እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
በዳሂ ጕዕዞ-ህይወት ኤርትራዊ ፕሮፈሰር ዓብዱልቃድር ሳልሕ መሓመድ
ብ1992፡ ኤርትራዊ ስነ-ማሕበረሰበኛ ፕሮፈሰር ዓብዱልቃድር ሳልሕ መሓመድ፡ ኤርትራ ናጻ ኰይና ኢሉ ካብ ዓዲ ስደት ኣብ ሃገሩ ንኽምህር ጠቕሊሉ ናብ ኤርትራ ተመሊሱ።
ኵነታት ሓዲስ ህይወቶም ኣብ ኤርትራ ብጽቡቕ'ኳ እንተ ጀመሮ፡ ደሓር ግን ናብራ ኣይግድን ኰኖ። ብድሕሪ ብዙሕ መከራ ከኣ ዳግማይ ክስደድ ተገደደ።
እዛ ብ2025 ዘቕረባ ሓዳስ መጽሓፉ ብዛዕባ ንእስነቱ፡ ኣተዓባብያኡ፡ ኣብ ዓውደ ትምህርቱ ዝተጓናጸፎ ዓወታቶም፡ ኣብ ዓዲ ስደት ዘሕለፎ ህይወቶም ጥራይ ዘይኰነትስ ኣብ ኤርትራ ምስ ተመልሰ ዘጓነፎ ጸገማት፡ ብድሕሪኡ ከኣ ኣብ ግዳም ሓዲስ ህይወት ንኽጅምር ዘጋጠሞ መሰናኽላት ኣጠቓሊላ'ያ እተዘንቱ።
ብሓጺሩ፡ ከም መእተዊ ክዀነና፡ እቲ ዛንታ - ልክዕ ከምቲ ኣርእስቲ ናይታ መጽሓፉ - ብዛዕባ'ቲ "በዳሂ ጕዕዞ ህይወት ፕሮፈሰር ዓብዱልቃድር ሳልሕ መሓመድ" እያ ትገልጽ።
ፕሮፈሰር ዓብዱልቃድር ብ1948 ኣብ ዓዲ-ቐይሕ ካብ ኣቦኡ ሳልሕ መሓመድ ከሊፋን ኣዲኡ ስዒዳ ናፍዕ ዩሱፍ እዩ ተወሊዱ።
እዚ መምህር'ዚ በታ ብ2013 ብዛዕባ ታሪኽ ሳሆ ዘቕረባ መጽሓፉ ኣብ ክሊ ምሁራን ብዙሕ ተፈላጥነት ዝረኸበ ተመራማሪ እዩ። እታ 'ብሄራዊ መንነትን ሃገራዊ ንቕሓት ብሄረ ሳሆን' ዘርእስታ መጽሓፉ (The Saho of Eritrea: Ethnic Identity and National Consciousness) - መንነት ሳሆ ኣብ ወሰንቲ ፖለቲካዊ እዋናት ብኸመይ ኣገባብ ናብ ሰፊሕ ሃገራዊ ንቕሓት ከም ዝማዕበለ እያ ትድህስስ።
እዛ ሓዳስ መጽሓፉ ግን ብዛዕባ ቀዳማይ ስደቱ ጥራይ ዘይኰንስ ብዛዕባ እቲ ንኻልኣይ ግዜ ዘርከበሉ ስደት እትገልጽ ብምዃና ንኣንባቢ ቀልቡ ካብ ቀዳማይ ገጽ ክሳብ መጠረስታኣ ገጥ ኣቢላ ብምሓዝ ብዙሕ ኣስተንትኖታት እትፈጥር'ያ።
እዛ 18 ምዕራፋትን 278 ገጻትን ዝሓዘለት መጽሓፍ ንመዘከርታ ኣደኡ ብዘቕረቦ መሳጢ ሕጡበ-ጽሑፍ'ያ ትጅምር።
ኣደኡ ክሳብ ክንደይ ዝነበረን ዓቕመን ሂበን፡ ብርእሰ-ብጀዋ፡ ንስለ ጥምረት ስድራቤተን ኢለን፡ ብሕማቕ ኰነ ጽቡቕ ዘመን ተዓጢቐን ኵሉ እንትንአን ዝወፈያን ዝተዓድያን ኣደ ምዃነን ይምስክረለን።
ኰይኑ ድማ ብዘይናተን ተበጃውነት ኣብ ህይወቱ ተወዝ ክብል ኣምበይ ኣይምኻኣለን ኢሉ ብድሙቕ ጽሕፈት መስኪርለን ኣሎ።
ፕሮፈሰር ዓብደልቃድር በዅሪ ገዛ'ዩ፡ ካብ ዓሰርተ-ኣርባዕተ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘሎዎ ዓቢ ስድራቤት እዩ ተወሊዱ።
ዓሌቱ ካብ ሳሆ ሕብረተሰብ ብምዃኑ ብሓበን ኣብታ መጽሓፉ ዘስፈሮ ንህዝቢ ሳሆ ዝገልጹ ሕጥበ-ጽሑፋት መሊኦም'ዮም።
ኣብቲ ሓዳስ መጽሓፉ - ዳርጋ ኣብ ኵሎም ምዕራፋት - ብዛዕባ ህዝቢ ሳሆ ዘስፈሮ ዝተፈላለዩ ዛንታታት - ከም ህዝቢ ዘሕለፍዎ ስቓይ፡ ኣብ ባህሎም ዝተመርኰሰ ማሕበራዊ ኣቃውማ፡ ብዛዕባ ድልዱል ኣፋዊ ታሪኾም፡ ግጥምታቶም ኰነ ጽውጽዋያቶም ምንባብ መሳጢ ጥራይ ዘይኰነስ መሃሪ'ዩ ንምባል ይከኣል።
ብሓፈሻኡ፡ እቲ ኣቀራርባ ኤርትራውያን ክሳብ ክንደይ ብዛዕባ ህዝቢ ሳሆ ዘይፈልጥዎም ሓቅታት ከም ዘሎዉ የረድእ፣ እዚ ማለት ብጕስነት ከም ዝናበሩ፡ ከመይ ኢሎም ብጽልዋ ከበሳ ይዅን ገማግም-ባሕሪ ዝተቐርጸ ህይወት ከም ዘጥረዩ፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ዘግየጹ ባህርያት ከም ዘለዎም ሃዲእካ ምንባብ ብርቂ'ዩ ምባል ምግናን ኣይኰነን።
ብዛዕባ እቲ መጽሓፍ ዶ/ር ኒኮል ሂርት ዝተባህለት፡ ምስ ደራሲ ሓቢራ ኣብ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ይዅን ኣብ ሃገር ጀርመን ዝሰርሐት ጀርመናዊት ተመራማሪት ፖለቲካ ከም ዝመስከረቶ፡ "ህይወት ፕሮፈሰር ዓብደልቃድር ብምልኡ ብገድሊ'ዩ ሓሊፉ። ንኽመሃር ዘሕለፎ መከራ ቀሊል ኣይነበረን። ብፖለቲካዊ ቅልውላው፡ ምፍንቓል፡ ዓሌታዊ ኣድልዎ ዝተበጃጀገ ናብራ ሰጊሩ ኣብ ዝብጻሕ ክበጽሕ ህርድግ ኢሉ ብዓወት ዝተመጐሰ ጻዕረኛ ሰብ'ዩ - እንሆ ድማ ነቲ ገድሊ'ቲ ብጽሑፍ ኣቕሪቡዎ ኣሎ፡" ትብል።
ፕሮፈሰር ሽየትል ትሮንቮል ዝተባህለ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ - ኖርወይ - ዝምህር፡ ብዛዕባ ኤርትራ ብዙሕ ኣፍልጦ ዘለዎ ተመራማሪ 'ውን ብዛዕባ እታ መጽሓፍ ምስኪሩ ኣብ ገበር'ታ መጽሓፍ ኣስፊሩዎ ኣሎ።
"ፕሮፈሰር ዓብደልቃድር ብጕዕዞ ህይወቱ ጦብላሕታ ዘሕድር ዛንታ ኣቕሪቡ ኣሎ። እቲ ዛንታ ከኣ ብኤርትራ ንዝግደሱ ምሁራን ጥራይ ዘይኰነስ ንዅሉ ብዛዕባ ሓቀኛ ታሪኽ ኤርትራ ክፈልጥ ዝደሊ ሰብ ዓቢ ህያብ ኣቕሪብሎም ኣሎ። እቲ ዕቡጥ ታሪኽ፡ እዚ ማለት ኤርትራ ከመይ ኢላ ሓንቲ ካብ'ቶም ዝበዝሑ ስደተኛታት ዘፍረያ ሃገራት ክትከውን ከም ዝኸኣለት ኣግሂዳ እትገልጽ መስተንክር መጽሓፍ'ያ፡" ብምባል ይምስክር።
ንኣካደምያዊ ንጥፈት ፕሮፈሰር ዓብደልቃድር ብሓጺሩ ክግለጽ እንከሎ፡ ንሱ ብምምህርናን ምርምርን ብዙሕ ተመኵሮ ዘለዎ ስነ-ማሕበረሰበኛ እዩ።
ኣብ ሊብያ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሰብሓ ኰነ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ንነዊሕ እዋን ዘገልገለ፡ ኣብ ጀርመን ምስ ዝርከብ ሃምቡርግ ዩኒቨርሲቲ ከኣ ከም ተመራማሪ ዝዓየየ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ ድማ ከም በጻሒ-ፕሮፈሰር ኰይኑ ዝመሃረ ምሁር እዩ።
እታ መጽሓፍ ብተዘክሮታት ንእስነቱን ኣብ ስድራቤቱ ዝነበረ ማሙቕ ናብራ'ያ ትጅምር። ብድሕሪኡ ፖለቲካ ኣብ ህይወት ስድራቤቶም ናብ ዝፈጠሮ ረጽምታት'ያ ትሰግር።
"ብንእሽቶይ እንከለኹ ፈደረሽን ምስ ኣተወ ኣብ ከባቢና ዝከናወኑ ዝነበሩ ምግምጣላት ናብራን ዝነበሩ ዕግርግራትን ይዝከሩኒ። ኣብ ስድራቤተይን ኣዝማድናን ዝኣተወ ሰለሎ፡ ሽዑ ብግቡእ'ኳ ክርድኦ እንተ ዘይከኣልኩ፡ ርእየን ኣስተማቒረዮን'የ። በቲ ናይ ሽዑ ዘጓነፈና ግፍዒ ስንባደን ፍርሕን ንምሉእ ህይወተይ ብሃስያ ጸልይዎ'ዩ ክብል እኽእል፡" ይብል መምህር።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ፕሮፈሰር ዓብደልቃድር ካብቲ ቦታኡ ክእለ ወሲኑ። ንኽመሃር ዘኽእሎን ብሰላም ዝነብርሉ ቦታን ከሰላስል ዝጀመረ ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ምዃኑ ይሕብር።
እታ መጽሓፍ ቀጺላ፡ መባእታዊ ትምህርቱ ኣብ ተሰነይ ከም ዝተማህረ፡ ብረታዊ ቃልሲ ብምጅማሩ ድማ ናብራ ከመይ ኢሉ ከም ዝሻሕከረ ኣጸቢቑ እዩ ዝገልጾ ፕሮፈሰር ዓብደልቃድር።
ብድሕሪኡ፡ ናብ ካይሮ ምስ ሰገረ ማለት'ዩ - ዕድላት ትምህርቲ ምስ ረኸበ ብኸመይ ከም ዝተጠቕምሉ፡ ክሳብ መመረቕታ ክበጽሕ ከም ዝኸኣለ ይገልጽ።
ካብኡ ናብ ኤውሮጳ ብምስጋር ኣብ ህይወቱ ሓዲስ ምዕራፍ ከም ዝጀመረ ምንባብ፡ እቲ ዝገበሮ ጻዕሪ ናብ ግቡእ ቦታኡ ከሰጋግሮ ብምኽኣሉ ብሓቂ ዘሐብን ፍጻመ'ዩ።
ኣብ ኤውሮጳ - ኣብ ሃገረ ጀርመን - ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሙንስተር ምስ መማህርቱ ኰይኑ ስነ-ማሕበረሰብ እናተማህረ ዘሕለፎ ናብራ ክገልጾ ከሎ፡ ምንባብ እቲ ተመኵሮ'ቲ ክሳብ ክንደይ ዓቢዪን ተናፋቕን ከም ዝዀነ ክንርዳእ ንኽእል።
ምናዳ ኣብታ ብ'ብሩከ' ኢሉ ዝገልጻ ኣብቲ ክሊ ዩኒቨርሲቲ ዝነበረት እንዳ ቡን (ብሩከ ብቋንቋ ጀርመን ድልድል ማለት'ዩ) ምስ ብጾቶም ተምሃሮ ኰይኖም ክዛናግዑን ክካትዑን ሓሳብ ክለዋወጡን እንከለዉ ምንባብ፡ ኣንባቢ ኣብኡ ምስኦም ከም ዘሎ ኰይኑ'ዩ ዝስምዖ።
ተመሃራይ ዓብደልቃድር ድማ ክሳብ ኣቦ-መንበር ተምሃሮ ኣፍሪቃውያን ኰይኑ ምስ ተመዘዘ ብዛዕባ ገድሊ-ኤርትራ ዘውክኦ ዝነበረ ዛንታት ምንባብ ኣዝዩ ሰሓቢ'ዩ።
ብድሕሪኡ - ምስ ተመረቐ ማለት'ዩ - ናይ ዶክቶርነት ትምህርቲ ንኽከታተል እናሰርሐ ክመሃር መረጸ። እቲ ተመኵሮ'ቲ ናይ ባዕሉ ዛንታ ኣለዎ። ብክንደይ ጻዕሪ፡ እኳደኣ በቲ ሒደት ዝረኽቦ ዝነበረ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣብ ሱዳን ዝነበሩ ስድራቤቱ እናካኣለ ንትምህርቱ ብ1984 ኣብ መወዳእታ ጽፍሒ ኣብጺሑዎ።
ብድሕሪኡ ንዝዓተሮ ትምህርቲ ተዀልኲሉ፡ ብቋንቋታት ዓረብኛን እንግሊዝን ጀርመንኛን እናተገማጠለ ንክጥቀመሉን ንኽምህረሉን ናብ ሊብያ ገዓዘ - ዳግማይ ናብ ሓድሽ ህይወት ሰገረ። ናብራኡ ከኣ ጠጥዐን ጠጥሐን።
ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት ናይ ምምሃር ህይወቱ ኤርትራ ሓራ ወጽአት።
ሓዲስ መደብ ከኣ ኣብ ሓሳቡ ክበቍል ጀመረ፣ እወ፡ ናብ ኤርትራ ንምምላስ መደብ ኣውጽአ።
ጥዉይዋይ መንገዲ ስደት ድማ ኣብ መጠረስትኡ መሪሑ ናብ ኤርትራ መለሶ። ልቢ ዝነክእን ንህርመት-ልቢ ድማ ዝሰቅልን ዛንታኡ ተዛዘመ፣ ኣብ ናይ መጠረስታ መዓልቦ ክበጽሑ ምንባብ ንኣንባቢ ቅሳነት'ዩ ክበሃል ይከኣል።
ሕማቕ ዕድል ኰይኑ ግን፡ እቲ ጕዕዞ-ህይወቱ ኣብኡ ኣየብቅዐን፣ ናብ ካልኣይ ስደት ንኸምርሕ ስለ ዝተገደደ።
እተን ናይ መጠረስታ ሰለስተ ምዕራፋት ንኣንባቢ ክግደፋ ዘለወን ኰይነን ኣዝየን ማረኽቲ እየን። 'ንምንታይ ኤርትራ፡ ንምንታይ?' ብምባል ንኣንባቢ ምስ ነብሱ ዘባእሳ ምዕራፋት እየን።