ኣብ ሳሕል ሓያል ቍጥዐ ዝገጠማ ፈረንሳ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓደስቲ መሓዙት ተናዲ፡ ንምንታይ?

Published
ንባብ: 6 ደቓይቕ

ሃገራት፡ ቀዋሚ ረብሓ እምበር ቀዋሚ ፈታዊ የብለንን ዝብል ፍሉጥ ኣበሃህላ ኣሎ። ፈረንሳ ድማ ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ፈታዊ ይዅን እወታዊ ምስሊ የብላን።

ብ2017፡ ኢማኑኤል ማክሮን ንፈለማ እዋን ፕረዚደንት ኰይኑ ምስ ተመርጸ፡ ናይ መጀመርታ ናብ ወጻኢ ሃገራት ዑደቱ ናብ ምዕራብ ኣፍሪቃዊት ሃገር ማሊ እዩ ዝነበረ።

ኣብቲ ግዜ፡ ደገፍቱ ኣብ ማእከላይ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ሎቨር ኤስፕላኔድ ኣብ ዝተኣከቡሉ እዋን፡ እቲ መድረኽ ንኣስታት 15 ደቓይቕ ብሓደ ካብቶም ኣብ ኣይቨሪኮስት ፍሉጣት ዝዀኑ ባንድታት ሙዚቃ ብዘቕረቡዎ ምርኢት ሙዚቃ እዩ ክደምቕ ተገይሩ።

ኣብቲ ዕሙር ተልሂትን ጽንብልን ዝተራእየሉ መድረኽ፡ ጕጅለ ሙዚቃ 'ማጂክ ሲስተም' ኣብቲ መድረኽ፡ ኣብታ ከተማ ብዙሕ ዘይርአን ዘይስማዕን ህርመት ሙዚቃን ሳዕስዒትን ምቕራቡ ይዝከር።

ኣብቲ እዋን፡ ሓደ ካብቲ ማክሮን ዝመርሖ መንግስቲ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝኽተሎ ፖሊስን ዝሕዞ ኣንፈትን ንምንጽብራቕ ዝተጠቕመሉ'ዩ ዝብል ርእይቶ ዝሃቡ ተዓዘብቲ ነይሮም።

ማክሮን'ውን ረብሓ ፈረንሳ ንምሕላዉ ከም ዝተመርጸን ሃገሩ ምስ ኣፍሪቃ ኣብ ዝህልዋ ርክብ'ውን ነዚ ከግህድ ትጽቢት ከም ዝግበሮን ኣሚቶም።

ኣብ ንግድን ወፍርን ዝኣምን ኒዮ-ሊበራላዊ ምዃኑ'ውን ይዛረቡ። ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኣፍሪቃ ኣፍ ደገኣ ንዝለዓለ ትካላት ንግዲ ፈረንሳ ክፉት ንኽትገብር ዝከኣሎ ከም ዝገብር ርዱእ'ዩ ክብሉ ጸኒሖም እዮም።

ፈረንሳ፡ ኣብተን ናይ ቀደም መግዛእታ ዝነበራ ሃገራት ዓቢ ጽልዋ ዓቂባ እኳ እንተጸንሐት፡ ከሲራቶ'ያ።

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፡ ካብ 2021 ጀሚሩ፡ ሃገሩ ነታ ኣህጉር ትህቦ ዝነበረ ሓገዝ ብምውሳኽ፡ ኣብ እዋን መግዛእታዊ ውግኣት ዝተሰርቁ ሓድግታት ምምላስ ጀሚሩ።

ካብቲ ልሙድ ኣብ መንጐ መንግስታት ዝነበረ ምትእስሳር ወጻኢ፡ ምስ መንእሰያትን ሲቪክ ማሕበራትን ዝገብሮ ዝምድናታት ከጕልሕ ጻዕሪ ክገብር ተራእዩ።

ሃገሩ፡ ንዓመታት ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ስቪላውያን፡ ፖሊስን ወተሃደራትን ብምቕታል ዝኽሰሱ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ንምቅላስ፡ ወተሃደራታ ኣብተን ሃገራት ኣስፊራ ጸኒሓ እያ።

ካብ 2022 ጀሚሩ ግን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሃገራት ሳሕለ-ሳህራ ዝነበራ ወተሃደራዊ ህላወን ጽልዋን ኣዝዩ ጐዲሉ ኣሎ።

ኣብቲ ዞባ ኣብ ሃገራት ፍራንኮፎን ዝዀናን ዘይኰናን ጽልኢ ፈረንሳ ብርኡይ ክውስኽ ስለ ዝጀመረ፡ ብዙሓት ኤምባሲታት ፈረንሳ ክዕጸዋ ተገዲደን። ነዚ ከም ሃጓፍ ዝርኣያ ከም ሩስያ፡ ቻይናን ቱርክን ዝበላ ሃገራት ከኣ ንቦታ ፈረንሳ ንምትካእ ክጓየያ ጀሚረን።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን ነዚ ስለ ዘስተብሃለሉ፡ ቃናኡ ብምቕያር ብኣፍሪቃውያን ዝምራሕ ኣብ ምክብባር ዝተመርኰሰ ርክባት ክምስርት ከም ዝደሊ ክዛረብ ተሰሚዑ።

ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ግን ምሉእ ብምሉእ ክብሃል ብዝኽእል መልክዑ ምትእትታው ሃገሩ ተጸሊኡን ሲቪላዊ መንግስታት ብወተሃደራዊ ዕልዋታት ክእለዩን ደሪኹ'ዩ።

ሕጂ ስለ ምንታይ ናብ ከም ኢትዮጵያ፡ ኬንያን ጅቡትን ዝኣመሰላ ኣብ ምብራቕን ቀርኒን ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ትመጽእ ዘላ?

ኣፍሪቃ፡ መጻኢ ፈረንሳ

ፈረንሳ፡ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዝነበራ ብድሕረ-መግዛእታዊ ኢድ ኣእታውነት ጽልዋኣ እናተዳኸመ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን'ያ፡ ትዅረታ ናብተን ግዝኣት ብሪጣንያ ዝነበራ ሃገራት ኣፍሪቃ ገይራ ዘላ።

ኣብዚ ሰሙን፡ ካብ 11 ክሳብ 12 ግንቦት 2026፡ ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተሳተፍሉ ዋዕላ ኣፍሪቃን ፈረንሳን ተኻይዱ፤ መራሕቲ ልዕሊ 30 ሃገራት ኣፍሪቃ ተረኺቦም ነይሮም።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን ምስ ኬንያዊ ኮኾብ ማራቶን ኤሉድ ኪፕቾገ ጎይዩ፣ ምስ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ተዘራሪቡ፣ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ፍራንኮን ኣፍሪቃን 27 ቢልዮን ዶላር ሓድሽ ወፍሪ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ።

ማክሮን ብሰሉስ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ መዳይ ጸጥታ፡ ቍጠባዊ ጽግዕተኛነትን ጂኦፖለቲካዊ ንሕንሕን ሓዊሱ ብዙሓት ሓበራዊ ብድሆታት ከም ዘለዉ ብምግላጽ፡ "ሓባራዊ ወፍሪ"ን "ማዕረ ሽርክነትን" ከም ዘድሊ ብተደጋጋሚ ተዛሪቡ።

ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ከም ምስግጋር ጸዓት፡ ዲጂታልን ኤኣይን፡ ቍጠባ ባሕርን ሕርሻን ዝኣመሰሉ መዳያት ናይ 27 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወፍሪ ከም ዝግበር ወግዓዊ ገይሩ።

"ኣፍሪቃ ትዕወት'ያ ዘላ። ኣብ ዓለም እታ ብዕድመ ዝነኣሰት ኣህጉር እያ... ዝያዳ ርእሰ ምርኰሳ ንኽህልዋ ድማ ወፍሪ የድልያ፡" ክብል ብሰኑይ ተዛሪቡ። እዚ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ፈረንሳ ኣስታት 250 ሽሕ ስራሕ ከም ዝፈጥር ገሊጹ።

እቶም ኣብ ቡርኪናፋሶ፡ ማሊን ኒጀርን - ኵለን ግዙኣት ፈረንሳ ዝነበራ - ስልጣን ዝሓዙ ወተሃደራዊ መራሕቲ፡ ነቶም ኣብቲ ዞባ ኣንጻር እስላማዊ ናዕቢ ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዝሕግዙ ዝነበሩ ወተሃደራት ፈረንሳ ሰጒጐም፡ ኣብ ክንድኡ ገጾም ናብ ሩስያ ገይሮም ኣለዉ።

ቅድሚ እቲ ዋዕላ፡ ማክሮን ንወተሃደራዊ ህላወ ፈረንሳ ኣብታ ኣህጉር ብዓቢኡ ከም ዝነከየ ብምክልኻል፡ ወተሃደራት ፈረንሳ ካብቲ ከባቢ ምውጽኦም "ውርደት ዘይኰነስ ንህልዊ ኵነታት ዝተዋህበ ስነመጎታዊ መልሲ እዩ፡" ኢሉ።

"ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ህላወና ኣብ ዘይተደለየሉ እዋን፡ ወጺእና፤ እዘን ግዝኣታትን መራሕተንን፡ ዋላ'ውን ዕሱባት፡ ናይ ገዛእ ርእሰን መንገዲ ክሕንጽጻ ክንገድፈን ከም ዘለና ርግጸኛ እየ።"

ኣብቲ ዋዕላ ካብ መራሕቲ ሰለስቲአን ሃገራት ዝተሳተፈ ኣይነበረን። ኣብ ኣፍ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ጅቡቲ፡ ሕጂ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተረፈ ናይ መወዳእታ ወተሃደራዊ መዓስከር ፈረንሳ ዝርከበላ ሃገር'ያ።

ፈረንሳውያን ኣውፈርቲ ትዅረት ዝገብሩሎም ዓውዲታት

ፈረንሳ፡ ኣብ ኣንግሎፎን ኣፍሪቃ ብፍላይ ድማ ኣብ ኬንያን ዘለዋ ተገዳስነት እናወሰኸ ምምጽኡ ስክፍታን ነቐፌታን ኣስዒቡ እዩ።

ፈረንሳ ኣብተን ናይ ቀደም መግዛእታ ዝነበራ ጽልዋ፡ ኣብ ዞባ ሳሕል ብዝተራእየ ውድቀት ጸጥታ፡ ብመንገዲ ባጤራ ፍራንክ ሲኤፍኤ ገንዘባዊ ምቍጽጻር ዝምንጩ ቍጥዐን ክስን ከም ዝነከየ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ኣብ ሳሕል ዘተኰራ ማዕከናት ዜና ብዓቢኡ ንዋዕላ ናይሮቢ ሸለል ኢለን ክሓልፍኦ ከለዋ፣ መብዛሕትኡ ጸብጻባት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ መንጎ ፈረንሳን ኬንያን ዝተገብረ ስምምዓት ዘማእከለ ነይሩ።

መራኸቢ ብዙሓን ኬንያ'ውን ፈረንሳ ኣብ ኣፍሪቃ ብከም በዓል ቻይናን ሩስያን ዝኣመሰሉ ጂኦፖለቲካዊ ተቐናቐንቲ ሃገራት ተሸጊራ ምጽንሓ ኣጕሊሐን።

ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽግዕተኛነት ሓገዝ ከብቅዕን ኣብ ዓለማዊ ውሳነታት ልምዓታዊ ፋይናንስ፡ ምስግጋር ጸዓት፡ ምሕደራን ንግድን ትርጕም ዘለዎ ተሳትፎ ክትረክብን ይግባእ ኢሉ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን ንመርገጺ ሩቶ ደጊፉ እኳ እንተነበረ፡ ነቐፍቲ ግን ብዛዕባ ተወፋይነት ፈረንሳ ንኣፍሪቃን ኣብ ናይሮቢ ዝተፈረመ ስምምዓት ጭቡጥ እጃም ክህልዎ ድዩ ኣብ ዝብል፡ ሕቶታት የልዕሉ ኣለዉ።

ፕረዚደንት ኣባል ሃገራት ጕጅለ-7 ዝዀነ ማክሮን፡ ኬንያዊ መዘናኡ ሩቶ ኣብ ቀጻሊ ወርሒ ግንቦት ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ንኽሳተፍ ዓዲምዎ ኣሎ።

ነቐፍቲ እተን ምስኣ ስምምዓት ዝፈረማ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ክህልዋ እየን ክቝረና ይብሉ። ፈረንሳ ድማ ኣብዚ ኣህጉር ዝስኣነቶ እምነት መሊሳ ክትረክብ ክትጸዕር እያ።

ፈረንሳ ኣብ ኣፍሪቃ ብዝነበራ ታሪኽ መግዛእቲ፡ ኣብ ሰኔጋል ሓዊሱ ኣብ 19 ሃገራት ቋንቋ ፈረንሳ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ቋንቋ እዩ። ኣብ ከም ሰኔጋል ዝበላ ሃገራት ድማ ዓበይቲ ኩባንያታት ቴሌኮም ፈረንሳ፡ ባንክታትን ዓበይቲ ሱፐርማርኬታትን ኣብ ኵሉ ቦታታት ኣለዋ፤ በዚ ገለ ፖለቲካዊ ጽልዋኣ ዓቂባ ጸኒሓ።

ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተ ዓመታት ብዝሒ ህዝቢ ኣፍሪቃ ከም ዝውስኽ ይእመን። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ኣመሪካ፡ ቻይናን ሃገራት ኤውሮጳን ኣብታ ኣህጉር ብመንጽር ሓገዝ፡ ንግድን ወፍርን ካብ ዝነበረን ህላወ ከጕድላ ተራእየን እየን።

ኣብ ሰኔጋል ዝመደበሩ ተንታኒ ዝምድና ፈረንሳን ኣፍሪቃን ጂልስ ያቢ፡ ንቢቢሲ ኒውስደይ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ሓደስቲ ወለዶ ኣፍሪቃ ኣለዉ... እዚኦም ምስሊ መግዛእትን ድሕሪ መግዛእቲ ዝመጽእ ጽልዋን ክቕይሩ ዝደልዩ'ዮም፡" ኢሉ።

ተዓዘብቲ፡ ፈረንሳ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንእትገብሮ ጽምዶ፡ ኬንያ ኣገዳሲት ምዃና ይጠቕሱ።

ኣብ ከም ጸረ-ሽበራ፡ ጸጥታ፡ ጸዓትን ንግድን ዝኣመሰሉ ወሳኒ ጉዳያት ምትሕብባር ንኽህሉ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ከም ዘለዋ ገሊጾም።

ክልቲአን ሃገራት ኣስታት 1.1 ቢልዮን ዶላር ዝግመት 11 ስምምዓት ፈሪመን እየን።

እዚ ድማ፡ ወደብ ሞምባሳ ንምስፋሕ፡ ምፍራይ ተሓዳሲን ኒዩክለሳዊን ጸዓትንንምዕባይን ትሕተ ቅርጺ ባቡርን ክንክን ጥዕናን ንምምሕያሽን ዝዓለመ እዩ ተባሂሉ ኣሎ።

ምስ ሩዋንዳ፡ ታንዛንያ፡ ዩጋንዳ፡ ናይጀርያን ዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ስምምዓት ከም ዝገበረት ይግለጽ።

ብድሕሪ'ዚ፡ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ኣብ ዝገበሮ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ፡ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከም ዝተዘራረበን፡ መንግስታት ክልቲአን ሃገራት ተሓዳሲ ሓይሊን ፕሮግራም ዲጂታውነትን ንምትግባር ዝውዕል ናይ 54.6 ሚሊዮን ዩሮ (63.9 ሚልዮን ዶላር) ልቓሕ ስምምዕ ከም ዝፈጸሙን ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣመልኪቶም።

እንተዀነ፡ ዝርዝር ክልቲኦም መራሕቲ ዝተዘራረቡሎም ጕዳያት ዝምልከት ብወግዒ ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን። ሃገራት እታ ኣህጉር ድማ፡ ብዕዳን ወለድ ልቓሕን ሃገራት ምዕራብ ዝተሸመማ እየን።

ፕረዚደንት ናይጀርያ ምስ ፓሪስ ዝተገብረ ስምምዓት ኣብ ምፍጻም ከም ዘሎ ሓቢሩ።

መንግስቲ ጫድን ፈረንሳዊ ኩባንያታት ማቲየር ሳስን ኤሊፕስ ፕሮጀክትስ ኣብ ጽላታት ትሕተ ቅርጺ፡ ኢንዱስትሪን ጥዕናን ስምምዓት ፈሪሞም። እዚ ኣካል ሃገራዊ ውጥን ልምዓት ጫድ ምትእስሳር 2030 ዝዀነ ስምምዓት፡ ቅድሚ እቲ ብ15 ሰነ ኣብ ፓሪስ ዝካየድ ቍጠባዊ መድረኽ ጫድ-ፈረንሳ እዩ ተኻይዱ።

ብሓፈሻ ማክሮን ኣብታ ኣህጉር 14 ቢልዮን ዩሮ ናይ ትካላት ፈረንሳ ወፍሪ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ፤ ኣፍሪቃውያን ኣውፈርቲ ድማ ተወሳኺ 9 ቢልዮን ዩሮ ከም ዘበርክቱ ተገሊጹ።

ማክሮን ኣብ ግንቦት 2027 ስልጣኑ ክለቅቕ እዩ። ዝተረፈ ዕድመ ስልጣኑ ንኣፍሪቃ ኣብ ዓለማዊ መድረኻት ምድጋፉ ክቕጽል ዝደለየ ግን ይመስል።

ንኣፍሪቃ ኣብ ማእከል ወሰንቲ ዓለማዊ ውሳነታት ዘቐምጥ ናይ ሽርክነት ማዕቀፍ ንኽህሉ ንዝቐርብ ጻውዒታት ካብ ምድጋፍ ብተወሳኺ፡ እታ ኣህጉር ኣብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ቀዋሚ ውክልና እንተዝህልዋ ተጠቃሚት ምዃና ገሊጹ።

ነቐፍቲ ግን፡ ፈረንሳ ምስ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝገበረቶ ስምምዓት ኣብ ግብሪ ክውዕል'ዩ ዝብል እምነት የብሎምን።

ፈረንሳ፡ ንዘቤታዊ ረብሓታታን ከም በዓል ቻይናን ሩስያን ዝኣመሰላ ተቐናቐንቲ ሓይልታት ክገጥማ ዝኽእል ብድሆን ሚዛን ከተትሕዝ ከድልያ እዩ።