እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ መንግስቲ ፈደራል እንታይ ስጕምቲ ክወስድ'ዩ - ስለምንታይ ከ ስቕታ መሪጹ?
ኣብ ኢትዮጵያ ዝረአ ዘሎ ፖለቲካዊን ጸጥታውን ምዕባለታት፡ ንመላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ወሳኒ ጽልዋታት ክህልዎ ከም ዝኽእል ይእመን።
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ መንጐ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት)ን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ 'ቅልውላው' ንመጻኢ ርክብ ማእከላይ መንግስትን ክልላዊ ምምሕዳርን ዝጸሉ ዓሚቝ ሳዕቤናት ከም ዘለዎ ተንተንቲ ይሕብሩ።
እቲ ኣብ መወዳእታ 2020 ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ህወሓትን ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ብስምምዕ ፕሪቶሪያ ብወግዒ ካብ ዘኽትም ሰለስተ ዓመታት እኳ እንተሓለፈ፡ ትግራይ ዛጊት ናብቲ ቅድመ-ኲናት ዝነበረቶ ቍመና ክትምለስ ኣይከኣለትን።
ኣብዚ መዳይ፡ ነቲ ብሰንኪ'ቲ ኲናት ዝዓነወ፡ ትሕተ-ቅርጺ፡ መሓወራት ምሕደራን መንግስትነትን፡ ፈደራላዊ ውክልና፡ ብዓቢኡ ድማ ዝተመዛበለ ህዝቢ፣ ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ናብ ዝነበሮ ክምለስ ኣይተኻእለን።
ኣብቲ ዝተራእየ ጸገማት ኣፈጻጽማ እቲ ውዕል፡ ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ክካሰሱ ጸኒሖም እዮም።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ዝሓለፈ ወርሒ ዕድመ ስልጣን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብምንዋሕ እቲ ኣብ መንጐ ህወሓትን መንግስቲ ፈደራልን በቲ ሓደ፡ ኣብ መንጐ ህወሓት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ፕረዚደንቱ ሌተና ጀነራል ታደሰ ወረደን ዝጸንሐ ምትፍናን ናብ ቅሉዕ ወጥሪን ስጕምታትን ደፊእዎ።
ማእከላይ ሽማግለ ህወሓት፡ ንውሳነ ቀዳማይ ምኒስተር፡ 'ኣግላሊን ውዕል ፕሪቶሪያ ማእከል ዘይገበረን በይናዊ ውሳነ' እዩ ብምባል ከም ዘቅበሎ ብምግላጽ፡ ነቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣፍሪሱ፡ ነቲ ቅድመ-ኲናት ዝነበረ "ቤት ምኽሪን መንግስትን" ከም ዝመልስ ድማ ወሲኑ።
ነዚ ውሳነኡ ናብ ባይታ ንምትርጓም፡ ብደረጃ ዞባን ወረዳን ጽዑቕ ኣኼባትን ጐስጓሳትን ድሕሪ ምግባር ኣብ መወዳእታ፡ ብ 5 ግንቦት 2026 ኣብ ኣደራሽ ቤት ምኽሪ ከተማ መቐለ ብዘካየዶ ዕጹው ኣኼባ፡ እቲ ቤት ምኽሪ ናብ ስራሕ ከም ዝተመልሰ፤ ኣፈጉባኤን ምክትላን ከም ዝመርጸ፤ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ድማ "ፕረዚደንት" ኰይኑ ተመሪጹ ቃለመሓላ ከም ዝፈጸመን ኣፍሊጡ።
"ድሕሪ ሕጂ ግዝያዊ ምምሕዳር ይዅን ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ዝበሃል የለን፡" እናበለ ድማ መንግስቲ ትግራይ መሊሱ፡ ካቢነ ናብ ምቛም ከም ዝተሰጋገረ ክነግር ጸኒሑ'ሎ።
እዚ እናዀነ ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝዀነ ዝበሎ ወይ ዝገበሮ ነገር ዛጊት የለን።
መንግስቲ፡ ንስጕምቲ ህወሓት ዝዅንን መግለጺ ክሳብ ሕጂ'ኳ እንተዘየውጽአ ካብ መግለጺ ሓሊፉ ኸ እንታይ ስጕምቲ ክወስድ ይኽእል?' ዝብል ሕቶ ይለዓል።
"ዝዀነ ይዅን ግን ትግራይ ከም ሓንቲ ክልላዊት ግዝኣት ኢትዮጵያን፡ ዜጋታታ ድማ ከም ኢትዮጵያውያንን ምስታ ዓባይ ኢትዮጵያ ዘራኽቦም - ብፍላይ ብማሕበረ-ቍጠባዊ መዳይ - ብዙሕ ብምዃኑ፡" ብዝዀነ መንገዲ እዚ ኵነታት መዕለቢ ክረክብ ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ተዓዘብቲ የተሓሳስቡ።
እቲ ኣቐዲሙ ከም ሓደ ውድብ'ውን ሕጋውነቱ ተሰሪዙ ፖለቲካዊ ፍታሕ ዘይረኸበ ጉዳይ ዝጸንሖ ህወሓት፡ "ነታ ክልል፡ ኵሉ ዓይነት ጸጋታት ኣንቀሳቒሱ ብኣድማዕነት ከመሓድራ" ካብቲ ፈደራላዊ መንግስቲ ጸጋታት ጥራይ ዘይኰነ ተቐባልነት'ውን ከም ዘድልዮ ይግለጽ።
መንግስቲ ፈደራል፡ ነዚ ኵነታት ንምቕያር ወይ ንምቕልባስ ክገብሮ ካብ ዝኽእል ነገራት፡ ሰለስተ ቀንዲ ዓበይቲ ስጕምትታት ኣብ ቅድሚኡ ከም ዘለዉ እዩ ድማ ዝግመት።
እዚኣቶም፡
- ሓደ ነቲ ትግራይ ካብ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ትረኽቦ መሰላትን ቀረባትን - ጸዓት፡ ነዳዲ፡ መድሃኒት፡ ገንዘብ . . . ብምሉኡ ወይ ብኸፊል ብምዕጻው ነታ ክልል ምንብርካኽ
- ካልኣይ ናይ ሓይሊ ስጕምቲ ኰይኑ፡ ክሳብ ብኲናት ዝኸይድ - ሰራዊት ፈደራል ደፊኡ ናብታ ክልል ከም ዝኣቱ ጌርካ ቍጽጽር መንግስቲ ምጽናዕ
- ምስቲ ሓይሉ ኣብ ትግራይ ዘደልድል ዘሎ ህወሓት ዘተ ምክያድ እዩ።
እቲ ከም ቀዳማይ ተኽእሎ ተጠቒሱ ዘሎ ስጕምቲ ዕጽዋ፡ ብዝተፈላለየ ሸነኻት ክግበር ዝጸንሐ ጉዳይ ምዃኑ ዝጠቕሱ ተንተንቲ፡ "እዚ ስጕምትታት መንግስቲ ምኽንያቱን ዕላማኡን ብዕሊ ዝተገልጸ ኣይዅን እምበር፡ ነታ ዓዲ ንምጭባጥን፡ ሓይሊ ከይትረክብ ምግባር እዩ፡" ይብሉ።
ውጽኢቱ ግን ነታ ገና ካብ በሰላታት ኲናትን ቅልውላው ድሕረ-ኲናትን ዘይተናገፈት ትግራይ ሕሰማ ዘጋድድ ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘፍረዮ ነገር ከም ዘየለ ይምጕቱ።
እቲ ኣሻቓሊ ኰይኑ ዘሎ ዝዓበየን ዝሰፍሐን ሳዕቤናት ክፈጥር ዝኽእል ከም ካልኣይ ተኽእሎ ዝርአ ስጕምቲ ኸኣ፡ ኲናት እዩ።
እዚ ሓደገኛ ዝዀነሉ ቀንዲ ምኽንያት ሃገራትን ሓይሊታትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ቀይሕ ባሕሪን ካብ ዝዀነ ግዜ ንላዕሊ ተኣሳሲረን ምህላወን ምዃኑ ድማ ተንተንቲ ይገልጹ።
ዞባዊ ክኢላታት ከም ዘመልክትዎ፡ ኵነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ ጉዳይ ሓንቲ ሃገር ንጉዳይ ካልእ ጐረቤታ ዝጸሉ እዩ ኰይኑ ዘሎ። ምኽንያት ናይዚ ድማ ኵለን "በብረብሓታተን ተኣሳሲረን ብምህላወን እዩ።"
እዚ ድማ ካብ "ግብጺ ክሳብ ሶማልያ ከይተረፈ ዘለዋ ሃገራት... ብቐጥታ ይዅን ብተዘዋዋሪ ዝተኣሳሰራሉ ጉዳያት ስለዘሎ፡ ኣብ ትግራይ ዝኽፈት ኲናት ወይ ናይ ሓይሊ ስጕምቲ" እተን ካልኦት ሃገራት "ደቂሰን ዝሓድራሉ ኣይኰነን" ተባሂሉ ይግምገም።
ጠንቂ ናይዚ ኸኣ ኵለን ሃገራት ነናይ ገዛእ ርእሰን ውሽጣዊ ጸገማት ስለ ዘለወን እዩ።
እዚ ማለት ኣብ ንሓድሕደን ብዘለወን ምትፍናን ይዅን ኣብቲ ዞባ ብዝግበር ምትእትታው ሓያላን ሃገራት፡ እቲ ዞባ ኣብ ዓቢይ ጸጥታውን ወተሃደራውን ቅልውላው ስለ ዝርከብ እዩ።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ክውንነት፡ መራሕቲ ህወተት "ምስ ኤርትራን ሱዳንን ወግዓዊ ዘይኰኑ ዝምድናታት መረሪቶም ብምህላዎም፡" ከምቲ ዝቐደመ እቲ ክልል "ብክባ እትሳቐ ግዝኣት" ክትከውን ኣይትኽእልን እያ ዝብል ግምታት ኣሎ።
ብኻልእ ሸነኽ ኢትዮጵያ ኣብ ርእሲ'ቲ ውሽጣዊ ኵነታታ - ኣብ ብዙሕ ከባቢታት እታ ሃገር ዘይዓርፍ ግጭት ኣብ ዘለወሉ - ምስ ጐረባብታ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ግብጺን (ተቐያያሪ ብዝዀነ መልክዑ ድማ ምስ ሶማልያ) ኣብ ወጥሪ እያ ጸኒሓን ዘላን።
ሱዳን፡ ኣብ መንጐ ሰራዊትን ሓይልታት ዳዕመ-ሰሪዕ ብዘካይድዎ ዘለዉ ኲናት፡ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ምብትታን ኣብ ዘላትሉ፡ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ወጥሪ ኣትያ ትርከብ።
ዝሓለፈ ሰሙን ድማ፡ ነቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ኻርቱም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ድሮን፡ ካብ ባህርዳር ዝነቐለ እዩ ብምባል ኢትዮጵያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ነቲ መጥቃዕቲ 'ወዲበን' ክትብል ከሲሳተን፤ ነቲ መጥቃዕቲ ከኣ "ቀጥታዊ ወራር" ክትብል ኰኒናቶ።
ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ነዊሕን ታሪኻውን ሕውነት ከም ዘለወን ጠቒሱ፡ እንተዀነ ነቶም "ዕሱባት" ክብል ዝጠቐሶም ኣብ ሱዳን ዓስኪሮም ዘለዉ ሓይልታት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ግዝኣታዊ ልኡላውነትን ሃገራዊ ድሕነትን ኢትዮጵያ ዝገብርዎ ተግባራት ኣማሪሩ።
ነዚ ኵነታት ብቕርበት ዝከታተሉ ወገናት ከኣ፡ እዚ ኵነታት ካብ ዲፕሎማስያዊ ቈይቂ ሓሊፉ ናብ ወተሃደራዊ ጐንጺ ይምዕብል ከም ዘሎን ሰራዊት ሱዳን ናብ ምዕራባዊ ዶባት ኢትዮጵያ ይጽጋዕ ከም ዘሎን፡"ብኣርሚ 70" ዝፍለጥ ክፋል ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ሱዳንን ዓሚቝ ዝምድናታት ይምዕብል ከምዘሎን ትዕዝብቶም ይገልጹ።
ብዓቢኡ እቲ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን እናኸረረ ክመጽእ ዝጸንሐ ኵነታት ድማ ኣብ ቦታኡ እዩ ዘሎ፤ ብሰንኪ ብቕሉዕ ዝተላዕለ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኤርትራን፡ ንሕጋዊን ታሪኻውን ልኡላውነት ዝጻባእ መርገጺታት ምሓዝ ኣብ ድርኵኺት ሓድሽ ኲናት እየን ጸኒሐን ዘለዋ።
ስለዚ እዚ ከአ ይብሉ፡ እቲ በብእዋኑ ዝዓቢ ዘሎ ጂኦፖለቲካዊ ምዕባለ፡ "ንመንግስቲ ፈደራል ከም ዘይምችእ" እቶም ኣብ እዋን እቲ ዝሓለፈ ኲናት ኣንጻር ትግራይ ወሳኒ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ድጋፍ ዝገብሩሉ ዝነበሩ ሓይልታት ኣብዚ እዋን ምስ ህወሓት እናደልደለ ዝመጽእ ዘሎ ዝምድና ከም ዝሃነጹ እውን የረድኡ።
"ናይ ኤርትራ ብዓቢኡ ዀይኑ፡ ክልል ኣምሓራ ኣንጻሩ ደው ኢሉ ኣሎ። እቶም ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ፈደራል ኰይኖም ኣንጻር ህወሓት ዝተዋግኡ ሓይልታት ፋኖን ምልሻታት ኣምሓራን፡ ሕጂ፡ ምስ መንግስቲ ኣብ ቅሉዕ ዕጥቃዊ ግጭት ኣትዮም ኣለዉ፡" ብምባል ቢቢሲ ኣብዚ ጉዳይ ዝተወከሶ ሓደ ተንታኒ ስክፍታኡ ይገልጽ።
እታ ምስ ኤርትራን ሱዳንን ጽቡቕ ዝምድና ዘለዋ ግብጺ'ውን ንነዊሕ እዋን ዝቐጸለ ብጉዳይ ማይ ኣባይን ድሒሩ ዝተሃንጸ ግድብ ህዳሰን ዝተላዕለ ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ዘይተፈትሐ ምትፍናን እያ ዘላ።
ብሰንኩ ድማ ምስ ኵሎም ኣብ ልዕሊ ኣዲስ ኣበባ ጸቕጢ ዝፈጥሩ ተዋሳእቲ ዝምድናታት ከም እትደሊ ንጹር እዩ።
"ብቐጥታዊ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ከይተዋስአት፡ እቲ ክትገብሮ እትኽእል ፋይናንሳዊ ደገፍ፡ ኣጽዋርን፡ ብፍላይ ዲፕሎማስያዊ ሽፋንን ክትገብር እትኽእልን ወሳኒት ሓይሊ እያ፡" ተባሂላ ከኣ ትግመት ይብል።
ኣብ ከምዚ ዝበለ ዝተሓላለኸ ኵነታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ህወሓት ዝህቦ ግብረመልሲ በዞም ጂኦፖለቲካዊ ምዕባለታት ክጽሎን ነቲ ዞባዊ ኵነታት ተመሊሱ ክጸልዎን ከም ዝኽእል እቶም ተዓዘብቲ ይሰማምዑ።
ዘይከምቲ ዝቐደመ... እቲ ኵነታት ኣብ ትግራይ ጥራይ ዝሕጸር ኣይክኸውንን እዩ፡ ድማ ይብሉ።
ኤርትራ ምስ ህወሓት እናሓየለ ክመጽእ ዝጸንሐ ዝምድና እዩ ዘለዋ።
ኣምባሳደር ኤርትራ ነበር ዓንደብርሃን ወልደጊዮርጊስ፡ ቅድም ኢሉ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ፡ "ኤርትራ ብሓፈሻ ምስቶም ኣንጻር መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ደው ዝበሉ ተቓወምቲ ዕጡቓት ሓይልታት ኢትዮጵያ ክትተሓጋገዝ ንረብሓኣ፡" እዩ ክብል ገሊጹዎ ነይሩ።
ኣብ ርእሲ'ዚ፡ "ሰራዊት ትግራይ ካብ ሱዳን ወተሃደራዊ ሓገዛት ክረክብ ከም ዝኽእል" ዝገልጹ ተንተንቲ ድማ "መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንጻር ሱዳን ኣብዚ ቅንያት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ'ውን ነዚ ሓቂ'ዚ ጠቒሱ ምንባሩ ነዚ ስክፍታ'ዚ ዘጕልሕ እዩ፡" ይብሉ።
ስለዚ ኣብ ትግራይ ሓድሽ ግጭት እንተ ተላዒሉ "ሰራዊት ሱዳን በዚ ይዅን በቲ ተራ ተዓዛባይ ክኸውን ዝኽእል ኣይመስልን። ብውሕዱ መስመራት ቀረብ ህወሓት ብንጥፈት ከመቻችእ ይኽእል እዩ፡" ዝብል ግምቶም የካፍሉ።
"ምኽንያቱ እቲ ኣብ መንጐ ኢማራትን ኢትዮጵያን ዘሎ ዝምድናን ደገፍ ንዳዕመ-ሰሪዕ ኣብ ምብራቓዊ ግንባር ዘሳቕዮ ዘሎ መንግስቲ ሱዳን፣ ምድኻም ኢትዮጵያ ኣመና ስለ ዘገድሶ፡" ኢሉ ይምጕት።
ብድሕሪኡ ሓይልታት ኣምሓራ ኣለዉ፤ "ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ድማ ናይ ጸላኢየይ ጸላኢ" ብዝብል ኣተሓሳስባ ናይ ሓባር መርገጺ ወሲዶም ነቲ መንግስቲ ብሰሜንን ሰሜናዊ ምዕራብን ብሓንሳብ እንተገጢምዎ ኣብ ማእከል ሃገር ነቲ መንግስቲ ኣዝዩ ሓደገኛ ጸቕጢ ክኸውን እዩ።"
ስለዚ እዚ ኵነታት ኣብ ዝለወሉ፡ ዝዀነ ይዅን ኣንጻር ህወሓትን ዝግበር ስጕምቲ ብዙሕ ሸነኻዊ ስለዝዀነ እዩ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስቕ ኢሉ ክዕዘቦ መሪጹ ዘሎ ይብል።
ኣንጻር እቲ ተመሊሱ ስልጣኑ ኣብ ትግራይ ዘደልድል ዘሎ ህወሓት ብሓይሊ እንተ ተጓዒዙ፡ እቲ ኣዝዩ ሰፊሕ ዝርግሐ ክህልዎ ዝኽእል ወተሃደራዊ ምዕባለታት ከመሓድሮ ብዘጸግም መንገዲ ናብ ብዙሕ ግንባራት ክጋፋሕ ይኽእል እዩ።
ኣብ ትግራይ፡ ኣብ ኣምሓራ፡ ኣብ ዶብ ሱዳን፡ ምናልባት'ውን ካብ ሰሜን ዝመጽእ ጸቕጢ ኤርትራ - ኵሉ ድማ ኣብ ሓደ እዋን ክገጥሞ ኣይክኽእልን እዩ።
"ንሓዋሩ ግን ስቕ ኢሉ ክርኢ ኣይክእልን እዩ፤ ምኽንያቱ ድኹም መንግስቲ ከምስሎ ስለዝኽእልን ንኻልእ ሕማቕ ኣብነት ስለ ዝኸውንን ብዝዀነ መንገዲ ክፈትሖ ግድን እዩ፡" ድማ ይብል እቲ ተንታኒ።
ስለዚ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር፡ "ከም ዝዀነ ዘተኣማምን ጽቡቕ ኣማራጺታት ኣብ ዘይብሉ እዋን ሓደ መራሒ ዝገብሮ ነገር እዩ ዝገብር ዘሎ፡" ይብል።
"ምናልባት፡ ከምቲ ብሓደ-ሓደ ምስ ህወሓት ቅርበት ዘለዎም ነጠፍቲን ማሕበራዊ ሚድያን ዝስማዕ፡ ብድሕሪ ዕጹው ማዕጾ፡ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን መቐለን ርክባት ክህሉ ይኽእል እዩ።"
እዚ ግን ካብ ክልቲኦም ወገናት ክሳብ ዘይተሰምዐ ጽንጽንታ ጥራይ ኰይኑ ከምዝተርፍ ከኣ እቶም ተንተንቲ የረድኡ።