እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤኣይ ኣብ ወዲሰብ ዝፈጠሮ ከቢድ ስግኣትን ሓድሽ ዝተውሃበ መጠንቀቕታን እንታይ'ዩ?
ሰለስተ ቀንዲ መራሕቲ ኩባንያታት ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ ፡ ኤኣይ ኣብ ድሕነት ወዲሰብ ሓደጋ ከስዕብ ይኽእል'ዩ ብዝብል ስግኣት፡ እቲ ዓውዲ ዝግስግሰሉ ዘሎ ቅልጣፈ ክዝሕትል ኣገንዚቦም።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኩባንያ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ ኣንትሮፒክ ዳሪዮ ኣሞዴይ ቅልጣፈ ምምዕባል እዚ ቴክኖሎጂ እንተቐፂሉ፡ ካብ ቁፅፅር ወፃኢ ዝኾኑ ሞዴላት ኤኣይ ንኢንተርነት ክቆፃፀርዎ ይኽእሉ'ዮም ብምባል ኣጠንቂቑ።
ሃፍታም ዓለምናን ወናኒ ኩባንያ ቴክኖሎጂን ኢላን መስክን ኣካያዲ ስራሕ ኦፕንኤኣይ ሳም ኣልትማንን'ውን፡ ሰብ ሰራሕ ብልሒ ብዝፈጠሮ ስግኣት ከም ዝሰማምዑ ገሊፆም።
ቅድሚ ሒደት መዓልታት ካብ ኣንትሮፒክ ስርሑ ዝለቐቐ ተመራማሪ ጄኮብ ኮክሰን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ግስጋሰ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ (ኤኣይ) እንተዘይነክዩ፡ "ኩላትና ኣብ ቀረባ ግዘ ክንጠፍእ ንኽእል ኢና" ብምባል ስግኣቱ ምግላፁ ስዒቡ፡ እዚ ጉዳይ ዝያዳ ትኹረት ረኺቡ ኣሎ።
ሕዚ ድማ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣንትሮፒክ ዳሪዮ ኣሞዴይ፡ ምስ ኤኣይ ዝዛመዱ ሓደጋታት ከበድቲ ምዃኖም ብምግላፅ፡ ኩባኒያታትን መንግስታትን ነዞም ሓደጋታት ንምፍታሕ ግዘ ንክረኽቡ፡ ቅልጣፈ ምዕባለ ሞዴላት ኤኣይ "ደው ንክብል ወይ ክድንጕይ" ፀዊዑ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ትካላት ሰብ ሰራሕ ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ ዝሰርሐ ወዲ 27 ዓመት መንእሰይ ጄኮብ ኮክሰን፡ ጉዳይ ቅልጣፈ ምዕባለ ኤኣይ ምግታእ ናይ ኣመሪካ ጥራሕ ዘይኰነስ ምስ ቻይና ብምውዳድ ተግባራዊ ክኸውን ከም ዘለዎ ንቢቢሲ ገሊፁ።
ጄኮብ፡ ኤኣይ ዝግስግሰሉ ብዘሎ ቅልጣፈ እንተድኣ ቀፂሉ፡ ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተ ዓመታት ንኹሉ ወዲሰብ ናይ ምጥፋእ ዓቕሙ ልዕሊ 10 ሚእታዊት ክኸውን'ዩ ብምባል፡ ካብ ስርሑ ከም ዝለቐቐ ኣፍሊጡ።
ኮክሰን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ኣብ ኩባኒያታት ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ (ኤኣይ) ዝሰርሑ ሰብሞያ፡ ኣብዚ ቴክኖሎጂ ይረኣይ ብዘሎ ቅልጡፍ ለውጢ "ብሓቂ'ዮም ፈሪሖም፣ ኣብ ዝመፅእ ክልተ ዓመት ዕጫ ወዲሰብ እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ተሻቒሎም'ዮም ዘለዉ" ኢሉ።
እዞም ሰብ-ሞያ "ኣብ ቀፃሊ ህይወቶም ብኸመይ ከም ዝመርሑ ይትልሙን ስርሖም ኣብ ዓለም ዝፈጥሮ ፅልዋ ይሓስቡን" ከም ዘለዉ ገሊፁ።
ጄኮብ ኮክሰን ወሲኹ፡ ብሰንኪ ቅልጡፍ ምዕባለ ኤኣይ ክፍጠር ዝኽእል ዘይምርግጋእ ኣዝዩ ስለ ዘፍርሖም፡ "ነቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ዘማዕብልሉ፡ መዓልታዊ ስግኣቶም ኣብ ኣእምሮኦም ሒዞም'ዮም ዝሰርሑ" ኢሉ።
ናይቲ ጄኮብ ዝሰርሐሉ ዝነበረ ኩባኒያ ኣንትሮፒክ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ዝኾነ ዳሪዮ ኣሞዴይ'ውን፡ ሞዴላት እዚ ቴክኖሎጂ ዝምዕብለሉ ቅልጣፈ ንክንክይን ፅኑዕ ቁፅፅር ክግበረሉን ፀዊዑ ኣሎ።
ኣሞዴይ ብቀዳም ኣብ ዘውፅኦ ፅሑፍ፡ ንኤኣይ ምዕባይ ፀገም ከም ዘይኰነ ብምግላፅ፡ ምስቲ ቴክኖሎጂ ዝዛመዱ ሓደጋታት ግና "ከበድቲ" ምዃኖም ኣጠንቂቑ።
ስለዝኾነ ድማ፡ ኩባኒያታትን መንግስታትን ነዞም ስግኣታት ንምቁፅፃር እኹል ግዘ ክረኽቡ ከም ዝግባእ ገሊፁ።
ኣሞዴይ፡ ከይዲ ምፍራይ (ምምዕባል) ሞዴላት ኤኣይ ብዘይሻራውያን ኣካላት ቁፅፅር ክግበረሎም፣ ነቲ ዓውዲ ሓባራዊ ሕጊን መምርሒን ክወፅእን፡ ዓለማዊ ስርዓት ቁፅፅር ክዝርጋሕን ሰለስተ ነጥቢታት ዘካተተ ትልሚ ኣቕሪቡ ኣሎ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዓብይ ለውጢ ዘመዝግብ ዘሎ ኤኣይ ከስዕቦ ዝኽእል ሓደጋ ዝምልከት ካብ ቀረባ ግዜ ንነዘ ስግኣት ሓይሉ ይርከብ።
እቲ ካብ ኩሉ ዝሓሰመ ግምት፡ ኤኣይ፡ ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተ ዓመታት "ንኹሎም ደቂሰባት ንምጥፋእ ልዕሊ 10 ሚእታዊት ዕድል ከም ዘለዎ" ምግላፁ ዝያዳ ትኹረት ስሒቡ ይርከብ።
ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት'ውን ኣንትሮፒክ፡ ንናይ ኤኣይ ሞዴሉ ንምጥቃም "ባዮሎጂካዊ መሳርሒ ኵናት ንምስራሕ ዝተገበሩ "ሓደገኛ ምንቅስቓሳትን" ፈተነታትን ስለ ዝኸሸፎም ደው ከም ዘበሎ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ልዕሊ እዚ እቲ ዝሓሰመ መጠንቀቕታ ድማ፡ ካብቶም ኣብ ቀረባ እዋን ካብ ጉጅለ ደሕነት ኣንትሮፒክ ዝለቐቑ ክልተ ሰራሕተኛታት ተሰሚዑ።
እቶም ሰራሕተኛታት፡ ኩባኒያታት ኤኣይ ልዕሊ ወዲሰብ በሊሕ ማሽናት ንምፍጣር ኣብ ዝገብርዎ ንሕንሕ፡ ደቂሰባት ክጠፍኡ ከም ዝኽእሉ መጠንቀቕታ ሂቦም።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኣንትሮፒክ ኣሞዴይ ኣብ ከይዲ ምፍራይ (ምምዕባል) ኤኣይ ንድሕነት ሞዴላት ዝግምግሙ ዘይሻራውያን ተቖፃፀርቲ ምህላው ከም ዝጠቅም ድሕሪ ምግላፁ፡ ተነሓናሕቲ ኩባኒያታት እንከይተረፋ ድጋፈን ይገልፃ ኣለዋ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኦፕንኤኣይ ሳም ኣልትማን ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ብምድጋፍ፡ "ኣብ ቅልጣፈ ምምዕባል ክንጥንቀቕ ኣለና" ብምባል ኣብ ኣድላይነት ዘይሻራውያን ተቖፃፀርቲ ድጋፉ ገሊፁ።
ኢላን መስክ ብወገኑ፡ ኣብ ኤኣይ ክግበር ብዛዕባ ዝግባእ ቁፅፅር ንዝቐረቡ ሓሳባት ደጊፉ።
እንተኾነ ስግኣታትን መጠንቀቕታትን ኣብ ዝወሰኽሉ እዋን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ነዞም ስግኣታት ነፂግዎም።
ትራምፕ፡ "ኣብ ንሕንሕ ኤኣይ እንተዘይ ተዓዊትና ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኩነታት ከንኣትው ኢና" ብምባል፡ ብሓሙስ ተዛሪቡ።
ቴክኖሎጂታት ሰብ ዝሰርሖ ብልሒ (ኤኣይ) ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝተራቐቑ ክእለታት ሳይበራዊ መጥቃዕቲ ዘርእዩ ሞዴላት እንትወፅኡ፡ ስግኣታት ደሕነት ሳይበር'ውን ኣንፀላልዮም ይርከቡ።
ኣንትሮፒክ ከማዕብሎ ዝፀንሐ 'ሚትሆስ' ዝበሃል ሞዴል ኤኣይ ካብ ናይ ፈተነ ከባቢ 'ሳንድቦክስ' ብዘይ ሓገዝ ሰብ ብባዕሉ ክወፅእ ከም ዝኽእል ኣብ ዝሓለፈ ሚያዝያ ምስ ተገለፀ፡ እቲ ኩባኒያ እዚ ሞዴል ናብ ህዝቢ ከይቐርብ ገቲእዎ።
ብተመሳሳሊ ኦፕን ኤኣይ 'ኣስትራ' ዝበሃል ሞዴሉ ወግዓዊ ንምግባር እንትዳለው፡ ብሰንኪ ስግኣት ደሕነት ሳይበር ንግዚኡ ደው ክብል ከም ዝተገበረ ገሊፁ።