ኣከባብራ በዓል- መስቀል ኣብ ገለ ከባቢታት - ብስእሊ

ደመራ እንትቃጸል
Published
ንባብ: 2 ደቓይቕ

በዓል መስቀል 2019 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ኤርትራን፡ ካብ ድሮኡ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ብድምቀት ይኽበር ኣሎ።

ኣብቲ ብላዕለዎት መራሕቲ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኣብ ዝመርሕዎም ከባቢታት ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ብኣሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ተሳቲፉ ኣሎ።

ድሕሪ ቅዳሰን ምህለላን፡ ዳሜራ ዝተወልዐ ኰይኑ፡ ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ሓዊሱ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተኻየደ ጽንብል ዝገልጹ ኣሳእል እነሆ፣

ካህናት እናዘመሩ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ዝተኻየደ ጽንብል
መራሕቲ ሃይማኖት ዝተረኽብሉ ኣከባብራ መስቀል ኣብ ከተማ ኣስመራ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ኣስመራ ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት በዓል-መስቀል ብኸምዚ ድምቀት ኣኽቢሮምዎ ውዒሎም
መራሕቲ ሃይማኖት እናዘመሩ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ዝተኻየደ ጽንብል
መራሕቲ ሃይማኖት መፅሓፍ እናንበቡ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ኬንያ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን እውን ሰዓብቲ እምነት፡ በዓል መስቀል ጸንቢሎም
ዘመርቲ
መግለጺ ስእሊ, መንእሰያት ኣብቲ ጽንብል መዝሙር ኣስሚዖም - ኣብ ናይሮቢ
መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ናይሮቢ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ናይሮቢ ድሙቕ ስነስርዓት ተኻይዱ
መራሕቲ ሃይማኖት ኣብ ያሬዳዊ ቅዳሴ
መግለጺ ስእሊ, ኣብ መስቀል ኣደባባይ - ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ድሙቕ ጽንብል
ኣብ ከተማ ኣስመራ ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት በዓል-መስቀል
መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ኣስመራ ሰዓብቲ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት በዓል-መስቀል ብያሬዳዊ ዝማረ እንተኽብሩ

ከም ንቡር፡ መስቀል ኣብ ከተማ ኣክሱምን ዓዲግራትን ሓዊሱ ኣብ መላእ ትግራይ'ውን ብድምቀት ተኸቢእሩ ዝውዕል ኰይኑ፡ ብሰንኪ ሻቕሎት ኲናትን ምዕፃው ኣግልግሎት ኔትዎርክን፡ ነቲ በዓል ዝገልፁ ኣሳእል ኰነ ሓበሬታ ክንረክብ ኣይከኣልናን።