ህወሓት ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝቐረበሉ ክሲታት ምላሽ ሂቡ

ንባብ: 2 ደቓይቕ

ህወሓት ነቲ ካብ ሱዳን ወተሃደራዊን ገንዘባዊን ደገፍ ከምዝረኸበ ዝገልጽ ክሲ መንግስቲ ኢትዮጵያ "መሰረት ዘይብሉ" ክብል ነጺግዎ።

እቲ ውድብ ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ብሰኑይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ዝወጸ መግለጺ "ወጥሪ ንምውላዕ" ዝዓለመ'ዩ ክብል ተቓውሞኡ ገሊጹ'ሎ።

"ነዞም ክስታት እዚኦም ብዘየወላውል ንነጽጐም። መሰረት ዘይብሎምን ሓላፍነት ዝጐደሎምን እዮም።

"ህወሓት፡ ኣብ ዝኾነ ንዞባዊ ምርግጋእ ዝዘርግ ዝኾነ ንጥፈታት ኣይተሳተፈን ኣይደገፈን" ይብል እቲ ካብ መቐለ ዝወጸ መግለጺ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ብሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መብርሂ፡ ብጀነራል ኣልቡርሃን ዝምርሑ ሓይልታት ሱዳን ንዕጡቓት ህወሓት ናይ "ኣጽዋርን ገንዘብን ደገፍ" ከምዝሃበ ብምኽሳስ፡ ምዕራባዊ ዶባት ኢትዮጵያ ከምዝተጣሕሰን ትዕግስቲ ክገብሩ ከምዝመረጹን የመልክት።

"እዞም ተጻብኦታት እዚኦም፡ ከምኡ'ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ብወገን ሰበስልጣን ሓይልታት ሱዳን ዝቐረበ ተደጋጋሚ ክስታታትን፡ ብድፍኢት ናይ ባዕሎም ተጻባኢ ኣጀንዳ ዘለዎም ናይ ወጻኢ ሓይልታት ዝተገብረ'ዩ" ይብል መግለጺ ናይቲ ሚኒስትሪ።

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት መንግስቲ ሱዳን፡ ካብ ኢትዮጵያ ዝተበገሰት ሰብ-ኣልቦ ነፋሪት ኣብ ካርቱም መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ድሕሪ ምኽሳሱ'ያ ኣዲስ ኣበባ ምላሽ ሂባ።

እታ ካብ ከተማ ባህርዳር ተበጊሳ ዝበላ ድሮን ንመዓርፎ ነፈርቲ ካርቱም ዒላማ ከምዝገበረት'ዩ እቲ ብወገን ሱዳን ዝወጸ መግለጺ ዝጠቅስ።

ኣዲስ ኣበባ ብወገና፡ ትማሊ ኣብ ዝሃበቶ ምላሽ፡ እቲ "መሰረት ዘይብሉ" ክሲ "ብትእዛዝ ሓይልታት ወጻኢ ዝቐረበ እዩ" ክትብል ነጺጋቶ'ላ።

እቲ ዝተፈጸመላ መጥቃዕቲ "ብዘይ ግብረመልሲ ከምዘይሕለፍ" ዘጠንቀቐት ካርቱም፡ ተቓውሞኣ ንምግላጽ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣምባሳደራ ከምዝጸውዓቶ ኣፍሊጣ ነይራ።

ነቲ መግለጺ ዝሃቡ ኣፈኛ ሰራዊት ሱዳን ብ/ጀነራል ኣሲም ዓዋድ ዓብደልዋብን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሙሂ ኣል-ዲን ሳልምን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኢትዮጵያን ነቶም ብጀነራል ዳጋሎ ዝምርሑ ሓይልታት ኣደዒም ኣል-ሰሪዕ ይድግፋ ኣለዋ ክብሉ'ውን ከሲሶም ኣለዉ።

ንሓይልታት ኣልሰሪዕ ከምእትድግፍ እትኽሰስ ኢማራት፡ ነቲ ዝቐርበላ ሓያል መርትዖታት ክትነጽጎ ምጽንሓ ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ዝምድና ኣዲስ ኣበባን ኣቡ ዳቢን እናሓየለ ክመጽእ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ፈለማ ግንቦት 2025 ምስታ ንሓይልታት ኣልሰሪዕ ትድግፍ'ያ ዝብላ ኢማራት ዘለዎ ዝምድና ከምዝበተኸ ይዝከር።

ሱዳን ኣንጻር ኢትዮጵያ ንዝዓጠቑ ተቓወምቲ ብምእንጋድ ተጻባኢ ተግባራት ትፍጽም ከምዘላ'ያ ኢትዮጵያ ትኸስስ።

"ንጥፈታት ዕሱባት ህወሓት ኣብ ሱዳን ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። ሱዳን መናሃርያ ናይቶም ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝኾኑ ሓይልታት ኮይና ተገልግል ከምዘላ'ውን ዘይትኣደነን እሙንን መርትዖታት ኣሎ" ይብል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ።

ነቲ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ዝተሸመ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ብምእላይ፡ ብኢደ-ወነኑ መንግስቲ ከምዝመስረተ ዝገልጽ ዘሎ ህወሓት፡ "ንሰላማዊን ብልዝብ ዝብጻሕ ፍታሕን ውፉይ" ምዃኑ ኣፍሊጡ'ሎ።

"ሓይልታትና፡ እንተላይ እቶም ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘለዉ፡ ንተፈናቐልቲ ብውሑስን ዝተረጋገአን ኣገባብ ናብ መረበቶም ንምምላስ ቅሩባት ከምዘለዉ" እውን ህወሓት የመልክት።

መንግስቲ ሱዳን ነቶም ኣብ እዋን ኲናት ክልተ ዓመት ካብ ምዕራብ ትግራይ ሃዲሞም ናብ ሱዳን ዝኣተዉ ዝሃቦም "ሰብኣዊ ደገፍ" ዝነኣደ መግለጺ ህወሓት፡ "እዚ ሰብኣዊ ተግባር እዚ ብኽፋእ፡ ናብ ካልእ ፖለቲካዊ ትረኻ ክጥምዘዝ የብሉን" ይብል።

መግለጺ ኣዲስ ኣበባ ነታ ሃገር ናብ ዘየድሊ ምትፍናንን ግጭትን ከእትዋ ከምዝኽእል ብምጥንቃቕ፡ ዘላቒ ሰላም ንክሰፍን ኣሳታፍን እሙንን ልዝብ ክካየድ ጸዊዑ ኣሎ።