ዝተቖረሰት ትግራይ ኣብ ሃገራዊ መረጻ ክትሳተፍ ኣይትኽእልን- ዶ/ር ደብረጽዮን

Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብዚ እዋን'ዚ ትግራይ ኣብ ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ክትሳተፍ ከምዘይትኽእል ኣብታ ክልል ስልጣን ከምዝሓዘ ዝኣወጀ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ኣፍሊጡ።

ሎሚ ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ልዕሊ 45% ከባቢታት እታ ክልል "ኣብቲ ትሕቲ ወራር" ከምዘሎ ብምግላጽ "ዝተቖርሰት ትግራይ እያ" ዘላ ክብል ተዛሪቡ።

"ብሚልዮናት ዝቚጸር ህዝብና ኣብ ቦታኡ የለን ወይ ተሰዲዱ'ዩ ወይ ተመዛቢሉ'ዩ። እዚ ጥራሕ'ውን ኣይኮነን፡ ሕዚ'ውን ኣብ ናይ ህልውና ሓደጋ'ዩ ዘሎ። መረጻ ከነጥፍኣኩም ኢና እናተባህለ ኣይካየድን፡ እቲ ሓደጋ ንቐደም ክእለ ኣለዎ፡ ምርግጋእ፡ ሰላም የድሊ'ዩ።

"ትግራይ'ውን ምልእቲ ክትከውን ኣለዋ፡ ተሸሪፋ መረጻ ማለት'ማ፡ ትበትን ማለት'ዩ፡ ተቖሪሳስ ትኺድ፣ ነቶም ወረርቲ ንተሓባበሮም ኢና ዘለና፡ ባቃ ቆሪስኩማ ኪዱ ምባል'ዩ. . ." ክብል ኣብቲ ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ሃገራዊ መረጻ ከምዘይሳተፉ ኣፍሊጡ።

ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ እቲ ንደማዊ ኲናት ክልተ ዓመት ደው ዘበለ ስምምዕ ስለዝፈረሰ፡ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝብሃል ከምዘየለን ነቲ ቅድሚ ኲናት ዝተመርጸን ቤት ምኽሪ ናብ ሓላፍነቱ ክመልስዎ ከምዝተገደዱ'ዩ እቲ ኣቦመንበር ህወሓት ዝኾነ ደብረጽዮን ዝምጉት።

ድሕሪ ኲናት "በዚ ስምምዕነት [ፕሪቶርያ] እናተመራሕና እናተገዛእና መጺእና። እዚ ስምምዕነት ግን ብፈደራል መንግስቲ ካብ ዝፈርስ ዝጸንሐ ስምምዕነት እዩ። ሓደ ግዜ እንተይኮነ ኣፍሪስዎ፡ ብተደጋጋሚ'ዩ ኣፍሪስዎ።"

ብወገኖም፡ ብመሰረት እቲ ስምምዕ ዝነበሮም ናይ ከበድቲ ብረታት ዕጥቂ ብምውራድ ከምዘረከቡ ብምጥቃስ፡ ክፍጸም'ዩ ብዝብል ተስፋ ንሰለስተ ዓመታት ከምዝተጸመሙ ተዛሪቡ።

ካብ እዋን ኲናት ጀሚሩ ክልል ኣምሓራ 'ናትና'ዩ' ብምባል ክሳብ ሎሚ ሒዘሞ ዝርከቡ ከባቢታት ምዕራብ ትግራይን ካልኦት ቦታታትን ብመሰረት እቲ ስምምዕ ናብ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ክምለስ ከምዝነበሮ'ዩ ደብረጽዮን ዘመልክት።

ሰብመዚ ፈደራል ብሸነኾም፡ ህወሓት መሊኡ ዕጥቁ ከምዘየውረደን፡ ሓይልታቱ ከሰልጥን ብምጽንሑን፡ ምስ ከም ኤርትራን ሱዳንን ዝበሉ ሓይልታት ርክብ ብፍጣር ነቲ ስምምዕ ኣብ ሓደጋ ከምዘእተዎ'ዮም ክኸሱ ጸኒሖም።

እንተኾነ፡ ኣዲስ ኣበባ ዛጊት ነቲ ኣብ መቐለ ዝተፈጸመ ንግዝያዊ ምምሕዳር ዘፍረሰ ምምንዛዕ ስልጣን ዝሃበቶ ዝኾነ ውግዓዊ ምላሽ የለን።

ነቲ ኣብቲ ብፈደራላዊ መንግስቲ "ዘይሕጋዊ" ተባሂሉ ዝተነጽገን ህወሓት ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ዝተዓወተሉን ምርጫ 2020 (2013) ዝተመረጸ ቤት ምኽሪ ናብ ስልጣኑ ምምላሱ ከም "መዋጽኦ" ከምርእይዎ'ዩ ደብረጽዮን ከረድእ ዝፍትን።

እቲ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ምምስራት ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ናብ መረጻ ክእቶ ዝነበሮ ንልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ምቕጻሉ ከምዘይተቐበልዎ ኣነጺሩ።

"ናብ ክባን ዕጽዋን'ውን ኣቲና" ዝበለ ደብረጽዮእ "ነቲ ዝፈረመ ውድብ ህወሓት'ውን ኣይፈልጣንካን" ምባሉ፡ መርኣያ ምፍራስ እቲ ስምምዕ'ዩ ኢሉ።

"ህዝቢ፡ ኣብ እዋን እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ህዝቢ ካብ ስልጣኑ ርሒቑ'ዩ ጸኒሑ፡ ህዝቢ የለን። ናይ ዝተወሰኑ ፈላጣት፣ ንሕና ኢና ንፈልጥ፡ ንሕና ኢና ክኢላታት [ዝብሉ]።፡

"ካብ ፖለቲካ ትግራይ ርሒቑ'ዩ ነይሩ ህዝቢ . . .ሓላፍነታት ተሓታትነት ኣለዎ፡ በቲ ሕመንግስታዊ ስርዓት።

"እታ ዝጸናሕናያ ሓደ ሰብ፡ ፕረዚደንት ከም ድላዩ ዝገብረላ ትግራይ'ያ ኮይና . . . ተጸዋዕነት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ።"

ደብረጽዮን ነቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ስልጣኑ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተናወሓሉ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ኮይኑ ከገልግል ዝጸንሐ ጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዝተክኦ'ኳ ኣዊጁ እንተሎ፡ እቲ ጀነራል ዛጊት ነቲ ለውጢ ከምዝተቐበሎ ወይ ከምዝነጸጐ ብወግዒ ኣየነጸረን ዘሎ።

ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ደብረጽዮንን ጀነራል ታደሰን ናብ ቤት ጽሕፈቶም ክኣትዉ ከምዝቐነዩ ገለ ጸብጻባት ክገልጹ'ኳ እንተቐነዩ፡ ኩነታት ናይቲ ስልጣኑ ብዘይፍቓዱ ተቐንጢጡ ዝመስል ጀነራል ዛጊት ኣይተረጋገጸን ዘሎ።

እቲ ኩነታት ክልተ ፕረዚደንት ኣብ ሓደ ክልል ከምዘለዉ ዘምስል ኩነታት ምፍጣሩ'ውን ንብዙሓት ምድንጋር ፈጢሩ ይርከብ። ብወገን ህወሓት ግን፡ ሓደ "ሕጋዊ" ዝብልዎ ብደብረጽዮን ዝምራሕ "ግዝያዊ" ዘይኮነ ስሩዕ መንግስቲ ከምዘሎ'ዮም ዝምጉቱ ዘለዉ።

ህወሓት ነቲ ቤት ምኽሪ ብምጽዋዕ ስልጣን ምሓዞም ነታ ክልል ናብ ሓደጋ ኲናት ከእትዋ ከምዝኽእል እቲ ጀነራል ከጠንቅቕ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ድሕሪ ምፍራም ስምምዕ ንፈለማ እዋን ግዝያዊ ምምሕዳር ኣብ ዝቖመሉ እዋን ፕረዚደንት ኮይኑ ብኣቢይ ኣሕመድ ዝተሾመ ጌታቸው ረዳ'ውን፡ ምስ ደብረጽዮን ዝመርሖ ክፋል ህወሓት ብዝነበሮ ኣፈላላይ ካብቲ ውድብ ብምውጻእ ንግዝያዊ ምምሕዳር ሒዙ'ኳ ክቕጽል ፈቲኑ እንተነበረ፡ ብሰንኪ ዝተፈጥረሉ ጸቕጥን ጸጥታዊ ስግኣት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ መዝነቱ ከምዘረከበ ይዝከር።

ኣብዚ እዋን ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ዘገልግል ዘሎ ጌታቸው ኣቦመንበር ህወሓት ዝነበረ ኮይኑ፡ ሕጂ ካብ ቀንዲ ነቐፍትን ተቓወምትን ህወሓት ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ መንጐ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ 'ቅልውላው' ንመጻኢ ርክብ ማእከላይ መንግስትን ክልላዊ ምምሕዳርን ዝጸሉ ዓሚቝ ሳዕቤናት ከም ዘለዎ ተንተንቲ ይሕብሩ።

እቲ ኣብ መወዳእታ 2020 ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ህወሓትን ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ብስምምዕ ፕሪቶሪያ ብወግዒ ካብ ዘኽትም ሰለስተ ዓመታት እኳ እንተሓለፈ፡ ትግራይ ዛጊት ናብቲ ቅድመ-ኲናት ዝነበረቶ ቍመና ክትምለስ ኣይከኣለትን።

ኣብዚ መዳይ፡ ነቲ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ዝዓነወ፡ ትሕተ-ቅርጺ፡ መሓወራት ምሕደራን መንግስትነትን፡ ፈደራላዊ ውክልና፡ ብዓቢኡ ድማ ዝተመዛበለ ህዝቢ፣ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ኣይተኻእለን።