'ንሓዘንና ኣመና ኣኽቢዱዎ' - ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብሞት ንዝተቐጽዑ ደቆም ክቐብሩ ሬሳ ዝሰኣኑ ወለዲ

    • Author, ሃና ዘርኣጽዮን
    • Role, ቢቢሲ ትግርኛ
    • Author, ስዋሚናታን ናታራጃን
    • Role, ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ
  • Published
  • ንባብ: 6 ደቓይቕ

"ኵሉ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ፈጺምና፤ እዚ ስድራቤት ምጽንናዕ ክረኽቡን ወደይ ከም ዝሞተ ክቕበልዎን ንምሕጋዝ እዩ። ኣነ ግን ምጽንናዕ ክረክብ ኣይክእልን እየ፡" ይብል ብሞት ወዱ ክብሮም ዝሓዘነ ክንፈ ኣረጋዊ።

"እዚ ንዓይ ናይ ምሉእ ዕድመይ ጣዕሳን ሓዘንን ኰይኑ እዩ ክተርፍ።"

ክብሮም ክንፈ ኣረጋዊ፡ ኣብዚ ዓመት'ዚ ኣብ ሰነ ዕጸፋርስ (ካናቢስ) ሓቢኦም ናብ ስዑዲ ዓረብ ብምእታው ተኸሲሶም መቕጻዕቲ ሞት ካብ እተፈረዶም ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያን ሓደ እዩ።

ስዑዲ ዓረብ ብቻይናን ኢራንን ጥራይ ተቐዲማ፡ ንብዙሓት ሰባት መቕጻዕቲ ሞት ብምሃብ ኣብ ዓለም ወትሩ ኣብ ቀዳሞት ደረጃታት እትርከብ ሃገር እያ።

ንብዙሓት ሰዓብቲ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ-ክርስትያን ኢትዮጵያ፡ ንቡር ሃይማኖታዊ ስነ-ስርዓት ቀብሪ መሰረታዊ ኣካል እምነቶም እዩ፤ ሬሳ ብዓለባ ተጠቕሊሉ ድማ ኣብ ሳንዱቕ ዕንጸይቲ ይዓርፍ።

እንተዀነ፡ ናይቲ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ ኣስከሬን ናብ ሃገሩ ስለ ዘይተመልሰ፡ ኣብቲ ምእንታኡ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ቀብሪ እዚ ክፍጸም ኣይተኻእለን።

ብመሰረት ጸብጻብ ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ሂውማን ራይትስ ዎች፡ ስዑዲ ዓረብ ክሳዕ 27 ሓምለ ኣብ ዝነበረ ናይ ሓደ ዓመት እዋን ጥራይ ን116 ሰባት ብሞት ቀጺዓ።

ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዝመደበሩ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት ስዑዲ ዓረብ (ESOHR) ላዕለወይቲ ተመራማሪትን ኣብቲ ንኸበድቲ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ዝጣበቕ ገብረ-ሰናይ ትካል ሪፕሪቭ ሜና ኣማኻሪት ጉዳያትን ዝዀነት ዱዓ ድሃይኒ፡ "ሬሳ ኣሕሊፍካ ዘይምሃብ ተራ ምምሕዳራዊ ጉዳይ ጥራይ ኣይኰነን፤ የግዳስ፡ ነቲ መቕጻዕቲ ናብ ስድራቤት እቲ ዝተቐትለ ሰብ ዘስፍሕ እዩ፡" ትብል።

ፍልይቲ ራፖርተር ሕቡራት ሃገራት ኣብ ናጽነት ሃይማኖትን እምነትን ናዚላ ጋኔያ፡ እቲ ስዑዲ ዓረብ ሬሳታት ናይ ምሓዝ ተግባራ "ስቓይን ግፍዕን" እዩ ብምባል ገሊጻቶ።

ኣዝማድ ናይቶም ብ23 ሰነ ኣብ ደቡባዊ ስዑዲ ዓረብ ኣውራጃ ዓሲር ኣብ ዝርከብ መዳጐኒ ኻሚስ ሙሻይት ዝተቐትሉ ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያን ከም ዝገለጽዎ፡ ቅድሚ እቲ መቕጻዕቲ ሞት ምፍጻሙ ዝዀነ ቅድመ-መጠንቀቕታ ኣይተዋህቦምን፤ ስድራቤቶም'ውን ናይቲ ዘፍቅርዎ ሰቦም ውልቃዊ ንብረት ኰነ ናይ ሞት ምስክር ወረቐት ኣይተዋህቦምን።

ክብሮም ክንፈ ኣረጋዊ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2020 ምስ ኣቦኡ ሕጋዊ ቪዛ ከይሓዙ ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣትዮም ነይሮም። ኣብኡ ተኣሲሮም ን15 ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሖም ድማ ተሰጒጎም።

እንተዀነ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ፡ ክብሮም ዳግማይ ናብ ስዑዲ ዓረብ ክኸይድ ወሲኑ። ቀይሕ ባሕሪ ንምስጋር ብሰባት ኣብ ዝተጨናነቐት ጃልባ ተሰቒሉ፡ ብየመን ኣቢሉ ድማ ብእግሩ ተጓዒዙ።

ክብሮም ኣብ 2023 ዶብ ክሰግር ከሎ ዳግማይ ብበዓል-መዚ ስዑዲ ዓረብ ተታሒዙ ብምዝውዋር ዕጸፋርስ ተኸሲሱ።

ኣቦኡ ክንፈ ከም ዝገለጾ፡ ወዱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰለስተ ኣዋርሕ ምስ ጸንሐ ገበነኛ ተባሂሉ ናይ ሞት ፍርዲ ተበየነሉ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰለስተ ዓመት ድሕሪ ምሕላፉ ድማ ኣብ ሰነ ብሃንደበት ተቐቲሉ።

ክንፈ እናነብዐ፡ "ምሳና ንኽዛረብ'ኳ ዕድል ኣይረኸበን፡" ይብል። ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ብዛዕባ ሞቱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት እየ ሰሚዐ፡" ኢሉ።

ክንፈ ወዱ ንጹህ ምንባሩን ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብዘይኣገባብ ገበነኛ ኰይኑ ከም እተፈርዶን ይኣምን።

"ወደይ ኣብ ምዝውዋር ዕጸፋርስ ከም ዝተሳተፈ ዘርኢ ዝዀነ መርትዖ የሎን፡" ይብል።

"ወረቐት ምስክር ሞቱ ኰነ ዝዀነ ንብረቱ፡ ወይ ከኣ ሬሳኡ ዘረከበኒ ሰብ የሎን። ስቕ ኢለ ካብ ምብካይን ብስቕታ ካብ ምሕዛንን ሓሊፈ ደኣ እንታይ ክገብር እኽእል?"

ኣብታ መዓልቲ እቲኣን ኣብቲ ቤት ማእሰርትን ድማ ጽጋቡ ገብረማርያም ብተመሳሳሊ ክሲ ገበነኛ ድሕሪ ምባሉ ብተመሳሳሊ ተቐቲሉ።

እዚ ወዲ 26 ዓመት መንእሰይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ማእከል ትግራይ ኣብ እትርከብ ገጠራዊ ወረዳ ካብ ዝነብሩ ሸሞንተ ኣሕዋት እቲ በዅሪ ነይሩ።

ኣቦኡ ሓጎስ ገብረመስቀል ከም ዝገለጾ፡ ካብ ድኽነትን ኲናት ሓድሕድን ንምህዳም 18 ዓመት ምስ መልአ ካብ ገዛ ወጺኡ።

ሓጎስ፡ "ኣብ ከባቢና ንመንእሰያት ብዙሕ ዕድል ስራሕ የሎን። ንዓይ ንምሕጋዝ እዩ ናብ ስዑዲ ዓረብ ከይዱ፡" ይብል።

ጽጋቡ ብምዝውዋር ዕጸፋርስ ገበነኛ ተባሂሉ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ኣሕሊፉ። ምስ ስድራቤቱ ንመወዳእታ ግዜ ዝተዘራረበ ኣብ ለካቲት ነይሩ።

ሓጎስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ቀልጢፉ [ናብ ሃገሩ] መጺኡ ክምርዖ ምዃኑ ነጊሩና ነይሩ፡" ኢሉ።

ኣደኡ ለተክርስቶስ ገብረጻድቕ እትቐድዎ መርዓት ትደልየሉ ነይራ፤ ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ክንዲ መርዓ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ክትሰርዕ ተገዲዳ።

"ኵለን ደቀይ ኣዋልድ እየን፡ ንሱ በይኑ ወዲ ነይሩ። ኣሓቱ ሓወን ቀልጢፉ ናብ ገዛ ክምለስ ዓቢ ተስፋ ነይሩወን። ደርፍታት መርዓ የዳልዋሉ ነይረን። ሕጂ ግን እቲ ናተን ስብራት ልቢ ካብ ናተይ ዝበኣሰ እዩ፡" ትብል።

እታ ኣማኒት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ዝዀነት ስድራቤት፡ ብዛዕባ ምቕታል ጽጋቡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ካብ ዝነብሩ ኣዝማዶም ምስ ተረድኡ፡ ኣብ ከባቢኦም ኣብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ካልኣይ ቀብርን ጸሎትን ከካይዱ ወሲኖም።

እቲ ልሙድ ናይ 40 መዓልታት ሓዘን ዘሕለፈት ለተክርስቶስ፡ "ሬሳኡ ንምንታይ ናብ ሃገሩ ከም ዘይተመልሰ ክፈልጥ እደሊ፡" ትብል። "እዚ ነገር'ዚ ንሓዘንና ኣዝዩ ከቢድ ገይሩዎ ንልብና ድማ ይሰብሮ ኣሎ።"

ወለዲ ጽጋቡ፡ ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ብዛዕባ ገበን ወዶም መርትዖ ከቕርቡ ይደልዩ፤ ካልኦት ሰባት ንዓኡ መዝሚዞሞ እንተዀይኖም ድማ ይጠራጠሩ።

ዝሓለፈ ዓመት ብተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ዝወጽአ ጸብጻብ ከም ዘመልክቶ፡ ካብቶም ምስ ዕጸፋርስ ብዝተተሓሓዘ ገበናት መቕጻዕቲ ሞት ዝተፈረዶም ሰባት እቶም 75% ዜጋታት ካልኦት ሃገራት እዮም።

ድሃይኒ ከም እትሕብሮ ድማ እቶም ነዚ ኵነታት ተቓላዕቲ ዝዀኑ ውልቀሰባት ብመርበባት ገበነኛታት ይምዝመዙ እዮም።

ድሃይኒ ኣብ ዝሃበቶ መብርሂ፡ "ኣብ ገለ ጕዳያት ኢትዮጵያውያን፡ እሱራት ዶብ ንምስጋር ሓገዝ ንኽረኽቡ ንዝተኣተወሎም መብጽዓ ተኣማሚኖም ገለ ኣቑሑ ክጾሩ ከም እተሰማምዑ ይገልጹ። ኣብ ጕዳይ ፓኪስታናውያን ድማ ገሊኦም ብምፍርራሕ፡ ገሊኦም 'ስራሕ ክትረኽቡ ኢኹም' ብዝብል ብዝተኣተወሎም ናይ ሓሶት ተስፋ ተታሊሎም፡ ክልኩል ዕጸፋርስ ክውሕጡ ዝተገደድሉ ኣጋጣሚታት መዝጊብና ኣለና፡" ትብል።

ብመሰረት ግምታት ኣብ ኤውሮጳ ኣብ ዝመደበሩ ውድብ ሰብኣዊ መሰላት ስዑዲ ዓረብ፡ ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣል ስዑድ ኣብ 2015 ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ ሓፈሻዊ ብዝሒ መቕጻዕቲ ሞት ልዕሊ 2,000 በጺሑ ኣሎ፤ ካብዚኣቶም እቶም 42% ዜጋታት ካልኦት ሃገራት እዮም።

እቲ ውድብ ከም ዘስፈሮ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብ 2025 ን356 ሰባት ብመቕጻዕቲ ሞት ዝቐተለት ኰይና፡ እዚ ድማ ክሳብ ሕጂ ኣብ ሓደ ዓመት ዝተመዝገበ ዝለዓለ ቍጽሪ እዩ።

ሕጊ ስዑዲ ዓረብ፡ ሰበ-ስልጣን ብወጻኢታት ኤምባሲ ሬሳ ናብ ሃገሮም ክመልሱ ዝፈቅድ እኳ እንተዀነ፡ እዚ ግን ፈጺሙ ተራእዩ ከም ዘይፈልጥ ድሃይኒ ትዛረብ።

"ሬሳ ናይ ሓደ ዝተቐትለ ስደተኛ ናብ ስድራቤቱ ዝተመልሰሉ ዝዀነ ኣጋጣሚ ኣይንፈልጥን። እቲ ዝሰነድናዮ መዛግብቲ ከም ዘመልክቶ ድማ እዚ ኣብ ዜጋታት ስዑዲ ዓረብ'ውን ተመሳሳሊ እዩ፡" ትብል።

ኣብ ሕሉፍ እዋን፡ ገለ ስድራቤታት—ዜጋታት ቱርክን ዮርዳኖስን ዝርከቡዎም—ሬሳታት ናይቶም ዝተቐትሉ እሱራት ናብ ሃገሮም ንኽምለስ ወፍሪ ኣካይዶም እኳ እንተ ነበሩ፡ ዝዀነ ውጽኢት ግን ኣይተረኽበን ክትብል ድሃይኒ ትውስኽ።

"ነታ ዮርዳኖሳዊት ስድራቤት እተዋህበ ምስክር ወረቐት ሞት ኣዝዩ ሓጺር እዩ ነይሩ። ሬሳ ኣበይ ከም እተቐብረ ወይ ብዛዕባ ኵነታት ሞት ዝገልጽ ዝዀነ ሓበሬታ ኣይነበሮን፡" ትብል።

ቢቢሲ ብመንገዲ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያትን ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያትን ከምኡ'ውን ብመንገዲ ኣብ ለንደን ዝርከብ ኤምባሲ ኣቢሉ ካብ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ምላሽ ክረክብ እኳ እንተ ሓተተ ዝዀነ ምላሽ ግን ኣይረኸበን።

ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ብዛዕባ ገበናት ዕጸፋርስ ሓይለ-ቃል ተጠቒሞም እዮም ዝዛረቡ።

መግለጺ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት፡ ብተመሳሳሊ ብገበን ምዝውዋር ዕጸፋርስ ገበነኛ ዝተባህለ ዜጋ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሰነ ምቕታሉ ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን፡ ኣብ "ምድሪ ብልሽውና" ንዘስፋሕፍሑ ሰባት ሓያል መቕጻዕቲ ከም ዘለዎም ዝገልጽ ጥቕስታት ቍርኣን ጠቒሱ ነይሩ።

እቲ መግለጺ ኣስዒቡ፡ "ዕጸፋርስ ዘስዕቦ ህልቂት ንጹህ ህይወትን ከቢድ ብልሽውናን ኣብ ግምት ብምእታው፡ መንግስቲ ድሕነት ዜጋታትን ተቐማጦን ካብቲ ናይ ዕጸፋርስ መከራ ንምክልኻል፡ ከምኡ'ውን ኣብ ልዕሊ ኣዘወዋርትን ነጋዶን ዕጸፋርስ ብሕጊ ዝተደንገገ ዝለዓለ ጽኑዕ መቕጻዕቲ ንምትግባር ጽኑዕ እዩ፡" ይብል።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ንዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ'ውን ርእይቶ ንምርካብ ጻዕሪ ተገይሩ ነይሩ።

ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ እዋን'ዚ ናይ ሞት ፍርዲ ተበዪንዎም ኣብ መስርዕ ሞት ዘለዉ እሱራት ክንደይ ምዃኖም ኣይትገልጽን እያ፤ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ግን ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይገልጹ።

ተመራማሪት ክፍሊ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ኣብ ሂውማን ራይትስ ዎች ጆይ ሺ፡ "ኣብ ስዑዲ ዓረብ ብምስጢር ወይ ብዘይ እኹል ቅድመ-መጠንቀቕታ ዝፍጸም መቕጻዕቲ ሞት፡ እቲ እሱርን ኣባላት ስድራቤቱን ንሞት ክዳለዉ እኹል ግዜ ናይ ምርካብ መሰሎም ዝጥሕስ እዩ፡" ትብል።

ተኣምር ምጽባይ

እዚ ምስጢራዊነት'ዚ፡ ንህይወት ናይቶም ፍርዲ ሞት ዝተበየነሎም እሱራት ኣዝዩ ዘሳቒ ገይርዎ ኣሎ።

ብሰንኪ ስግኣት መንነቱን ዘለዎ ቦታን ክግለጽ ዘይተደልየ ሓደ እሱር፡ ብዛዕባ ኵነታት ማእሰርቱ ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

ንሱ ኣብ 2023 ዝተኣስረ ኰይኑ፡ ብምዝውዋር ዕጸፋርስ ዝቐረበሉ ክሲ ተኣሚኑ ነይሩ። ገበነኛ ተባሂሉ ፍርዲ ሞት እኳ እንተ ተበየነሉ፡ ምሕረት ክግበረሉ ግን ተስፋ ይገብር።

ኣብዚ ዓመት እዚ ጥራይ፡ 15 መቝርሱ እሱራት ብመቕጻዕቲ ሞት ክቕተሉ ተዓዚቡ እዩ፤ ኣብ ቀጻሊ ፍርሒ ሞት ድማ ይነብር ኣሎ።

"እቶም ሓለውቲ፡ ማዕጾ ኣብ ዝኸፈትሉ እዋን፡ ዝስዕብከ ተራ መን ይኸውን ኢልና ንጭነቕ።"

ንሱ ተኣምር ንኽፍጸም—ማለት ፍርዲ ሞት ንኽመሓየሽ ወይ ንኽስረዝ—ይጽሊ ኣሎ፤ እቲ ዝኸፍአ ነገር እንተ ኣጋጢሙ ግን፡ ሬሳኡ ናብ ቤተሰቡን ናብ ሃገሩን ክስደድ ይምነ።

"ወለደይ ሬሳይ'ኳ ናይ ምርኣይ ዕድል ኣይክረኽቡን እዮም ዝብል ስኽፍታ ኣሎኒ።"