ባብ ኣል-መንደብ፡ ምቍጽጻር ሑቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝያዳ ቅልውላው ዝፈጥር ድዩ?

Published
ንባብ: 7 ደቓይቕ

ኣብ የመን ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ፡ ኣብ መጻብቦ ባብ ኣል-መንዳብ እትርከብ ኣገዳሲት ደሴት ምቍጽጻሮም ነቲ ንኤውሮጳ ምስ ኤስያ ዘራኽብ ብዓለም ደረጃ ኣገዳሲ ዝኾነ መስመር መራኽብ ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ'ዩ።

ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ደገፍቲ መንግስቲ ዝዀኑ ሓይልታት ብዓርቢ ካብ ደሴት ፐሪም ከምዘንሰሓቡ ሓቢሮም።

ድሕሪ እቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ዝተራእየ ቅልጡፍ ምዕባለታት፡ ብኢራን ዝድገፉ ሑቲ፡ ሕጂ ንመላእ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ የመን ተቘጻጺሮም ኣለዉ።

ሓደ ናይ ዓይኒ ምስክር፡ ዕጡቓት ሑቲ "ኣብ ገማግም ባሕሪ ባብ ኣል-መንዳብ ተዋፊሮም ብወተሃደራውያን መካይን ካብን ናብን" ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ብመሰረት ካብ ወተሃደራውያን ምንጭታት ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ሑቲ ንወደባዊት ከተማ ሞካ ድሕሪ ምሓዞም ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ምጽናሕ'ዮም ንደሴት ፕሪም ተቘጻጺሮማ።

ነበርቲ ወደባዊት ከተማ ሞካ፡ ዕጡቓት ሑቲ ረቡዕ ምሸት ምስ ደገፍቲ መንግስቲ ዝዀኑ ሓይልታት ድሕሪ ዘካየድዎ ብርቱዕ ውግእ ናብታ ከተማ ከምዝኣተዉን ብዙሓት ስድራቤታት ካብ ገዛኦም ክሃድሙ ከምዝደረኾምን ገሊጾም።

ሓደ ሰብኣይ ንቢቢሲ ዓረብ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ መላእ እቲ ከባቢ ስንባደ ኣሎ፣ ብዙሓት ሰባት ኣብ ማእከል ጎደና ተሃሪሞም ዝረድኦም ስኢኖም እናእወዩ ርኢና፡ ኣዝዩ ዘሰንብድ ትርኢት'ዩ" ብምባል ምምጻእ ዕጡቓት ሑቲ ቅድሚኡ ዝዀነ ምልክት ከየርኣየ ሃንደበት ዘጋጠመ ምዃኑ ገሊጹ።

እቲ ጕጅለ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ኣብ ልዕሊ እቶም ብስዑዲ ዓረብ ዝድገፉ ሓይልታት መንግስቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝጅምር ኣማኢት ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።

ሕቡራት ሃገራት ከኣ ብሰንኪ እቲ ዳሕረዋይ ኲናት ብውሕዱ 46 ሽሕ ሰባት ካብ ቤት ንብረቶም ከምዝተፈናቐሉ ኣጠንቂቑ።

ምኒስተር ቍጠባ ጅቡቲ ኢልያስ ሙሳ ዳዋለህ፡ ብሰንኪ እቲ ውግእ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ጥራይ ብውሕዱ 1400 ሰባት ነቲ መጻብቦ ሰጊሮም ናብ ጅቡቲ ከምዝኣተዉ ገሊጹ

እዚ ሓድሽ ኣብ የመን ተኸሲቱ ዘሎ ምዕባለን ሑቲ ንመጻብቦ ባብ ኣል-መንደብ ኣብ ምሉእ ክረድኣና ምእታውን ዋጋ ነዳዲ ብቕጽበት ንኽውስኽ ደሪኹ ኣሎ።

ስግኣት ንመራኽብ ስዑድ ዓረብ

ዕጡቓት ሑቲ ንኣህጉራዊ መራኽብ ሓደጋ ከምዘየስዕቡ ብምግላጽ፡ ኣመሪካን እስራኤልን ምስ ኢራን ዝገበራኦ ኲናት ንመጻብቦ ሆርሙዝ ብኣድማዒ መንገዲ ካብ ዝዓጽዎ ንደሓር፡ ነተን ካብታ ንሰደድ ነዳዲ ኣብዚ መስመር እትምርኰስ ስዑዲ ዓረብ ዝመጻ መራኽብ ጥራይ ከምዝዓለሙ ደጊሞም ገሊጾም።

ኩባንያታት መራኽብ ግን ተጠራጠርቲ ክዀና ተኽእሎ ኣሎ፡ እቲ ጕጅለ ኣቐዲሙ ኣብ እዋን ኲናት ቓዛ ምስ እስራኤል ዝተኣሳሰራ መራኽብ ጥራይ ከምዘጥቅዕ'ኳ እንተገለጸ ብሓቂ ግን ንብዙሓት ምስ እስራኤል ርኡይ ምትእስሳር ዘይብለን መራኽብ ከጥቅዕ'ዩ ተራእዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ወሃቢ ቃል ወተሃደራዊ ሓይሊ ሑቲ ያሕያ ሳርዕ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ እቲ ጕጅለ "ሰፊሕን ልዑል ጽልዋ ዘለዎን ወተሃደራዊ ስርሒት" ክእውጅ ምዃኑ ገሊጹ።

ባብ ኣል-መንደብ ንምንታይ'ዩ ኣገዳሲ ኰይኑ?

መጻብቦ ባብ ኣል-መንዳብ ኣብ መንጎ የመን ብወገን ዓረብ፡ ጅቡቲን ኤርትራን ድማ ብወገን ኣፍሪቃ ዝርከብ ጸቢብ ማያዊ ኣካል'ዩ።

ካብ ህንዳዊ ውቅያኖስን ወሽመጥ ዓደንን ዝመጽኣ መራኽብ ከኣ ናብ መትረብ ስወጽ ንኽሰግራ በዚ መስመር እዚ'የን ዝሓልፋ።

እዚ መጻበቦ 115 ኪ.ሜ ንውሓትን 36 ኪ.ሜ ስፍሓትን ኣለዎ።

ኣብ 1869 መትረብ ስወጽ ምስ ተኸፍተ፡ ኣብ መንጎ ኤውሮጳን ኤስያን ዝሓጸረ መስመር ባሕሪ ፈጢሩ፡ ኣብ ዓለማዊ ንግዲ'ውን መተካእታ ዘይብሉ መተሓላለፊ ኰይኑ።

ሕጂ እዚ መስመር እዚ ሓደ ካብ ኣገደስቲ መስመራት መራኽብ ኰይኑ፡ ኣስታት ርብዒ ካብ ንግዳውያን መራኽብ ዓለም በዚ መስመር እዚ'የን ዝሓልፋ።

እቲ ብሰንኪ ኲናት ኢራን ተዓጽዮ ዘሎ መጻብቦ ሆርሙዝ ን20 ሚእታዊት ዓለምለኻዊ ምትሕልላፍ መራኽብ ዓጊትዎ ይርከብ፡ ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ እንተስዒቡ ከኣ ተወሳኺ 12 ሚእታዊት ቀረብ ነዳዲ ዓለም ክጸሉ ይኽእል'ዩ።

ኲናት ኢራን ቅድሚ ምጅማሩን ንመስመር ንግዳዊ መራኽብ ቅድሚ ምህዋኹን፡ ብማእከላይ ገምጋም መዓልታዊ ካብ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ሃገራት ኤስያን ዝተበገሰ 5 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ በዚ መስመር እዚ ይሓልፍ ምንባሩ ምምሕዳር ጸዓት ኣመሪካ ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር።

ብተወሳኺ ካብቲ ዓለምና እተህልኾ ዝተጻረየ ባህርያዊ ጋዝ [liquefied natural gas (LNG)] በዚ መስመር'ዚ ስለዝሓለፍ እቲ መጻብቦ ንቁጠባ ዓለም ኣገዳሲ ካብ ዝገብሮ ነጥብታት'ዩ።

መጻብቦ ሆርሞዝ ምስ ተዓጸወ መስመር ቀይሕ ባሕሪ ኣብ መስመር መራኽብን ቍጠባ ዓለምን ዝያዳ'ዩ ኣገዳስነቱ ዓዚዙ።

ንኣብነት ስዑድያ ኲናት ኢራን ቅድሚ ምጅማሩ ነዳዲ ንምስዳድ ቀይሕ ባሕርን መጻብቦ ሆርሙዝን'ያ ትጥቀም ነይራ።

መጻብቦ ሆርሙዝ ምስ ተዓጸወ ግን ብቐጥታ ካብቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብ ያንቡዕ ዝብሃል ወደባ ብምብጋስ ብመስመር ባብ ኣል-መንደብን መትረብ ስወጽን ኣቢላ ሰደዳታ ከተካይድ ጀሚራ።

ስዑድያ ኣቐድም ኣቢላ ካብቲ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ ገማግም ወሽመጥ ዓረብ ዘሎ መዐደኒ ነዳዲኣ ናብ ምዕራባዊ ገማግም [ገማግም ቀይሕባ ባሕሪ] ዝርከብ ወደባታ ትቦታት ዘርጊሓ ብምጽናሕ፡ መዓልታዊ በቲ ትቦታት ሚልዮናት በርሚል ነዳዲ'ያ ተገዓዕዝ።

ባብ ኣል-መንደብ ብዘይካ ንጋዝን ነዳድን ብሓፈሻ ቀንዲ መራኸቢ መስመር ካብን ናብን ምብራቕን ምዕራብን ካልእ ንብረት ሒዘን ዝንቀሳቐሳ መራኽብ እውን እዩ።

ምዕጻው መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብ ዘስዕቦ ቍጠባዊ ሃስያ ምስቲ ኣብ 2021 ኣብ መትረብ ስወጽ ዘጋጠመ ክስተት ዝመሳሰል'ዩ ክኸውን።

ኣብቲ እዋን ባንዴራ ፓናማ እተንበልብል ኮንተይነር እትጽዕን ኤቨር ግቭን እትብሃል መርከብ፡ ብመትረብ ስወጽ እናሓለፈት እንከላ ናብ መሬት ተሸኺላ ነቲ መትረብ ምሉእ ንምሉእ ዓጽያቶ።

ነተን ካብን ናብን ቀይሕ ባሕርን ማእከላይ ባሕርን ዝመሓላለፋ መራኽብ ከኣ ምሉእ ንምሉእ ዓጊታተን።

ኣብ መራኽብ ዝተጸዓኑ ጽዕነታት ኣብ ግዜኦም ኣብ ቦታኦም ክበጽሑ ስለዘይክኣሉ ወሰኽ ዋጋ ሃለኽቲ ኣስዒቡ።

ተራ ሑቲ

የመን ኣብ 2014 ዝጀመረ ኲናት ሓድሕድ፡ ሑቲ ንመንግስቲ ካብ ሰንዓ ካብ ስልጣኑ ምስ ኣውረድዎ፡ እታ ሃገር ናብ ዝያዳ ዕንወት ኣምሪሓ።

እቲ ግጭት ኣብ 2015፡ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ጥምረት ሃገራት ዓረብ ጣልቃ ብምእታዉ፡ ምሕደራ መንግስቲ ናብ ንቡር ከም ዝምለስ ድሕሪ ምግባሩ'ዩ ተጋዲዱ።

በቲ ውግእ ልዕሊ 150 ሽሕ ሰባት ከም ዝሞቱን ኣብ ዓለም ካብ ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ቅልውላዋት ከም ዘበገሰንን ብዓቢኡ ከኣ ልዕሊ 22 ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ረድኤት ኰይኖም ከምዘለዉ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

ብመንጎኝነት ሕቡራት ሃገራት ብዝተወሰደ ተበግሶ ኣብ 2022 ተዅሲ ደው ንምባል ዘኽእል ስምምዕ'ኳ ተበጺሑ እንተነበረ፡ እዞም ብኢራን ዝድገፍ ሑቲ ኣብ ልዕሊ ስዑዲ ዓረብ "እገዳ ባሕሪ" ብምእዋጅ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ስዑዲ ዓረብ፡ ትካላት ነዳዲን ታንከራትን ብሚሳይልን ድሮናትን መጥቃዕቲ ምስ ጀመሩ ኣብ ሓምለ እቲ ስምምዕ ፈሪሱ።

ሑቲ ነቲ ኣብ ልዕሊ ስዑድ ዓረብ ዘካይድዎ ዘለዉ እገዳ ባሕሪ፡ ነቲ ስዑድ ዓረብ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሑቲ ዝርከብ ወደባትን መዓርፎ ነፈርትን ዝፈጸመቶ ምዕጻው ሕነ ንምፍዳይ ዝዓለመ ምዃኑ'ዮም ዝገልጹ።

ኣብ እዋን ኲናት ቓዛ ሑቲ ኣብ መጻብቦ ባብ ኣል-መንዳብ ንዝርከባ ልዕሊ 100 ንግዳዊ መራኽብ ብሚሳይላትን ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ብምጥቃዕ ክልተ መራኽብ ኣጥሒሎም ኣርባዕተ ባሕረኛታት ቀቲሎም'ዮም።

እቲ ጕጅለ ኣብ ሕዳር 2023 ሄሊኮፕተር ተጠቒሙ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብጃፓናውያን እትካየድን ብብሪጣንያ እትውነን ናይ ጽዕነት መርከብ ምጭዋዩ ዝዝከር'ዩ።

ሑቲ ምስ እስራኤል ርክብ ዘለወን መራኽብ ጥራይ ኢና ዒላማ ንገብር'ኳ እንተበሉ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብሰፊሑ ብዘይ ኣፈላላይ ይፍጽምዎ ምንባሮም'ዩ ዝግለጽ።

ሓያሎ ካብ ዓበይቲ ኩባንያታት መራኽብን ነዳድን ዓለም በቲ ከባቢ ኣቢለን ዝግበር ምትሕልላፍ ደው ከብላ'ውን ምኽንያት ኰይኑ'ዩ።

እቶም መጥቃዕትታት ኣብ መወዳእታ ዝሃድኡ፡ ኣመሪካ ሑቲ ኢዶም ሂቦም ኣብ ዝበለትሉን ሑቲ ድማ ኣመሪካ እያ ንድሕሪት ተመሊሳ ዝብል ጸረ-ክሲ ኣብ ዝሃበሉን እዋን'ዩ።

እንተዀነ፡ ተንተንቲ እቲ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ዝግበር መጭወይትን መጥቃዕትታትን ዳግማይ ክጅምሩ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስክፍታ ኣለዎም።

ሑቲ ነቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብ እንተድኣ ተቘጻጺሮምዎ፡ ንኢራን ምስ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ እትገብሮ ኲናት ላዕለዋይ ኢድ ከትሕዛን ንዓለምለኻዊ ቀረብ ነዳዲ ድማ ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ከእትዋን እዩ።

ዓለምለኻዊ መስመር ባሕሪ ኣብ ዓቢ ጸቕጢ

ባብ ኣል-መንዳብ ብቋንቋ ዓረብ "ኣፍደገ ንብዓት" ወይ "ኣፍደገ ሓዘን" ማለት እዩ። እቲ ስም ካብ ሓያል ማዕበልን ዘይግመት ንፋሳትን ክሳብ ሽፍትነትን ግጭትን ዘስዕቦ ሓደጋታት ዘንጸባርቕ እዩ።

ኣብ መንጎ 2008ን 2012ን፡ መጻብቦ ባብ ኣል-መንደብን ከባቢኡን ብዙሕ መጥቃዕቲ ሸፋቱ ባሕሪ ተራእይዎ'ዩ።

ብቐንዱ ድማ በቶም በጃ ንምሕታት ሰራሕተኛታት መራኽብ ዝጨወዩ ጕጅለታት ሶማልያ ዝተፈጸመ እዩ። እቶም ፍጻመታት፡ ማሕበረሰብ ዓለምን ኩባንያታት መራኽብን ኣብቲ ዞባ ጸጥታ ከሐይሉ ደሪኾም እዮም።

ሎሚ እቲ መጻብቦ ኣብ ኢድ ሑቲ ምውዳቑ ነተን በቲ መስመር ዝሓልፋ መራኽብ ንዝያዳ መጥቃዕትታት ከቓልዐን ስለዝኽእል ምስ ኩነታት ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ተተሓሒዙ ንቅልውላው ነዳዲ ሰማይ ክዕርጎ ይኽእል'ዩ።

ኲናት ኢራን ምዕጻው መጻብቦ ሆርሙዝ ስለዘስዓበ፡ ቅድሚ ምጅማር እቲ ኵናት ዋጋ ሓደ በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ 70 ዶላር ዝነበረ ናብ ልዕሊ 100 ዶላር ከምዝበጽሕ ገይርዎ'ዩ።

ዓለምለኻዊ ንግዲ ሓያለ ኣቑሑት - ካብ ሃለኽቲ ፍርያት ክሳብ ሕርሻዊ ኣቑሑት - እውን ዓቢ ወሰኽ'ዩ ኣርዩ።

ሕጂ ከኣ ሑቱ ኣብ ልዕሊ እተን ብመጻብቦ ባብ ኣል-መንደብ ዝሓልፋ መራኽብ ጸቕጢ ክገብሩ እንተጀሚሮም፡ ዋጋታት ሃልኽቲ ከውስኽን ነቲ ኣመሪካን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ኢራን ኣብ መወዳእታ ለካቲት ዝጀመረኦ ኵናት ዝያዳ ከምዝናዋሕ ክገብርን ዝበኣሰ ቁጠባዊ ዕንወት ከስዕብን ይኽእል'ዩ።