ኣዛዚ ኣርሚ 33 ብርጋደር ጀነራል ወልደጊዮርጊስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል እንታይ ኢሉ?

ብርጋደር ጀነራል ወልደጊዮርጊስ ተኽላይ (ሸሪፎ) ወተሃደራዊ መዕቐሊ ማይ ተኸዲኑ ራድዮ ሃለው ሒዙ
መግለጺ ስእሊ, ብርጋደር ጀነራል ወልደጊዮርጊስ ተኽላይ (ሸሪፎ)
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣብ ከባቢታት ዶብ ክልል ትግራይ-ዓፋር ዝተወልዐ ግጭት ብዝምልከት፡ ሓይልታት ትግራይ ንሰላማውያን ዜጋታት ዓፋር ኮነ ንሓይልታት ጸጥታ እቲ ክልል ዒላማ ከም ዘይገበሩ ኣዛዚ ኣርሚ 33 ብርጋደር ጀነራል ወልደጊዮርጊስ ተኽላይ (ሸሪፎ) ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ውግእ ብንጹር ኣበይ ከም ዝተኻየደን ንመን ዒላማ ከም ዝገበረን ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ ብርጋደር ጀነራል ሸሪፎ፡ "ንፍሉይ ሓይሊ ዓፋር ይዅን ንምልሻ ዓፋር፡ ህዝቢ ወይ ምምሕዳር ኣይተንከፍናን፤ ከምዚ ዓይነት ዕላማ ይዅን መደብ እውን የብልናን፡" ክብሉ መሊሱ።

ዕላማ ናይቲ ወተሃደራዊ ስርሒት፡ ነቶም "ካብ ባዕልና ዝሸፈቱ ጸረ-ሰላምን ጸረ-ህዝቢ ትግራይን" ክብል ዝገለጾም ዕጡቓት ምጽራግ ምዃኑ ድማ ኣረዲኡ።

እዞም ኣካላት፡ "ዋና መቀላጠፍቲ ናይ ብልጽግና" ከም ዝዀኑ ብምግላጽ፡ "ኣብ ትግራይ ሰላም ንኸይመጽእ ህውከት ዝፈጥሩ ዘለዉ እዮም፡" ክብል ድማ ከሲሱ።

እቶም ጀነራል ሸሪፎ "ሸፋቱ" ክብል ዝጠቐሶም ዕጡቓት፡ እቶም ብስም "ሓራ-መሬት" ዝፍለጡን ኣብዚ ቀረባ እዋን "ሓይልታት ሰላም ትግራይ" ዝብል መጸውዒ ዝሓዙን ዕጡቓት ኰይኖም፡ ካብ ሓይልታት ትግራይ ዝተፈንጨሉ እዮም።

ቀንዲ ዕላማኦም፡ ነቲ ብዶ/ር ደብረጽዮን ገ/ሚካኤል ዝምራሕ ህወሓትን ንዓኡ ዝድግፉ 'ካብ ኮር ንላዕሊ' ዝዀኑ ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ብሓይሊ ብረት ካብ ስልጣን ምእላይ ምዃኑ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

እዞም መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መዳውብቲ ትግራይን ዓፋርን ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት፡ ምስ ሓይልታት ትግራይ ሓሓሊፉ ኣብ መጠናዊ ግጭታት ክገብሩ ዝርኣዩ ኰይኖም፡ ካብ መንግስቲ ፈደራል ደገፍ ከም ዘለዎም ብጌታቸው ረዳን ካልኦትን ብዝቘመ ሰልፊ 'ስምረት' ከም ዝምርሑን እዮም ዝኽሰሱ።

እንተዀነ፡ ኣዛዝቶምን ሰበስልጣን ፈደራልን ግን ንኸምዚ ዝበለ ክስታት ክነጽጕ ጸኒሖም እዮም።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ነቲ ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ዝተኻየደ ኲናት ኣመልኪቱ መንግስቲ ክልል ዓፋር ንዘውጽኦ መግለጺ ብምጥቃስ፡ "ሓይልታት ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ዜጋታት መጥቃዕቲ ፈጺሞም፡" ክብል ንዘቕረቦ ክሲ ኣመልኪቱ ዝቐረበ ሕቶ ቢቢሲ፡ ጀነራል ወልደጊዮርጊስ ነቲ ክሲ ብትሪ ነጺጉዎ።

ነቲ ክሲ ዘቕረበ ኣካል [ምምሕዳር ክልል ዓፋር] "ልኡኽ ብልጽግና" ምዃኑ ብምግላጽ፡ "እቲ ናይ ዓፋር ህዝቢ ኮነ ናይ ጸጥታ ሓይልታት ዓፋር እውን ከምኣ ኣይብሉን፣ [ዝበጽሐ መጥቃዕቲ ኣሎ ዝብል] ተጨባጪ ነገር የለን፡" ክብሉ ነቲ ዝቐረበ ክሲ ከም ዘይቅበሎ ገሊጹ።

ቀንዲ ዕላማኦም ድማ "ንትግራይ ሰላም ዝኸልእ ሓይሊ ምጥፋእ እዩ" ክብል እውን ኣስሚሩሉ።

እቲ ግጭት ኣብ መንጎ ተጋሩ (ሓይልታት ትግራይን ካብኦም ዝተገንጸሉን) ብምዃኑ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ዘይፍታሓሉ ምኽንያት ብምልዓል፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሓድሕድ ምድማይ ካብ ዝእቶ ንምንታይ ዘይዘራረቡ ክብል ብወገን ቢቢሲ ንዘቕረበሉ "ናይ ሞራል ሕቶ" ድማ፡ እቲ ጀነራል፡ እቶም ዕጡቓት ንዕላማኦም ዝጠለሙን ምስቲ "ጀኖሳይድ ዝፈጸመ ሓይሊ" ዝወገኑ ሸፋቱ እዮም ክብል ነቒፉ።

"[ኣብ እዋን ጸገም] ከም ህዝቦም ተሰሊፎም እዮም፣ ደሓር ግን ብኸብዶም ከይዶም" ክብል ብምግላጽ፣ ሎሚ ምስቲ "ክበልዓናን ክረግጸናን ዝደሊ ሓይሊ ዝሸረኸ ትግራዋይ ምሉእ ክሕደት እዩ፡" ብምባል ነቲ ዝተወሰደ ስጕምቲ ግቡእ ምዃኑ መጕቱ።

እቲ ግጭት ኣብ መጋለ፡ ቶንሳ፡ ሚልኪ (ቻይና-ካምፕ)፡ ፋሮ፡ ኣሮሮ፡ ካላ፡ ክሳድ-ዳባ፡ ብሽቀትን ዓራጉረን ዝተባህሉ ከባቢታት ከም ዝተኻየደ ዝገለጸ ኣዛዚ ኣርሚ-33፡ እቲ ኲናት ንነዊሕ ሰዓታት ብተኸታታሊ ዝጸንሐ ከቢድ ውግእ ከም ዘይነበረ ሓቢሮም።

እቲ ስርሒት ንግሆ ጀሚሩ ንኣስታት ሓሙሽተ ሰዓታት ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ዝተኻየደ ደኣ ይዅን እምበር፡ ተደሚሩ ንፍርቂ ሰዓት ዝኣክል እውን ኣትኪሉ ዝተዋግአ ሓይሊ ከም ዘይነበረ ገሊጹ።

ብወገኖም ዝወረደ ዝዀነ ይዅን ናይ ህይወት ክሳራ ከም ዘየሎ ብምግላጽ፡ እቶም ተጻረርቲ ሓይልታት "ፋሕ ኢሎምን ሃዲሞምን እዮም" ብምባል፡ ሕጂ ናብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ጸጥታ ክልል ዓፋርን ይኣትዉ ከም ዘለዉ ኣረዲኡ።

ኣብዚ እዋን ዝበዝሑ ካብቶም ቦታታት ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ሓይልታት ትግራይ ከም ዝርከቡን ገለ ቦታታት ድማ ነቲ "ሓይልታት ጸጥታ ዓፋር" ስርሑ ክሰርሕ ሓዲጎምሉ ከም ዝወጽኡን ሓቢሩ።

ክሳብ ሕጂ ኣብቲ ውግእ ምስቶም ዕጡቓት ተደሪቡ ዝተዋግአ ናይ ፈደራል ይዅን ናይ ካልእ ኣካል ሓይሊ ብንጹር ከም ዘየሎ እውን ብርጋደር ጀነራል ወልደጊዮርጊስ ሸሪፎ ኣብቲ ምስ ቢቢሲ ዝገበሮ ቃለመጠይቕ ገሊጹ።

እዚ ናይ መወዳእታ ግጭት፡ ሓይልታት ትግራይ ንቐንዲ መዓረፍ ነፈርቲ እታ ክልል ምቍጽጻሮምን ኣብ ጐረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ምክያዶምን ስዒቡ ዝተፈጥረ እዩ።

ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ንህወሓት፡ "መጥቃዕቲ" ፈንዩ ብምባል ይኸሱዎ፤ መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም መንግስቲ ድሮናት፡ ከቢድ ብረትን ኣጋር ሰራዊትን ኣሰሊፉ ንዝፍጽሞ ዘሎ "መጥቃዕቲ" ንምክልኻል ስጕምቲ "ጸረ-መጥቃዕቲ" ይወስዱ ከም ዘለዉ እዮም ዝምጕቱ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ እቲ ዳግማይ ኲናት ካብ ዝጅምር ንፈለማ እዋን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መጥቃዕትታት ሓይልታት ትግራይ ከም ዝመከተን ከቢድ ክሳራ ከም ዘውረደን እዩ ዝገልጽ።

ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምብራቕ ሌተና ጀነራል ኣሰፋ ቸኮል፡ 272 ተዋጋእቲ ሓይልታት ትግራይ ከም ዝተቐትሉን ካልኦት 260 ድማ ከም ዝቘሰሉን ገሊጹ። ቢቢሲ ነዚ ቍጽሪ'ዚ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።