መስሓቕ ስእልታት እንስሳ ዘገዳም

ጉንጓ
Published

ድሕሪ ዓቢ ጾም፡ ረመዳንን ፋሲካን ናይዚ ሰሙን ስራሕን ቁሩብ ድኻም እንተተሰሚዕኩም፡ ዓርብኹም ብርህ ዘብል ነገር ኣለና።

እንስሳታት ተፈተውቲ፡ ጨካናትን መሳኪን፡ ዘገርሙ ክዀኑ ይኽእሉ - ግን ከኣ መስሓቓት’ውን እዮም።

መስረትቲ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም፡ “ፕላኔትና ኣብ ጭንቂ እያ ዘላ፡ ኩላትና ንፈልጦ ኢና” ይብሉ።

ግንከ እንታይ ክንገብር ንኽእል? ኩሉ ሰብ ኣብ ዕቃበ እንስሳታት ኣበርክቶ ክገብር ይኽእል’ዩ።

ንኣብነት ክንገብሮም እንኽእል ሰለስተ ቀለልቲ ተግባራት ኣለዉ፡

  • ብሓላፍነት ምዕዳግ፡ ከም ፕላስቲክ ዝበሉ ኣብ ኣከባቢ ጽልዋ ዘለዎም ነገራት ምውጋድ።
  • ኣብ ገዛ ንጥቀሞ ማይ ምግዳብ፡ ዘይምብኻን።
  • ኣብ ዕቃበ እንስሳታት ጎስጓስ ምክያድ።

ካብ ውድድር መስሓቕ ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ከምኡ’ውን ካብ ውድድር ስእሊ እንስሳ ዘገዳም ዝረኸብናዮም 10 መስሓቕ ስእልታት መሪጽናልኩም ኣለና።

ተዛነዩታ . . .

‘ኤህ ትራምፕ ናይ ኢድካ ይሃብካ!’
መግለጺ ስእሊ, 'ኤህ ትራምፕ ናይ ኢድካ ይሃብካ!'

ኣብ መንደቕ ዶብ ሜክሲኮ ደው ዝበለ ጎያዪ፡ ብሉጽ ሰኣላይ ኣዕዋፍ ናይዚ ዓመት ተባሂሉ።

እዛ ዑፍ ኣብ ሓደ ክፋል እቲ 3,000 ኪሎ ሜተር ዝንውሓቱ ዶብ ኣሜሪካን ሜክሲኮን እያ ተሳኢላ። እዚ መንደቕ ዶብ፡ ንባህርያት ናይቲ ከባቢን ዓይነታት እንስሳታትን ብኸመይ ክዘርግ ከም ዝኽእል ዘርኢ እዩ።

‘ኣዚኻ መስሓቕ ኢኻ በጃኻ’
መግለጺ ስእሊ, 'ኣዚኻ መስሓቕ ኢኻ በጃኻ!'

እዞም ክልተ ኣድጊ በረኻ ኣብ ታንዛንያ፡ ኒጎቶንጎሮ ብሰሓቕ ተግ ይብሉ። ክልቲኦም ተባዕትዮ ኮይኖም ጽቡቕ ዋዛን ቁሩብ ሕሜታን ዘሕለፉ ይመስሉ። እወ፡ ደቂ ተባዕትዮ እውን ይሓምዩ እዮም።

‘ጐሳስ ኣይኰንኩን፤ ሕጊ ምኽባር’ዩ!’
መግለጺ ስእሊ, 'ጐሳስ ኣይኰንኩን፤ ሕጊ ምኽባር’ዩ!'

እዛ ጎብየ ሕጊ ብዝጥሕሱ ሰባት ተማርር፤ ኣብነት ክትከውን ድማ ትደልይ። ግን ነቲ “ቀስ በል” ዝብል ምልክት ብጣዕሚ ኣርዚና ዝወሰደቶ ትመስል።

‘መንግስቲ ስለምንታይ ናህሪ ዋጋታት ክቈጻጸሮ ዘይከኣለ?’
መግለጺ ስእሊ, 'መንግስቲ ስለምንታይ ናህሪ ዋጋታት ክቈጻጸሮ ዘይከኣለ?'

እዚ ጉንጓ ከም ወዲ ሰብ ናብራ ዝኸበዶ ይመስል። ኣብ ደቡብ እስራኤል፡ ብሹሊ ግሪንስታይን’ዩ ተሳኢሉ።

‘ዓጋዘን? ኣበይ’ሎ ዓጋዘን?’
መግለጺ ስእሊ, 'ዓጋዘን? ኣበይ’ሎ ዓጋዘን?'

ስለላ ድዩ ካብ ሃድን ምሕባእ?

'ኣብ ሪችሞንድ ፓርክ፡ እዚ ዓጋዘን ብተኽሊ ተሸፊኑ ኣስተብሂለ። ብተኽልን ሳዕርን ክስለሙ ዘይተለምደ ኣይኰነን፡ ናይዚ ግን ሕይል ዝበለ’ዩ” ይብል ማይክ ሮው።

'ሰዓመኒ!'
መግለጺ ስእሊ, 'ሰዓመኒ!'

ኣብ ኩራሳኦ፡ ሆላንድ ዝተሳእለት እዛ ዓሳ፡ ብቲ ሰኣላይ ዝተመሰጠት ትመስል።

'ከይተዓደመ ዝመጸ፡ ከይጸገበ ወጸ'
መግለጺ ስእሊ, 'ከይተዓደመ ዝመጸ፡ ከይጸገበ ወጸ'

እዛ ስእሊ ኣብ 2018 ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ምስሊ ስነ-ህይወት ቢኤምሲ ብልጽቲ ተወዳዳሪት ነይራ። እዚ ውድድር ብባዮሜድ ሰንትራል ዝካየድ ኰይኑ፡ ብዙሕነት ህይወት ወይ ኣገዳስነት ዕቃበ ዝኣመሰሉ ኣገዳስቲ ቴማታት ስነ-ህይወት የንጸባርቕ።

‘ኣምልኾ ጸሓይ’
መግለጺ ስእሊ, 'ኣምልኾ ጸሓይ'

ማርክ ሳይሰን፡ ነዚ ፔንጉን ኣብ ደሴታት ፎክላንድ’ዩ ስኢልዎ። እታ ስእሊ ድማ ካብቶም ኣብ 2021 ኣብ ውድድር ብሉጽ ሰኣላይ ኣዕዋፍ ናይዚ ዓመት ዝነበሩ ብሉጻት ስእልታት ነይራ።

'ዘይሓልፍ ጸገም የለን'
መግለጺ ስእሊ, 'ዘይሓልፍ ጸገም የለን'

እዞም ምውቕ ዕርክነት ዘለዎም ዝመስሉ ኣናብስ፡ ኣብ ኬንያ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ማሳይ ማራ ብኣሽሊ ማኮርድ ተሳኢሎም።

'ጉዳይ ኣህባይ!'
መግለጺ ስእሊ, 'ጉዳይ ኣህባይ!'

እዞም ክልተ ኣህባይ ጉዳዮም እናፈጸሙ እዮም ተረኺቦም። ኣብ ዘይኰነ ሰዓትን ዘይኰነ ቦታን’ኳ እንተተሰኣሉ፡ ስእሎም ግን ሓንቲ ካብተን ኣብ 2019 ናብ ናይ መወዳእታ ዙር ዝበጽሓ እያ።