ዘለንስኪ ምስ ፑቱን ብኣካል ተራኺቦም ክዘራረቡ ብደብዳበ ጠሊቡ

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ናብ ፑቱን ኣብ ዝጸሓፎ ክፉት ደብዳበ፡ ኣብ ሞንጎ ሃገሩን ሩስያን ዘካየድ ዘሎ ኵናት ደው ንምባል ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ብኣካል ተራኺቡ ክዘራረብ ጠሊቡ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ኣብቲ ዝጸሓፎ ክፉት ደብዳበ እቲ ሃገሩ ምስ ሩስያ ተካይዶ ዘላ ኵናት ዳግማይ ብኣመሪካ ኣተኵሮ ክሳብ ዝረክብ "ስቕ ኢልካ ምጽባይ" ጌጋ ምዃኑ'ዩ ሓቢሩ።

ብምቕጻል፡ ሰላም ኣብ ሞንጎ መራሕቲ ዩክረይንን ሩስያን "ቀጥጣዊ ምርኻብ" ብምክያድ ጥራይ ክመጽእ ከም ዝኽእል ሓሳቡ ኣካፊሉ።

ዝካየድ ዘተ ክሳብ ዝውዳእ ኣብ ሞንጎ እተን ክልተ ሃገራት ምቍራጽ ተዅሲ ክግብር ንዝብል ሓሳብ ፑቱን ብሓሙስ'ኳ እንተ ነጸጎ፡ ዘለንስኪ ነቲ ሕቶ ደጊሙ ኣቕሪብዎ ኣሎ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ'ውን ትማሊ ሓሙስ "ክልቲኦም መራሕቲ ክራኸቡ" እቲ ዝበለጸ ምኻኑ ሓሳቢ ሂቡ'ዩ።

ሩስያ'ውን ክፉት ደብዳበ ዩክረይን ከም ዝበጽሓ ብምግላጽ፡ ፑቱን ብዛዕባ እቲ ዘለንስኪ ኣቕሪብዎ ዘሎ ጠለብ መብርሂ ክህብ ምዃኑ ኣፍሊጣ ኣላ።

ቃና ናይታ ደብዳበ ተጻራሪ፡ ዋላ'ውን ላግጺ ዝመልኦ ኰይኑ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዩክረይን ኣብ መሬት ሩስያ ንዘካየደቶ መጥቃዕቲ'ውን ኣቓልቦ ዝሃበ'ዩ ነይሩ።

ዘለንስኪ ኣብ ደብዳበኡ ንፑቲን ጉጥያ ዝመስል "ኣብ ስልጣን ን26 ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ፡ ዕደመ ከኣ ናቱ ግደ ይጻወት ኣሎ፡" ኢሉ።

ብምስዓብ፡ "ዩክረይን እዚ ኵናት ክልተና ብኣካል ተራኺብና መኸተምታ ክንግበረሉ ትጽውዕ ኣላ፡ ኣነ ክልቲና ክንራኸብ'የ ጻውዒት ዘቕርብ ዘለኹ፡" ኢሉ።

ዘለንስኪ ንፑቱን ከምዚ ዓይነት ዕድመ ከቕርበሉ እዚ ናይ ፈለማ ኣይኰነን።

ሩስያ፡ ኣቐዲማ ንዝቐረበላ ተመሳሳሊ ዕድመ፡ ዘለንስኪ ናብ ሞስኮ መጺኡ ምስ ፑቲን ክራኸብ ከም ዝኽእል'ያ ሓቢራ ነይራ።

ኣብዚ ናይ ሕጂ ዘለንስኪ ዝጽሓፎ ክፉት ደብዳብ ካብ ዘነጸሮ ቀንዲ ነጥቢ፡ ኣመሪካ ምሉእ ንምሉእ ኣብ ጉዳይ ኢራን ተጸሚዳ ኣላ ብምባል፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ዩክረይንን ሩስያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ኣቓልቦ ነፊጋቶ ምህላዋ'ዩ።

ዘለንስኪ ነዚ ምርኵስ ብምግባር "[ኣመሪካ] ነዚ ኣብ ኤውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ዳግማይ ኣቓልቦ ክሳብ ትህቦ ስቕ ኢልካ ምጽባይ ጌጋ'ዩ፡" ኢሉ።

ፑቲን ንዝርዝራዊ ትሕዝቶ ናይቲ ዘለንስኪ ዘጽሓፎ ክፉት ደብዳበ ከይርኣዮ እንከሎ፡ ኣብ ሰይንት ፔተርስበርግ ንናይ ወጻኢ ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ብርግጽ ምስ ዩክረይን ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ" ድልው እየ'ኳ እንተ በለ፡ ሕድገት ምግባር ከምዘድሊ ግን ገሊጹ።

ፑቲን'ውን ብተመሳሳሊ፡ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ኢራን ተጸሚዱ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ንዘለንስኪ ካብቲ ሒዝዎም ዘሎ ዶባት ክወጽእ ክዛረብኦ ኣለወን ኢሉ።

ፑቱን ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ኣብ ጉዳይ ዩክረይን ሒዝዎ ዘሎ መርገጺ፡ ዩክረይን ካብተን ኣርባዕተ ብኸፊል ሩስያ ሒዛተን ዘላ ዞባት ዶነትስክ፡ ሉሃንስክ ኬርሶንን ዛፖሪዛህያን ክትወጽእን ኣባል ኪዳን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ናይ ምዃን ሓሳብ ፈጺማ ክትገድፎን ዝብል'ዩ።

ስክፍታ ዩክረይን፡ ሩስያ ከምቲ ንዞባ ክረምያ ብሓይሊ ንሸሞንተ ዓመታት ድሕሪ ምሓዝ ኣብ 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ምሉእ ወራር ዝኸፈተት፡ ሕጂ ከኣ ካብተን ዞባታት እንተ ወጺኣ ሩስያ ዳግማይ ንኽትወራ ዕድል ዘጣጥሕ'ዩ ዝብል'ዩ።

ኣብ ዝሓለፋ ኣዋርሕ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ዩክረይን ተኵሲ ደው ንምባል ክግበር ዝጸንሐ ዘተታት ደው ኢሉ'ዩ፡ ኣብ ጀኔቫ፡ ኣቡ ዳቢን ኢስታንቡልን ዝተገበረ ዘተታት'ውን ብዘይ ፍረ'ዩ ተበቲኑ።

ዘለንስኪ ኣብቲ 1800 ቃላት ዘለዎ ክፉት ደብዳበኡ፡ "ድሕሪ እዚ ብዝወላዕኩሞ ኵናት ኣብ ዩክረይን ዝወረደ ዕንወት፡ ንሕና ብዛዕባ መጻኢ ዕጫ ወተሃደራት ሩስያ ኣይንሻቐልን ኢና፡ ኣነ ግን ብዛዕባ ዩክረይናውያን ይግደስ እየ። ህዝብና ንኸስር ኣለና፡ ኵሉ ክሳራ ድማ ንዓና መሪር'ዩ፡" ኢሉ።

ዘለንስኪ፡ ሩስያውያን ብመጥቃዕቲ ድሮናትን ሚሳይላትን ዩክረይን፡ ብሕጽረት ነዳዲን ናህሪ ዋጋታትን ከምኡ'ውን ኲናት ከም ዝደኸሙ ገሊጹ።

ናብ ህዝቢ ሩስያ ለበዋ ኣብ ዝመስል ምሉእ ሓሳባት ከኣ፡ "ካብዚ ኲናት ዘውጽእ መንገዲ ኣብ ምንዳይ ኣይትፍርሑ። ሕጂ ካባኻትኩም ዝድለ ዘሎ ቀንዲ ነገር ንሱ'ዩ፡" ብምባል ተማሕጺኑ።

ዘለንስኪ፡ "ቀጥታዊ ርክብ [ኣብ ሞንጎኡን ሞንጎ ፑቱንን]" ብምግባር ሃገሩ ነቲ ኵናት መኸተምታ ንምግባር ሓሳባ ተቕርብ ከም ዘላ ብምሕባር፡ እቲ ምስ ፑቱን ገጽ ንገጽ ዝግበር ርክብ ኣብ ከም ስዊዘርላንድ ወይ ቱርኪ ዝኣመሰላ ሃገራት ክግብር ከም ዝኽእል'ውን ገሊጹ።

ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ኣንድሪ ስዪቢሃ ብወገኑ፡ "እዚ ክፉት ደብዳበ ነቲ ኵናት ንምውዳእ ዕቱብን ኣገዳስን'ዩ፡" ኢሉ።

"ነዚ ከኣ ትርጉም ዝህብ መልሲ ኢና ንጽበየሉ፡ እቲ ኵናት ዝውድኣሉ እዋን ሕጂ'ዩ፡ ሰላም ክንመርጸሉ ዝግብኣና እዋን'ውን ሕጂ'ዩ፡" ኢሉ።

ደብዳበ ዘለንስኪ፡ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚድ ፑቱን ኣብ ከተማ ሰይትን ፒተርስበርግ ዓቢ ቍጠባዊ ዋዕላ ኣብ ዘካይደሉ ዝነበረ እዋን ተዘርጊሑ።

ዩክረይን ኣቐድም ኣቢላ ኣብ ወሰናስን እታ ከተማ ናይ ድሮን ደብዳብ ኣብ ዝፈጸመትሉ፡ ዘለንስኪ ነቲ መጥቓዕቲ ብኣቃጫጭ "ናይ ደሓንዶ ኣለኹም" መልእኽቲ'ዩ ኢሉ'ዩ ገሊጽዎ።

ድሕሪ ደብዳበ ዘለንስኪ ምዝርግሑ፡ ፑቱን፡ ትማሊ ሓሙስ ምስ ዘለንስኪ ቀጥታዊ ርክባት ከካይድ ወይ ነዚ ኵናት ንምዝዛም ዕድላት እንተ'ልዩ ቅጽበታዊ ሕቶ ቀሪብሉ ነይሩ።

"ዘለንስኪ ሕጋዊ ወኪል ዩክረይን ድዩ ዝብል ሕቶ ንጠበቓታትን ተንተንትን ዝሕገድ'ዩ፡" ብምባል'ዩ ዘለንስኪ ንዩክረይን ወኪሉ ክዛተ ስልጣን ከም ዘይብሉ ኣአንፊቱ።

ትራምፕ ብወገኑ፡ ኣመሪካ ነዘን ክልተ ሃገራት ናብ ዘተ ንምቕርራበን ቀንዲ ክትደፍእ ዝጸንሐት ሃገር ምዃና ብምሕባር፡ "ከም ዝመስልኒ ክልቲኦም መራሕቲ ክራኸቡ እቲ ዝሓሸ'ዩ፣ ክራኸቡ ኣለዎም፡ ክውድእዎ ኣለዎ፡" ኢሉ።

ክልቲአን ሃገራት ክገብርኦ ብዛዕባ ዘለወን ሕድገታት ኣብ ዝምልከት ንዝቐረበሉ ሕቶ'ውን፡ "እዚ'ዩ ኢለ እንተ ዘይዛረብ እመርጽ፡ ኵሎም ሕድገታት ክገብሩ ኣለዎም፡ ዝገብሩ'ውን ይመስለኒ፡" ኢሉ።