እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ፡ ርእሰከተማ ሞስኮ ዒላማ ዝሓየለ መጥቃዕቲ ዩክረይን ኰይና
ሓይልታት ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ሞስኮ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ድሮናት ፈጺሞም።
እታ ርእሰከተማ፡ ኲናት ዩክረይን ኣብ 2022 ካብ ዝውላዕ ንደሓር ንፈለማ እዋን'ያ ዒላማ መጠነ ሰፊሕ ደብዳብ ኰይና ዘላ።
ኣስታት 200 ድሮናት ኣብ ከባቢ ሞስኮ ንዝርከብ ዒላማታት ከምዝሃረማ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣመሓዳሪ እቲ ከባቢ ኣንድረይ ቮሮቢዮቭ ከምዝበሎ፡ ብውሕዱ 17 ሰባት በቲ መጥቃዕቲ ቆሲሎም ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት ጥራይ ኣስታት 1,000 ድሮናትን ኣርባዕተ ክሩዝ ሚሳይላትን ከምዘበርዓነ ምኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ሓቢሩ።
ኣብ ዞባ ሮስቶቭ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ሓደ መደበር ነዳዲ ከምዝተሃርመን ሓደ ሰብ ከምዝሞተን እቲ መግለጺ ይጠቅስ።
ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ሃገሩ ነዊሕ ርሕቀት ብዝወንጨፋ ድሮናትን ሚሳይላትን ንዒላማታት ሩስያ ክትሃርም ከምዝጀመረት ገሊጹ።
"ኲናት ዘብቅዓሉ ግዜ ኣኺሉ'ዩ። ሩስያ ናብ ዲፕሎማሲ ገጻ ከተምርሕ ኣለዋ" ድማ ኢሉ።
እቲ መጥቃዕቲ ሕነ ናይቲ ሞስኮ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ርእሰከተማ ኪቭ ዝፈጸመቶ ንሓደ ታሪኻዊ ካቴድራል ዘዕነወ ሓያል መጥቃዕቲ ምዃኑ'ውን ዘለንስኪ ኣይሓብአን።
"ነዚ ኲናት እዚ ኣይንደልዮን ኢና፡ ደሊናዮ'ውን ኣይንፈልጥን" ዝበለ እቲ ፕረዚደንት "ዩክረይን እንድሕር ትነደድ ኣላ ግና፡ ሞስኮኹም'ውን ክትነድድ እያ" ብምባል ኣጠንቂቑ።
ኣብ ደቡባዊ-ምብራቕ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ መጻረዪ ነዳዲ ባርዕ ሓዊ ተወሊዑ ከምዝነበረን፡ ጸሊም ትኪ ኣብ ልዕሊ እታ ርእሰከተማ ንሰማይ ክዓርግ ተራእዩ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝወጸ ቪድዮታት ናይቲ መጥቃዕቲ መትሓዚ ናይ ሓደ ዓቢ ገንኢ ነዳዲ ብሓይሊ ናይቲ ዝተፈጥረ ነትጒ ናብ ሰማይ ክነጥር የመልክት።
እቲ ትካል ነዳዲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ ጥራይ ንሳልሳይ እዋኑ'ዩ ዒላማ መጥቃዕቲ ዩክረይን ዝኸውን ዘሎ።
ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ኣርባዕተ መዓርፎ ነፈርቲ ንግዚኡ ክዕጸዉ ብምግዳዶም፡ ካብን ናብን እታ ከተማ ዝግበር ልዕሊ 500 በረራታት ተሰሪዞም ወይ ተዳናጒዮም ነይሮም።
ዋላ'ኳ ሰብመዚ ሩስያ፡ ንሳዕቤናት መጥቃዕቲ ድሮን ዩክረይን ምስኣልን ምውጻእን ኣጊዶም እንተለዉ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ግን ክሓልፋ ዝራኣይወን ድሮናት ይዅን ዝፍጽምኦ መጥቃዕቲ ዘቃልዕ ነትጒታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ካብ ምዝርጋሕ ኣየቋረጹን።
ሓይልታት ዩክረይን ዝጥቀምሉ ዘለዉ ሜላ፡ ፈለማ ብዙሓት ድሮናት ንዳህሳስ ብምስዳድ ጸረ-ኣየር ሚሳይላት ሩስያ ኣበይ ከምዘሎ ምርግጋጽ እዩ። ብድሕሪኡ ንመጥቃዕቲ ዝተዳለዋ ድሮናት ይዅን ሚሳይላት ይውንጭፉ።
ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመትን ፈረቓን እቲ ኲናት ካብ ሞስኮ ርሒቑ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት፡ ካብኡ ሓሊፉ'ውን ኣብ ውሽጢ ምብራቓዊ ከባቢታት ዩክረይን'ዩ ክካየድ ጸኒሑ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን እቶም ነቲ ኲናት ብርሑቕ ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ነበርቲ እታ ርእሰከተማ ኣብ ኣፍደገኦም ምእታዉ ከየስግኦም ኣይተርፉን።
ሞስኮ ካብ ዶብ ዩክረይን ኣስታት 500 ኪሜ ርሒቓ'ያ ትርከብ። ኣብ 2023 ንፈለማ እዋን ድሮናት ዩክረይን ናብታ ከተማ ክበጽሓ ጀሚረን፡ ዋላ'ኳ ዘድምዓ እንተዘይነበራ።
በዚ ዝሰግኡ ሰብመዚ ሩስያ ኸኣ ኣብ ዙርያ እታ ርእሰከተማ ዝርከብ ስርዓተ-ምክልኻል ንምሕያል ክንቀሳቐሱ ጸኒሖም።
እንተኾነ ንማዕበላዊ መጥቃዕትታት ድሮናትን ሚሳይላትን ምሉእ ብምሉእ ዝከላኸል ጽላል የለን።
ሩስያ'ውን ብወገና፡ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሐ ለይቲ ልዕሊ 200 ድሮናትን ክሩዝ ሚሳይላትን ናብ ኪቭ ክትውንጭፍ ሓዲራ እያ።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ብዛዕባ'ቲ መጥቃዕቲ ሞስኮ ዛጊት ዝሃቦ ግብረመልሲ የለን።
ብኣንጻሩ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ኣብ ኤክስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ግን፡ "ሎሚ ንግሆ ሓደ ካብ ቀንዲ ሕቶታት ሞስኮኣውያን 'እንታይ'ዩ ዝኸውን ዘሎ?' ዝብል'ዩ" ኢሉ።
"መልሲ ክህብ እኽእል'የ። ሃገርኩም ኣብ ልዕለና ናይ ወራር ኲናት ጀሚራ። ንዓመታት፡ ንህዝብና ክትቀትሎ ጸኒሓ" ይብል ምኒስተር ኣንድሪ ሲቢሃ።
"ሕጂ እንታይ ይኸውን ከምዘሎ ስለዝፈለጥኩም፡ ንፑቲን መዓስ ደው ከምዘብሎ ሕተትዎ" ክብል'ውን ይምሕጸን።