት ንናይ ሓባር ዕላማ ክእከቡ ጸኒሖም እዮም።
ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ጥምረታት መብዛሕትኡ ግዜ 'ጸላኢ ጸላኢየይ [ፈታዊየይ እዩ]' ብዝብል ኣተሓሳስባ 'ናይ ሓባር ጸላኢ ምእላይ' ከም ዕላማ ብምግባር ከም ዝለዓሉን ብመስርሕ ድማ እቶም ኣብ ድሕሪ እቲ ምሕዝነት ዘለዉ ጕጅለታት በብናቶም መንገዲ ክጓዓዙ ከም ዝረኣዩን ይፍለጥ።
ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ፡ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ጕጅለታትን ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ጥምረታት ክፈጥሩ ጸኒሖም እዮም።
ቅድሚኡ ኣብ ዝነበሩ ዓመታት ድማ ብፍላይ ሃገራዊ ምርጫ ኣብ ዝቐርበሉ እዋን፡ ተመሳሳሊ ወይ ተቐራራቢ መርገጺ ዘለዎም ሰልፍታት ንገዛኢ ሰልፊ ንምብዳህ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕ ክበጽሑ ጸኒሖም እዮም።
ካብ ድሮ ውድቀት ወተሃደራዊ መንግስቲ ደርግ ኣትሒዙ ኣብ ዘሎ ናይ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ግዜ፡ ብዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ሓይልታት ካብ ዝተፈጥሩ ጥምረታት፡ ፍሉጣት ዝዀኑ ሓሙሽተ ፖለቲካዊ ጥምረታት ንድሕሪት ተመሊስና ዳህሲስናዮም ኣለና።
1. ኢህወዴግ
ግንባር ሰውራዊ ደሞክራስያውያን ህዝብታት ኢትዮጵያ (ኢህወዴግ)፡ ከም ሓደ ጥሙር ግንባር ዝተመስረተ ብግንቦት 1981 (ግዕዝ) ኣብ ክልል ትግራይ፡ ተምቤን፡ ዓዲ ገዛዕቲ ኣብ ዝበሃል ከባቢ እዩ ነይሩ።
ጥምረት ኣርባዕተ ውድባት ብሄራት ዝነበረ ኢህወዴግ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ፖለቲካዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ፡ ፖለቲካዊ ኣንፈት እታ ሃገር ብምቕራጽ ካብ ካልኦት ብዝተፈልየ ብጒሉሕ ዝጥቀስ ሰልፊ እዩ።
ኣብቲ እዋን ኣስታት ሽዱሽተ ሚልዮን ኣባላት ከም ዝነበሩዎ ዝንገረሉ እዚ ግንባር፡ ካብ ጸጋማዊ ፖለቲካዊ መትከል ብዝነቅል 'ሰውራዊ ደሞክራሲ' ዝተባህለ ርእዮተ-ዓለም ክምራሕ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ሕመረት ናይቲ ግንባር ዝዀነ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)፡ ንስርዓት ደርግ ብምቅዋም ብረት ኣልዒሉ ናብ በረኻ ዝወጽአ ክኸውን ከሎ፡ ጸኒሑ ግና ባዕሉ ደጊፉ ዘቘሞምን ምስ ዕላማኡ ዝሰማምዑን ጕጅለታት ብምሕቋፍ እዩ ንኢህወዴግ መስሪትዎ።
በዚ መሰረት፡ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ኢትዮጵያ (ኢህዴን)፡ ደሞክራስያዊ ውድብ ህዝቢ ኦሮሞ (ኦህዴድ) ከምኡ'ውን ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ (ደኢህዴን) ምስ ህወሓት ብምዃን ኣብ ኢህወዴግ ተጸንቢሮም።
ን27 ዓመታት ንኢትዮጵያ ብላዕለዋይነት ዝመርሐ ኢህወዴግ፡ ግንባር ናይ ኣርባዕተ ቀንዲ ሰልፍታት ካብ ምዃን ብተወሳኺ፡ ንሓሙሽተ ገዛእቲ ሰልፍታት ክልላት ሃረሪ፡ ዓፋር፡ ጋምቤላ፡ ሶማልን ቤኒሻንጉልን ድማ ብኣሓት ውድብነት ሓቚፉ ነይሩ።
ኢህወዴግ ብጽኑዕ ማእከላይነትን ብሓደ ዓይነት ኣረኣእያን ዝተዋቐረ ግንባር ብምዃኑ፡ ብመስርሕ እቲ ጥምረት ካብ ስም ሓሊፉ ሓደ ናብ ምዃን በጺሑ ነይሩ እዩ። ይዅን`ምበር፡ ጸኒሑ ነቲ ግንባር ድሕሪ ናይ ኣስታት 30 ዓመታት ሓድነት ኣብ ሞንጎ ኣባላቱ ዝተፈጥረ ኣፈላላይ ጐሊሑ ብምውጻእ፡ ለውጢ ኣመራርሓ ብምምጻእ ንመወዳእታ ኢህወዴግ ምኽንያት ኰይኑ እዩ።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ኢህወዴግ ፈሪሱ፡ ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ሓያሎ ሰልፍታት ብሄራት ብምሕቋፍ ሓደ ሃገራዊ ሰልፊ ንምዃን ዝዓለመ ሰልፊ ብልጽግና ተፈጢሩ።

2. ቅንጅት (ልፍንቲ)
ኢህወዴግ ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ ናብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ሓፈሻዊ ሃገራዊ ምርጫ ንስገር። ምርጫ 1997 (ግእዝ) ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር ዘይተራእየን ዘይተደግመን ሓፈሻዊ ምርጫ ከም ዝነበረ ይንገረሉ።
ምኽንያት ናይዚ ድማ ኢህወዴግ ፖለቲካዊ መድረኽ ብምኽፋት ናጻ ምርጫ ንምክያድ ምድላዉን፡ በዚ ዝተባባዑ ፍሉጣት ምሁራንን ፖለቲከኛታትን ንምርጫ ኣብ ዝተገብረ ምንቅስቓስ ንጡፍ ተሳትፎ ብምግባሮምን እዩ።
ኣብ ምርጫ 97 ጐሊሑ ዝወጽአ 'ቅንጅት ለአንድነት እና ዴሞክራሲ' (ልፍንቲ ንሓድነትን ደሞክራስን) ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ጽልዋ ፈጠርቲ ካብ ዝዀኑ ተቓወምቲ ሰልፍታት ብቐንዱ ይጥቀስ።
ቅንጅት ንተቓወምቲ ሰልፍታት ብሓባር ብምእካብ ንገዛኢ ሰልፊ ብሓያል ኵነታት ብምውድዳር፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝለዓለ ደረጃ ደገፍን ድምጽን ህዝቢ ብምርካብ ይዝከር።
ብመሃንድስ ሃይሉ ሻውል ዝምራሕ ዝነበረ ቅንጅት፡ ተቐራራቢ ፖለቲካዊ መርገጺ ዘለዎም ሰልፍታት ብምእካብ እዩ ተመስሪቱ ነይሩ።
ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ (መኢኣድ)፡ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ኢትዮጵያ - መድህን (ኢዴፓ-መድህን)፡ ቀስተ ደመና ንፍትሕን ደሞክራስን (ቀስተ ደመና) ከምኡ'ውን ደሞክራስያዊ ሊግ ኢትዮጵያ (ኢዴሊ) ኣባላት ናይቲ ቅንጅት ነይሮም።
ቅድሚ እቲ ምርጫ ኣብ ዝተኻየዱ ናይ ጐስጓስን ደገፍን ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዝዮም ብዙሓት ነበርቲ ኣርማ ቅንጅት ሒዞም ናብ ኣደባባይ ወጺኦም ነይሮም።
ምስ ኢህወዴግ ዝለዓለ ውድድር ዝገበረ ቅንጅት፡ መንበር ምኽሪ ቤት (ባይቶ) ከተማ ኣዲስ ኣበባ ምሉእ ብምሉእ ተዓዊትሉ ነይሩ እዩ። ይዅን`ምበር፡ ምስቲ ምርጫ ተተሓሒዙ ብዝተፈጥረ ምስሕሓብን ግጭትን ምኽንያት መራሕቱ ንማእሰርቲ ተቓሊዖም።
ካብ መንግስቲ ዝበጽሖ ጸቕጢ ስዒቡ ቅንጅት ካብ ምድኻም ሓሊፉ፡ ነቲ ምርጫ ዝተኣከቡ ኣባላቱ ሓድነቶም ሓልዮም ክቕጽሉ ብዘይምኽኣሎም ናብ ዝተፈላለየ ኣንፈታት ፋሕ ኢሎም።
በዚ ድማ መብዛሕትኦም መራሕቲ ቅንጅት ንሓድነትን ደሞክራስን ካብ ፖለቲካ ዝረሓቑ ክዀኑ ከለዉ፡ ሓድሽ ሰልፊ ዝመስረቱ፡ ናብ ዕጥቃዊ ቃልስን ስደትን ዘምርሑ እውን ይርከብዎም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
3. ሕብረት
ምርጫ 97 ካብ ዝፈጠሮም ፖለቲካዊ ጥምረታት ብዘይካ ቅንጅት ተጠቃሲ ዝዀነ 'ሕብረት ደሞክራስያዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ (ሕብረት)' እዩ።
እቲ ሕጂ ምኒስተር ትምህርቲ ዘሎ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ፡ ፕሮፌሰር መስፍን ወልደማርያም፡ ልደቱ ኣያሌው፡ ሃይሉ ሻውልን ያዕቆብ ሃይለማርያምን ኣብ ትሕቲ ጽላል ቅንጅት ንሓድነትን ደሞክራስን ክእከቡ ከለዉ፡ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስን ፕሮፌሰር መረራ ጉዲናን ድማ ንኻልኦት ብምሕቋፍ ሕብረት ብምምስራት ናብቲ ምርጫ ኣትዮም ነይሮም።
ኣብ ትሕቲ ሕብረት ዝተጠርነፉ ሰልፍታት ብሄር-ተኮር ዝኰኑ ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝነበሩ ኰይኖም፡ መሰረት ደገፎም ድማ ብፍላይ ኣብ ኦሮምያን ከባቢታት ደቡብ ኢትዮጵያን እዩ ነይሩ።
ንኣሽቱን ግና ብዙሓት ሰልፍታትን ኣብ ዘለውሉ ፖለቲካዊ ኵነታት ኢትዮጵያ ዝሓሸ ውድድር ንምግባርን ጽልዋ ንምፍጣርን ብዝብል ካብ ዝተመስረቱ ጥምረታት ሓደ ሕብረት ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ኣባላት ሕብረት ዝነበሩን መቐመጢኦም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝገበሩን፡ ነዊሕ ፖለቲካዊ ተመኵሮ ዝነበሮም ከም መኢሶን፡ ኢህኣፓ (ኢሕአፓ)ን መድህንን ዝኣመሰሉ ሰልፍታት እውን ኣካል ናይቲ ጥምረት ነይሮም እዮም።
ኣብቲ ሃገራዊ ምርጫ ዝተሳተፉ ግና እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሩ ፖለቲከኛታት ጥራይ እዮም።
ልክዕ ከም ቅንጅት፡ ሕብረት ዘካይዶም ዝነበረ ናይ ምርጫ ክትዓት ብቐጥታ ፈነወ ተለቪዥንን ራድዮን ክመሓላለፉ ከለዉ ኣድህቦ ብዙሓት ስሒቡ ነይሩ እዩ።
ሕብረት ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝንቀሳቐሱ ምትእኽኻብ ሓያሎ ፖለቲካውያን ውድባት ካብ ምዃኑ ሓሊፉ፡ ብፍላይ ኢህወዴግ ብጸላእትነት ዝርእዮም ኢህኣፓን መኢሶንን ኣብ ውሽጢ እቲ ሕብረት ምእታዎም፡ ነቲ ጥምረት ብመንግስቲ ጽልኢ ዘትረፈሉ እዩ ነይሩ።
ብፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ዝምራሕ ብሄራዊ ኮንግረስ ኦሮሞ፡ ብፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ዝምራሕ ዝነበረ ማሕበራዊ ደሞክራስያዊ ፈደራላዊ ሰልፊ ኢትዮጵያ፡ ከምኡ'ውን ደሞክራስያዊ ሕብረት ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያን ደሞክራስያዊ ሰልፊ ሓድነት ኢትዮጵያን ኣባላት ናይቲ ሕብረት ነይሮም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
4. ጥምረት ፈደራላውያን ሓይልታት
ኣስታት ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ንኢትዮጵያ ብላዕለዋይነት ክመርሕ ዝጸንሐ ህወሓት ብኣሓት ውድባቱ ተደፊኡ ናብ ወሰን ምስ ወጽአ፡ ምምሕዳር ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ነቲ ኢህወዴግ ዝሃነጾ ፈደራላዊ ስርዓት ስግኣት እዩ ክብል ጸኒሑ እዩ።
ነዚ ስዒቡ ከኣ ኣብቲ ሓድሽ ምምሕዳር ቅሬታ ዝነበሮም ሓይልታት ብምእካብ 'ጥምረት ፈደራላውያን ሓይልታት ኢትዮጵያ' ኣብ መወዳእታ 2011 (ግእዝ) ኣብ ከተማ መቐለ ምምስራቱ ኣፍሊጡ።
ኣስታት 25 ዝዀኑ ኣባላት ከም ዘለዎ ዝተነግረሉ እዚ ጥምረት፡ ዝተመስረተ "ሃገር ንምድሓን" ምዃኑን ኣብቲ ምትእኽኻብ ዝነበሩ ሓይልታት ድማ "ንሕብረ-ብሄራዊ ፈደራላዊ ስርዓት ዝቖሙ" ምዃኖም ኣብቲ እዋን ተገሊጹ ነይሩ።
እዚ 'ጥምረት ፈደራላውያን ሓይልታት ኢትዮጵያ ንምድሓን ሃገር' ዝተባህለ ጥምረት ሰልፍታት፡ ህወሓት ምስ 25 ተወዳደርቲ ሰልፍታት ብምዃን ዝመስረቶ እኳ እንተ ነበረ፡ ድሕሪ ገለ ግዜ ግና ህወሓትን ደሞክራስያዊ ሕብረት ኢትዮጵያን (ኢዴሕ) ካብ ናይቲ ጥምረት ሕጋጋት ወጻኢ ኰይኖም ተረኺቦም ብዝብል ካብ ኣባልነት ከም ዝተሰረዙ ተገሊጹ።
ብሓደ ምልክት ምርጫ ከም ዝወዳደሩ ክገልጹ ዝጸንሑ ሰልፍታት፡ ድሕሪ ግዜ ንሓድሕዶም ክካሰሱን ናይ ውልቆም መግለጺታት ክህቡን እውን ተራእዮም እዮም።
ካብ ህወሓት ብተወሳኺ፡ ሰውራዊ ደሞክራስያዊ ግንባር ሓድነት ዓፋር፡ ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣገው፡ ምንቅስቓስ ናጽነት ህዝብታት ቤኒሻንጉል፡ ሰራዊት ናጽነት ህዝብታት ጋምቤላ፡ ደሞክራስያዊ ሰልፊ ቅማንት፡ ብሄራዊ ግንባር ናጽነት ሲዳማ፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ሰልፍታት ኣባላት ናይቲ ጥምረት ነይሮም።
ኣብቲ ጥምረት ምክፍፋል ምስ ተፈጥረ እቲ ሓደ ወገን ንህወሓት፡ "ነቲ ሕብረት ብጽግዕተኝነት ንረብሓኡ ክጥቀመሉ ይንቀሳቐስ ኣሎ፡" ክብል ከሲሱዎ።
እቲ ካልእ ወገን ድማ "ብኣኽረርቲ ኣሃዳውያንን ጸረ ሕብረ-ብሄራዊ ፈደራሊዝም ሓይልታትን" ምኽንያት ኣብቲ ጥምረት ስግኣት ኣንጸላልዩ ክብል ወቒሱ።
ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስትን መራሕቲ ህወሓትን ዝተፈጥረ ምስሕሓብ ዳግማይ ተጋዲዱ ኲናት ድሕሪ ምውልዑ፡ ሓይልታት ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተጸግዕሉ እዋን እውን ብመሪሕነት ህወሓት ኣብ ኣመሪካ ሓደ ጥምረት ዕላዊ ተገይሩ ነይሩ እዩ።
እቲ ምትእኽኻብ፡ መንግስቲ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምውዳቑ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ዝተፈጥረ ምዃኑ ዝተነግረ ክኸውን ከሎ፡ ብዘይካ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ እቶም ካልኦት ኣባላት ክንዲ ዝኣክል ዝፍለጡ ኣይነበሩን።
ግናኸ ገስጋስ ሓይልታት ትግራይ ደው ኢሉ እቶም ዕጡቓት ሓይልታት ናብ ትግራይ ምስ ተመልሱን እቲ ኲናት ብስምምዕ ፕሪቶርያ ምስ ኣብቅዐን፡ እቶም ኣብ ዋሽንግተን ዝተኣከቡ መስረትቲ መሰጋገሪ መንግስቲ ጕጅለታት ኣበይ ከም ዝበጽሑ ክሳብ ሕጂ ዝተፈልጠ ነገር የሎን።

ምንጪ ስእሊ, FB
5. ምሕዝነት ንሓድነት ኢትዮጵያ
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግንቦት ዝተኻየደ ሻውዓይ ሓፈሻዊ ምርጫ ከም ሸቶ ብምግባር ዝተመስረተ ጥምረት 'ምሕዝነት ንሓድነት ኢትዮጵያ' ሕብረት ሓሙሽተ ፖለቲካዊ ሰልፍታት እዩ።
ሰውራዊ ሰልፊ ህዝቢ ኢትዮጵያ (ኢህኣፓ)፡ ውድብ ሓድነት መላእ ኢትዮጵያ (መኢኣድ)፡ ከምኡ'ውን ሰልፊ ኣደ (እናት ፓርቲ) ሓዊሱ ሓሙሽተ ሰልፍታት ዘለዎ እዚ ጥምረት፡ ኣብ ሻውዓይ ሓፈሻዊ ምርጫ ዝረኸቦም ሸውዓተ መናብር ከም ዘይርከቦ ምፍላጡ ኣይዝንጋዕን።
እቲ ጥምረት ብተደጋጋሚ ዘውጽኦም ቅድመ-ኵነታት ከም ዘይተማልኡ ብምግላጽ ርእሱ ካብቲ ምርጫ ከም ዝስሕብ ከፍልጥ ጸኒሑ፤ ክልተ መዓልቲ ድሕሪ እቲ ምርጫ ድማ እንተ ተዓወተ'ውን ናብ ምኽሪ ቤት (ባይቶ) ከም ዘይኣቱ ገሊጹ ነይሩ።
ቦርድ ብሄራዊ ምርጫ ዕላዊ ብዝገበሮ ሓፈሻዊ ውጽኢት ምርጫ ከም ዘርእዮ፡ ምሕዝነት ንሓድነት ኢትዮጵያ ክልተ መናብር ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ከምኡ'ውን ሓሙሽተ መናብር ኣብ ባይቶ ክልል ተዓዊቱ።
እቲ ጥምረት 1,032 ሕጹያት ብምቕራብ ካብ ብልጽግናን ኢዜማን ብምቕጻል ዝለዓለ ተመረጽቲ ንዝተፈላለዩ ባይቶታት ዘመዝገበ ሳልሳይ ሰልፊ እዩ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ኣምሓራን ማእከላይ ኢትዮጵያን ክልላት ብሓፈሻ ሸውዓተ መናብር ዝተዓወተ እዚ ምሕዝነት፡ ነቲ ምርጫ "ናይ ይምሰል" ክብል ኰኒኑዎ እዩ።
እቲ ጥምረት ነቲ ሃገራዊ ምርጫ፡ "ነቲ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ጸገም ሃገርና ካብ ሕማቕ ናብ ዝበኣሰ ካብ ምውሳድ ሓሊፉ ደሞክራሲ ኣየምጽእን እዩ፡" ብምባል እውን ነጺጉዎ እዩ።
እዚ ንተሳትፎ ምርጫ ዝተፈጥረ ምሕዝነት ድሕሪ መወዳእታ እቲ ምርጫ ጕሉሕ ምንቅስቓስ እናገበረ ኣይኰነን። ነቲ ዝተመስረተሉ ዕላማ ዛዚሙ ምፍራሱ ይዅን ወይ ናብ ካልእ ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ ሕብረት ስግግር ብዛዕባ ምግባሩ ዝተባህለ ነገር የሎን።

ምንጪ ስእሊ, Coalition for Eth. Unity


















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
