ኣብረርቲ ሄሊፕተር ንምድሓን ኣብ ጥቕሚ ብዛዕባ ዝወዓላ ድሮናት ባሕሪ እንታይ ትፈልጡ?

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ብመሰረት ሓበሬታ ወተሃደራዊ ትካል ኣመሪካ፡ ኣብዚ ሰሙን'ዚ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዖማን ዝወደቐት ወተሃደራዊት ሄሊኮፕተር ኣመሪካ ንዝነበሩ ክልተ ኣብረርቲ ንምድሓን ናይ ባሕሪ ድሮን ኣዋፊሮም ኣለዉ።

ሓንቲ ዘይተፈልጠት ጃልባ ኣብ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ክትውዕል ብወግዒ ክፍለጥ እዚ ናይ መጀመርታ ፍጻመ ኰይኑ ኣሎ።

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ከም ዝገለጾ፡ እታ ኣፓቺ ዝዓይነታ ሄሊኮፕተር ብኢራን ኣብ ጥቓ መጻብቦ ሆርሙዝ እያ ተወቒዓ ወዲቓ።

እዚ መስመር ባሕሪ እዚ፡ ካብ መጀመርታ ኲናት ኢራን ኣትሒዙ ንጕዕዞ መራኽብ ንነዊሕ ግዜ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ሓደገኛ መስመር እዩ።

እቶም ክልተ ወተሃደራት፡ "ኣብ ውሽጢ ኣስታት ክልተ ሰዓት ብሰላም ድሒኖም እዮም፤ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ድማ ይርከቡ፡" ክብል ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ገሊጹ።

ክፍሊ ምጽራይ ሓበሬታ ቢቢሲ፡ ብዛዕባ እታ ድሮን ጃልባ እንፈልጦ ኵሉን እቲ ናይ ምድሓን ስጕምቲ ብኸመይ ከም ዝተፈጸመን መርሚሩ ኣሎ።

ድሮን ባሕሪ ኣመሪካ ከመይ እያ?

ማእከላይ እዚ ኣመሪካ፡ ኣብቲ ጕዕዞ ምድሓን 'ኮርሰይር' ዝተባህለት ድሮን ባሕሪ ከም ዝተጠቕሙ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

እዛ ድሮን'ዚኣ፡ ኣብ ቴክሳስ ብዝመደበሩ ሰብ-ኣልቦ መሳርሕታት ባሕሪ ብዘፍሪ ትካል ዝተሰርሐት እያ።

ብመሰረት መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ትካል፡ ቍመታ 7.3 ሜተር ኰይኑ፡ ክሳብ 450 ኪሎግራም ናይ ምጻር ዓቕሚ ኣለዋ። ፍጥነት ጕዕዞኣ ድማ ልዕሊ 64 ኪሎሜትር ኣብ ሰዓት ክበጽሕ ይኽእል እዩ።

"እታ ኮርሰይር ጽፍሕ ዝበለ ጋብላ ዘለዋ ኰይና፡ ግዝፋ ክንዲ ሓንቲ ጃልባ መግፈፊ ዓሳ እዩ። ስለዚ ጽዕነት ንምስካም ዝተሰርሐት እያ። ምናልባት ድማ ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ሰባት ክትሕዝ ትኽእል እያ፡" ይብል ኣብ ትካል መጽናዕቲ ፖሊሲ ሁድሰን ክኢላ ድሮን ባሕሪ ብራያን ክላርክ።

ክላርክ ወሲኹ ከም ዝገለጾ፡ 360 ዲግሪ ዝርኢ ካሜራ፡ ንነዊሕ ርሕቀት ጕዕዞ ዘገልግል ስርዓተ-ራዳር፡ ከምኡ'ውን ሓበሬታ ንምእካብ ዝሕግዝ ናይ ራድዮ መለለዪ መሳርሒ ኣለዋ።

"እዛ ኮርሰይር'ዚኣ ካብ እትስራሕ ሒደት ዓመታት ኰይኑ ኣሎ። ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ድማ ኣስታት 50 ካብአን ኣለዋኦ፡" ትብል ወተሃደራዊ ክኢላ ዶክተር ስተይሲ ፐቲጆን።

"ብልሙድ ነተጕትታት ባሕሪ ንምድላይ ወይ ንስለያዊ ምክትታል እዮም ዝጥቀሙለን፤ እንተዀነ፡ ሓይሊ ባሕሪ [ኣመሪካ] እንታይ ክገብራ ከም ዝኽእላ ንምፍታን ኣብቲ መጻብቦ ገና ፈተነታት የካይድ ኣሎ።"

እዛ ናይ ባሕሪ ድሮን'ዚኣ፡ ብፍሉይ ሓይሊ-ዕማም-59 እያ እትመሓደር።

እዚ ክፍሊ እዚ ብ2021 ዝተመስረተ ናይ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ቀዳማይ ሰብ-ኣልቦ ስርዓታት ዝከታተል ኣካል ኰይኑ፡ ኣመሪካ ካብ መጋቢት ጀሚራ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ከተዋፍሮ ጀሚራ እያ።

እዚ ስጕምቲ እዚ ክፍሊ ምክልኻል ኣመሪካ ናይ ድሮን ኣጠቓቕማኡ ንምስፋሕ ካብ ዘለዎ ትልሚ ሓደ እዩ።

ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነቲ ንኮርሰይር ዘፍርየ ትካል ናይ 392 ሚልዮን ዶላር ውዕል ሂቡዎ እዩ።

እቲ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ብኸመይ ተፈጺሙ?

እቲ ድሮን ባሕሪ ባዕሉ ክንቀሳቐስ ዝኽእል እኳ እንተዀነ፡ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክልተኦም ክኢላታት ግና ነቲ ናይ ምድሓን ስጕምቲ ብኢድ ተመሪሑ ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጾም እዮም።

"ኣብዚ ስራሕ'ዚ እቶም ኣብረርቲ ዘለዉዎ ልክዕ ቦታ ንምብጻሕ፡ ሓደ ሰብ ብርሑቕ ኰይኑ ብመቈጻጸሪ መሳርሒ ይመርሖ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ፡" ይብል ክላርክ።

"ናብቲ ዝተፈልጠ ቦታኦም ምስ በጽሐት፡ ልክዕ ኣብ ባሕሪ ናብ ሓንቲ ጃልባ ከም እትደይብ፡ ንሳቶም እውን ናብኣ ተሰቒሎም ክዀኑ ይኽእሉ እዮም።"

ወሃቢ-ቓል ማእከላይ እዚ ኣመሪካ ካፕተን ቲም ሃውኪንስ ድሕሪ እቲ ስርሒት ከም ዝገለጾ፡ ኮርሰይር ነቲ ዕማም'ቲ ዝተመርጸትሉ ምኽንያት፡ ኣብ ርሑቕ ኵነታትን ዓቕማን ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ይሕብር።

"ሰባት ተዅሲ ክገጥሞም ዝኽእል ዓባይ መርከብ ወይ ሄሊኮፕተር ኣብ ክንዲ ምስዳድ፡ እዛ ድሮን ነቲ ዕማም ክትፍጽሞ ተገይሩ፡" ትብል ዶክተር ፐቲጆን።

"እዛ ጃልባ ኣብ ህይወት ኣድሕን ምውፋር ቀንዲ ዕማማ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሓደገኛን ኣጸጋምን ስራሕ ግና ኣዝያ ውጽኢታት ኰይና ተረኺባ ኣላ።"

ብመሰረት ሓበሬታ ካፕተን ሃውኪንስ፡ እቶም ወተሃደራት ኣመሪካ ሰሉስ ንግሆ ነቒሎም ናብ ካልእ ቦታ ተወሲዶም እዮም።

"ብድሕሪኡ ድማ ንዝለዓለ ጕዕዞ ናብ ሓንቲ ሄሊኮፕተር ተሳሒቦም ደይቦም፡" ክብል ወሲኹ ኣረዲኡ።

እዞም ድሮናት ባሕሪ ኣብ ካልኦት ክፍላተ ዓለም ኣብ ምንታይ ተዋፊሮም ኣለዉ?

ክፍሊ ምርግጋጽ ሓበሬታ ቢቢሲ ኣቐዲሙ ከም ዝጸብጸቦ፡ ድሮናት ባሕሪ ኣብ መንጎ ዩክረይንን ሩስያን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ብብዝሒ ክዝውተራ ጸኒሐን እየን።

ዩክረይን ኣብ ልዕሊ ወተሃደራውያን መራኽብ ሩስያ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ነዘን ድሮናት ነታጕ ጸዒና ትጥቀመለን እኳ እንተዀነት፡ ኣብ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ክትጥቀመለን ምጽንሓ ግና ዝተፈልጠ ነገር የሎን።

ክላርክ ከም ዝገለጾ፡ "ዩክረይን እትጥቀመለን መብዛሕትአን ጃልባታት ንኣሽቱ ኰይነን፡ ግዝፈን ልክዕ ከም ጀት ስኪ (jet ski) እዩ። ስለዚ ሰብ ክጸራ ኣይክእላን እየን።"

ዕጡቓት ሑቲ የመን 'ካሚካዝ' ዝተባህላ ነታጒ ዝሓዛ ጀላቡ ተጠቂሞም እዮም።

ዶክተር ፐቲጆን፡ "ሑታውያንን ኢራንን ኣቐዲሞም ድሮናት ባሕሪ ነይሮሞም እዮም። ዩክረይናውያን ግና ነቲ ዕማም ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣሰጋጊሮሞ። ካልኦት ሃገራት እንታይ ክገብራ ከም ዝኽእላ ከኣ ዘርኣዩ እዮም፡" ትብል።

"ናይ ኣመሪካ ድሮናት ባሕሪ'ውን ብብዝሒ ካብቲ ኣብ ኲናት ዩክረይን ዝተራእየ ሓደስቲ ምህዞታት ተማሂሮም ዝመጽኡ እዮም።"