ኤርትራዊ መበቈል ዘለዋ መንእሰይ ብዛዕባ መንሽሮ ደም ትጕስጕሶ ዘላ እንታይ እዩ?

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

ሓንቲ ኣደኣ ብብርቱዕ መንሽሮ ደም ዝተጠቕዐት ኤርትራዊ መበቈል ዘለዋ መንእሰይ፡ ካብ ውሑዳት ዓሌት ዝመጽኡ ሰባት ኣብ መዝገብ ወሃብቲ መሰረታዊ-ዋህዮ (stem cell) ክምዝገቡ ተማሕጺና።

ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እትቕመጥ ጓል 24 ዓመት ኒድሃል ሓምዳን ኣደኣ ዘይነብ ብኸቢድ ሕማም መንሽሮ ደም ምስ ተጠቕዐት ተመኵሮ ናይ ስድራቤታ ኣብ ኢንተርነት ከተካፍል ጸኒሓ።

እቶም ሓካይም፡ እታ ኣደ ኤርትራዊ መበቈል ስለ ዘለዋ፡ እቲ ልክዕ ምስኣ ዝቃዶ መሰረታዊ-ዋህዮ ክርከበላ ኣጸጋሚ ክኸውን ከም ዝኽእል ነታ ስድራ ሓቢሮማ። ምኽንያቱ፡ ካብ ተመሳሳሊ መበቈል ዝመጽኡ ዋህዮታቶም ክጋጠም ዘሎ ተኽእሎ ዝለዓለ እዩ።

ኒድሃል ካብቲ እዋን'ቲ ጀሚራ ብፍላይ —ጸለምትን ኣፍሪቃውያንን ካሪቢያውያንን ውርሻ ዘለዎምን— ኣብቲ መዝገብ መሰረታዊ-ዋህዮ ክጽንበሩ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክትጕስጕስ ጀሚራ።

እቲ መዝገብ፡ በቲ ንመንሽሮ ደም ሓገዝ ዘካይድ ኤንቶኒ ኖላን ዝበሃል ትካል እዩ ዝመሓደር።

ካብ ውሑዳት ዓሌት (ብሄራት) ዝመጽኡ ሰባት፡ ዝበዝሕ ግዜ ሳሕቲ ዝርከቡ ዓይነት ኣካሊት (tissue types) ስለ ዘለዎም፡ ምስኦም ዝሰማማዕ ለጋሲ ንምርካብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ምዃኑ እቲ ትካል ይገልጽ።

"ኣደይ ሕማም ከም ዘለዋ ክሳዕ ዝፈልጥ፡ መንሽሮ ደም ወይ ሉኬምያ ብኸመይ ከም ዝሕከም እንዶ ኣይነበረንን፡" ትብል ኒድሃል።

"ብኬሞቴራፒ ጥራይ ዝሕከም ይመስለኒ ነይሩ። ኣፍልጦ ዘይምህላው ድማ ናብ ጌጋ ርድኢት ከምርሕ ከም ዝኽእል ድማ ተገንዚበ።"

ብስነኣእምሮ ጥዕና ማስተርስ ዲግሪ ዝተማህረት፡ መበቈል ኤርትራን ሱዳንን ዘለዋ ኒድሃል፡ ናይ ኣደኣ ምሕማም ንህይወታ ከም ዝቐየሮ ገሊጻ።

ነቶም ዝተሓላለኹ ኣምራትን ሓበሬታታትን ሕክምና ክትትርጕመላ ከም ዝጸንሐትን ብሰንኪ መንሽሮ ደም ዝተወጽዑ ሰባት ድምጺ ንምዃን ትጽዕር ከም ዘላን ወሲኻ ገሊጻ።

ዘይነብ ሕጂ ካልኣይ ዙር ናይ ኬሞቴራፒ ሕክምናኣ ትከታተል ኣላ።

'ህይወት ሰብ ኣድሕን'

ኒድሃል፡ "ኣነ ብጽኑዕ ዝኣምነሉ ቀዳማይ ነገር፡ ከም ደቂ-ሰብ መጠን ንሓድሕድና ናይ ምሕግጋዝ ስነ-ምግባራዊ ሓላፍነት ኣለና፤ ምኽንያቱ ኣብ መወዳእታ መዓልቲ ኵሉና ሓደ ኢና፡" ትብል።

ቀጺላ፡ "መንሽሮ ደም ሰባት ኣይፈላልን እዩ። ንገዛእ ርእስኹም ኣብ ህይወተይ ኣእቲኹም እሞ ሕሰቡዋ፡ ወላዲኹም ወይ እትፈትውዎ ሰብ ህይወቱ ዘድሕን ምስግጋር ኣካላት (transplant) እንተ ዝደሊ?"

ብመሰረት ጸብጻብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓዲ እንግሊዝ (NHS)፡ መሰርታውያን ዋህዮታት (stem cells) ብኣንጉዕ ዓጽሚ ዝፍጠሩ ፍሉያት ዋህዮታት ኰይኖም፡ ናይ ዝተፈላለዩ ዓይነታት ዋህዮታት ደም ክቕየሩ ዝኽእሉ እዮም።

ምስግጋር መሰረታዊ-ዋህዮ ማለት ነቶም ዝተጐድኡ ወይ ዝሓመሙ ዋህዮታት ደም ብጥዑያት መሰረታውያን-ዋህዮታት ምትካእ ማለት እዩ።

ሮዌና በንትሊ፡ ኣብ ኤንቶኒ ኖላን ሓላፊት መደባትን ማሕበረሰብን፡ ካብ ውሑዳን ዓሌት ዝዀኑ ለገስቲ ብህጹጽ ከም ዘድልዩ ገሊጻ።

"ነፍሲወከፍ ሕሙም ምስኡ ዝቃዶ [ዋህዮ] ምእንቲ ክረክብ፡ ካብ ውሑድ ብሄራት ዝመጽኡ ሰባት ኣብዚ መዝገብ ብህጹጽ ክጽንበሩ የድልየና ኣሎ፡" ኢላ።

ኒድሃል ወሲኻ፡ "ዋላ ምስ ናይ ኣደይ ዝቃዶ ኣይኹን፡ ህይወት ካልእ ሰብ ከተድሕኑ ትኽእሉ ኢኹም'ሞ፡ በጃኹም ተመዝገቡ፡" ክትብል ተማሕጺና።