መስሓቕ ስእሊታት እንስሳ ዘገዳም

‘ኣንታ ፈጣሪ ዕሸላት ክዝኽትሙ ስለምንታይ ትፈቅድ?’
መግለጺ ስእሊ, ‘ኣንታ ፈጣሪ ስለምንታይ ኢኻ ዕሸላት ክዝኽትሙ ትፈቅድ?’
Published

እዚ ቦንቦ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዓይነት ህበይ ነታ ሞንጉዝ (ምጹጽላይ እትመስል እንስሳ) እንታይ ክገብር እዩ ሓቚፍዋ? ድራር ክገብራ እንተይልኩም፡ ተጋጊኹም። ሓሓሊፉ እንተዘይኰይኑ እዞም ኣህባይ ብቐንዱ ፍረታት እዮም ዝምገቡ።

እዛ መሳጢ ኵነታት እተርኢ ስእሊ፡ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብክርስቲያን ዚግለር ዝተሳእለት ኰይና ኣብ መበል 58 ውድድር ብሉጽ ሰኣላይ እንስሳ ዘገዳም ቤተ መዘክር ተፈጥሮኣዊ ታሪኽ ናእዳ ረኺባ እያ።

ክርስቲያን፡ "ነታ ሞንጉዝ ከመይ ጌሩ ብኸምዚ ዝበለ ጥንቃቐ ከም ዝሓቖፋ ምስ ረኣኹ ኣዝየ ገሪሙኒ። ብኡ ንብኡ ክከታተሎ ጀሚረ" ክብል ንቢቢሲ ኒውስ ተዛሪቡ።

እቲ ህበይ ነታ ንእሽቶ ሞንጉዝ ንልዕሊ ሓደ ሰዓት ከም ዝደራረዛ’ውን ሓቢሩ።

‘አረ ንእሽቶ’ኳ ኣጥዕምና?’
መግለጺ ስእሊ, ‘አረ ንእሽቶ’ኳ ኣጥዕምና?’

እዞም ገፊሕ ዝኣፎም ናይ ባሕሪ ኣዕዋፍ ኣትላንቲክ፡ ፖፊን ይበሃሉ። ብዓሳ ናይ ምግፋፍ ክእለቶም ከኣ ይፍለጡ።

ሓደ ሓደ ግዜ ግን - ከምቲ ኣብቲ ስእሊ ዝርአ - ዘይቐንዖም ኣለዉ። ‘ዋላ ሓንቲ ሓባ እንዶ ኣጥምና?’ ዝብል ዘሎ ይመስል።

‘ዑፍ’ዶ ወይስ ነፋሪት?’
መግለጺ ስእሊ, ‘ዑፍ’ዶ ወይስ ነፋሪት?’

ቦብ ካርተር፡ ነዛ ሳሕቲ እተጋጥም ህሞት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ስኢልዋ።

‘ሂፕ ሃፕ እንስሳ ዘገዳም’
መግለጺ ስእሊ, ‘ሂፕ ሃፕ እንስሳ ዘገዳም’

ማርማት እውን ከም ሞንጉዝ ንምጹጽላይ እትመስል እንስሳ እያ።

እዛ ኦስትርያዊ ማርሞት ግን ካብ ምጹጽላይ ንላዕሊ ‘ራፕ’ ትስዕስዕ ዘላ ትመስል።

‘እስኪ ንደማመጽ!’
መግለጺ ስእሊ, ‘እስኪ ንደማመጽ!’

እዛ ብእንግሊዝኛ ሮድቢል እትበሃል ዑፍ፡ መጻምድቲ ንምስሓብ ኣብ ዝግበር ፈተነ፡ ምሉእ ብምሉእ ዕግርግር ትፈጥር እያ ዘላ። እዞም ኣዕዋፍ ምስ መጻምዲ ዘለዎም ርክብ ብዙሕ ጫውጫው ዝመልኦ ድምጽን ኣቓልቦ ዝጠልብ ምዝርጋሕ ክንፊ የጠቓልል።

‘ብዘይ ዋጭዋጭታን ሆይሆይታን ሚዛንኩም ሓልዉ’
መግለጺ ስእሊ, ‘ብዘይ ጫውጫውን ሆይሆይታን ሚዛንኩም ሓልዉ’

ኣብ 2020 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሰኣሊ እንስሳ ዘገዳም ናይቲ ዓመት ዝተዓወተት ስእሊ እያ።

እቲ ዝገርም እዛ ሰእሊ ኣብ መደብ ትሕቲ 10 ዓመት ዝቀረበት ነይራ፤ ሰኣሊኣ ስጳኛዊ ኣንድሬስ ሉዊስ ዶሚንጎዝ ብላንኮ እዩ።

‘ከመይ ኢለ’የ ደይበዮ?”
መግለጺ ስእሊ, ‘ከመይ ኢለ’የ ደዪበዮ?”

ብፊንላዳዊ ፔትሪ ፔቲላይነን ተሳኢላ ኣብ ውድድር ሰኣሊ እንስሳ ዘገዳም ዝቐረበት እያ።

‘ኣስናንኩም ኣጽርዩ’
መግለጺ ስእሊ, ‘ኣስናንኩም ኣጽርዩ’

ብኣሜሪካዊት ቶሪ ሃይሊ ተሳኢላ ኣብ 2022 ካብ ዝቐረቡ ብሉጻት ስእሊ መስሓቕ እንስሳ ዘገዳም ክትከውን ክኢላ።

‘ግልጺ እየ’
መግለጺ ስእሊ, ‘ግልጺ እየ’

እዚ ደፋር ቺምፓንዚ ኣብ ኢንስታግራም ዝርከቡ ገለ ደቂ ተባዕትዮ ዶ ኣይመስልን?

‘እሞ ተዀንካስ? ‘ታይ ይጠበስ?!’
መግለጺ ስእሊ, ‘እሞ እንተኸንካ'ከ እንታይ ይገበር!’

እዛ ኣሕመድ ኣላህመድ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝሰኣላ ህበይ ክንድዚ እትስሕቕ ዘላ በቲ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ደፋር ቺምፓንዚ ኣይኰነን። እንተዝዀን ግን . . .