ኣብ መንጎ ስግኣት ድሮናትን ተስፋ ሰላምን፡ ፑቲን ካብ ቀይሕ ኣደባባይ ዝሃቦ መግለጺ

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ምስ ዩክረይን ዘሎ ግጭት ናብ መወዳእታ ገጹ ይቃረብ ኣሎ ኢሉ ከም ዝኣምን ገሊጹ።

ፑቲን ነዚ ዝበለ፡ ዓወት ሕብረት ሶቭየት ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንምዝካር ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ምርኢት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ቃል እዩ።

"እቲ ጉዳይ ናብ መወዳእታ ገጹ ይቃረብ ኣሎ ኢለ እየ ዝሓስብ፡" ዝበለ ፑቲን፡ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ "ፍሉይ ወተሃደራዊ ስጕምቲ" ብምጥቃስ፡ ነቲ ሃገራት ምዕራብ ንመንግስቲ ኪቭ ዝህባኦ ዘለዋ ደገፍ ድማ ኰኒኑዎ።

እቲ ዓመታዊ ምርኢት ሩስያ፡ ዩክረይን ንቐይሕ ኣደባባይ ብድሮናት ክትድብድቦ ትኽእል እያ ዝብል ስግኣት ስለ ዝነበረ፡ ካብቲ ልሙድ ምርኢት ወተሃደራዊ ታንክታትን ሚሳይላትን ተሓሪሙ እዩ ውዒሉ።

ብደገፍ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ መንጎ ሞስኮን ኪቭን ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ዝተገብረ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ነቲ ክወርድ ዝኽእል ዝነበረ ሓደጋ መጥቃዕቲ ኣቃልሊሉዎ እዩ።

ፑቲን ኣብ ዘረባኡ፡ ሩስያ "ፍትሓዊ" ኲናት ትዋጋእ ከም ዘላ ብምግላጽ፡ ንዩክረይን ድማ ብመላእ ኪዳን ሰሜን ኣትላቲክ- ኔቶ "ትዕጠቕን ትድገፍን" ዘላ "ዓማጺት ሓይሊ" ክብል ጸዊዑዋ።

ድሒሩ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብዛዕባ ደገፍ ሃገራት ምዕራብ ንዩክረይን ተሓቲቱ ክምልስ እንከሎ፡ "ንሳቶም [ምዕራባውያን] ሓገዝ ክህቡ ቃል ኣትዮም፣ ድሕሪኡ ግን ምስ ሩስያ ክሳዕ ሎሚ ዝቕጽል ዘሎ ግጭት ከጐሃህሩ ጀሚሮም። እቲ ጉዳይ ናብ መወዳእታ ገጹ ይቃረብ ኣሎ ዝብል እምነት ኣሎኒ፤ ግናኸ ከቢድ ጉዳይ እዩ፡" ኢሉ ፑቲን።

ፑቲን ምስ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ክራኸብ ዝኽእል፡ ነባሪ ናይ ሰላም ስምምዕ ምስ ዝፍረም ጥራይ ምዃኑ ኣመልኪቱ።

"ኣብ ሳልሰይቲ ሃገር ምርኻብ'ውን ዝከኣል እዩ፤ እንተዀነ፡ እዚ ክውን ክኸውን ዝኽእል፡ ነዊሕ እዋን ዝወሰደ ታሪኻዊ ኣረኣእያ ዘለዎ ናይ መወዳእታ ስምምዕ ምስ ተበጽሐ ጥራይ እዩ፡" ክብል ገሊጹ።

ፑቲን ብተወሳኺ፡ ንኤውሮጳ ዝኸውን ሓድሽ ናይ ጸጥታ ስምምዕ ንምዝታይ ድሉው ምህላዉን እቲ ዝመርጾ መሻርኺ ዘተ ድማ ቻንስለር ጀርመን ነበር ጌርሃርድ ሽሮደር ምዃኑን ገሊጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ቤትምኽሪ ኤውሮጳ ኣንቶንዮ ኮስታ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ምስ ሩስያ ንምዝታይ "ተኽእሎ" ከም ዘሎ ከም ዝኣምንን ዘለንስኪ'ውን ነቲ ስጕምቲ ከም ዝድግፎን ገሊጹ ነይሩ።

ከም ኣካል ናይቲ ብኣመሪካ ዝተመርሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ፡ ኪቭን ሞስኮን ካብ ክልተኡ ወገን 1,000 እሱራት ንምልዋጥ ተሰማሚዐን ኣለዋ።

ኣብቲ ቀይሕ ኣደባባይ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ምርኢት፡ ዝዀነ ዓይነት ዩክለሳዊ ኣጽዋር ኣይተራእየን።

ሓያሎ ኣህጉራውያን ትካላት ዜና ፍቓድ ስለ ዘይተዋህበን፡ ኣብቲ ፍጻመ ዝተረኽቡ ጋዜጠኛታት ኣዝዮም ውሑዳት ነይሮም።