ኢትዮጵያ፡ ግጭት ኣብ ዝሰፍሓሉ በረራ ላሊበላን ኣገልግሎት ተሌኮም ትግራይን ተቛሪጹ

መዓርፎ ነፈርቲ ላሊበላ
Published
ንባብ: 3 ደቓይቕ

እቲ ኣብ ዶባት ክልላት ትግራይ-ዓፈር፡ ትግራይ-ኣምሓራ ብ23 መስከረም ዝተባርዐ ሓድሽ ግጭት፡ እናሰፍሐ ኣብ ዝኸደሉ እዋን፡ ናብታ ታሪኻዊት ከተማ ላሊበላ ዝግበር በረራታት ከም ዝተቛረጸ ሮይተርስ ንሓያሎ ዲፕሎማስያውያን፣ ከባብያውያንን ዞባውያንን ምንጭታት ተወኪሱ ዝኣከቦ ሓበሬታ የረጋግጽ።

እዚ ምቍራጽ በረራታት ዝመጸ፡ ድሕሪ'ቲ ብስምምዕ ፕሪቶሪያ ንኣርባዕተ ዓመታት ደው ኢሉ ዝጸንሐ ካብ 2020-2022 ኣብ መንጎ ሓይልታት ፈደራል ኢትዮጵያን ህወሓት ዝተኻየደ ኣዕናዊ ኲናት፡ እቲ ዝዓበየ ግጭት ኣብ ዝረኣየሉ ዘሎ እዋን ኰይኑ፡ እዚ ድማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ናብ ምሉእ ብምሉእ ኲናት ክምለስ ይኽእል እዩ ዝብል ከቢድ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ።

ኣብ ርእሲ'ሲ፡ ጕጅለታት ተቘጻጸርቲ መርበብ ሓበሬታ ኣብ ክፋላት ሰሜን ኢትዮጵያ ምቁራጽ ኢንተርነት ከምዘጋጠመ ኣብ ኤክስ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፤ እዚ ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎ ምቍራጽ ተሌኮሙኒኬሽን ዘረጋግጽ ኰይኑ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ንምግምጋም ዝግበር ጻዕርታት ዝያዳ ዝሓላልኽ ኰይኑ ኣሎ።

ቢቢሲ ከም ዘረጋግጾ፡ ኣገልግሎት ቴሌፎን ኢትዮ-ቴሌኮም ተቛሪጹ ዘሎ ኰይኑ፡ እቲ ኩባንያ ሳፋሪኮም ዝወሃብ ኣገልግሎት ግን እዚ ዜና ክሳብ ዝተሓተመሉ ይሰርሕ ኣሎ።

ሳፋሪኮም ኣብ 1997 ዝተመስረተት ዝዓበየ ትካል ቴሌኮሙኒኬሽን ኬንያ ኰይኑ፡ ኣብ 2022 ድማ ናብ ዕዳጋ ኢትዮጵያ ብምእታው ፈላማይ ብሕታዊ ኣቕራቢ ኣገልግሎት ቴሌኮም ኰይኑ ዝጸንሐ እዩ።

ምንጭታት ንሮይተርስ ከም ዝገለጽዎ፡ እቲ ብውቍር ኣእማን ዝተሃንጻ ኣብያተ ክርስትያናትን ብዩኔስኮ ከም ሓድጊ ዓለም ዝተመዝገበትን ስትራተጂያዊት መእተዊት ሰሜን ኢትዮጵያን ኣብ ዝኾነት ላሊበላ ግጭታት ይካየድ ኣሎ።

እቲ ኲናት ናብታ ከተማ እኳ እንተዘይኣተወ፡ ነበርቲ ገንዘብ የውጽኡን ከመጽእ ንዝኽእል ቅልውላው ይዳለዉን ከምዘለዉ ተሓቢሩ ኣሎ።

እዚ ናይ ሕጂ ግጭት፡ ሓይልታት ትግራይ ረቡዕ ንግሆ ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲ እታ ክልልን ምቍጽጻሮምን ኣብ ጎረባብቲ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝተዋሃሃደ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዶም ስዒቡ ዝመጸ እዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ከተማ ላሊበላ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ እትርከብ ታሪኻዊ ከተማ ኰይና፡ እታ ከተማን ከባቢኣን ኣብ መንጎ ሓይልታት ጸጥታን ዕጡቓት ፋኖን ዝካየድ ኲናት ከተኣናግድ ዝጸንሐ እዩ።

ኣብ ግንቦት 2024 ንኣብነት ብኸቢድ ኣጽዋር ዝተሰነየ ከቢድ ውግእ ተኻይዱ ከም ዝነበረን ዕጡቓት ፋኖ ኣብ ወሰን እታ ከተማ ንዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ላሊበላ ንሰዓታት ተቘጻጺሮምዎ ከም ዝነበሩን፤ ብሰንኪ ድማ በረራታት ተቓሪጹ ከም ዝነበረን ይዝከር።

ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ህወሓት ዓቢ መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈተ ይኸሱ፤ መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም መንግስቲ ድሮናት፡ ከቢድ ብረትን ኣጋር ሰራዊትን ተጠቒሙ ንዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ዝወሰድዎ ስጕምቲ ጸረ-መጥቃዕቲ ምዃኑ የረድኡ።

ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ እቲ ኲናት ዳግማይ ካብ ዝጅምር ንፈለማ እዋን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መጥቃዕትታት ሓይልታት ትግራይ ከምዝመከተን ከቢድ ክሳራ ከምዘውረደን ኣፍሊጡ።

ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምብራቕ ሌተናንት ጀነራል ኣሰፋ ቸኮል፡ ሓያለ ተዋጋእቲ ሓይልታት ትግራይ ከም ዝተቐትሉን ከምዝቘሰሉን ገሊጹ፤ እዚ ኣሃዝ ግን ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይከኣለን።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፡ እዚ ግጭት ኣብ መላእ ትግራይ ሻቕሎት ኣዕብዩ ኣሎ። ኣብ ርእሰ ከተማ መቐለ ዝርከቡ ነበርቲ፡ ጸጥታዊ ሓለዋን ምንቅስቓስ ድሮናትን ከም ዝወሰኸ ይሕብሩ።

ብዘይካ'ዚ ብሰንኪ ስግኣት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ዝነበረ ኸበባ ዝመስል ኵነታት፡ ብዙሓት ሰባት መግቢ ንምእካብን ገንዘብ ንምውጻእን ይጓየዩ ኣለዉ።

ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራ ኣብ ትርከብ ከተማ ዓዲግራት፡ ነበርቲ ብስንባደ ዝግበር ዕድግን ዋሕዲ መሰረታዊ ኣቕሑን ከምዘሎ ገሊጾም ኣለዉ።

ሓደ ነባሪ ንሮይተርስ ከምዝገለጾ፡ ቀረብ መግቢ እናነከየ ይመጽእ ኣሎ፣ መድሃኒት ውሑድን ክቡርን ኮይኑ ኣሎ፣ ከምኡ'ውን መዓልታዊ ናብራ እናኸበደ ይኸይድ ኣሎ።

ገለ ነበርቲ'ውን መንእሰያት ኣብቲ ኲናት ንክሳተፉ ብግዲ ይምልመሉ ከምዘለዉ ክገልጹ እንከለዉ፡ ህወሓት ግን ነዚ ክሲ ኣቐዲሙ ነጺጉዎ እዩ።

ነበርቲ ትግራይ ኣብ ዕዳጋታት
መግለጺ ስእሊ, ትግራይ፡ ነበርቲ ብስንባደ ዝግበር ዕድግን ዋሕዲ መሰረታዊ ኣቕሑን ከምዘሎ ይገልጹ

ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን በቲ ዳግማይ ዝጀመረ ግጭት ስግኣቶም ይገልጹ ኣለዉ፤ ኵሎም ወገናት ካብ ተግባራቶም ክቝጠቡን ናብቲ ኣብ ሕዳር 2022 ንዝሓለፈ ኲናት ዘብቅዐ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምራሕ መስርሕ ሰላም ክምለሱን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ሕብረት ኤውሮጳ ኣብ መግለጺኡ፡ "ቅልጡፍ ምዝሕሓል የድሊ" ብምባል፡ ፍልልያት ብወተሃደራዊ ስጕምቲ ዘይኮነስ ብዘተ ጥራይ ክፍታሕ ከምዝኽእል ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ኣብ ትግራይ ዳግማይ ዝጀመረ ግጭት ነቲ ኣብ መንጐ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዘሎ ወጥሪ፣ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዘሎ ምስሕሓብን ጽልዋታት ግጭት ማእከላይ ምብራቕን ድሮ ተጸልዩ ዘሎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝበኣሰ ከናውጾ ከም ዝኽእል ተንተንቲ የጠንቅቝ።

እዚ ዳግማይ ኲናት፡ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኣብ ውሽጢ ህወሓት ምፍልላይ ስዒቡ ኣብ ትግራይ ፖለቲካዊ ወጥሪ ኣብ ዝዓበየሉ እዋን ዝመጸ እዩ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ህወሓት ምስ ካልኦት ሽዱሽተ ዕጡቃት ጕጅለታት ኢትዮጵያ፡ እንተላይ ምስ ገለ ካብቶም ኣብ እዋን ኲናት ተጻረርቱ ዝነበሩ፡ ንቐዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ስልጣን ኣሊኻ፡ ኵሉ-ሓቈፍ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምምስራት ዝዓለመ ሓድሽ ኪዳን ከም ዝፈጠረ ኣፍሊጡ ነይሩ።