ኣከባብራ በዓል- መስቀል ኣብ ገለ ከባቢታት - ብስእሊ

Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

በዓል መስቀል 2019 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ኤርትራን፡ ካብ ድሮኡ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።

ኣብቲ ብላዕለዎት መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዝመርሕዎም ከባቢታት ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ተሳቲፉ ኣሎ።

ድሕሪ ቅዳሰን ምህለላን፡ ዳሜራ ዝተወልዐ ኰይኑ፡ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ሓዊሱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተኻየደ ጽንብል ዝገልጹ ኣሳእል እነሆ፣

ከም ንቡር፡ መስቀል ኣብ ከተማ ኣክሱምን ዓዲግራትን ሓዊሱ ኣብ መላእ ትግራይ'ውን ብድምቀት ተኸቢእሩ ዝውዕል ኰይኑ፡ ብሰንኪ ሻቕሎት ኲናትን ምዕፃው ኣግልግሎት ኔትዎርክን፡ ነቲ በዓል ዝገልፁ ኣሳእል ኰነ ሓበሬታ ክንረክብ ኣይከኣልናን።