ኤርትራ፡ ንኢማራት ብ'ሃጸይነት ወደባት' ትኸስስ

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኤርትራ፡ እቲ ብኢትዮጵያ ዝቐርብ ዘሎ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ፡ ብቐንዱ ናይ ባዕላ ናይ ኢትዮጵያ ከምዘይኰነ፡ 'ስትራተጂ ኢማራት' ምዃኑ ክትገልጽ ከም ዝጸንሐት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ነዚ መርገጺ ሃገሩ ደጊሙ ኣነጺሩ።

ምኒስተር ዑስማን ኣብቲ ምስ ማዕከን ሓበሬታ ሚድል ኢስት ኣይ ዝገበሮ ሰፊሕ ቃለመጠይቕ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ መላእ ኣፍሪቃ "ሃጸይነት ወደባት" ተካይድ ከም ዘላን እዚ ድማ ብሰፊሑ ክግታእ ከም ዘለዎን ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ሓምለ ዝሓለፈ ዓመት - 2025 ምስ ማዕከናት ዜና ኤርትራ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት እውን ብተመሳሳሊ፡ እቲ ብወገን ኣዲስ ኣበባ ብስም ኣፍደገ ባሕሪ ዝቃላሕ ዘሎ ጥሙሕ፡ ኢትዮጵያ ዘበገሰቶ ኣጀንዳ ከምዘይኰነ ብምምጓት፡ "እቲ መዓልታዊ ናብ ኢትዮጵያ ዝጓረት ዘሎ ኣጽዋራት ካብ ኢማራት ይመጽእ ምህላዉ ካብ ዓይኒ ዝተኸወለ ኣይኰነን፡" ክብል ከሲሱ ነይሩ።

"መስኮት ባሕሪን ሓይሊ ባሕሪን ዝስማዕ ዘሎ ዘረባታት ዝጸንሐን ናይቶም ዝዛረብዎ ዘለዉ ጉዳይ'ውን ኣይኰነን፡" ብምባል ድማ እዚ ጉዳይ፡ "ፕረዚደንት ኢማራት ዘካይዶ ዘሎ ውልቃዊ ዕንደራ፡" ምዃኑ ጠቒሱ ነይሩ።

እቲ ጉዳይ ንዅሉ ኣብዚ ዞባ ዘሎ ወደባት ንምቍጽጻር፡ ኣብ ጉዳይ ሱዳን፡ የመን ካልእ ዝግበር ዘሎ ምትእትታዋት ምስ ኢማራት ዝተሓሓዝ ምዃኑ'ውን ኣመልኪቱ። እዚ ጉዳይ ብሓፈሻ ናይተን ኣብዚ ዞባ ሓያላት ኢና ዝብላ ሃገራት፡ ከምኡ'ውን ኢድ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኢድ ትካላት ስለያ ኣመሪካን ዝሓወሳሉ እዩ እውን ኢሉ ምንባሩ ኣይርሳዕን።

ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኖም፡ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ምስቲ ዘለዋ ብዝሒ ህዝብን ቅልጡፍ ቍጠባዊ ዕብየትን ዝተኣሳሰር ናይ ህልውናን ሕጋውን ሕቶ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ይስምዑ።

ኣቶ ዑስማን ኣብ ቃለመሕትቱ ምስ ሚድል ኢስት ኣይ፡ ነዚ ኵነታት ከብርህ እንከሎ፡ "ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ኵሉ ኵርናዓት እዚ ዞባ ትካላት ወደብ ኣለዋ፤ ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ስለምንታይ ኢለን ንነብሰን ክሓታ ኣለወን፡" ብምባል እዚ ጉዳይ ቍጠባዊ ከምዘይኰነ ገሊጹ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ክልተ ዓበይቲ ጕጅለታት ወደብ - ማለት 'ዲ.ፒ. ዎርልድ' ን 'ኤ.ዲ. ፖርትስ' ን -ትውንን። እዘን ትካላት ኣብ ግብጺን ታንዛንያን ሰፊሕ ወፍርታት ኣለወን።

ብተወሳኺ፡ ኣብታ ብእስራኤል ጥራይ ኣፍልጦ ዝተዋህባ ካብ ሶማልያ ርእሰ ምሕደራኣ ዝኣወጀት ሪፓብሊክ ሶማሊላንድ፡ ከምኡ'ውን ሓውሲ-ርእሰ-ምሕደራ ዘለዋ ዞባ ፑንትላንድ፡ ወደባት ይቈጻጸራን የመሓድራን።

ኣብዚ እዋን'ዚ ሕቡራት ኢማራት፡ ነቶም ኣብ ሱዳን ኣንጻር ሰራዊት እታ ሃገር ዝዋግኡን ብጃምላዊ ቅትለት ዝኽሰሱን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ብቐጥታ ትድግፍ ኣላ ዝብል ክሲ ይቐርበላ እዩ። እንተዀነ ኢማራት ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ እያ።

ሕቡራት ኢማራት ኣብ ኣፍሪቃ ዝዀነ ሃጸያዊ ድሌታት ወይ ትምኒት ከም ዘይብላ ብወግዒ እኳ እንተ ከሓደት፡ እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሕቡራት ኢማራትን ዘለዋ ርክባት ጥዑይ ኣይኰነን።

ነዚ ኣመልኪቱ'ውን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ቃሉ፡ ምስ ሱዳን ብዝተሓሓዝ'ውን "ነታ ብግዜ ሸኽ ዛይድ ዝፈልጣ ኢማራት" ዝገልጽ ኣይኰነን ብምባል፡ "ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ሸኽ ዛይድ ዓቢይ ታሪኽ ዝነበራ ሃገር ኣብ ከምዚ ዝበለ ዕንደራ ክትወድቕ ዘሕዝን እዩ፡" ብምባል ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪቃ ኢዳ ተእቱ ምንባራ'ዩ ዝገልጽ።

ኤርትራን ኢማራትን ካብ ግዜ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝጀመረ ነዊሕ ዝምድና ከም ዝነበረን ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ተጋደልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ብታሪኽ ምስቶም ኣብ 1971 ካብ ብሪጣንያ ናጽነተን ድሕሪ ምርካበን ነተን ሸውዓተ ኢማራት ዘማዕበለን መስራቲ ሕቡራት ኢማራት ዝነበረን ሸኽ ዛይድ ቢን ሱልጣን፡ ኣዝዩ ጽቡቕ ርክብ ከም ዝነበሮም እዩ ዝፍለጥ።

ይዅን እምበር፡ መሪሕነት ኤርትራ ምስቲ ሕጂ ፕረዚደንት ሕቡራት ኢማራት ኰይኑ ዘሎ ወዱ መሓመድ ቢን ዛይድ ሓባራዊ ምርድዳእን ራእይን ክህልዎም ኣይከኣለን።

ምስ ኢትዮጵያ ጥቡቕ ዝምድና ከምዘለዋ ዝንገረላ ኢማራት ዓረብ ነቶም ኣንጻር ሰራዊት ሱዳን ዝዋግኡ ዘለዉ ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ብምድጋፍ ክትክሰስ ምጽንሓ ይፍለጥ። ኣቡ-ዳቢ ግን ነቲ ጸብጻባት ትነጽጎ'ያ።

ኣቶ ዑስማን ብዛዕባ'ዚ ክዛረብ እንከሎ፡ "ንሕና ን ዲፒ ዎርልድ ኣብ ኤርትራ ክህሉ ኣይደለናን"። ዝዀነት ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኣብ ኤርትራ ናይ ባዕላ 'ማእከል' ወይ 'መናሃርያ' ክህልዋ ኣይንደልን ኢና፡" ክብል መርገጺ ሃገሩ ኣነጺሩ።

በዚ ምኽንያት፡ ኤርትራ ሕጂ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት እቲ ዞባ ምስ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ጽኑዕ ምትፍናን ትርከብ።