እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያዉያን 'ከስግር' ዝተታሕዘ ኤርትራዊ ናብ ፍርዲ ክቐርብ እዩ
ኣብ ስራሓት ስግረዶብ ከም ዝተዋፈረ ዝተነግረሉ ሓደ ኤርትራውን ዝተሰርቀ ሰነድ ሒዘን ዝጸንሓ ክልተ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ልትወንያ ተኸሲሶም ጉዳዮም ናብ ቤትፍርዲ ከም ዝተመሓላለፈ ምንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኤል-ኣር-ቲ ሓቢራ።
እቲ ጀይ. ኤም. አይ. ብዝብል ዝተጠቕሰ ወዲ 26 ዓመት ኤርትራዊ፡ ነተን ደቀንስትዮ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዶብ ከስግረን ብምፍታኑ ከምኡ'ውን ዘይሕጋዊ ሰነድ ብምጥቃሙ ተኸሲሱ ኣሎ።
እተን ክልተ ደቂ 26 ዓመት ኢትዮጵያውያን'ውን ናተን ዘይኰነ መንነት ሒዘን ብምጽንሐን ከም ዝተኸሰሳን ጉዳዮም ናብ ዞባዊ ቤትፍርዲ ፓነቬዢስ ተመሓላሊፉ ከም ዘሎን ቤትጽሕፈት ጠቕላሊ ኣኽባሪ ሕጊ ገሊጹ።
እቲ ፍጻመ ኣብ ጥሪ 2026 ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ካብ ከተማ ሪጋ (ላቲቭያ) ናብ ዋርሶ (ፖላንድ) ኣብ እትጓዓዝ ዝነበረት ኣውቶቡስ ዝተሳፈራ ክልተ ደቀንስትዮ ኣብ ዶብ ሕጋዊ ሰነድ ምስ ተሓተታ፡ ንኤርትራውያን ዝተዋህበ ናይ ግሪኽ መንበሪ ፍቓድን ሰነድ ጕዕዞ ስደተኛታትን ኣቕሪበን።
ድሒሩ እተን ከም ኤርትራውያን መሲለን ክሰግራ ዝሓሰባ ደቀንስትዮ፡ ኢትዮጵያውያን ምዃነን ስለ ዝተረጋገጸ ኣብ ቀይዲ ውዒለን።
እተን ኢትዮጵያውያን ካብ ቤላሩስ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ናብ ላቲቭያ ዝኣተዋ ኰይነን፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ክቕመጣ ዝጸንሓ እየን።
እቲ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ መንበሪ ፍቓድ ዘለዎ ዝተባህለ ኤርትራዊ ጀይ. ኤም. አይ. እውን ኣብታ ኣውቶቡስ ምስአን ሓቢሩ ይጓዓዝ ከም ዝነበረ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ይገልጽ።
እተን ደቀንስትዮ ንዓኡ ፈጺመን ከም ዘይፈልጥኦ እኳ እንተ ተዛረባ፡ እቶም ሓለዋ ዶብ ኣብ ናይ ሓደአን ተለፎን ገንዘብ ከም ዝተመሓላለፉ ምስክር ረኺቦም።
እቲ 550 ፓውንድ ገንዘብ ነቲ "ኣስጋሪ" ዝተኸፍለ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ይገልጽ።
ኣብቲ ዝገበሩዎ መርመራ፡ ሓንቲ ካብአን ምስ ጀይ. ኤም. አይ. ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ንነዊሕ እዋን ክትራኸብ ምጽንሓ ኣረጋጊጾም።
ካብ ቤላሩስ ብላቲቭያ ኣቢልካ ናብ ምዕራብ ኤውሮጳ ንዝግበር ጕዕዞ የተሓባብር ከም ዝነበረ'ውን እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ይገልጽ።
ኣብ መወዳእታ ጥቅምቲ 2025፡ ሓለዋ ዶብ ቤላሩስ ሬሳ ዝተሰከሙ ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ ዝርከብ ምስ ላቲቭያ ዘዳውብ ዞባ ብራስላቭ ከም ዝረኸቡ ማዕከን ዜና ኤስ ቢ ኣቓሊሐን ነይረ።
እቶም ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ላቲቭያ'ኳ ኣትዮም እንተ ነበሩ፡ ወተሃደራዊ ክዳን ብዝገበሩ ሰባት ተሃሪሞም፡ ሞባይላቶም ተሓዲጐም፡ ብብረት እናኣፈራርሑ ኣብ መኪና ሰቒሎም ኣብ ዶብ ቤላሩስ ከም ዝደርበዩዎም ሓቢሮም።
እቲ ኣብ መንገዲ ዝሞተ ወዲ 29 ዓመት መጓዕዝቶም'ውን ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበጽሐ ማህረምቲ ከም ዝሞተ ንፖሊስ ቤላሩስ ምግላጾም ኣይርሳዕን።
ክፍሊ መርመራ ዞባ ብራስለቭ፡ ክሳዕ ጥቅምቲ 2025 ኣብ ዶባ ቤላሩስን ላቲቭያን ሞት ናይ 35 ሰባት ከም ዝተመዝገበ ይሕብር።
ቤላሩስ ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳ እትርከብ ሃገር ኰይና ብምብራቕ ምስ ሩስያ፡ ብደቡብ ምሰ ዩክረይን፡ ብሰሜን ምስ ላቲቭያ፡ ብሰሜናዊ ምዕራብ ምስ ሊትወንያ፡ ብምዕራብ ከኣ ምስ ፖላንድ ትዳወብ።
ስደተኛታት ካብ ብዓል ቱርኪ ተበጊሶም ንቡልጋርያ፡ ሩማንያ፡ ሞልዶቭያን ዩክረይንን ሰጊሮም ናብ ከም ብዓል ሽወደንን ኖርወይን መሰጋጋሪ ዝጥቐሙላ ሃገር'ያ።
ብዘይካ'ዚ ናብ ሩስያ ብሕጋዊ ኣገባብ ብምእታው ናብ ቤላሩስ ሰጊሮም ናብ ፖላንድ፡ ጀርመንን ካልኦት ሃገራትን ንምስጋር'ውን በዛ ሃገር እዚኣ ይሓልፉ'ዮም።
ብሊብያ ኣቢልካን ማእከላይ ባሕሪ ተሳጊርካን ናብ ኤውሮጳ ዝግበር ጕዕዞ ሓደጋኡ ይበዝሕ ኣሎ።
እቶም ስደተኛታት ኣብታ ኣብ ቅልውላው እትርከብ ሊብያ'ውን ብዙሕ ግፍዕታት እዩ ዝወርዶም።
ስለዝዀነ፡ ሓያሎ ሰባት ነዚ ብምብራቕ ኤውሮጳ ገይርካ ናብ ማእከል ኤውሮጳ ዘእቱ መስመር ጕዕዞ ክመርጹዎ ይርኣዩ እዮም።
ካብ ላቲቭያ ናብ ሊትወንያ ዝግበር ካልኣይ ደረጃ ስደት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብልዕሊ ዕጽፊ ወሲኹ ኣሎ።
ሓለዋ ዶብ ሊትወንያ ከም ዝገለጾ፡ እዚ ዋሕዚ ብመንገዲ ቤላሮስ ኣቢሉ ዝካየድ ጕዕዞ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ ቤላሩስ ናብ ላቲቭያ ድሕሪ ምእታዎም፡ ብሊትወንያንን ፓላንድን ኣቢሎም ናብ ምዕራብ ኤውሮጳ - ብፍላይ ናብ ጀርመን - ክበጽሑ ዝፈተኑ 1,288 ስደተኛታት ከም ዝተታሕዙ ሓለዋ ዶብ ሊትወንያ ገሊጹ።
ምስቲ ቅድሚኡ ዝተመዝገበ ናይ 540 ሰባት ማእሰርቲ ክነጻጸር እንከሎ ልዑል ወሰኽ ኣርእዩ።