ትግራይ፡ ብሓንሳብ ሓሙሽተ ዕሸላት ዝተገላገለት ኣደ ኣብ ምንታይ ኩነታት ትርከብ?

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብ ከባቢታት ኣበርገለ፡ ብሓንሳብ ሓሙሽተ ዕሸላት ዝተገላገለት ኣደ፡ እቶም ሰለስተ ብህይወት ተሪፎሙላ ሓቚፋ ንምስዓም በቒዓ ኣላ። እንተዀነ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩነታት ሕዚ'ውን ነታ ስድራ ይፍትና ኣሎ።

ፀጋ ኣስጠራው፡ ምስ በዓል ቤታ ክብሮም ንጉሰ ኣብ ሓዳር ብሓባር ካብ ዝነብሩ፡ ክልተ ዓመት ኣቑጺሮም።

እዞም መጻምድቲ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዞባ ማእኸል፣ ወረዳ ኣበርገለ፣ ነበርቲ ጣብያ ስምረት ኰይኖም፡ ብ24 ነሓሰ 2018 ዓ.ም ናይ መጀመርታ ውላዶም ክርእዩ ይጽበዩ ነይሮም።

ፀጋ ጓል 25 ዓመት፡ በዓል ቤታ ክብሮም ድማ ወዲ 27 ዓመት መናእሰይ እዮም።

ፀጋ፡ ኣብ ሻድሻይ ወርሒ ጥንሳ፡ ሰለስተ ቆልዑ ጠኒሳ ከምዘላ እዩ ተነጊርዋ።

ኣብ ሆስፒታል ከይዳ ክሳብ እትገላገል፡ ኣብ ከብዳ ሓሙሽተ ዕሸላት ተሰኪማ ከም ዘላ ኣይፈለጠትን ነይራ።

ፀጋ ኣብ እዋን ሕርሲ ዘጋጠማ ኩነታት ኣፀጋሚ ምንባሩ ብምግላፅ፡ "ከቢድ ቃንዛ ነይሩኒ" ትብል።

ከምኡ ኰይኑ'ውን፡ ካብቶም ሓሙሽተ ብህይት ዝተረፉ እቶም ሰለስተ ጥራይ እዮም።

ንሳ፡ ኣብ ገዛ እናሃለወት ቃንዛ ሕርሲ ከም ዝጀመራን፡ ፀኒሓ ብኣምቡላንስ ናብ ክሊኒክ ጭላ ከም ዝተወስደት እዩ ዝግለፅ።

ንፀጋ ዘዋለደ፡ ሓኪም ገብረዮውሃንስ ንጉሰ፡ ካብቶም ሓሙሽተ ዕሸላት እቲ ሳልሳይን ሓምሻይን ሞይቶም ከም ዝተወልዱ ገሊጹ።

እቲ ሓኪም፡ እቲ ሳልሳይ ዕሸል ኣብ ማህጸን እንከሎ ብዘጋጠመ ምድንጓይ ዕቤት ከምዘጋጠሞ ገሊጹ።

እቲ ሓምሻይ ድቂ ድማ፡ ኣብ ሓሙሻይ ወርሒ ዕብየቱ ደው ብምባሉ፡ ብህይወት ከም ዘይወፅአ ንቢቢሲ ገሊፁ።

እቶም ብህይወት ዘለዉ ሰለስተ ዕሸላት: ክልተ ኣወዳትን ሓንቲ ጓልን እዮም። ፀጋ ንዐኦም ርእያ ከምእትሕጐስ ትዛረብ።

እዞም ሰብ ሓዳር፡ ናብረኦም ኣብ ሕርሻ ዝተመስረተ ሓረስቶት ኰይኖም፡ ኣብቲ ብድርቂ ዝተሃሰየ ከባቢ እዮም ዝነብሩ።

ኣብ ብዙሓት ከባቢታት'ቲ ክልል፡ ሎሚ ዘበን እዅል ዝናብ ዘይብሉ ክራማት ይሓልፍ ከምዘሎን ድርቂ ኣስዒቡ ከምዘሎን ፀብፃባት ይሕብሩ።

ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ድርቂ፡ ዘራእቲ ከይበቖሉ ከምዝተረፉ ይንገር።

እዚ ኩነታት ድማ፡ ፀጋ ኣብ እዋን ጥንሳን ድሕሪ ሕርስን፡ እዅል ክንክን ከይትረክብ ከም ዘገደዳ ትዛረብ።

ክብሮም፡ በዓልቱ ገዝኡ ሰለስተ ቆልዑ ክትወልድ ምዃና ምስ ተነግሮም፡ ኣዝዩ ከምዝተጨነቐ ይዝክር።

ብተወሳኺ እቲ ዝነብሩሉ ከባቢ፡ ትካላት ጥዕና ስለዘይብሉ እታ ነፍሰ-ፆር፡ ጥንሳ ብግቡእ ንምክትታል፡ ኣፀጋሚ ከምዝነበረ እውን ይዛረብ።

ፀጋ፡ ኣብ እዋን ጥንሳ ብሕማም ዋሕዲ ደም ከም ዝተሳቐየትን ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ድርቂ ኣብ እዋን ጥንሳ ጽንኩር እዋን ክትሓልፍ ምኽንያት ከምዝዀነን ትዛረብ።

"ጽቡቕ ክረምቲ ኣይነበረናን፡ ዕፉን ክነልምዕ መደብ ነይሩና፡ ግን ከም ዝሓሰብናዮ ኣይኰነን" ይብል።

ከም ውጽኢቱ ድማ እታ ስድራ ክትምገበሉ እትኽእል እዅል ፍርያት ሕርሻ የብላን።

እታ፡ ሰለስተ ቆልዑ ንምዕባይ ዓቕሚ ዘይብላ ስድራቤት፡ ሕጂ ካብ ካልኦት ሓገዝ ትጽበ ኣላ።

ክብሮም ካብታ ወረዳ ናይ ሓሙሽተ ሽሕ ብር ድጋፍ ከም ዝረኸቡ ገሊፁ፤ ክሳብ ሕጂ ግን ካልእ ሓገዝ ኣይረኸቡን።

ስለዚ ክብሮም፡ ኣብ ጣብያ ስምረት ዘሎ ኩነታት ድርቂ ብብርኪ ወረዳን ዞባን ዝፍለጥ ብምዃኑ፡ መንግስቲ ንቤተሰቦምን ንከባቢኦምን ሓገዝ ክገብር ይሓትት ኣሎ።

"ናብ ዝቕጽል ግዜ ክሳብ እንሰጋገር፡ ከባቢና ኣዝዩ ደረቕ ስለዝኾነ ሓገዝ ክግበረልና ንጽበ" ይብል።

ፀጋ ንሸሞንተ መዓልቲታት ኣብ ሆስፒታል ድሕሪ ምጽናሕ፡ ናብ ገዝኣ ከም ዝተመልሰት ዝገለጸ ክብሮም፡ እዛ ኣደን ሰለስቲኦም ደቃን ሕጂ ኣብ ጽቡቕ ኩነታት ጥዕና ከምዝርከቡ ሓቢሩ።

ብድርቅን ግጭትን ዝፍተን ዘሎ ናብራ

ኩነታት ስድራ ፀጋ፡ ምስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝረአ ዘሎ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝተኣሳሰረ እዩ።

ክኢላ ሕክምና ገብረዮውሃንስ ኣብ ርእሲ እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ድርቂ፡ ንመጓዓዝያ ዝኸውን ነዳዲ ብዘይምህላዉ፡ ነበርቲ ንልዑል ወጻኢታት ሕክምና ይቃልዑ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

በዚ ምኽንያት ድማ፡ ብዝሒ ናይተን ናብ ሆስፒታል ክወልዳ ዝመጻ ኣደታት ብፍርቂ ከም ዝነከየ ዝገለጸ እቲ ክኢላ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ገዛ ምሕራስ እናተለመደ ይመፅእ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ቅድሚ ሕዚ ቁጽሪ ናይተን ኣብ ሆስፒታል ክወልዳ ዝመጻ ኣደታት፡ ኣብ ወርሒ ክሳብ 180 ይበፅሕ ከምዝነበረ፡ ሕዚ ግን ብማእኸላይ ገምጋም ኣስታት 90 ኣደታት ጥራይ ናብ ትካል ጥዕና ከምዝመፃ ወሲኹ ኣረዲኡ።

እዚ ኩነታት ድማ፡ ንጥዕና ኣደታትን ህጻናትን ይጸልዎ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ውድብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ተደጋጋሚ ለውጢ ኩነታት ኣየርን ግጭታትን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ውሕስነት መግቢ ጸቕጢ ይፈጥር ከምዘሎ የመልክት።

ብፍላይ ኣብ ማእኸላይ፣ ሰሜን፣ ሰሜን ምብራቕን ምብራቕን ኢትዮጵያ ሕፅረት ዝናብ ክረምቲ ከምዝፍጠር ኣጠንቂቑ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ግጭት፡ ንቐንዲ ወቕቲ ሕርሻ ስለ ዝፀለዎ፡ 21 ወረዳታት ንልዑል ሓደጋ ጥሜት ከምዝተቓለዓ እቲ ትካል ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ክልል፡ 2 ነጥቢ 45 ሚልዮን ህዝቢ ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ የድልዮ ኣሎ።

ሓረስቶትን ኣመሓደርቲ ወረዳታትን እቲ ክልል፡ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ እዅል ዝናብ ዘይምህላዉ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰለስተ ዞባታት ኣብ ሕርሻ ከቢድ ፀቕጢ ከም ዘስዓበ ገሊፆም።

እቲ ለውጢ ኩነታት ኣየር ኣብ ዞባታት ደቡብ፣ ደቡባዊ ምብራቕን ማእኸላይን (ብኽፋል) ድርቂ፣ ኣብ ገለ ወረዳታት ድማ ብርቱዕ በረድ ዝተሓውሶ ዝናብን፡ ውሕጅን ኣስዒቡ እዩ።

እዚ ሕጽረት ዝናብ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ እውን ድርቂ ዘስዐበ ኮይኑ፡ ዝናብ ዝዘነበሉ ገለ ከባቢታት ድማ ብርቱዕ በረድን ውሕጅን ኣጋጢምዎ ኣሎ።

ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ግን ምስ ሕፅረት ዝናብ ጥራሕ ዝተኣሳሰረ ኣይኮነን።

ጽልዋ እቲ ግጭት፡ ሕፅረት እታዎት ሕርሻን ሕጽረት ሓገዝን ሓረስቶት ዝያዳ ተቓላዕቲ ይገብሮም ከምዘሎ ሰብመዚ ንቢቢሲ ይገልጹ።

ቅድሚ ሕጂ ዝሓሸ ናብራ ከም ዝነበሮም እትዛረብ ፀጋ፡ እቲ ኩነታት ንነገራት ከም ዘጋደዶ ትዛረብ።

ብሰንኪ ዝተሃስየ ሕርሻ፡ ሕጂ ነቶም ሰለስተ ደቃ ዘድልዮም ነገራት ምምላእ ኣይተኽኣለን።

"ህይወት ከቢድ'ዩ፡ ቦታና ደረቕ'ዩ፡ ሕርሻ መዂኑ ተሪፉ ኣሎ። ዋላ ሓንቲ ትጠዓም የብልናን" ትብል ነቲ ኩነታታ እንትትገልፅ።

ሓረስቶት ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብቲ ከባቢ ድርቂ ኣብ ዝፍጠረሉ እዋን፡ ጥሪቶም ናብ ዝሓሸ ከባቢታት ምግዓዝ ልሙድ ምንባሩ፡ ምስቲ ሕዚ ዘሎ ዘይምርግጋዕ ግን ከምዘይከኣል ይዛረቡ።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈጥሮን እቲ ክልል ኣቶ ኣለምብርሃን ሃሪፈዮ፡ ኩነታት ሕርሻን ውሕስነት መግብን ትግራይ ከቢድ ብምዃኑ፡ ኩነታት እቲ ክልል ብኸምዚ እንተቐጺሉ፡ እቲ ፀገም ንቐፃሊ ዓመታት ክሰግር ከምዝኽእል ንቢቢሲ ገሊፁ።

ድሕሪ ኲናት ትግራይ፡ እኹል ጻዕርታት ዳግመ- ልምዓት ዘይምህላዉ፡ ጽላት ሕርሻ ኣዳኺሙ፡ ሓረስቶት ንድርቂ ዝያዳ ተቓላዕቲ ገይሩዎም ኣሎ።

ተመራመርቲ፡ እዚ ኩነታት፡ ምስቲ ኤል ኒኖ ዘስዕቦ ለውጢ ኩነታት ኣየር ተደራሪቡ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ድርቅን ውሕጅን ሓዊሱ ከቢድ ኩነታት ኣየር ከጋጥም ከም ዝኽእል የጠንቅቑ።