እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣቡነ ያዕቆብ ገብረየሱስ፡ ኣብ ምዕባለ ቋንቋ ትግርኛ ዝተጻወትዎ ተራ
ምስዮን ካቶሊክ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኣብ ዝተመስረተሉን ጸኒሑ ኸኣ ኣብ ዝማዕበለሉን እዋን፡ ዋላኳ ኣብ ትሕቲ ዝተሓላለኸ መግዛእታዊ ኵነታት እንተነበረ፡ ብሓፈሻዊ ኣዘራርባ፡ ንምእመናን ባይታ ብምፍጣር ልዑልን ምዕቡልን ስርሓት ኣበርኪቱ'ዩ ምባል ማሕታ-ዜና ኣይኰነን፤ ኵሉ ዝፈልጦ ድግማ'ዩ።
ነቲ ጕዳይ ብፍልይ ዝበለ ኣገባብ ክንርእዮ እንከለና፡ ብህይወትን ፍረ-ጻማን ኣቡነ ያዕቆብ ገብረየሱስ ኣቢልና ንርኣዮ።
ካብ ኣበርክቶታት ምስዮን ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ንምጥቃስ፡ ከም መሃይምነት ንምጥፋእ ዝተኻየደ ጻዕሪ ጥራይ ዘይኰነ ብቑዕ ትምህርቲ ኣብ ምዝርጋሕ፡ ክንክን ጥዕና ኣብ ምምዕባል፡ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ድሕነት ኣብ ምትእትታው፡ ስርሓት ቤት ማሕተም ኣብ ምምዕባል፡ ማሕበራት ኣብ ምፍጣርን ተጠርኒፎም ከኣ ብስነ-ስርዓት ከም ዝሰርሑ ምግባርን፡ ኣገባብ ዘመናዊ ሕርሻ ኣብ ምምዕባል፤
ኢደ ጥበብ ብዝምልከት ድማ ብቑዕ ስልጠና ብምሃብ፡ ናብ ዘመናዊ ናብራ ዘሰጋግሩ በብዓይነቶም ትካላት ብምህናጽ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣካይዳ ትካላት ኣድማዕነት ክርከብ ብዲሲፕሊን ከም ዝሰርሑ ምግባር ምስክርነት ዘድልዮ ጕዳይ ኣይኰንነ፤ ኵላህና ብቐረባ ዝረኣናዮን ዝተሞከርናዮን ሓቂ ስለ ዝዀነ።
በዚ ኰይኑ በቲ፡ ካብ ኵሉ ዝዓበየ ኣበርክቶ ቤተ-ክርስትያን ካቶሊክ ንኣባላቱ ብመንፈሳዊ ክንክን ኣሳልዩን ኣብ ዝብጻሕ ኣብጺሑን'ዩ። ሓደ ካብ ተጠቀምቲ ስርሓት ምስዮን ድማ ኣቡነ ያዕቆብ ገብረየሱስ ነበሩ።
ኣብዚ ሓተታ'ዚ፡ ኣቡነ ያዕቆብ ነቲ ዝረኸብዎ ትምህርትን መንፈሳዊ ክንክንን ናይ ስራሕ ዕድላትን ተጠቒሞም ከመይ ኢሎም ኣብ ኣገልግሎትን ረብሓ ህዝቦምን ከም ዘውዓልዎ ክንርኢ ኢና።
ኣካይዳን ንጥፈታትን ኣቡነ ያዕቆብ ከም ኣርኣያ ወሲድና ካብ ጕዕዞ ህይወቶም ብዙሕ ክንመሃር ንኽእል። ነቲ ንሶምን መሰልቶምን ዘፍረይዎ ውጽኢታዊ ህይወት ኣጽኒዕና ነቲ ሞዴል ምዕባለ ከይሓናዀልና ብግቡእ ምስ እንጥቀመሉ እዚ ዅሉ ኣብ ጽባሕ-ናጽነት እንርእዮም ዘለና ማሕበራዊ ሓጐጽጐጽ ክንኣልዮም ምኸኣልና ነይርና ዝብሉ ምሁራን ክዛረብሉ ይስማዕ'ዩ።
ንድሕሪት ምልስ ኢልና ምስ እንርኢ፡ ካቶሊካዊ ክርስትና ኣብ ኤርትራ ሱር ካብ ዝሰድድ ሓያሎ እዋን ኰይኑ'ዩ - ካብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ብምስዮናዊ ስራሓት ብጹእ ጁስቲን ደ-ጃኮቢስ ኣቢሉ (ብ1839) እዩ ተኣታትዩ ይብሉ ሰነዳት ታሪኽ ሃይማኖት።
ሓደ ካብቶም ኣገደስቲ ሽዑ ዝተኣታተዉ ውሳነታት ድማ እቲ ስርዓት ብናይ ግዕዝ ሊጡርግያዊ ባህሊ ንኽካየድ ዝተወስደ ውሳነ ነበረ።
በቲ ዘመን'ቲ ቅዳሴ ብወግዒ ላቲን ይቐርብ ከም ዝነበረ ምዝካር የድሊ። ኰይኑ ድማ እቲ ሽዑ ዝተኣታተወ ለውጢ ነቲ ድሒሩ ዝሰዓበ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካቶሊካዊ ባህሊ መሰረት ከም ዝዀኖ ኣየማትእን።
ሎሚ ኣብ ዞባና ደ-ጃኮቢስ ሓደ ካብቶም ቀንዲ መስረትቲ እምነትን ትካላት ሃይማኖት ካቶሊክን ምዃኖም ብወግዒ ይምስከረሎም'ዩ። ኣብ ክሊ ምእመናን ካቶሊክ ድማ ከም መሰረት ቅዲ መንፈሳውነቶም ኰይኖም 'ዮም ዝቐርቡ።
ኣብዚ መዳይ ንኣቡነ ያዕቆብ ምስ ብጹእ ጁስቲን ደ-ጃኮቢስ ኣተኣሳሲርና ከነቕርቦም ይከኣል።
ንምዃኑ፡ እዚ ዛንታ'ዚ መብዝሕትኡ ሸነኹ ካብቲ ኣባ ቴዎድሮስ ኣብርሃ ኣብ ኢንሳክሎፒድያ አትዮፒካ ካብ ዘስፈሩዎ ሓተታ'ዩ ተወሲዱ።
ኣባ ቴድሮስ ኣብርሃ ካህን ካቶሊክ (ካፑቺን) ኰይኖም ብናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክርስትያናዊ ውርሻታት ሊቅነት ዘለዎም ኣብ ዓዲ ጣልያን ዝመደበሮም ካህንን ዓቢ ተመራማርን'ዮም፤ ብሕልፊ ብጽሑፋት ግዕዝን ናይ ቀዳሞት ኣቦታት መንፈሳዊ ባህልታትን ኣዝዮም ዝግዱሱ፣ ኰይኑ ድማ፡ ብርክት ዝበሉ ጽሑፋት ዘበርከቱ ምሁር'ዮም።
ናብ ኣቡነ ያዕቆብ ተመሊስና ምስ እንርኢ፡ እዞም ብ11 ምያዝያ 1889 ኣብ ሔቦ ተወሊዶም ብ22 ጥሪ 1969 ኣብ ኣስመራ ዝዓረፉ ግዙፍ ታሪኽ ዘለዎም ኣቡነ ያዕቆብ ገብረየሱስ ካህንን ተዎሎገኛን (ብስነ-ሃይማኖት ልዑል ፍልጠት ዝተጓናጸፉ) እዮም ነይሮም። ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ኸኣ ልዑል ኣበርክቶ ዝገበሩ ካህን ነበሩ።
ኣቡነ ያዕቆብ ካብ ኣቦኦም ኣቶ ገብረየሱስ ገብረመድህንን ኣደኦም ወይዘሮ ስላስ ጨገር (ድሒረን ምስ ፈለሳ ኸኣ ብእናቴ ስላስ ዝፍለጣ ዝነበራ) እዮም ተወሊዶም።
ኣባሓጎኦም ቀሺ ገብረመድህን ከኣ ቀሺ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን እዮም ነይሮም። ንሶም ኣብ ጓልዓ (ዓጋመ) ካብ እንዳ ዓበይቲ 'ዮም ተወሊዶም ይበሃል። ምስ ሃጸይ ዮሃንስን ደግያት ሰባጋዲስ ወልዱን'ውን ዝምድና ከም ዝነበሮም ይግለጽ።
ብጹእ ጁስቲን ደ-ጃኮቢ ኣብ ምድሪ ዓጋመ ብዘካይድዎ ዝነበሩ ሃይማኖታዊ ጐስጓሳት ንቀሺ ገብረመድህን ኣብ እምነት ካቶሊክ ከም ዘጠመቕዎም ኣባ ቴድሮስ የዘንትዉ።
እምነት ካቶሊክ ምስ ተቐበሉ ኸኣ ንክዝርግሕዎ ንሔቦ (ኣከለጉዛይ) ገዓዙ። ስለዚ ውርሻ እምነት ኣቡነ ያዕቆብ ገብረየሱስ ብኣባሓጎኦም ኣቢሉ ናብኦም ከመይ ኢሉ ከም ዝበጽሐ ክንግንዘብ ንኽእል።
ኣቡነ ያዕቆብ መንፈሳዊ ትምህርቶም ኣብ ኣዅሩርን ከረንን 'ዮም ኣጠናቒቖምዎ። ብኣቡነ ካሚሎ ካራራ ከኣ ብ30 ግንበት 1913 ተቐብኡ። ሽዑ ናብ ሰበኻታት በራቒት፡ ጊንዳዕ፡ ኣዅሩር፡ ሰገነይቲ እናኸዱ ንኸገልግሉ ድማ ተመደቡ።
ኣብዚ ንኣቡነ ካሚሎ ካራራ (1871-1924) መንነቶምን ግዙፍ ኣበርክቶኦምን ክጥቀስ ኣገዳሲ እዩ። ንሶም እቶም ቀዳማይ ሃዋርያዊ ቆመስ ኤርትራ ኰይኖም ብ1911 ብጳጳስ ፒዩስ 10ይ ተቐቢኦም ንኤርትራ ዝተላእኩ ኣባል ምስዮን ካፑቺን ነበሩ፣ ኣውራ ዝዝከርሉ ምኽንያት ድማ ነታ ኣብ ኣስመራ እትርከብ ቤተክርስትያን 'ካቴድራለ' ዘስርሑ ብዓል ዓቢ ሞያ ብምንባሮም'ዩ።
ኣባ ቴድሮስ ኣብርሃ ከም ዘዘንትዉዎ፡ "ኣቡነ ያዕቆብ ንሓደ ብኣባ ጅሮም ዝፍለጡ (ገብረመድህን ገብረሙሰ) ተኪኦም ከም ተርጓምን ኣማኻርን ኣቡነ ካራራ ኰይኖም ክሰርሑ ጀመሩ" ይብሉ።
ዛንታ ኣባ ጅሮም እውን ብውሑዱ ርእሱ ዝኸኣለ 'ኣዝዩ ፍሉይን ዓብን'ዩ' ምዃኑ ምእማት ኣገዳሲ እዩ።
ኣቡነ ያዕቆብ ትጉህን ብቛንቋታት ዞባና ኸእ ኣዝዮም ብሱል ስለዝነበሩ ኣብ ልዕሊ ስርሖም (ንኣቡነ ካራራ ኣብ ምምኻር ሓሊፎም) ብተወሳኺ ኣብ ቤት ማሕተም ፍራንቸስካና ከም ዋና ኣካያዲ ስራሕን ኣብ ሜማ ጽሑፋት ብምንጣፍን ዕዙዝ ኣገልግሎት ከበርክቱ ጀመሩ።
ቤት ማሕተም ፍራንቸስካና ኣብ ታሪኽና ዓቢ ተራ ዝተጻወተ ቤት ማሕተም ኰይኑ፡ ብሚስዮን ካቶሊክ ተመስሪቱ ስርሑ ኣብ ባጽዕ ዝጀመረ (ብ1863)፡ ጸኒሑ ኣብ ከረን ዝገዓዘ (1879)፡ ኣብ መወዳእታ ድማ ኣብ ኣስመራ ብምስፋር (1912) ክሳብ ሎሚ ዘገልግል ዘሎ ኣብ ሕትመትን ትምህርቲ ዓቢይ ኣበርክቶ ዝገበረ ቤት ማሕተም'ዩ።
ኣባ ያዕቆብ ብዙሕ ከይጸንሑ፡ ብ1921 ከም ካህን ሰበኻ ኪዳነ ምሕረት (ኣስመራ) ኰይኖም ንኸገልግሉ ተመዘዙ።
ትግሃቶም በቲ ሽዑ ዘበርክትዎ ዝነበሩ ስርሓት ክትመን ይከኣል፤ ቤተክርስትያ ኪዳነ ምሕረት ከም ዝሕደስ ብምግባር፡ መንፈሳዊ ማሕበራትን ናይ ግብረ-ሰናይ ማሕበራትን ብምፍጣር ነቲ ቤተክርስትያን ብግቡእ የገልግሉዎ ከም ዝነበሩ ኣብቲ ኣባ ቴድሮስ ኣብ ጽሑፎም ዘስፈርዎ ምስክርነት ንረኽቦ።
ኣቡነ ያዕቆብ ኣብ ልዕሊ ምክያድ ቤተክርስትያንን ምጕሳይ ምእመናንን ኣብቲ ሽዑ ብጣልያን ዝተተኽለ ቪቶርዮ-ኢማኑኤለ ዝበሃል ዓቢ ቤት-ትምህርቲ፡ ቋንቋታት ግዕዝን ኣምሓርኛን ትግርኛን ይምህሩ ነበሩ።
ነቲ ዘመን'ቲ ብሒደት ቃላት ንምግላጽ፡ ኣጕባዝ ኤርትራ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ተዓስኪሮም ንሊብያ ዝተሰደድሉ ዘመን ነበረ።
እቲ ዘሕዝን ከኣ በቲ ዘመን'ቲ ምንቅጥቃጥ-ምድሪ ንባጽዕ ከም ዘዕነዋ፣ እንተዀነ ጣልያን ድሕር ከይበሉ ንባጽዕ ዳግም ብምህናጽ፡ ንመንገዲ ባቡር ካብ ባጽዕ ንኣስመራ ብምእታው፡ ካብ ኣስመራ ኸኣ ክሳብ ኣቑርደት ኣብጺሑዎ ነበረ። ምስኡ ኸኣ ኣብ ዓሊግርድ (ጥቓ ተሰነይ) ዓቢ ናይ ጡጥ ሕርሻ ዘሪኡ ነቲ ዞባ ኣደንፊዕዎ ነበረ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ዘመን'ቲ ንኣቡነ ኪዳነማርያም ካሳ ሒዙ ኸኣ መጸ። ብ3 ነሓሰ 1930 ኣቡነ ኪዳነማርያም ከም ቀዳማይ ኣቡን ኤርትራ - ናይ ስርዓተ-ግዕዝ ምዃኑ'ዩ - ኰይኖም ዝተቐብኡሉ ዘመን ነበረ።
ሽዑ ኣቡነ ያዕቆብ፡ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኣቡነ ኪዳነማርያም ኰይኖም፡ ከም ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ ቆመሳት ኰይኖም ንኸገልግሉ ስለ ዝተሓርዩ ንሓማሴን ከመሓድሩ ብቤተ-ክርስትያን ሓላፍነት ተዋህቦም።
ሒደት ዓመታት ጸኒሖም ድማ ስራሕ ብምልዋጥ ንሰበኻ ሰገነይቲ እናገልገሉ ንምሉእ ምድረ ኣከለጉዛይ ከም ቆመስ ኰይኖም ከገልግሉ ተመርጹ። ሓደ ካብቶም ዘዘክሮም ስርሓት ድማ ኣብ ሰገነይቲ ንቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ሚኪኤል ክሃንጹ ብምኽኣሎም'ዩ።
ብ1942 ንማዕረባ ምስ ተለወጡ ኸኣ ንትርፊ ግዜኦም ኣብ መጽናዕትን ምጽሓፍን የሕልፉዎ ነበሩ ይበሃል። ብ1946 ድማ ንኣርባዕተ ዓመት ዝኣክል ኣብ ኮምቦኒ ኮለጅ ከም መምህር ኰይኖም ኣገልገሉ።
ብ1950 ጳጳስ ፒዩስ 12 ንኣቡነ ያዕቆብ ከም ሃዋርያዊ ኣመሓዳሪ ኤርትራ ኰይኖም ንኸገልግሉ መዘዙዎም። ከም ኣቡን ኤርትራ ኰይኖም ንኸገልግሉ ድማ ብ1951 (ምስ ኣባ ሃይለማርያም ካሕሳይ ሓቢሮም) ብካርዲናል ዩጂን ቲሰራንት ተቐብኡ።
መቸም፡ ካርዲናል ዩጂን ቲሰራንት ኰነ ኣባ ሃይለማርያም ካሕሳይ (ዓዲ ግራት ዝመወለዶም ጸኒሖም ቀዳማይ ኤፓርቅ ኢትዮጵያ ንክዀኑ ዝበቕዑ ዝና ዝነበሮም ክኢላ ካህን) ኣበርክቶኦም ክጥቀስ ኣገዳሲ እዩ።
ብመጀመርታ ካርዲናል ቲሰራንት ምስዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ኣገደስቲ ዘመናት ምትእስሳራት ከም ዝነበሮም ክንግንዘብ ይግባእ።
- ግዝኣት ጣልያን ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን (1936-41)
- ድሕሪ ግዝኣት ጣልያን - ወተሃደራዊ ምሕደራ እንግሊዝ (1941-50)
- ዘመነ ፈደረሽን ኤርትራ (1950-59) ... ኣብዞም ሰለስተ ዘመናት ብፖለቲካ ተደፊኦም ሰለስተ ዝተፈላለዩ መርገጺታት ከም ዝነበሮም ክንግንዘብ ንኽእል።
በቶም ተወላዲ ዓዲግራት ዝዀኑ ኣቡነ ሃይለማርያም ካሕሳይ ድማ ምስ እንሓስብ ንሶም ኣገዳሲ ዛንታ ከም ዘለዎምን ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ተራ ኸኣ ግዙፍ ከም ዝነበረ ክጥቀስ ይግባእ።
ኣቡነ ያዕቆብ ሓያልን ሰተት ዘየብሉን'ዮም ነይሮም ዝብሉ ፈለጥቶም ኣለዉ። ኣባ ቴዎድሮስ'ውን ትንክፍ ኣቢሎም ይጠቕስዎ'ዮም። ኣብ ዘመኖም ኣብቲ ቤተክርስትያን ዝነበረ ገለ-ገለ ምፍሕፋሕ ከይወረስዎ ኣይተርፍን፡ ብተወሳኺ ምስቲ ሓያል ባህሪኦም፡ ሽግራት ይፈጥረሎም ከም ዝነበረ ኣባ ቴድሮስ ኣብ ጽሑፎም የዘንትዉ።
ኰይኑ ድማ እቲ ጕዳይ ብወኪል ቤት-ጽሕፈት ጳጳስ (ሎዶቪኩስ ማቲያስ) ግዜያዊ መፍትሐ ተረኽበሉ፣ ጸኒሖም ከኣ ኣብርሃ ፍራንስዋ ከም ወኪል ቆመስ፡ ድሒሮም ከኣ ከም ኣቡን ኰይኖም ክትክእዎም ከኣሉ።
ኣቡነ ያዕቆብ ናብ ሮማ ምስ ከዱ ኣብ ኮለጅ ዳማሰኖ ከም ቅስና ዘልብሱ ኣቡን ኰይኖም ኣገልግሎቶም ቀጸሉ።
መጻሕፍቲ ኣባ ያዕቆም
ልዕል ኢሉ ኣቡነ ያዕቆብ ብቋንቋ ትግርኛ ኣዝዮም ብሱል ከም ዝነበሩ ዝተጠቕሰ ሓበሬታ፡ ንመርኣያኡ - ብኣባ ቴድሮስ ኣብርሃ ዝቐረበ - ዝርዝር ናይቶም ዘበርከትዎም መጻሕፍቲ ንርአ፤
- መጽሓፍ ሰዋሱው (1923)
- ዝናን ተረትን ምስላ ናይ ቀዳሞት(1941)
- ሓዋርያዊ መልእኽትን ናይ ኢዮቤል ጸሎታት (1943)
- ሰዋሱው ጽድቕ ዘካህን (1952)
- ሕጽር ዝበለ ስብከት ወንጌል (1912)፡ ንኡስ ትምህርቲ ክርስቶስ (1944)
- ዓቢዪ ትምህርቲ ክርስቶስ (?)
- ዕቅበተ ግዜ ዘውእቱ መዳልወ ሰዓታት ወዕለታት (1938)
- ጸሎት ታስዕቲ ናብ ብጹእ ኣባ ገብረሚካኤል ሰማዕት (?)
- ጥንታዊ ወግዕን ስነ-ስርዓትን ናይ ህዝቢ ኢይዮጵያ (1964)
- ባህልና ክዝከር (?) ... ዘኣመሰሉ'ዮም።
ከምዚኦም ዘኣመሰሉ መጻሕፍቲ ኣብ ቀረባ እንተ ዝህልዉ ክንደይ'ኮን ምተጠቐምና ክንብል ንኽእል። ኣብ ከብሕታት ተዓሺጎም፡ ኣብ ጽምኢ-ንብባ ዘለዎም ሰባት እንተዘይበጺሖም ድኣ እንታይ'ዩ ጥቕሞም እንተበልና ኣይተሓዘናን ግዲ!
ንምዃኑ፡ ኣቡነ ያዕቆብ ኣብ ልዕሊ'ቶም 11 ዘሕተሙዎም መጻሕፍቲ ገና ዘይተሓትሙ - ማዕረ 32 ዝኣኽሉ - ጽሑፋት ከም ዘለዉ ኣባ ቴድሮስ ኣብ ጽሑፎም ይጠቕሱ።
ኣቡነ ያዕቆብ ብ1967 ንኣስመራ ምስ ተመልሱ ኣብ ክልተ ዓመቶም ግዜ ዕረፍቶም ኣርከበ። ብ25 ጥሪ 1969 ከኣ ኣብቲ ዝተወልድሉ ዓዶም - ኣብ ሔቦ - ሓመድ ኣዳም ለበሱ።