
ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ ርእሰ ከተማ ክልል ትግራይ - መቐለ ሓዊሱ: ኣብ ብዙሓት ከባብታት መግብን ካልኦት መሰረታዊ ሸቐጣትን ንምዕዳግ፡ ነበርቲ ይጓየዩ ከምዘሉ መሰኻኽር ዓይኒ ገሊፆም።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኢትዮጵያን ኣብ መዳወብቲ ዓፋርን
ሰሜን ወሎ - ኣምሓራን ናብ ወተሃደራዊ ግጭት ምእታዎም ኣብ ዝግለፀሉ ዘሎ ፅባሕ እዩ።
ነበርቲ ከተማ መቐለ ብስልኪ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃብዎ ቃል “መሰረታዊ እዩ ዝበልናዮ ኩሉ ዓይነት ንገዝእ ኣለና” ኢሎም።
እቲ ምእንተ ድሕነቱ ስሙ ክግለጽ ዘይደሊ ነባሪ እታ
ከተማ፡ "ኩሎም መሰረታዊ ኣድለይቲ ነገራት ንምርካብ ወይ ንምግዛእ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ይኸውን ኣሎ" ኢሉ።
"እቲ ኩነታት ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ዝነበረ፡ ናብ ክባን ዕፅዋን ክዓቢ ይኽእል'ዩ ዝብል ሻቕሎት'ውን እናዓበየ ይመጽእ ኣሎ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ብተወሳኺ ነበርቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ጎደናታት መቐለ ይንቀሳቐሱ ከምዘለዉን ድምፂ ሰብኣልቦ ነፈርቲ ይስማዕ ከምዝነበረን ብምሕባር ቀረብ መግቢ ከይጠፍእ ይሰግኡ ኣለዉ።
ካልእ ነባሪ ከተማ ዓዲግራት ድማ ሰባት ሰንቢዶም መግቢ ስለዝገዝኡ መኽዝናት ባዶ ከምዝዀኑ ሓቢሩ።
"እቶም መኽዝናት ባዶ እናዀኑ፡ እቲ ሕፅረት መግቢ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ፤ ኣገደስቲ መድሃኒታት እውን ሕፅረት ኣሎ፤ ኣዝዮም ክቡራት እውን እዮም" ክብል ንሮይተርስ ተዛሪቡ።
ክልቲኦም ነበርቲ፡ መንእሰያት ተገፊፎም ብግዲ ናብቲ ኲናት ክጽንበሩ ከምዝረኣዩን እዚ ድማ ኣብ ህዝቢ ስክፍታ ፈጢሩ ከምዘሎን ገሊጾም።
እቲ ነባሪ ዓዲግራት ብዛዕባ እቲ ዝካየድ ዘሎ ግፋ መናእሰይ ብምጥቃስ ፡“ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ኣቡኡ ዝሰኣነ ወዲ 18 ዓመት ብሓይሊ ሒዞም ከምዝወሰዱዎ
እፈልጥእየ” ኢሉ።
ኣብ ኣብ 2012 ዓ.ም [ግ] ኣብ ትግራይ ዝተኸየደ ደማዊ ኲናት ስዒቡ፡ ኣብቲ ክልል፡ ዘይእዉጅ ዕፅዋን ክባን ተነቢሩ ምንባሩን፡ ብሰንኩ ድማ ሕጽረት መግቢ፡ገንዘብን መድሃኒትን ኣስዒቡ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ኣስታት ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ህዝቢ ዝሃለቐሉ ደማዊ ኲናት፡ ብስምምዕ ፕሪቶርያ ምስ ኣብቀዐ፡ ዳርጋ
ድሕሪ ሸድሽተ ዓመት ረቡዕ
13 መስከረም [ግ] መሊሱ ተወሊዑ ኣሎ።
ቅድም ኢሉ፡ 10 መስከረም 2019 [ግ] ምሸት፡ ህወሓት ፋኖ-ኣምሓራን ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞን ኣባል ዝኰነሉ፡ 7 ዕጡቓት ጉጅለታት፡ “ምትሕግጋዝ ንህላወ” ዝብል ጥምረት ምቛም ኣፍሊጦም።
ቅድሚ ምቛም እቲ ጥምረት እውን እንተኾነ መራሕቲ ህወሓት ፌደራል መንግስትን ምድላዋት ኲናት ብምግባር ክካሰሰሱ ፀኒሖም እዮም።
ኣብዝሓለፉ ኣዋርሕ መንግስቲ ፌደራል፡ ንሓይልታት ትግራይ ዒላማ ብምግባር ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከካይድ ቀንዩ ኣሎ።
እቲ እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ወጥሪ ትማሊ ረቡዕ ናብ ቅሉዕ
ውግእ ክብ ከምዝበለ ዝንገር ኮይኑ፡ ኣብ ዶባዊ ከባቢታት ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ወተሃደራዊ ጐንፂ ከምዝተራእየ ተገሊጹ።
ሕብረት ኣውሮጳ፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን እቲ ግጭት ቅድሚ ምግዳዱ ክሃድእን ሰላመዊ
ፍታሕ ክረክብን ፀዊዐን። ኣምባሳደር ኣመሪካ ድማ ህወሓት ነቲ ግጭት ብምግዳድ ምኽሳሱ የዘራርብ ኣሎ።