ኢራን፡ ሆርሙዝ ንምኽፋት ካብ ትራምፕ ትጠልቦም ዘላ ሽዱሽተ ቅድመ-ኵነታት

መርከብን ባንዴራ ኢራንን - ብግራፊክስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኢራንን ዖማንን፡ ነቲ ስትራተጅያዊ መስመር ባሕሪ መጻብቦ ሆርሙዝ ንምምሕዳር ብዛዕባ ዝግበር ሓድሽ ምድላው ዘካይዳኦ ዘለዋ ዝርርብ 'እወታዊ' ከም ዝዀነን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ከም ዝበጽሐን ብምግላጽ፡ ምንቅስቓስ መራኽብ ዳግማይ ክጅመር ተስፋ ፈጢረን ጸኒሐን እየን።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት፡ እቲ ዝርርብ ኣብቲ ኢራንን ዖማንን ብሓባር ሓላፍነት ዝስከማሉ ሓድሽ መስመር ጕዕዞ ንምኽፋት ዘተኰረ እዩ ነይሩ።

ይዅን እምበር፡ እዚ ተስፋታት እናዓበየ ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን፡ ኢራን እቲ ኣገዳሲ መስመር ማይ ቅድሚ ምኽፋቱ ኣመሪካ ከተማልኦም ኣለዋ ዝበለቶም ዝርዝር ጠለባት ብወግዒ ኣቕሪባ'ላ።

ብዙሓት ካብዞም ጠለባት፡ ካብቲ ብ17 ሰነ ኣብ መንጎ ኢራንን ኣመሪካን ዝተበጽሐ መዘከር ምርድዳእ (MoU) ንላዕሊ ዝሓተቱ ክዀኑ ከለዉ፡ ገሊኦም ድማ ነቶም ኣቐዲሞም ዝቐረቡ ጠለባት ብምድጋም ምስ ምኽፋት ናይቲ መጻብቦ ዘተኣሳስሩ እዮም።

እሞ እዞም ቅድመ-ኵነታት እንታይ እዮም? ኣመሪካኸ ከተማልኦም ትኽእል ድያ?

መጻብቦ ሆርሙዝ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብወግዓዊ ማዕከን ዜና ተሌቪዥንን ራድዮን ኢራን (IRIB) ኣብ ዝወጸ መግለጺ፡ ናይ ቀደም ጸሓፊ ላዕለዋይ ባይቶ ሃገራዊ ድሕነትን ኣብዚ እዋን ኣማኻሪ ላዕለዋይ መራሒ ኢራንን ዝዀነ መሓመድ ባቕር ዞልቓድር፡ ኣመሪካ ጠባያ ክትእርም ከምኡ'ውን ዝርዝር ጠለባት ከተማልእ ከም ዘለዋ ኣጠንቂቑ።

እቲ 'ምእራም ጠባይ' ዝተባህለ እዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ዘጠቓልል ምዃኑ እቲ መግለጺ የረድእ፤

1. ንኢራን ብዝዀነ ይዅን ቋንቋ (ኣዘራርባ) ፈጺምካ ዘይምፍርራሕን፡ ንቕዱሳት ክብርታት እዛ ሃገር ዘይምዝላፍን፤ ኣመሪካ ነታ ሃገር ምፍርራሕ ደው ከተብልን፡ ከምዚ ዓይነት ስግኣታት ከም ዘይድገም ውሕስነት ክትህብን ኢራን ትሓትት።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ብዓቢኡ ፖለቲካዊን ድሕነታውን ጠለብ እዩ። ምቍራጽ ተጻብኦታት ብተዘዋዋሪ ክልቲኡ ወገን ርእሱ ክገትእ ዝእምት እኳ እንተዀነ፡ ብወግዒ ንመጻኢ ሓደጋታት ውሕስነት ምሕታት ግን፡ ኣብቲ ኣቐዲሙ ዝተሓበረ ውዕላት ናይቲ ግዝያዊ ስምምዕ ብንጹር ካብ ዝሰፈረ ሓሳብ ንላዕሊ፡ ዝሰፍሐ ስትራተጅያዊ ቅድመ-ኵነት ኰይኑ ይረአ።

2. ኣብ ልዕሊ ኢራንን ኣብ ሊባኖስ፡ ፍልስጤም፡ የመንን ዒራቕን ዝርከቡ መሻርኽታን ዝካየድ ኲናትን መጥቃዕትን ንሓዋሩ ደው ምባል፤ ወተሃደራዊ ስጕምቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ሊባኖስ፡ ፍልስጤም፡ የመንን ዒራቕን ዝርከቡ መሻርኽታን መሓዙት ጕጅለታትን እውን ደው ክብል ኢራን ኣትሪራ ትጠልብ። እቲ ናይ ሰነ መዘክር ምርድዳእ ብዛዕባ "ኵሎም ግንባራት፡ እንተላይ ሊባኖስ" ዝጠቅስ እኳ እንተነበረ - እዚ ጠለብ እዚ ግን ነተን ካልኦት ሃገራት ብንጹር ዝጠቅስን፡ ብግብሪ ድማ ዝሰፍሐ ዞባዊ ድሕነታዊ ውሕስነት ዝደሊን እዩ።

3. እቲ ናይ ባሕሪ ዕጽዋ ምልዓልን ሓይልታታ (ናይ ባሕርን ኣየርን) ካብ ከባቢ ኢራን ምስሓብን፤ ኣብ ትሕቲ እቲ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተኸተመ መዘክር ምርድዳእ ኣመሪካን ኢራንን፡ ኣመሪካ ነቲ ዕጽዋ ኣብ ውሽጢ 30 መዓልታት ከተብቅዖ ትጽቢት ይግበር ነይሩ፣ እዚ ግን ምስ ዳግማይ ምኽፋት እቲ መጻብቦ ባሕሪ ብቐጥታ ዝተኣሳሰር ኣይነበረን።

4. ኢራን ኣብ ክልተ ወራራት ኲናት ንዝወረዳ ዕንወት ምሉእ ካሕሳ ምኽፋል፤ እዚ ነቲ ኣብ 2025 ዝተኻየደ ናይ 12 መዓልታት ኲናትን ነቲ ናይዚ እዋን ኲናትን የመልክት። ድሕሪ እቲ ስምምዕ ሰነ፡ ኣገባብ ካሕሳ ከም ኣካል ናይ መወዳእታ ስምምዕ ክዝተየሉ ትጽቢት ተገይሩ ነይሩ። ይዅን እምበር፡ ሕጂ ቴህራን ነቲ ካሕሳ ምስ ዳግማይ ምኽፋት ሆርሙዝ ብቐጥታ ከተተኣሳስሮ ብወግዒ ትረአ ኣላ።

5. ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢራን ተነቢሩ ዘሎ 'ጨካንን ዘይሕጋዊን' እገዳታት ምልዓል፤ ምፍኳስ እገዳታት ዝፍጸመሉ ሰሌዳ-ግዜ፡ ድሮ ኣካል ናይቲ ናብ መወዳእታ ስምምዕ ዘምርሕ ዝርርባት ክኸውን ትጽቢት ይግበር ነይሩ። ስለዚ፡ ኢራን ኣብዚ ምሉእ ብምሉእ ሓድሽ ጉዳይ ኣየተኣታተወትን። እቲ ሓድሽ ነገር፡ እቲ ምፍኳስ እገዳታት ምስ ዳግማይ ምኽፋት ሆርሙዝ ብንጹር ዝተኣሳሰር ክኸውን ብትሪ ምጥላባ እዩ።

6. እቲ ዝደስከለን ዝተሰርቀን ሃብቲ ህዝቢ ኢራን ብዘይ ቅድመ-ኵነት ምልቃቕ፤ ሕጂ'ውን እዚ ጠለብ ሓድሽ ኣይኰነን። ምልቃቕ እቲ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ዝተዓግተ ወይ ዝደስከለ ሃብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተዘተየሉ ጉዳይ እዩ።

መርከብ ኣብ ባሕሪ እናንሳፈፈት

ምንጪ ስእሊ, Elke Scholiers/Getty Images

እዞም ሽዱሽተ ቅድመ-ኵነታት፡ ኢራን ሆርሙዝ ዳግማይ ቅድሚ ምኽፋቱ ክማላእ ኣለዎ እትብሎ ውዕላት ዘስፍሑ እዮም።

ተንታኒ ጉዳያት ማእከላይ ምብራቕ ቢቢሲ ዝዀነ ሰባስቲያን ኣሸር፡ እዚ ተርእዮ መርገጺ ኢራን ይተርር ምህላዉ ዘመልክት ምዃኑ ብምግላጽ፤ "እዞም ቅድመ-ኵነታት፡ ከም ኣካል ናይቲ መዘክር ስምምዕ ኰይኖም ክለዓሉ ዝጸንሑ እኳ እንተዀኑ፡ እቲ ዝቐረብሉ ግዜን ኣገባብን ግና ኣዝዩ ዝተፈልየ ይመስል፡" ይብል።

ቴህራን ንሆርሙዝ "ክሳብ ሕጂ ብመሰረቱ ዕጹው ስለ ዘሎ፡" ዝሓየለ መደራደሪ ዓቕሚ ከም ዘለዋ ኰይኑ ተሰሚዑዋ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል።

ይዅን እምበር፡ ትካል ኲንሲ ኣብ ዝተባህለ ናይ ኣመሪካ ናይ ወጻኢ ፖሊሲ ዘጽንዕ ትካል (think tank) ኣፈጻሚ ምክትል ፕረዚደንት ትሪታ ፓርሲ፡ ኣብ መደብ 'ዊክአንድ' ራድዮ ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ እቶም ኢራናውያን ባዕላቶም እዞም መርገጺታት እተጋነኑ ምዃኖም ከም ዝፈልጡን፡ ካብቲ ጠለባቶም ንድሕሪት ክምለሱ ተኽእሎ ከም ዘሎን ይኣምን።

"እቲ ብወግዒ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዝቐረበ፡ ግድን ምስቲ ኣብ መኣዲ ዘተ ዝንጸባረቕ ሓሳብ ሓደ ክኸውን ኣይክእልን እዩ" ይብል።

ኣባላት ኣገልግሎት ኣመሪካ ኣብ ስራሕ

ምንጪ ስእሊ, US Central Command / X

ፓርሲ ብተወሳኺ እዚ ናይ ድርድር ስልቲ ክኸውን ከም ዝኽእል ብምእማት፡ "ነዚ መስርሕ እዚ ንምንዋሕ ጥራይ ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕሪ ክኸውን ሰፊሕ ተኽእሎ ኣሎ።"

ኣብ መንጎ ሓያሎ ኣኽረርቲ ባእታታት ናይቲ ስርዓት፡ ኢራን ነቲ ኣብ ሰነ ዝተኸተመ ስምምዕ ብሃወኽ ከም ዝተሰማምዓትሉ ዝገልጽ እምነት ከም ዘሎ ይሕብር።

ኣብቲ እዋን፡ እቲ ስምምዕ ቅድሚ ምፍራሱ ንሒደት መዓልታት ጥራይ እዩ ጸኒሑ፤ ድሕሪ ምኽታሙ ድማ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ናይ ሕነ ምፍዳይ መጥቃዕትታት ዳግማይ ተጀሚሩ ነይሩ።

ፓርሲ ከም ዘረድኦ፡ ኣብ ኢራን ዝርከቡ ገለ ወገናት፡ ነቲ ናይ ሽዑ ዝርርባት ብዝያዳ ኣናዊሖምዎ እንተ ዝዀኑ - እዚ ድማ ዋጋታት ነዳዲ ክብ ከም ዝብል ብምግባር ኣብ ዓለምለኻዊ ቍጠባ ዝያዳ ቃንዛ ምፈጠረ - ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ኢራን መጥቃዕቲ ንምክያድ ብሃወኽ ትእዛዝ ኣይምሃበን ዝብል ምጕት የልዕሉ እዮም። እዚ ግን ኢራን ዳግማይ ክትደግሞ ዘይትደሊ 'ጌጋ' እዩ።

እዚ ዀይኑ ግን፡ ፓርሲ ሕጂ'ውን ብዛዕባ ሆርሙዝ ዝግበር ስምምዕ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ክበጻሕ ከም ዝኽእል ይግምት ኣሎ።

እቶም ኣብ መራኽብ ኰይኖም ዝጽበዩ ዘለዉን ዋጋ ነዳዲ ዝከታተሉ ዘለዉን ወገናት ድማ ትንታነኡ ሓቂ ክኸውን ተስፋ ይገብሩ።