ኣመሪካ፡ ብ1996 ብዘጋጠመ ክስተት ንኲባያዊ ራውል ካስትሮ ብቕትለት ከሲሳቶ
ኣመሪካ፡ መራሒ ኲባ ነበር ራውል ካስትሮ፡ ኣብ 1996 ኣብ መንጐ ኲባን ፍሎሪዳን ክልተ ነፈርቲ ብምውዳቐን፡ ዜጋታት ኣመሪካ ንምቕታል ውዲት ብምፍጻምን ካልእ ገበናትን ከሲሳ።
እቲ ብረቡዕ ዝተቓልዐ ጕዳይ፡ ካስትሮን ካልኦት ሓሙሽተ ሰባትን፡ ነታ ናይ ኲባ-ኣመሪካዊ ጕጅለ 'ብራዘርስ ቱ ዘ ረስኪው' ዝዀነት ነፋሪት ብምውዳቕን ሰለስተ ኣመሪካውያን ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሰባት ብምማቶምን ይኸስስ።
ሕጂ ወዲ 94 ዓመት ዝዀነ ካስትሮ፡ ሽዑ ሓላፊ ዕጡቕ ሓይሊ እታ ሃገር ኰይኑ፡ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ኣህጉራዊ ነቐፌታ ኣጋጢምዎ ነይሩ።
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዴሳዊ ምሕደራኲባ ዝያዳ ጸቕጢ ክትገብር ኣብ እትደልየሉ ዘላ እዋን፡ ፕረዚደንት ሚግኤል ዲያዝ-ካነል ነቲ ክሲ "ዝዀነ ሕጋዊ መሰረት ዘይብሉ ፖለቲካዊ ውሳነ፡" ኢሉዎ።
ግዝያዊ ዋና ዓቃቢ ሕጊ ማያሚ ኣብ ዝርከብ ፍሪደም ታወር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣመሪካ ንካስትሮ ብዕንወት ነፈርቲ፡ ከምኡ'ውን ሰንኪ ሞት ኣርማንዶ ኣሌሃንድረ ጁንየር፡ ካርሎስ ኣልበርቶ ኮስታ፡ ማሪዮ ማኑኤል ደ ላ ፔንያን ፓብሎ ሞራለስን ብኣርባዕተ ውልቃዊ ገበናት ቅትለት ብክትከሶ ምዃና ኣፍሊጡ።
"ኣመሪካን ፕረዚደንት ትራምፕን፡ ንዜጋታቶም ኣይረስዑዎምን፡ ኣይርስዖምን'ውን፡" ኢሉ።
እቲ ክስታት ኣብ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ክሙገት ኣለዎ፤ ገሊኦም ድማ ናብ ማእሰርቲ ዕድመ ልክዕ ክወስድ ዝኽእል ተኽእሎታት ኣለዎም። እቲ ናይ ቅትለት ክስታት ነፍሲ ወከፎም ዝለዓለ ናይ ሞት ወይ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ መቕጻዕቲ ኣለዎም።
ክፍሊ ፍትሒ ዘቕረቦ ሓድሽ ክሲ፡ ንሓደ ኣገዳሲ ዴሳዊ መሪሕነት ኲባ ዝዓለመ ኰይኑ፡ ኣመሪካ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምሕደራ ሓደ ሰልፊ ርኡይ ፖለቲካውን ቍጠባውን ጽገናታት ንምግባር ጸቕጢ ኣብ እትገብረሉ ዘላ እዋን ዝመጽአ እዩ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣመሪካ ክኢላ ፖለቲካ ላቲን ኣመሪካ ዊልያም ሊዮግራንድ፡ "እቲ ስትራተጂ በብቕሩብ መንግስቲ ኲባ ኢዱ ክህብን ናብ ዘተ ንኽመጽእን ጸቕጢ ምውሳኽ ይመስለኒ፡" ኢሉ።
ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር እገዳታትን ናብ ኲባ ኣብ ዝኣቱ ነዳዲ እገዳ ብምግባራን ሕጽረት ኣገልግሎት መብራህትን ሕጽረት መግብን ኣስዒቡ'ዩ።
ብረቡዕ ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ፡ ንመዓልቲ ናጽነት እታ ሃገር ኣመልኪቱ ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ "ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ መንጐ ኣመሪካን ሓዳስ ኲባን ሓድሽ መንገዲ የቕርብ ኣሎ፡" ክብል ገሊጹ።
ሩቢዮ ንዜጋታት እታ ደሴት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብሰራዊት ዝመሓደር 'GAESA' ተባሂሉ ዝፍለጥ ትካል፡ ብቐንዱ ተሓታቲ ናይቲ እታ ሃገር ቀጺላቶ ዘላ ምቍራጽ ኤሌክትሪክን ሕጽረት መግብን ምዃኑ ገሊጹ።
ጋሳ፡ ካብ ወደባት ክሳብ ነዳዲ ከምኡ'ውን በዓል ሓሙሽተ ኮኾብ ሆቴላት ዝበጽሕ ኣታዊ ዘለዎ ክፋላት ቍጠባ ኲባ ይውንን ወይ የመሓድሮ።
ዲያዝ-ካነል ንመልእኽቲ ሩቢዮ ምላሽ ሂቡ፤ ንኣመሪካ ብሓሶትን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኲባ ሓባራዊ መቕጻዕቲ ብምውሳንን ከሲሱ።
ዲያዝ-ካነል ብተወሳኺ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ካስትሮ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ "ንዕሽነት ናይቲ ኣብ ልዕሊ ኲባ ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ወራር ንምምኽናይ፡" ይጥቀመሉ ከም ዘሎ ብምግላጽ፡ ኣመሪካ ኣብ ዙርያ ምውዳቕ እታ ነፋሪት ዘሎ ሓቅታት ብምጥምዛዝ ከሲሱ።
ኲባ ድማ፡ "ኣብ ውሽጢ ማያታ ብሕጋዊ መገዲ ርእሰ ምክልኻል፡" ከም ዝተዋስአት ገሊጹ።
ብላንቸ ግን ካስትሮ ንኽእሰር ትእዛዝ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
ኣመሪካ ንካስትሮ ክትሕዞ ትፍትን ድያ ኣይትፍትንን ኣየረጋገጸን፤ እንተዀነ "ኣብዚ ክረአ ትጽቢት ንገብር፡ ብፍቓዱ ወይ ብኻልእ መንገዲ፡" ኢሉ።
ተንታኒ ፖለቲካ ላቲን ኣመሪካ ዊልያም ሊዮግራንድ፡ "ኲባውያን ናብ መኣዲ ድርድር ኢዶም እንተዘይሂቦምኀ" ነቲ መራሒ ኲባ ነበር ክትሕዞ ድልውቲ ምዃና ከም ዝኣምን ገሊጹ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ጥሪ ኣመሪካ ንፕረዚደንት ቬንዙዌላ ነበር ኒኮላስ ማዱሮ ሒዛ ናብ ኣመሪካ ንምምጻእ ወተሃደራዊ ስርሒት ኣካይዳ ነይራ።
እዚ ድማ ንርክብ ቬንዙዌላን ዋሽንግተንን ቀይሩዎ ይርከብ። ሊዮግራንደ፡ ካስትሮ ዳርጋ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ጥሮታ ከም ዝወጽአ ብምጥቃስ፡ እዚ ናይ ሕጂ ኣብ ኲባ ተመሳሳሊ ጽልዋ ክህልዎ ተኽእሎ ከም ዘይብሉ እዩ ዝዛረብ።
ዳርጋ ወዲ 95 ዓመት ዝዀነ ካስትሮ፡ ሓው ነፍስሄር መራሒ ኲባ ፊደል ካስትሮ እዩ፤ ኣብታ ሃገር ሕጂ'ውን ጸላዊ ተራ ኣለዎ። ኣብታ ደሴት ድማ ብህይወት ዘሎ "መራሒ ሰውራ ኲባ" ምዃኑ ይፍለጥ።
ካብ ንጡፍ መንግስታውን ውድባውን ተራኡ'ኳ ተኣልዩ እንተሎ፡ ኣብ 2008-2018 ፕረዚደንትነት ኣብ ዝነበረሉ እዋን ግን ንሱን ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማን ንሓጺር እዋን ዝቐጸለ ዝምድና ዋሽንግተንን ሃቫናን ናብ ንቡር ክምለስ ገይሮም እዮም።
ብላንቸ፡ ጉዳይ ካስትሮን ማዱሮን "ከም ዘየነጻጽር" ገሊጹ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ብዛዕባ ፖለቲካዊ መዳይ ናይቲ ብረቡዕ ዝቐረበ ክሲ ተሓቲቱ።
"ብዙሓት ካብቶም ሰባት ምስ ኲባውያን ኣመሪካውያን ዓቢ ርክብ ከም ዝነበረኒ ይስምዖም'ዩ፤ ብሰብኣዊ መሰረት፡ ክንሕግዝ ኢና፡"።
ካስትሮ ኣሕሊፉ ክወሃቦ ወይ ኣብቲ ጉዳይ ክቐርብ ትጽቢት እኳ እንተዘይተገብረሉ፡ ኵሎም ኣማራጺታት ኣብ ጠረጴዛ ዘለዉ ይመስሉ ትብል ኣብ ማያሚ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ኣመሪካ ከም ዓቃቢት ሕጊ ኰይና ዘገልገለት ጠበቓ ሊንድሲ ላዞፑሎስ ፍሪድማን።
"ኣብቲ ጉዳይ እንተቐሪቡ፡ ከም ዝዀነ ካልእ ተኸሳሲ ሕጋዊ መሰላት ምተዋህቦ" ዝበለት ፍሪድማን፡ እዚ ድማ ኣብ መወዳእታ ብዳያኑ ዝወሃብ ፍርዲ ዘጠቓልል'ዩ ኢላ።
"እቲ ጉዳይ፡ ልሙድ መንገዲ ክኽተል እዩ ኢሉ ትጽቢት ዝገብር ሰብ የለን... እቲ ክሲ ግን ዘገድድን ብዓቢ መርትዖ ዝድገፍን'ዩ፡" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።
ኲባ ብቐሊሉ ኢዳ ኣይክትህብን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰበስልጣን ኣመሪካ ንራውል ካስትሮ ክሲ ከም ዝቐረበሉ ዝገለጹሉ ማእከል ማያሚ ብብዝሒ ኲባውያን ኣመሪካውያን ዝርከብሉ ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ንዓሰርተታት ዓመታት ካብ ውሽጢ ኣመሪካ ንዝመጽእ ተቓውሞ መንግስቲ ኲባ ዝመርሑ ናይ ስደት ውዳበታት ዝውክሉ እዮም።
"ግዜኡ እዩ፤ ራውል ካስትሮ ኣርባዕተ ውልቀሰባት ጥራይ ኣይቀተለን። ኣብ ውሽጢ ነዊሕ ዓመታት ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ቀቲሉ'ዩ፡" ትብል ኢሰላ ፊተረ።
ፍትሒ ኣይደንጐየን ብምባል ድማ ምምሕዳር ትራምፕ ነዚ ስጕምቲ ብምውሳዱ ከም እተመስግኖ ገሊጻ።
ካልእ ተሳታፊት መርሰድስ ፑይድ-ሶቶ እውን "ኣዝየ ተሓጒሰ፤ ፍትሒ ተረኺቡ'ዩ" ኢላ።
ክኢላ ርክባት ወጻኢ ካውንስል ኣህጉራዊ ጉዳያት ሮክሳና ቪጅል፡ "ስርዓት ኲባ ስቕ ኢሉ ንኣመሪካ ኢዱ ክህብ ዘይሕሰብ'ዩ። ከምኡ'ውን ምስ ስርዓት ኲባ ምስራሕ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ዲያስፖራ ኲባ ንኽቕበሉዎ ኣዝዩ ኣጸጋሚ'ዩ፡" ትብል።
ወዲ ወዲ ወዲ ራውል ካስትሮ ራውል ጊለርሞ ሮድሪገዝ ካስትሮ ዝርከብዎም ወከልቲ ኣመሪካን ኲባን ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ "ተዘራሪቦም" እኳ እንተነበሩ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እቲ ፕረዚደንት ነበር ዘቕረበቶ ክሲ ግን ነዚ ርክባት ከለሳልሰሉ ዝኽእል ተኽእሎ ጸቢብ እዩ።













![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


