ኣብ ከተማ ዓድዋ ብዙሓት ሰባት ብመጥቃዕቲ ድሮን ከምዝተቐትሉ ነበርቲ ሓቢሮም

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ከተማ ዓድዋ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲታት ድሮን፡ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሲቪላውያን ጉድኣት ከምዝበፅሐ ነበርቲን ፀብብፃባት ዜናን ሓቢሮም።

እዚ ዘጋጥም ዘሎ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሓይልታት መንግስቲ ንርእሰ-ከተማ ትግራይ- መቐለ ብዘይ ዝዀነ ተኹሲ ኣብ ዝተቖፃፀርሉ እዋን'ዩ።

ናብ ሰንበት ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ኣብ ልዕሊ ሰገን ቤተመደቀሲ ዝተብሃለ ሆቴልን ከባቢኡን ዝተፈፀመ ኣርባዕተ ዙር መጥቃዕቲ ድሮን፡ ብሓፈሻ 11 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ሰራሕተኛታትን ነበርትን ንቢበሲ ትግርኛ ተዛሪቦም።

ሰራሕተኛ ሰገን ሆቴል ዝዀነ፡ ዘርኢት ኣሰፋ፡ እቲ ፍርቂ ለይቲ ዝተፈፀመ መጠቃዕቲ ድሮን፡ ኣብቲ ከባቢ ሰፊሕ ጉድኣት ከምዘብፀሐ ይጠቅስ።

ንሱ ከምዝብሎ፡ ኣብቲ ፓርኪንግ ንዝነበረት መኪና ዒላማ ዝገበረ ከምዝዀነን፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ትሕቲ'ቲ ህንፃ ተኻርየን ዝሰርሓ ዝነበራ ወነንቲ እንዳ መስተን [ባራት] ተጠቀምትን ሞት ኣጋጢሙ ኣሎ።

"ኣብ ፓርኪንግ መኪና ነይራ፡ ዝበዝሕ ኣብኡ እዩ ዓሊቡ፤ ብንጣር እዩ ሰብ ተጐዲኡ ዘሎ" ብምባል፡ ናይታ መኪና መንነት ከምዘይፈልጥን፡ ኣብቲ ኸባቢ ዝዀነ በዓል ስልጣን ከምዘይነበረን ገሊጹ።

ሽዑ ንሽዑ 9 ሰባት ከምዝሞቱን፡ ካልኦት ክልተ ድማ ኣብ ሕክምና ሓዲሮም ከምዝሞቱን ድማ ሓቢሩ።

ኣብ ከባቢ ክፍልታት መደቀስን፡ ካብ ሰራሕተኛን ዝተጓድአ የለን። ካብቶም ህይወቶም ዝሳአኑ ግዳያት እተን ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ምዃነን እቲ ሓበሬታ የመልክት።

"እቲ መጥቃዕቲ ሃንደበታዊ እዩ ነይሩ፡ ሬሳ ብዓይንና እናረአና ኣዚና ኢና ስምዒትና ተጓዲእና"።

ሕዚ እቲ ሆቴል ሙሉእ ንሙሉእ ካብ ስራሕ ወፃኢ ኰይኑ ከምዘሎ'ዩ እቲ ነባሪ ዘረድእ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብወገኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ 9 ሰባት ከምዝተቐትሉ ፀብፂቡ ኣሎ። እቲ መራኸቢ ብዙሓን ወሲኹ፡ ኣብ ከባቢ ሸራሮ ኣብ መዕቈቢ ተመዛበልቲ ብዝተፈፀመ ካልእ መጥዕቲ ድማ፡ ካልኦት ሸሞንተ ሰባት ከምዝተቐትሉ ንሰራሕተኛታት ግብረሰናይ ብምጥቃስ ሓቢሩ።

ሊያ ግርማይ ነባሪት ዓድዋ ዀይና ናይ ጀበና ቡን ኣፍሊሓ ብምስራሕ እያ ትመሓደር። ንሳ ድማ፡ ብቐዳም ምሸት ኣብ ልዕሊ ሸዊት ሆቴልን ፓንኣፍሪቃ ሆቴልን ዝበፅሐ መጥቃዕቲ ብዓይና ከምዝተዓዘበት ትዛረብ።

ነዚ ስዒቡ ኣብታ ከተማ ሰፊሕ ድንጋፀ ከምዝፈጠረ ዝገለጸት ሊያ፡ ሆቴላትን ትካላት ንግድን ኣብታ ከተማ ተዓፅየን ከመዘለዋን ኣብታ ከተማ ፀጥ ዝበለ ነገር ከምዘሎን ሓቢራ።

እቶም መጥቃዕቲታት ኣብቲ ንሳ እትሰርሐሉ ከባቢ ቀበሌ 06 ቀዳም ኣጋ ምሸት፡ ከባቢ ሰዓት ሓደ [ ሸውዓተ] ናይ ምሸት፡ ኣብ ስራሕ እናሃለወት፡ ኣብ ልዕሊ ሸዊት ኢንተርናሽናል ሆቴል መጥቃዕቲ ድሮን ተፈፂሙ ትብል።

ንሳ፡ እቲ መጠቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ህንፃ እቲ ሆቴላት ሰፊሕ ጉድአት ከምዘብፀሐ ዝገለፀት ኰይና፡ ኣብቲ ዕለት ኣብ ልዕሊ ህይወት ዝበፅሐ ጉድኣት ከምዘይነበረ ግን ሓቢራ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦ ስራሕ መካየዲ ሸዊት ሆቴል ፡ እቲ መጥቃዕቲ ምፍፃሙ ዘረጋገፀ እንተዀነ'ኳ፡ 'ኣብ ዕረፍቲ ከምዝነበረ' ብምግላፅ ዝርዝር ሓበሬታ ካብ ምሃብ ተቘጢቡ።

እቲ መጥቃዕቲ ድሮን ካበይ ዝተበገሰ ከምዝዀነን እቲ ብዝሒ ሞትን መንነት ግዳያትን ቢቢሲ ብናጻ ኣካል ከረጋግፅ ኣይከኣለን።

ካብ መስከረም 23 ጀሚሩ ኣብ ደቡብ ግንባር ዝቐነየ ወተሃደራዊ ጐንፂ ስዒቡ፡ ብህወሓት ዝምራሕ መንግስቲ ትግራይ፡ ካብ ከተማ መቐለ ወፂኡ ኣብ ካልእ ከባቢ ዕጥቃዊ ቃልሲ ክቕፅል ምዃኑ ምግላፁ ይዘዝከር።

ኣብ መቐለ ሓዊሱ፡ ምዕራይ መራኸቢታት ብመጠኑ ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ምምላሱን፡ ነበርቲ ዝተወሰነ ዕረፍቲ ፈጢሩሎም ኣሎ፤ እንተዀነ ኣብ ልዕሊ ካልእ ሻቕሎት ዝፈጥር ነገር ከምዘሎ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊፆም።

ብፍላይ ኣብ ዞባ ምብራቓዊ ትግራይ፡ ብኽልተ ኣንፈት ከተማ ውቕሮ ዳግማይ ምውዳብ ሓይልታት ትግራይ ዝተዓዘቡ፡ ካልእ ዙር ውግእ ክጅመር ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት እናዓበየ ከም ዝመጸ እቶም ነበርቲ ገሊፆም።