እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሩስያ ዝደገፈቶን ቻይና ዓይና ዝሓሰየትሉን እገዳ ኣመሪካ ዓሎቚ'ዩ ነይሩ - ኤርትራ
ኣመሪካ ኣብ ልዕሊኣ ዘንበረቶ እገዳታት ከተልዕሎ ትዳሎ ከምዘላ ዝገልጽ ጸብጻባት ተስፋ ዝህብ ምዃኑ ኤርትራ ገሊጻ።
ምኒስትሪ ዜና እታ ሃገር ረቡዕ 6 ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ እገዳታት ክለዓል'ዩ ዝብል ጸብጻባት ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ እቲ ስጕምቲ ነቲ ግጉይ ክብል ዝገለጾ ፖሊሲታት ዋሽንግተን "ብዘላቕነት ብምእራም፡ ፍትሒ፡ ሕጋውነትን ርትዒን ዘረጋግጽ ክኸውን ተስፋ ንገብር" ኢሉ።
ነቲ እገዳታት ኣብ መጋባእያ ዓለም ክትነቕፎ ዝጸንሐት ኣስመራ ንፈለማ እዋን'ያ ብዛዕባ'ዚ ናይ ምልዓል ጽንጽንታ ርእይቶ ትህብ ዘላ።
ምምሕዳር ዶናልድ ትራምፕ ንእገዳ ኤርትራ ከልዕሎ ምዃኑ፡ ሮይተርስ ዝረኣዮ ናይ ውሽጢ ሰነድ መንግስቲ ኣመሪካ የመልክት። እዚ ውሳነ፡ ምስቲ እታ ሃገር ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ስትራተጅያዊ ኣቀማምጣ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ተንተንቲ ይገልጹ።
እቲ ኣብ 2021 ዝተነብረ እገዳ ብቐንዱ ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ኲናት ዝተፈጸመ ግፍዕታትን ዝተሓሓዝ ኰይኑ፡ ንሰራዊት ኤርትራ፡ ገዛኢ ውድብ ህግደፍ፡ ከምኡ'ውን ንሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ ዒላማ ዝገበረ እዩ።
እቲ ንምምሕዳራት ፕረዚደንት ባራክ ኦባማን ፕረዚደንት ጆ ባይደንን ዝነቐፈ ጋዜጣዊ መግለጺ ምኒስትሪ ዜና፡ እቲ እገዳታት "ዓሎቕ" ምንባሩ ይጠቅስ።
"ኣብ መወዳእታ 2009፡ ኣብ ቅንያት 'ክሪስማስ'፡ ምምሕዳር ኦባማ ዝፈብረኾን ዝደፍኣሉን፡ ዝዀነ ጭብጢ ወይ መርትዖ ዘይነበሮ፣ ዝዀነ ሕጋዊ መስርሕ ዘይተኸተለ ዓላቚ እገዳ፡ ብስም ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተበዪኑ። መጐታዊ ኲነኔና፡ ሽዑ ኣዊጅና" ኢሉ።
መመኽነይታ ናይቲ እገዳ እንታይ ከምዝነበረ ንምፍላጥ ኤርትራ ዝገበረቶ ጻዕሪ "ኪምለሽ ኢና ጠሊብና። ዛጊት ከኣ ኣይተመለሸን። ንኣሸባብ ዝድግፍ ዝነበረን ዘሎን መን'ዩ? ናይ ዓላቚ እገዳታት ተሓታቲ ኸኣ፡ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ይቕረብ!" ይብል።
"ኣብ'ዚ ቅንያት'ዚ፡ እቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተበየነ ዘይሕጋዊን በይናዊን እገዳታት ኣብ ቀረባ ግዜ ክለዓል'ዩ ዝብል ጸብጻባት ኣሎ። እዚ ስጒምቲ'ዚ፡ ነቲ ግጉይ ፖሊሲታት ብዘላቕነት ብምእራም፡ ፍትሒ፡ ሕጋውነትን ርትዒን ዘረጋግጽ ክኸውን ተስፋ ንገብር።"
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ምስቲ ምምሕዳር ዘካየዶ ጽምዶ ክዕወት ከምዘይክኣለ ክገልጽ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣብቲ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ዘካየዶ ቃለመሕትት፡ ዋሽንግተን ኣብ ኤርትራ ወፍሪ ከምዘይክኣል ምግላጻ ከምዘቖጥዖ ተዛሪቡ ነይሩ።
"መደወኒ ወይ ድማ መሰይጠኒ ዓይነት መልእኽቲ እዩ። ብኸመይ መገዲ ከምዚ ተጋራጫዊ መልእኽቲ ክመጽእ ይኽእል?።
"በቲ ሓደ ወገን ኮፍ ኢልና ክንዛረብ ንደሊና ብዛዕባ ወፍሪ ብዛዕባ ቍጠባዊ ምትሕግጋዝ እንድሕር ተባሂሉ፡ ኣብ ኤርትራ ኣይክኣልን'ዩ እንሕድር ዝብሃል ኰይኑ ንምንታይ'ዩ እቲ ዕላማ? ጸቕጢ ክትገብር፡ ወፍሪ ብናትካ ኵነት ከተገድድ ምእንቲ? ዶስ ነቲ ጽምዶ ንገዛእ ርእሱ ከትብትኖ ምእንቲ'ዩ ዝግበር ዘሎ?" ኢሉ ሕቶ ብምቕማጥ፤
"ኣነ ሕጂ እንታይ'የ ዝብሎ፡ ድብያን ጭውያን'ዩ፡ ከም ስልቲ እንተሪኢኻዮ ድብያን ጭውያን። ከትሪ፡ ትኸትር ኣብ መንገዲ፡ ነቲ ጉዳይ ከይከደ እንከሎ፡ ድሕሪኡ ናትካ ዝመስለካ ኣርእስቲ [ተምጽእ]።"
"እዚ ግን ንዓና ሓድሽ'ውን ኣይኰነን፡ ሓድሽ'ዩ ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን፡ ባህሪ ናይቲ ስርዓትን ኣሰራርሓኡን'ዩ። ትጕንጽ፡ ተፈራርሕ፡ ትህድድ ተሰይጥን፡ ድሕሪኡ ድደለኻዮ ትረከብ ዓይነት፡ ከም ሓደ ናይ ፖሊሲ 'ጋይድላይን' (መርሓ ናይ ፖሊሲ) እዩ ኢልና ክንዛረብ ንኽእል። ግን ልምዲን ባህልን'ዩ፡" ኢሉ።
እንተዀነ ኣስመራ በቲ ገጢሙዋ ዘሎ ብድሆታት ተስፋ ከይቆረጸት ምስ ምምሕዳር ትራምፕ ዝግበር ጽምዶ ከትቅጽሎ ምዃና እቲ ፕረዚደንት ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ዝብሃል ዘሎ ምልዓል እገዳ ሓቂ እንተዀይኑ፡ ውጽኢት ናይ ከምዚ ዝበለ ናይ ጽምዶ ተበግሶታት ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።
ኣብ 2009 ንኣል-ሸባብ ኣጽዋር ሂባ ብዝብል ክሲ ዝተወሰነን ኣብ 2018 ዝተላዕለን እገዳ ደገፍ ሩስያን ተዓቅቦ ቻይናን ምርካቡ ባህ ከምዘየበሎም'ውን እቲ መግለጺ ከይጠቐሰ ኣይሓለፈን።
ኢትዮጵያ እቲ እገዳ ኣብ ልዕሊ ኣስመራ ክግበር ካብ ዝጕስጉሳ ዝነበራ ሃገራት ኰይና መሪሕ ተራ ከም ዝተጻወተት ይፍለጥ።
እቲ ኣብ 23 ታሕሳስ 2009 ዝሓለፈ 'ውሳነ 1907'፡ ናይ ኣጽዋር፡ ከምኡ'ውን ንገለ ሰበስልጣን ኤርትራ ዒላማ ዝገበረ ናይ መገሻ እገዳን ምድስካል ሕሳባትን ዘጠቓለለ'ዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዘቕረቦ ጥርዓን፡ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ሕብረት ኣፍሪቃን ኢጋድን ስለዝደገፋኦ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ እገዳ ጽኑዕ ከም ዝገበሮ እዩ ዝፍለጥ።
ቀወምቲ ኣባላት ናይቲ ባይቶ ዝኾና ሩስያን ቻይናን ብዘለወን ወሳኒ ድምጺ (ቬቶ) ደው ክብልኦ ዘይምድላየን፡ ካብኡ ሓሊፈን ሓንቲአን ምድጋፋ እታ ካልኣይቲ ድም ስቕታ ምምራጻ ንኣስመራ ኣቕሒሩዋ ከም ዝነበረ ይግለጽ።
ሞስኮ ምሉእ ደገፋ ብምሃብ እቲ እገዳ ክግበር ከተድምጽ እንከላ፡ በይዢንግ ብወገና ከም ልማዳ ተዓቅቦ-ድምጺ ብምግባር ክሓልፍ ኣፍቂዳ።
"እቲ ዝገርም፡ ሽዑ - ናይ ፈደረሽን ሩስያ ወኪል ኣብ ኒውዮርክ፡ ንናይ ምምሕዳር ኦባማ ዓሎቕ ብምሉእ ኪድግፍ ከሎ፡ ናይ ቻይና ወኪል ከኣ ስማዊ 'ኣብስተንሽን' ኣብቲ ግሁድ ዓሎቕ ኣመዝጊቡ" ብምባል፡ ኤርትራ ነቲ ክልቲአን ሓያላት ሃገራት ዝተኸተልኦ መርገጺ ከምዘይረሰዓቶ ኣብዚ ናይ ትማሊ መግለጺኣ ኣዘኻኺራ።
ኣብ ዝቐጸለ ዓመታት ግን፡ ኤርትራ ጸግዒ ሩስያን ቻይናን ብምውሳድ ንዋሽንግተን ክትነቅፍ'ያ ጸኒሓ። ኣብ 2023 ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሞስኮ ምስ ሩስያዊ መዘናኡ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ዝተራኸበሉ ሩስያ ነቲ ይቕልቀል ኣሎ ዝበሎ "ሓድሽ ዓለማዊ ስርዓት" ክትመርሖ ጸዊዑ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ናይ 2009 እገዳ ብኣቦ መንበርነት ኡጋንዳን ቡርኪናፋሶን ዝቐረበ ኮይኑ፡ 13 ድምጺ ብምርካቡ'ዩ ናብ ተግባራውነት ሰጊሩ።
ብመሰረት እቲ ውሳነ ሓደ ተቘጻጻሪ ጕጅለ ኣብ ጉዳይ እገዳ ኤርትራ (Monitoring Group) ተመስሪቱ።
ኣብ ሓምለ 2012፡ ኤርትራ ንኣልሸባብ ከምትድግፍ ከእምን ዝኽእል ጭብጢ ከምዘይረኸበ ዝገልጽ ጸብጻብ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኣብ ጥቅምቲ 2012 መንግስቲ ኤርትራ እቲ እገዳ ንኽልዓል ናብ ውድብ ሕቡራት ጥርዓን ብምቕራቡ ካብ ቻይና፡ ሩስያን ደበብ ኣፍሪቃን ናይ ደገፍ ድምጺ ረኺቡ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ገለ ተቓወምቲ መንግስቲ ኤርትራ ከይተረፉ እቲ እገዳ ምኽኑይ ከምዘይነበረን ብጸቕጢ ኢትዮጵያን መሻርኽታን ከምዝተወሰነ'ዮም ዝምጉቱ። ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ደገፍቲ መንግስቲ ኤርትራ'ውን ኣብ ዳያስፖራ ኣንጻር እቲ እገዳ ሰፋሕቲ ተቓውሞታት የካይዱ ምንባሮም ይዝከር።
ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስ መጸኣ፡ ኣብ ክረምቲ 2018 ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ኣስመራን ጂዳን "ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን" ብምፍራም ነቲ ንኣስታት 20 ዓመታት ዝቐጸለ ኲነተ-ኲናት ከምዘብቅዐ ድሕሪ ምእዋጆም፡ ኣዲስ ኣበባ እቲ እገዳ ክለዓል ብወግዒ ንባይቶ ጸጥታ ሓቲታ ነይራ።
ኣብ ሕዳር 2018 ድማ እቲ ባይቶ ነቲ እገዳ ከምዘልዓሎ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ምስ ኤርትራ ዘይተወድአ ጉዳይ ዘለዋ ጂቡቲ ግን እቲ እገዳ ክለዓል የብሉን ዝብል መርገጺ ወሲዳ ነይራ'ያ። ዛጊት ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ተበቲኹ ይርከብ።
"ድሕሪ ናይ 9 ዓመታት ኣዕናዊ ሳዕቤናት'ቲ ዓላቚ እገዳ፡ ኣብ 2018 "እገዳ ይለዓል ኣሎ" ምስ ተባህለ'ውን፡ ዋላ'ኳ ደንጒዩ ዝመጸ እወታዊ ስጒምቲ እንተነበረ፡ "የቐንየልና" ኣይበልናን" ይብል መግለጺ ምኒስትሪ ዜና።
ኣብ 2017 እውን ኤርትራ ኣብ መዝገብ ናይተን ግብረሽበራ ዝድግፋ ተባሂለን ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝጥቀና ሃገራት ኣትያ ነይራ። ኣብ 2019 ካብቲ መዝገብ ምውጻኣ ብሓጎስ ከም እትቕበሎ መንግስቲ ኤርትራ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ኣብቲ እዋን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ እታ ሃገር ኣብቲ መዝገብ ምስፋራ ብቐደሙ'ውን ግጉይ ምዃኑን፡ እንተኾነ ግን ዋላኳ እንተ ደንጎየ ሕጂ እቲ ውሳነ ምውሳዱ ቅኑዕ ምዃኑ ተዛሪቡ ነይሩ።
"ኣብተን ዝሓለፋ ዓሰርተታት ዓመታት ኤርትራ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ግብረሽበራ ዝነበራ ተራ ዝድነቕ'ዩ" ብምባል'ዩ ሃገሩ ኣብቲ መዝገብ ምስፋራ ርትዓዊ ከምዘይነበረ ኣረዲኡ።