ግዳይ ቀታሊ ቫይረስ ዝኾነት መርከብ ናብ ወደብ ክትኣቱ ተፈቒዱላ

ንባብ: 4 ደቓይቕ

እታ ብሓደ ቀታሊ ቫይረስ ተጠቒዓ እትርከብ መርከብ 'ኤም-ቪ ሆንዲዩስ' ዝቕበላ ስኢና ቀንፈዘው ክትብል ድሕሪ ምቕናያ ናብ ሓደ ወደብ ስጳኛ ክትኣቱ ተፈቒዱላ ኣሎ።

ኣብታ ናይ ዙረት መርከብ (ክሩዝ) ካብ ዝነበሩ ኣስታት 150 ገያሾ ዛጊት ሰለስተ ሰባት በቲ ሕማም ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

ሓደ ብጽኑዕ ሓሚሙ ዝቐነየ ኣብታ መርከብ ዝነበረ ብሪጣንያዊ ሓኪም'ውን ሎሚ ብፍሉይ መጓዓዝያ ናብ ሆላንድ ይውሰድ ከምዘሎ ሰብመዚ ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ድሓን ኩነታት ከምዝርከብ'ዩ እቲ ሓበሬታ ዘመልክት።

እታ ካብ ደቡባዊ ጫፍ ኣትላንቲካዊ ውቅያኖስ ተበጊሳ ንሰሜን ትጓዓዝ ዝነበረት መርከብ ኣብ ውሽጣ ለበዳ 'ሃንታቫይረስ' ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ገለ ካብቶም ተጓዓዝቲ በቲ ሕማም ክጥቅዑ ጀሚሮም።

ሓደ ኣብ ፍርቂ-መንገዲ እንከላ ክመውት እንከሎ፡ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተወስዱ ክልተ ሰብሓዳር ድማ ኣብ ጆሃንስበር ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

ኣብ ከባቢ ናይታ ኣብ ማእከል ውቅያስ እትርከብ ኣፍሪቃዊት ሃገረ ኬፕ-ቨርደ ምስ በጽሐት፡ ናብ ወደብ ክትጽጋዕ ጠለብ'ኳ እንተቕረበት፡ ነቲ ለበዳ ዝሰግኡ ሰብመዚ እታ ሃገር ንሕቶኣ ኣይተቐበልዎን።

ክልተ በቲ ሕማም ዝተለኽፉን "ኣብ ሕማቕ ኩነታት" ኣለዉ ዝተባህሉን ሰባት ብምትሕብባር ውድብ ጥዕና ዓለም ካብታ መርከብ ከምዝግዕዙ ተገይሩ ኣሎ።

ብኩነታት እቶም ዜጋታት 23 ሃገራት ዝኾኑ ገያሾ ዝሰግአ መንግስቲ ስጳኛ ብወገኑ፡ ናብተን ኣካል እታ ሃገር ዝኾና ደሴታት ካናሪ ክትጽጋዕ ከምእትኽል ኣፍሊጡ። እንተኾነ ፕረዚደንት ናይታ ደሴት ብተመሳሳሊ ስግኣት ንትእዛዝ ማእከላይ መንግስቲ ብምቅዋም፡ ናብ ወደባቱ ከምዘይትኣቱ ኣፍሊጡ።

ሓደ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ኣብ ማእከል ውቅያኖስ ሰንፈላል ዝኾነት ሰንካም ጃልባ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ደገፍ ክግበረሎም ድሕሪ ምምሕጻኑ ሻቕሎትን ስግኣትን ዝዓብለሎ ኣቓልቦ ረኺቦም ቀንዮም። እንተኾነ፡ ገለ ካልኦት ኣብ ውሽጢ ተወሺቦም ከምዘለዉን ዝበዝሑ በቲ ሕማም ከምዘይተለኽፉን'ዮም ዝገልጹ ዘለዉ።

እታ መርከብ፡ ጉዕዞኣ ብምቕጻል ናብ ሓደ ኣብ ደሴት ተነሪፍ (ስጳኛ) ክትኣቱ ተፈቒዱላ ከምዘሎ ማእከላይ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ'ሎ።

ሃንታቫይረስ እንታይ'ዩ ንዝብል፡ እቲ እንፈልጦ ከነካፍለኩም።

ሃንታቫይረስ እንታይ'ዩ?

ሃንታቫይረስ ኣብ ኣንጭዋ ዝነብሩ ዓይነት ቫይረሳት ኰይኖም፡ ብቐንዱ ካብ ብናን ዝነቐጸ ርስሓት ዝሞታ ኣናጹ ብምስትንፋስ ናብ ደቂ ሰባት ዝመሓላለፍ እዩ።

ማእከል ምክልኻል ሕማምት ኣመሪካ [ሲዲሲ] ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሃንታቫይረስ ካብ ዝነቐጸ ቀልቀል ኣናጹ፡ ምራቕ ኣናጹን ንሰን ዝፈጥራኦ ርስሓትን ብመልክዕ ብናን ናብ ሰብ ከምዝመላለፍ ይሕብር።

እዚ ሳሕቲ ዘጋጥም ይዅን እምበር ኣናጹ ንሰብ ብምንካስን ብምፍሕጫርን'ውን ናብ ሰብ ከመሓላልፋኦ ይኽእላ'የን።

እቲ ቫይረስ ናብ ሰብ ምስ ኣተወ ከኣ ክልተ ሕማማት ከስዕብ ይኽእል።

እቲ ሓደ ኤችፒኤስ [ሃንታቫይረስ ፓልሞናሪ ሲንድሮም] ዝብሃል ኰይኑ ብረሸሽታ፡ ረስኒ፡ ቃንዛ ጭዋዳታት ጀሚሩ ናብ ሕማም ርእሲ፡ ጽርውሩው፡ ገብገብታን ሕማም ከስዐን ከስዕብ ይኽእል።

እዚ እናበርተዐ ምስ ከደ ናብ ሕማም ስርዓተ ምስትንፋስ ብምስጋር ናይ ሞት ተኽእሎ ናብ 38 ምእታዊት ክብ ከብሎ ይኽእል።

እቲ ካልኣይ ሕማም፡ ሄሞራጂክ ፊቨር ዊዝ ረናል ሲንድሮም (HFRS) ዝብሃል ኰይኑ፡ ዝያዳ ከቢድ ኰይኑ ብቐንዱ ሕማም ኵሊት ዘስዕብ'ዩ።

ኣብዚ ዳሕረዋይ ሕማም ትሑት ጸቕጢ ደም፡ ውሽጣዊ ምፍሳስ ደምን ክሳብ ንዅሊት ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ክገብር ዝኽእል ሕማማት ከስዕብ ይኽእል።

ብደረጃ ዓለም ዓመታዊ ክንደይ ዝዀኑ ሰባት በዚ ሕማም ይጥቅዑ?

ብደረጃ ዓለም ዓመታዊ ኣስታት 150 ሽሕ ብሕማም ሄሞራጂክ ፊቨር ዊዝ ረናል ሲንድሮም (HFRS) ይጥቅዑ።

እቶም ዝበዝሑ ግዳያት ከኣ ካብ ኣውሮጳን ኤስያን ምዃኖም ጸብጻባት ይሕብሩ።

ብቐንዱ ልዕሊ ፍርቂ ካብቶም በዚ ሕማም ዝጥቅዑ ግዳያት ካብ ቻይና ምዃኖም ናሽናል ኢንስትቱት ኦፍ ሄልዝ ይሕብር።

ኣመሪካ፡ እዚ ሕማም ኣብ 1993 ካብ ዝርአ ክሳብ 2023 ኣብ ዝሰነደቶ ጸብጻብ፡ ኣብታ ሃገር 890 ግዳያት ከም ዝተረኸቡ ገሊጻ።

እንተዀነ ሓደ ካብ ዓይነት እቲ ቫይረስ ዝዀነ ብኣናጹ ኖርዋይ ዝብሃላ ኣናጹ ዝመሓላለፍ [ብራውን ራትስ'ውን ይብሃላ'የን] ስዮል ቫይረስ ግን ኣብ ኣመሪካ ትርከበን ዳርጋ ኵለን ሃገራት ይረአ'ዩ።

ብኸመይ ክፍወስ ይኽእል?

ክሳብ ሕጂ ብፍሉይ ንለበዳ ሃንታቫይረስ ንምፍዋስ ዝውዕል መድሃኒት ይዅን ንምክልኻሉ ዝተሰርሐ ክታበት የለን።

ምክልኻል ሕማማት ኣመሪካ [ሲዲሲ] ግን ነቶም በዚ ቫይረስ ዝስዕቡ ሕማማት ንምፍዋስ ከም መካኒካል ቨንቲለሽን [ንምስትንፋስ እትሕግዝ ማሽን]፡ መድሃኒት ጸረ-ተላባዒ ሕማማታን ምሕጻብ ኵሊትን ዝኣመሰሉ ኣገባባት ክግበር ከም ዝከኣል'ዩ ዝመክር።

እቶም ኣዝዩ ዝበርተዖም ግዳያት ከኣ ኣብ ክፍሊ ጽኑዕ ክንክን ኣትዮም ክሳብ ንምስትንፋስ ክሕግዞም ዝኽእል ቱቦ ብጎረረኦም ክኣትዎም ከምዘለዎ'ዩ ሲዲሲ ዝሕብር።

ብተወሳኺ ካብዚ ሕማም እዚ ንምክልኻል ሰባት ኣብ ገዛ ይዅን ኣብ ስራሕ ንኣናጹ ዘለዎ ተቓላዕነት ከወግዱ ከም ዘለዎም ሲዲሲ ይመክር።

ኣናጹ ኣብ ዝሰፍራሉን ቀልቀለን ኣብ ዝወጽኣሉን ቦታ ከነጸሪ እንከለና ከኣ ኣፍንጫና ብግቡእ ክንሽፈንን ከም ጓንቲ ዝኣመሰለ መከላኸሊ ክንጥቀምን ኣለና።

ኣብ ቀረባ ግዜ ብሃንታቫይረስ ዝተጠቕዑ ሰባት ነይሮምዶ?

ኣብ ለካቲት 2025 ብዓልቲ ቤቱ ንዕዉት ኦስካር ተዋሳኣይ ገን ሄክማን ዝዀነት ቤትሲ ኣራካዋ፡ ብሃንታቫይረስ ብዝሰዓበ ሕማም ስርዓተ ምስትንፋስ ሞይታ።

ብዝተገበረ መርመራ ሞታ በቲ ኣብ ኣመሪካ ብብዝሒ ዝርአ ኤችፒኤስ ዝብሃል ብሃንታቫይረስ ዝስዕብ ሕማም ከም ዝተኣሳሰር ክረጋገጽ ክኢሉ።

ኣብ ቀጽሪ ገዛኣ ሰፈር ኣናጹን ዝሞታ ኣናጹን ብብዝሒ ተረኺበን።

ፖሊስ ብዝገበሮ መርመራ'ውን ቤትሲ ኣራካዋ ቅድሚ ምማታ ኣብ ዝነበረ መዓልታት ብዛዕባ ሰዓልን ምስ ኮቪድ ዝተኣሳሰር ምልክታታትን ንምፍላጥ ኣብ ኢንተርነት ትፈታትሽ ምንባራ ከረጋግጽ ክኢሉ።