እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ 'ኣኽረርቲ' መራሕቲ ህወሓት እገዳ ኣንቢራ
መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንውዕል ሰላም ይዘርጉ ኣለዉ ዝበሎም መራሕቲ ህወሓትን ኣባላት ስድረኦምን እገዳ ቪዛ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።
እቲ ሎማዓንቲ ካብ ቤት ፅሕፈት ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ዝወፅአ ተሪር መግለፂ፡ "ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን እናዓረገ ዝመፅእ ዘሎ ወጥሪ ፡ ንሰላምን ድሕነትን ሰሜን ኢትዮጵያን ብሓፈሻ ነቲ ዞባን ዝዘርግ ግጭት ከልዕል ዝኽእል እዩ" ይብል።
ዛጊድ ነዚ ብስም ወሃቢ ቃል'ቲ ቤት ፅሕፈት፡ ቶማስ ቶሚ ፒጐት፡ ዝወፅአ መግለፂ፡ ኣመልኪቱ፡ ካብ ህወሓት ዝተውሃበ ምላሽ የለን።
እንተዀነ መራሕቲ እቲ ውድብ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንመትከላት ውዕል ፕሪቶርያ ጥሒሱ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ቀፃሊ ግፍዕታትን እገዳታትን ይገብር ኣሎ ብዝብል፡ ብተደጋገሚ ክኸስስ ምፅንሑ ዝዝከር እዩ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት፡ ኣብ መንጐ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይን ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያን ተኸሲቱ ዝነበረ ወተሃደራዊ ወጥሪ ዘዘኻኽር'ዚ መግለፂ፡ እቲ ሕዚ ኣንፀላልዩ ዘሎ ስግኣት ኲናት፡ ኣስዒቡዎ ዘሎ ዞባዊ ሻቕሎትን ምምዝባልን ይጠቅስ።
እቲ ንኽልተ ዓመት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ትግራይ፡ ህይወት ልዕሊ 600 ሽሕ ሰላማውያን ሰባት ዝበልዐ፡ ኣማኢት ኣሸሓት ንጥሜት ዘቃለዐን፡ ኣብ ልዕሊ ትሕተ-ቅርጺ፣ ፋብሪካታትን ውልቃዊ ንብረትን ሰፊሕ ዕንወት ከም ዝስዓበ ይፍለጥ።
ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ መራሕቲ ህወሓት ምስ ደገፍቶም ዕጡቓት ሓይልታት ብምውሃድ፡ ብመሰረት ውዕል ፕሪቶርያ ዝቘመ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምፍራስን፡ ንፕረዚደንት ታደሰ ወረዳ ካብ ስልጣኑ ብምእላይን፡ ቅድሚ ኲናት ዝነበረ ቤት ምኸሪ ናብ ቦትኡ ከምዝመለሱ ኣዊጆም ኣብቲ ክልል ስልጣን ተቖጻጺሮም ይርከቡ።
በዚ መሰረት ድማ፡ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ፕረዚደንት እቲ ክልል ኰይኑ ኣሎ።
ነዚ ስጉምቲ ስዒቡ፡ ካብ መንግስቲ ፌዴራል ዝተውሃበ መግለፂ እንተዘይሃለወ'ኳ፡ ነቲ ፈኸም እናበለ ዝፀንሐ ወጥሪ ናብ ዝኸፍአ ብርኪ ኣዕሪግዎ ከምዘሎ ተዓዘብቲ ፖለቲካ ይዛረቡ።
እቲ ሕዚ ተፈጢሩ ዘሎ ወጥሪ ስዒቡ ድማ፡ "ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሰባት፡ ኲናት መሊሱ ከይውላዕ ብምስጋእ ድሮ፡ ካብ መላእ ሰሜን ኢትዮጵያ ካብ ገዝኦም ሃዲሞም ኣለዉ" ይብል፡ መግለፂ መንግስቲ ኣመሪካ።
እቲ መግለፂ ከምዝብሎ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢ ማርኮ ሩቢዮ፡ ብመሰረት ሕጊ ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ዓንቀጽ 212(ሀ)(3)(ሐ)፡ ኣብ ልዕሊ ኣኽረርቲ ኣባላት ህወሓት ናይ ቀረባ ኣባላት ስድረኦምን፡ ናይ ቪዛ ገደብ ንምግባር ስጉምትታት ወሲዱ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
"እዚ ስጉምቲ ገደብ ቪዛ፡ እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ቅልውላው ፍታሕ ከይረክብ ዝሰርሑ ዘለዉ፡ ወይ ድማ ተሓባበርቲ ንዝኾኑ ውልቀሰባት ዒላማ ዝገበረ እዩ" ይብል።
እንተዀነ፡ እቲ መግለፂ፡ እቶም ናይ ቪዛ ገደብ ዝተግበረሎም ኣባለት መሪሕነት እቲ ውድብ ብስም ኣይጠቐሰን።
"ኣመሪካ ኣብ ጐድኒ እቲ ብሰላምን ብኽብርን ክነብር ዝደሊ ህዝቢ ትግራይ ኰነ ዝተረፈ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ጠጠው ክብል እዩ። ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ኣብ ሓደጋ ዘእትዉ ሰበስልጣን ህወሓትን ካልኦት ውልቀሰባትን ንምቅላዕን ተሓታትነት ንምስፋንን ድማ፡ ኵሉ ዓይነት ስጉምቲታት ኣብ ግብሪ ክነውዕል ኢና"።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዕላዊ ዝዀነ ረቂቕ ኣዋጅ፡ ዝዀነ ዕድመኡን ጥዕናኡን ዝፈቐደሉ ተወላዲ ትግራይ፡ ብመንግስቲ ትግራይ ንዝቐርበሉ ፃውዒት ክተት ተቐቢሉ ግቡእ ናይ ምፍፃም 'ብሄራዊ ግቡእ ኣለዎ' ይብል።
ከምኡ ድማ፡ እቲ ኣዋጅ፡ ምስዚ ፃዕርታት ኲናት ብዝተኣሳሰር፡ ክሳብ ዕድመ-ልክዕ ማእሰርትን ክሳብ ሞት ዘቕፅዑ ዓንቀፃት ዝሓዘ እዩ።
ቢቢሲ ትግርኛ፡ ኣብቲ ክልል ብዕጡቓት ንዝተገፈፉ ግዳያት፣ ስድራ ግዳያት፣ ካብ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ዘምለጡ መናእሰይን ኣዘራሪቡ ሰፊሕ ዛንታ ምስንድኡ ዝዝከር እዩ።
ድሕረ ባይታን ሓደሽቲ ምዕባለታትን
ላዕለዋይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ ዝመርሖ ልኡኽ፡ ብ11 ሰነ ናብ ርእሰ-ከተማ ክልል ትግራይ መቐለ ብምጕዓዝ ምስ ሰበስልጣን ህወሓት ዘተ ምክያዱ ዝዝከር እዩ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፈደራልን ህወሓትን ሓድሽ ውግእ ንምጅማር ምድላዋት ይግበር ኣሎ ዝብሉ ፀብፃባት ኣብ ዝወፅእሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ምሽምጋል ቀዳምነት ተራ ዝነበሮ ወኪል: ህፁፅ ዲፕሎማስያዊ ጉዕዞ ዝገብር ዘሎ፡ እቲ ነቲ ኲናት ዘብቀዐ ስምምዕ ሰላም፡ ኣብ ሓደጋ ከምዝወደቐ ኣብ ዝዝረበሉ ኩነታት እዩ።
ክልቲኦም ወገናት ንዘይምትግባር መትከላት እቲ ውዕል ሰላም ንሓድሕዶም ይወቓቀሱ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንህወሓት ምሉእ ብምሉእ ኣጽዋር ኣይፈትሐን ክብል ክኸስስ እንከሎ፡ ህወሓት ብወገኑ፡ መንግስቲ ቅድሚ ውግእ ዝነበረ ምሕደራ መሬት ትግራይ ከይመለሰን፡ ውሑስ ምምላስ ተመዛበልቲ ከየረጋገጸን ኣጽዋር ከም ዘይፈትሕ ይማጐት።
እቲ ንትግበራ እቲ ስምምዕ ንምክትታል ዝቘመ፡ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ (AU-MVCM) ዳርጋ ስራሕ ደው ዘበለ ዀይኑ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ዘሎ ዘይምትእምማን እናዓመቘ ክመጽእ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ርእሲ እዚ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህወሓት ምስ ወጻኢ ሓይልታት፡ ብፍላይ ድማ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ይሻረኽ ኣሎ- ኢሉ ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።
ሓላፊ ጸጥታ ኢትዮጵያ ሬድዋን ሑሴንን ኣማኻሪ ቀዳማይ ምኒስተር ጌታቸው ረዳን፡ ብሓባር ኣብ ዝጸሓፍዎ፡ ኣብ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ኣብ ዝተሓተመ ጽሑፍ፡ ህወሓት "ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መዓልታት" ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ንምጅማር ወሲኑ ኣሎ ክብሉ ከሲሶምዎ ኣለዉ።
እቲ ሓፈሻዊ ኵነታት ከም ዘመልክቶ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ክልል ክውላዕ ዝኽእል፤ ንዞባ ቐርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዘይምርግጋዕ ክወድቕ ከም ዝኽእል ስግኣታት ይዓቢ ኣሎ።
እቲ ሕዳር 2022 ዝተፈረመ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ - ፕሪቶሪያ፡ ነቲ ዘስካሕክሕ ኲናት ደው ዘበለ እኳ እንተዀነ፣ ብዙሓት ነቲ ኲናት መበገሲ ዝዀኑ ዓበይቲ ጉዳያት ግን፡ ምላሽ ኣይረኸቡን።
ኣብዚ እዋን፡ ክልከላ ነዳድን ደመወዝ ሰራሕተኛታት መንግስትን ስዒቡ፡ ኣብ መላእ ክልል ትግራይ ቍጠባዊን ማሕበራዊን ቅልውላው ዝተጋደደ ዀይኑ፣ ስግኣት ዝሓደሮም መናእሰይ ትግራይ፡ ካብቲ ክልል ይስደዱ ከምዘለዉ ፀብፃባት ይሕብሩ።